ትርሓስ ፍቃዱ
ምስላታት መስትያት ናይቲ ዝነብሮም ሕብረተ- ሰብ ኢዮም።ምስላታት ኣኪብካ ክትምርምሮም ኣብ እትጅምረሉ ግዜ መኣስ ግዜን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታትን ፈሊሞም ክትፈልጦም ብዙሕ መፅናዕቲ ዝሓትትን ዝተሓላለኸን ድኣ ክኸውን ይኽእል’ምበርኣብቲ ዝበቘልሉ እዋን ዝነበረ ኣተሓሳስባ፣ ኣረኣእያ፣ ኣመለኻኽታን እምነትን ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ጉዳያት ከም ዘንጸባርቑ ይገሃደልካ።ገሊኦም ኣተሓሳስባታት፣ ኣረኣእያታት፣ ኣመለኻኽታታትን እምነታትን ምስ ግዜን ደረጃ ንቕሓትን ናይ’ቲ ሕብረተ- ሰብ ይበልዩ ኢዮም፤ ገሊኦም ግን ብዝህልዎም ዕምቈት ትሕዝቶን ኣድማሳዊ ሓቅነትን ተቐባልነትን ቀፃልነት ይህልዎም’ሞ ነበርቲ ኮይኖም ድማ ንረኽቦም።ከምዚ ምስ ዝኾኑ ብኻልኦት ባህልታት ተራዒሞም ክዝውተሩ’ውን ይስምዑን ይረኣዩን ኢዮም።ካብ መጽሓፍ ‘ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ‘ ዘርእስታ ብሊቀ መዘምራን (መ.ገ.) ሞገስ ዑቈበጊዮርጊስ ዝተፀሓፈት እዞም ኣብታሕቲ ዘለው ንሎሚዓልቲ ሕታምና ሒናልኩም ቐሪብና ኣለና።
ምኽባር ሕጊን ፍትሒን
• ሕጊ ይነብር ተተኺሉ፤ስርዓት ይነብር ተዛዊሩ
• ሓወይ ኢልካ ኣይትህቦን ዘይናቱ፤ጓና ኢልካ ኣይትኸልኦን ናቱ
• ምፅላእስ ንፃላእ፤ ፍትሒ ግን ኣይንከላእ
• ስርዓት የናብር፤ዕርቂ የካብር
• ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፤ጨው ከም ዘይብሉ መግቢ
• ሰማይ ኣይምለጥ፤ ፍርዲ ሰለስተ ኣይግልበጥ
• ንብረት የነባብር፤ ሕጊ የከባብር
• ፍትሒ ኣይጥፋእ፤ዝሰተየ ኣይትፋእ
ኣድልዎን ህውከትን
• ህውከት ይሰድድ በረከት
• መዳለዊ ዳኛን፤ገፃብ መፅዓኛን የጥፍእ
• ቈሪሶም ዘብልዕዎ፤ኣሚቶም ዝኸደንዎ፤ንምስክር ኣይፀውዕዎ
• ብሕማቕ ጓሳ ላሕሚ ትውቃዕ፤ብሕማቕ ዳኛ ቅኑዕ ይርታዕ
• ክልተ ሻዕ ዝፈርዱ፤ግናይ ይወልዱ
• ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፤ሕነ ሃብታማት ንዘኽታማት ፍቕሪን (ኵለንትናዊ ፍቕሪ) ይቕረ ምባልን
• ምስ ህዝብኻ መዓት፤ዳርጋ ገዓት
• ምስ ህዝብኻ ፀበባ፤ኣስትያ ፀባ
• ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ
• ቅንኢ ምስ ፍቕሪ፤ስዓል ምስ ፍግሪ፤ዘይሰልጥ ግብሪ
• ብሽማግለ ዝተዓርቀ፤ብሲሚንቶ ዝተነድቀ
• ዘይበኣሱ መላእኽቲ፤ዘይተዓረቑ ኣጋንንቲ
• ፀላእ ሃገር ሽፍታ፤ፀላእ ገንዘብ መሸታ
• ፍቕርን ጥቕምን፤ፀሓይ ዝወቕዖ ጠስምን ሓደ
መሃዝነትን ተበላሓትነትን
• ሙያ ብግብሪ፤ዕድል ብፈጣሪ
• ምህሮ ምስ ኣእምሮ፤ጠስሚ ምስ ሽሮ
• መዓር ርኸብ’ምበር ግድን ቅርቅረ እንታይ ሸገረ
• ምቕዳም’ምበር፤መልክዕ ጉያ’ዶ ኣሎ!
