ማይክ ሃመርን ትሬሲ ኣን ጃኮብሰንን ምስ ጉጅለ ክትትል ከይዲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ):-ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመርን ኣፈፃሚት ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰንን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ዝመደቦም ጉጅለ ክትትል ከይዲ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም።

እቲ ጉጅለ ከይዲ ሰላም ናይ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ቅርታ ናይ ምስማዕን ስራሕቲ ኣብ መቐለ ዛሳልጥ ዘሎ ‘ዩ።

ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ዓሊሙ ሕብረት ኣፍሪካ ዘጣየሾ ጉጅለ ዝዋፅኦ ዘሎ ግደ ዝነኣዱ ማይክ ሃመር፣ ስልጣኑ ክሳብ ቀፃሊ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም እንተናውሐ ሕጉስ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You