ኣብ ማራካሽ ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን

ዳይመንድ ሊግ 2024 ኣብ ሰሜናዊት አፍሪካ ዝኾነት ሃገረ ሞሮኮ ከተማ ማራካሽ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደቂኣንስትዮ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ተዓወቲ ኾይነን ‘የን፡፡ ካብ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብ5ሽሕ ሜትሮ ኢትዮጵያ ዝወከላ መዲና ኢሳን ፎትየን ተስፋይን ተኸታቲለን ብምእታው ተዓወቲ ኮይነን ‘የን፡፡

ኣብ ቻይና ከተማ ዚመንን ሻንጋይን መልዓሊ ብምግባር ናብ ዋና ከተማ ኳታር ዶሃ ብምኻድ ብዝተፈላለዩ ርሕቐት እናፎኻኸሩ ዝፀንሑ መድረኽ ዳያመንድ ሊግ፤ ኣብ ማራካሽ ብምቕፃል ብትራክን ተግባራት ሜዳን ውድድራት ብዙሓት ኮዋክብቲ ኣትሌታት ብቅዓቶም ብምርኣይ ንዳያመንድ ፅዋዕን ንመፃኢ ናይ ፓሪስ 2024 ኦሎምፒክ ዘለዎም ቅዋም ፈቲሾም ‘ዮም፡፡

ኣብዚ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓብይ ፍኽክር ብምግባር ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ 1500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ፣ 3ሜትሮ መሰናኽል ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ ‘ውን 5ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ፍኸክር ገይረን ‘የን፡፡ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መንእሰይ ኣትሌት መዲና ኢሳ ቀዳማይቲ ብምውፃእ ዝዛዘመት እንትኾን እቲ ርሕቐት ንምዝዛም 14፡34፡16 ዝኾነ ሰዓት ወዲእላ ‘ዩ፡፡ እታ ኣትሌት ኣብ ቀረባ ተኻይዱ ዝተዛዘመ መላእ ኣፍሪካ ፀወታ በቲ ርሕቐት ሃገራ ወኪላ ናይ ወርቂ ሜዳልያ ከምዘሸነፈት ዝዝከር ‘ዩ፡፡

ብተወሳኺ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2022 ኣብ ኮሎምብያ ካሊ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ኣትሌትክስ መናእሰይ ዓለም ወርቂ ብምምፃእ፤ ኣብ 2023 ኣውስትራሊያ በትረስ ናይ ዓለም ሃገር ኣቋራፂ ውድድር ሜዳልያ ብሩር ኣመዝጊባ ‘ያ፡፡ ብዘርኣየቶ ተስፋ ዝህብ ብቅዓት በቲ ርሕቐት ሃገራ ወኪላ ውፅኢታዊ ከምትኾን ትፅቢት ይግበር፡፡

ፎትየን ተስፋይ 5 ሰከንድታት ብምድሓር 14፡34፡21 ብምእታው ካልኣይ ብርኪ ብምሓዝ ዛዛማ ‘ያ፡፡ በቲ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተፎኻኸረት ኬንያዊት ኣትሌት ኤዲናህ ጄቢቶክ 14፡35፡64 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ ‘ያ፡፡

ምስ መዲና ሰዓርነት ቅድመ ግምት ተዋሂብዋ ዝነበረን ጎበዝ ተፎካካሪት ከምዝኾነት ዘርኣየት ካሊእቲ መንእሰይ ድማ ኣትሌት መልክናት ዉዱ ራብዓይ ብርኪ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ ‘ያ፡፡ እታ ኣትሌት ኣብቲ መድረኽ ዓወት ተዘይተሳኸዐላ ‘ውን ቅድሚ ኸዚ ብዝገበረቶም ውድድራት ናይ ውልቀ ፅቡቕ ሰዓት ብምምዝጋብ ብቅዓታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዕበየት ትርከብ፡፡

ካሊእ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፍሉ ናይ 3ሽሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ መሰናክል ጌትነት ዋሌ ካልኣይ ብርኪ ሒዙ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ እቲ ኣትሌት በዚ ርሕቐት ዓብይ ልምድን ካብ ዘለዎም ኣትሌታት ሓደ እንትኾን ብዙሓት ውድደራት ብምሽናፍ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ በዚ ውድድር ድማ 8፡09፡40 ብዝኾነ ሰዓት መበል ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ዛዛሙ ‘ዩ፡፡ ሳሙኤል ፍሬው ድማ መበል ራብዓይ ብርኪ ክሕዝ ከኢሉ ‘ዩ፡፡

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሃፍታም ኣለሙ ናይዚ ዓመት ብሉፅ ሰዓት ብምምዝጋብ ካልኣይ ብርኪ ሒዙ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዚመን ዳይመንድ ሊግ ብ5ሽሕ ሜትሮ ኣብ ራባት ተወዳዲሩ ቀዳማይ ዝወፀ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ድማ ብ1500ሜትሮ ተወዳዳሪ መበል ራብዓይ ወፂኡ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ ውድድር ሰለስተ ኢትጵያውያን ኣትሌታት እንተተሳተፉ ‘ውን ዓወት ከይቀንዖም ተሪፉ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 15 ጉንበት 2016 ዓ.ም

Recommended For You