
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት 2 ሓምለ2013 ዓ.ም ምሸት ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘተ ኣካይዱ እዩ።ኣብቲ ዘተ ተለዋጢ ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዝኾነት ቱኒዝያ ፀዋዕነትን ናይቲ እዋን ፕሬዝዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ብዝኾነት ፈረንሳይ ኣካቢነት ኣብ ዝተኻደ ዘተ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ጉዳያት ማይ፣ መስኖን ኢነርጀን ዶክተር ኢንጀነር ስለሺ በቀለ፣ ብወገን ግብፂ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳሚ ሽኩሪ፣ብወገን ሱዳን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ መርየም ኣልሳዲቅ ተረኺቦም እዮም።
ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎን ቅዋም ድሕሪ ምግላፀን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፅን ሱዳንን ንውሕ ዝበለ ነቐፌታን ስምዐታን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣቕሪቦም እዮም።ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጅን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ንክልቲኤን ሃገራት ሓሳብ ተመጣጣኒ ዝኾነ ታሪኻዊ ምላሽ ሂቦም እዮም።እቶም ሚኒስትር ብቋንቋ እንግሊዝኛ ን17 ደቓይቕ ዘስምዕዎ ታሪኻዊ መደረ ናብ ትግርኛ ተርጊምና ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
የመስግን ኽቡር ፕሬዝደንት
ኽቡር ፕሬዝዳንት ናይ ወርሒ ሓምለ ስራሕቲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንክመርሑ ስለተሓረዩ ዝተሰመዐኒ ሓጎስን ሰናይ ትምኒተይ ንክገልፅ ይፍቐዱለይ።
ንዝተኸበሩ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ’ውን ሰላምታይ የቕርብ።ንሓወይ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሚ ሽኩሪ ንሓፍተይ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን መርየም ኣልሳዲቅ’ውን ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ ይፎቲ።ብተወሳኺ’ውን ንዝተኸበሩ ኢንገር ኣንደርሰንን ፍሉይ ልኡኽ ፐርፊት ጆኦግሪ ንዝነበሮም ተሳትፎ ከመስግን ይፎቲ።ተወካሊ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብዚ ኣኼባ ስለተረኸቡ’ውን ከመስግን ይፎቲ።
ኣብዚ ኣኼባ ግድብና ብዘይተለመደ መልክዑ መንቀሊ ሰምዐታ ኮይኑ ኣሎ።በዚ ምኽንያት ኣብዚ ቤት ምኽሪ ተረኺበ መደረ ዘስማዕኹ ናይ መጀመርታ ሚኒስትር ማይ ኣነ ከይኾንኹ ኣይተርፍን። ግድብ ህዳሰ ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ መመያየጢ ዛዕባ ምዃኑ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሰዓት ምብኻን ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ተኣምን።ኮይኑ ግና ንዚ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ናይ ሃገረይ ኢትዮጵያ ትኽክለኛን መእመንቲ ነጥብታት ንምቕራብ ብምኽኣለይ ኽብሪ ምዃኑ የኣምን።
