ሓምለዋይ ዓሻራ ንመፃኢ ወለዶ ዝበልፀገት ሃገር ንምውራስ ዘለና ፅኑዕ ድልየት መርአዪ ‘ዩ ክብሉ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፡- ሓምለዋይ ዓሻራ ፈልሲ ካብ ምትካል ሓሊፉ መማረፅታት ኢኮኖሚ ብምስፋሕ ንመፃኢ ወለዶ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምውራስ ዘለና ፅኑዕ ድልየት ዘርኢ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት “ሓምለዋይ ዓሸራና ንዘላቒ ልምዓትና” ብዝብል ቴማ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝጠመተ ዘተ ፓናል እንትካየድ ከምዝገለፅዎ፣ ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ተፈጥሮኣ ዝተዓደለት እንተኾነት’ውን ንነዊሕ ዘመናት ብዝነበረና ድሑር ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ምኽንያት ናብ ምብራስ ከባቢ፣ ምስፍሕፋሕ በረኻነትን ምምንማን ብዝሃ ህይወትን ተሳጢሓ ኣላ።

ካብዚ ተላዒሉ’ውን ለውጢ ከባቢ ኣየር ንዘስዕቦም ፀገማት ተቓላዕቲ ኮይንና ፀኒሕና ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት፣ እኹል መሬት፣ ዓመት ምሉእ ዝውሕዙ ሩባታትን ዘፍሪ ሓይልን እናሃለወና ንሕፅረት ምግብን ስነ-ምግብን ብምቅላላዕና ብቢሊዮን ዶላር ዝቑፀር ወፃኢ ብምግባር ፍርያታት ግብርና ካብ ወፃኢ እናእተውና ምንባርና ዘጣዕሰ’ዩ ኢሎም።

ነዚ ፀገም ብምግንዛብ መንግስቲ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዘይምብርከኽ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ስትራቴጂ ብምቕራፅ ብፍላይ ኣብ ዘፈር ልምዓት ግብርናን ደኒን ዝለዓለ ርብርብ እናገበረ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጦም።

ንስትራቴጂ ሓምለዋይ ልምዓት ብውፅኢታውነት ንምትግባር ዝተፈላለዩ ሜላታት ምትግባር ኣድላዪ ብምዃኑ ብመፈልፈልነት ሓሳብን ኣመራርሓ ወሃብነትን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ተቐሪፁ ምትግባር ምጅማሩ ንልምዓት ደኒን ጥሙር ሕርሻ ደኒን ዝለዓለ ግደ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ዕላማ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሸራ ሽፋን ደኒ ብምውሳኽ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዘለና ተሳጣሕነት ብምንካይ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ውሕስነት መነባብሮ ንምርግጋፅ፣ ንመነባብሮ ዝስማዕማዕ ከባቢ ንምፍጣርን ብውፅኢታት ደኒ ዓርስኻ ንምኽኣልን ኢሉ’ውን ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ንምቕራብ ብዘኽእል መልክዑ ብምትግባር ጉዕዞ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ምቅልጣፍ ‘ዩ።

ብምዃኑ’ውን እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኩሎም ከባብታት በቲ ዝድለ መጠን ንምፍፃም ክስርሑ ዘለዎም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ምስራሕ ኣድላዪ ‘ዩ ኢሎም

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብመርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ዓሸራ ዝተመዝገበ ውፅኢት ካብ ግድብ ህዳሰ ቀፂሉ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ጀሚራ ምውዳእ ትኽእል ዓባይ ሃገር ምዃና ዘርኢ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም፣ ነቲ ዝተመዝገበ ውፅኢት ገንዘቦም፣ ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ብምትሕብባር ውፅኢት ንኽምዝገብ ንዝገበሩ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ብወገኖም፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሰርሑ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘኹርዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፣ በዚ’ውን እቲ በቢ ዓመቱ ይበርስ ዝነበረ 92 ሽሕ ሄክታር ዝግመት ደኒ ናብ 32 ሽሕ ሄክታር፣ እቲ ብዓመት ካብ ሓደ ሄክታር ይሽርሸር ዝነበረ 130 ቶን ሓመድ ናብ 42 ቶን ክንኪ ምኽኣሉ ከምኣብነት ኣልዒሎም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሑ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ዓሸራ ልዕሊ 25 ቢሊዮን ፈልስታት ተተኺሎም’ዮም።ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ድማ 6.5 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ከምተዳለው ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ገፆም ዕላዊ ገይሮም ኣለው፡፡

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 17 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You