• ዓወት ብሙያ፤ቅድድም ብጉያ
• ካብ ጕይይ ምዓል፤ክሳድ ምሓዝ
ምጉዳል እምነት
• ምሒልካ ኣይትጥለም፤ተመኪሕካ ኣይትህደም
• ኣርእዮም ኣይኽልኡኻ፤ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ
• እተዃላለስካሉ ኢድካ ኣይትዋቓዓሉ፤እተሰዓዓምካሉ ኣፍካ ኣይትፃረፈሉ
• ክንዲ ዘዀለስኩ፤ኢደይ ተነኸስኩ
• ዘዕበኽዎ ከልቢ ነኸሰኒ፤ዘንደድክዎ ሓዊ ኣንደደኒ
• ዝኣመንክዎ ፈረስ፤ኣውደቐኒ ኣብ ደንደስ
ክፉእ ግብሪ
• ነገር ንመሃዚኡ፣ተመን ንተሓዚኡ፣ እሾኽ ንሓፃሪኡ
• ነገርካ ዝደለየካ ሹም፣ መንጕዳ ደርሆ ይእዝዘካ
• ከይሓሚ ፀውዓዮ፣ ከይበልዕ ድፍኣዮ
• ክዳን’ምበር ሕማቕ ዘረባ ኣይበልይን’ዩ
• ዘራጊት ዘላተን ኣሓ ፅሩይ ማይ ነይሰትያ
• ፀላኢ ፀለሎ ቀባኢ
• ሕሱም ሓሙ ሰዊት ሓጋይ ይእዝዝ
• ወዲ ድሙ ኣይሓድግን ግብረ እሙ
እምነትን ፅቡቕ ግብርን
• ሓላዊ ዘለዋ በጊዕ ኰልኰላ ደገ ይሓድር
• ፅቡቕ ግብሪ፣ንዘለዓለም ክብሪ
• ቁም ከም ዕላማ፣ቀጥ ከም ጫማ
• ብልዒ ሓላፊ፣ሽም ተራፊ
• ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ፣ኣፀብቕ ዝበልዎ ኣየኽፍእ
• ጐይታኣ ዝኣመነት ክልቢ፣ ስብሕቲ ክትሕረድ ማይ ትወርድ
• ጥዋፍ ንሰብ ተድርር፣ንርእሳ ትሓርር
ትዕግስቲን ጥንቃቐን
• ትዕግስቲ ርእሰ-ሃብቲ
• ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ
• ሓደ ግዜ ካብ ምዝራብ፣ኣርባዕተ ግዜ ም ሕሳብ
• ልሳን ዓፅሚ የብሉን፣ግን ዓፅሚ ይሰብር
• መለበሚ ኣይግበርካ፣መለበሚ ኣይኽላእካ
• ምስጢር ካብ ቤት፣ ምኽሪ ካብ ጐረቤት
• ካብ ምስ ተወቕዑ ምንፅርፃር፣ከሎ ገና ሓፁር ምሕፃር
• ማይ ከይመፅ፣መገዲ ማይ ፅረግ
• ቈልዓ ብንእሱ፣ቈርበት ብርሕሱ
• ከይኮነ ወግን፣ከይተሰብረ ፀግን
• ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ
• ፃህያይ ክጅምር ከሎ፣ተሎ ኢልካ ንቐሎ ትዕቢትን
ጃህራን ዘይንስኻ ክትመስል ምድላይን
• ትዕቢት መቕድም ውድቀት፣ትሕትና መቕድም ክብረት
• ምስ ተሾመ ዚዀርዕ፣ ሰዓሩኒ ኢሉ ኪጠርዕ
• ሳላ ሓምሊ ዝሓለፈ ፀገም፣እንታይ የዅርዓካ ስገም
• እንቍርዖብ ክንዲ ብዕራይ ክትኣክል ክትብል፣ተነፊሓ
ሞተት
• ብስምዒ ዝተጣበቐ ስኒ ሓይኽካሉ ኣየድቅቕ፣ ስሒቕካሉ ኣየድምቕ
• በቕሊ ‘መን ኣቦኻ?’ እንተ በልዎ ‘ፈረስ ኣኮይ’
• ትበልዖ ስኢና ዝቐጠነት ‘ኣነ ቀጣን ጓል’ ኢላ ኣዝመረት
• ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ኣጐዛ ኣንጽፉለይ ይብል
ዋጋን ኣገዳስነትን ትምህርቲ
• ትምህርቲ ናይ ዘለዓለም ርስቲ
• ናይ ቃል በራሲ፤ናይ መፅሓፍ ተወራሲ
• ናይ ቃል ይርሳዕ፤ናይ መፅሓፍ ይውሳእ
• ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩ፤ ሰብዓ ዓመት ይድንቍሩ
• ዘይተማህረ ኣየድሕን፤ዘይተወቕረ ኣየጥሕን
• ፍልጠት የዅርዕ፤ሃብቲ የብልዕ፤ትህኪት የጠልዕ
• ተማሂሩ ዘይፅሕፍ፤ኣኽፊሉ ዘይገድፍ
• ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ፤ ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ
ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013