ቅድሚ ዓመታት ኣብ ጁን 29/2020 ኣ.ፈ. ንሶም ፕሬዝዳንት ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ብሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪነት ዝጀመርኦ ምይይጥ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ድማ ንቲ ሕብረት ድጋፍ ከምዝገብር ገሊፁ ነይሩ።ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብቲ ድርድር ተቐባልነት ዘለዎ ውፅኢት ንክርከብ ብሓድሽ መንፈስን ብቕንዕናን ኣብቶም ድርድራት ክትሳተፍ ፀኒኻ ኢያ።በዚ ኣጋጣሚ መሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ደቡብ ኣፍሪካ ብፌብሩዋሪ 2021 ኣ.ፈ ስጋብ ዝጠናቐቅ ድርድራት ብዝግባእ ንክካየድ ንዝገበረቶ ፃዕሪ ከመስግን ይፎቲ።ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ ንናይዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ኣቦ ወንበር ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ እቲ ድርድር ብተደጋጋሚኳ እንተተቋረፀ እቲ ድርድር ንክቕፅል ንትገብሮ ፃዕሪ ምስጋናኣ ተቕርብ።
ክቡር ፕሬዝደንት
ሐዚ እናሰራሕና ዘለናዮ ግድብ ብአፍሪካ ኮነ ብዓለም ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።እናሃነፅና ዘለናዮ ተርባይናት ብማይ ሓይሊ ብምውቓዕ ሓይሊ ምምንጫው ዘኽእል ናይ ማይ ግድብ እዩ።ንዕኦም ሓበሬታ ክኾኖም ንምግላፅ ዝኣክል ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ግብፂ ኣስዋን ግድብ ካብ ክልተን ፈረቓን ዕፅፊ ዝነኣሰ እዩ።ምናልባት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ብፍሉይ ኩነታት ንክርአይ ዝገበሮ 65 ሚሊዮን ኣብ ውሽጢ ፀልማት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተስፋ ስለዝገበርሉ እዩ።ካሊእ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ በሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ዝህነፅ ግድብ ብኢትዮጵያዊን ንብዓት፣ ረሃፅን ደምን ዝተሃነፀ ምዃኑ እዩ።እቲ ግድብ ኣብ ትክክለኛ ሰዓት ኣብ ትክከለኛ ቦታ ዝተሃነፀ ንቲ ቐጠና ዓብይ ተስፋ ዝህብ ግድብ እዩ።
ሩባ ኣባይ ምጥቃም ዘይምኽኣልና ኣብ ስነ ልቦና ህዝብና ዓብይ ቅሬታ ፈጢሩ እዩ።ንዚ ሓደ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ኣባሃህላ ይገልፆ።ንሱ’ውን ‹‹ወደ ኣባይስ ማይ ይፀምኦ››ዝብል እዩ።ትርጉሙ ድማ ኣብ ማእኸል ሩባ ጠጠው ኢሉ ማይ ዝፀምኦ ሓደ ሓረስታይ ከመልክት ይኽእል።እዚ ዓብይ ቕሬታ ንምፍታሕ ካብ ሓፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ክልተ ሲሶ ዝሓዞ ሩባ ኣባይ ካብ ምልማዕ ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ የለን።በዚ ምስ
ጎረባብትና ኣብ እንማቐሎ ዓብይ ሩባ ህዝብና ዓርሱ ካብ ፀልማት ዝወፅአሉን ዝዓብየሉን ተስፋ እናርአየ እዩ።እዚ ግድብ በኣፀጋሚ ኩነታት ውሽጢ ናብረኦም ዝደፍኡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት፣ መርባሕቲ እንስሳ፣ ተምሃሮ፣ መዓልታዊ ሰራሕተኛታትን ዳያስፖራታት ሓድጎም(ዓሻራ)ዘዕረፍሉ እዩ።
ኢትዮጵያዊያን ንህዝቢ ግብፅን ሱዳን ፅቡቕ ሓሳብ ኣለና።ብሰላምን በሓባር ተረባሕነት ብሓባር ምስራሕን በምትሕብባር ንምንባር ፅኑዕ ድሌት ኣለና።ካብዚ ብምብጋስ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ናይ ህዝብታት ኣፍሪካ ናይ ሓባር ምትሕብባርን መግለፂ ካብ ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ሓደ እዩ።
ክቡር ፕሬዝደንት
መቦቆል ወደ ሰብ ዝኾነት ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ካብ ኣህጉራት ኩሉ መንእሰይ ኣህጉር እያ።ኣብታ ኣህጉር ዘለው መናእሰይ ሓይሊ ብምጥቃም ንምልማዕ ዝለዓለ ድሌት ኣለዋ።ብተመሳሳሊ ሀገረይ ኢትዮጵያ ካብ ህዝባ 70 ሚኢታዊ ካብ 30 ዓመት ዕድመ ክልል ንታሕቲ ዝርከብ መንአሰይ እዩ።በቢዓመቱ ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ኢትዮጵያዊያን ካብ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ይመረቑ እዮም።እዚ ጥራሕ ከይኮነስ ናብ 30 ሚሊዮን ገደማ ኢትዮጵያዊያን ብዝተፈላለየ ብርኪ ትምህርቲ ይርከቡ።
እዚ እናዓበየ ዘሎ ድሌት ብኣግባቡ ምትእንጋድ ድማ ንሃገረይ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ።ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ብበረኻ ሰሃራ ዝሳቐዩ፣ ንስድራኦም ዝሐሸ ናብራ ንምፍጣር ኣብ ዓረብ ሃገራት ህይወቶም ዝግብሩ፣ ኣብ ኣፍሪካን ኣብ ካልኦት ሀገራትን ኣብ ቤት ማሕየር ዝማቕቑ፣ በጥራሕ እግሮም ካብ ዓረብ ሃገራት ዝባረሩ ኢትዮጵያዊያን ክቡርን ፅቡቕ ህይወት ይግብኦም።
ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ግድብ እዩ።ስለዚ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ኩሉ እናተጋፈጥና ንምቕፃል ቆሪፅና ተላዒልና ኣለና።ብእዚኦም ኩሉ ማሕለኻታት ውሽጢ ቐስ ብቐስ እናሰዓርና ኢና።
ክቡር ፕሬዝደንት
ኣብዚ ዝተረኸብና ግብፅን ሱዳንን ስምዐታ ብምቕራቦም እዩ።ኩሎም ጎረባብትና ግና ዓበይትን ኣናእሽተይን ግድባት ብዘይ ኣፍልጦ ተፋሰስ ሃገራትን ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ናይ እንመኻኸር ሕቶ ንጎኒ ገዲፎም ምህናፆም ምፍላጥ ግቡእ እዩ።ሐዚ ከምተረዳእናዩ እቲ ተቓውሞኦም ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ጥራይ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ብምንም መልክዑ ሓፍቲ ማያ ከምይትጥቀም ንምግባር እዩ።
እቲ ሓቂ ግና ካሊእ መማረፂ የብልናን።ንሕና ከም ግብፅን ሱዳንን ኣብ ውሽጢ መሬት ማይ የብልናን።ኣፃሪና እንጥቀመሉ ናይ ባሕሪ ማይ የብልናን።ካብ ማይ ሃገረይ 70 ሚኢታዊ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ዝርከብ እዩ።ስለዚ ማይ ኣባይ ንዘይምጥቃም ተንደሊኳ ኣይንኽእልን።ግድብ ምህናፅ እቲ ሓደ ዕላማና’ምበር ዋና ዕላማና ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጀመረ ሓምለዋይ ሓድጊ መርሃ ግብር ተፈጥሮ ብምክንኻን ዘለና መጠነኛ ማይ ሃፍቲ ምብዛሕ እዩ።
ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት 20 በሊዮን ፈልሲ ንምትካል ሓስቢና ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክልተ ቢልዮን ፈልሲ ተኺልና ኢና።እዚ ወፍሪ ንጎረቤት ሃገራት ኣፍሪካ ፈልሲ ብምልጋስ ዝቐፀለ እንትኾን እዚ ድማ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ሓምለዋይ ቀበቶ ወፍሪ ኣካል እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ግብፅን ሱዳንን ንዘለና ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ተጋላፅነት ዝቕንስን ሓፍቲ ማይ ዝውስኽ ዘኽእል ወፍሪ ንክሕወሱ ፃውዒት ነቕርብ።
ክቡር ፕሬዝደንት
ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ቁርፀኝነት ብቕንዕናን ናይ ምድርዳር ድሌት እንተሃልዩ ኣብ ስምምዕ ከምዝብፃሕ ተኣምን።ስጋብ ሀዚ ኣብ በርካታ ጉዳያት ስምምዕነት በፂሕና ኢና።ጉዳዩ ሕብረት ኣፍሪካ ዝሓዞ እንትኾን ንቲ ድርድር ብዝግባእ እናመርሖ ይርከብ።ንዚ እዮ ጎረባብትና ንቲ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ምምፃኦም መሕዘኒ ዝገብሮ።
ኣነ ብዛዕባ ቴክኒካዊ ጉዳያት በምዝርዛር ከሰልችወኩም ኣይደልይን።ኮይኑ ግና ዝዛረቦ ብዛዕባ ናይ ማይ ግድብ እዩ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ካብ ተመስረተ ንመጀመርያ ግዘ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፕሮጀክት ማይ ንክመያየጥ እናተገበረ እዩ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፖለቲካዊን ጉዳያት ፀጥታ ዝምልከት ቤት ምኽሪ እዩ።ስለዚ ንዚ ቤት ምኽሪ ናይ ማይ ቴክኒካዊ ጉዳያት ዝምልከት ጉዳይ ምቕራብ ግቡእ ኣይኮነን።
ክቡር ፕሬዝደንት
ብኣናን ብክልቲኤን ሃገራት ዘሎ መሰረታዊ ኣፈላላይ ንሶም ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምቕፃል ዘለዎም ድሌት እዩ።ፀገም ብዝፈጠረ ኣተሓሳስባ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምፍታን እዩ ንቲ ድርድር እናዐንቀፈ ዘሎ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሀዚ ኢትዮጵያዊያን ሩባ ኣባይ ናይ ምልማዕ መሰል ኣለዎም ዶ የብሎምን ምስ ዝብል ሕቶ ተፋጡጡ ይርከብ።ስለዚ እዚ ሕቶ ንዚ ቤት ምኽሪ ከቕርብ ይፎቲ።ኢትዮጵያዊያን ማይ ሩባ ኣባይ ናይ ምስታይ መሰል የብሎምን ድዩ?
ክቡር ፕሬዝዳንት
ብሕብረት ኣፍሪካ እናተመርሐ ዘሎ ድርድር ሀዚ ዘለዎ ብርኪ ንክገልፅ ይፈቀዱለይ።ኣብ ጁን 24/ 2020 ኣ.ፈ ኣኼባ ቢሮ ሕብረተ ኣፍሪካ ኣብ ግድብ ህዳሰን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ንምምኻር ተኣኪቡ ነይሩ።ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዝደንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፕሬዝደንት ፈሊክሰ ቲኪሼዴ ቐፃሊ ድርድር ከመይ ከምዘኽድዎ ንቲ ቢሮ ብዝርዝር ኣብሪሆም ነይሮም።ይኹን’ምበር ብዘሕዝን ኩነታት ብላዕለዎት መራሕቲ ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሱዳን ኣይተሳተፈትን።ሱዳን ብዘይምርካባ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት ቐፀልቲ ትሽዓተ ኣኼባታት ንከይካየድ ኣደናቒፈን ኣለዋ።
ሐዚ ኩላትና ኢትዮጵያ ንዘይተደለየ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ከምዘይትንብርከክ ክንፈለጥ ኣለና።ኢትዮጵያ ስጋብ መወዳእታ እትዕገስን እትተሓባበርን በዚ ግዙፍ ሩባና ኩላትና ብምትእስሳርና እዩ።ፎተና ፀላእና ኩላትና ካብቲ ሩባ እንሰቲ ስለዝኾና ተሓባቢርካ ምንባር ግድን ክንለምድ ኣለና።
ኣብዚ ኩነት ኢትዮጵያ ኣፍሪካውያን ፀገማቶም ንምፍታሕ ዝኽእልሉ ዓቕሚን ቴክኒካል ፍልጠት ከምኡ’ውን ዝተወደበ ኣካል ከምዘለና ከምተኣምን በዕቱብ ክገልፀልኩም እፎቲ።ግብፅን ሱዳንን ከቐፅልሉ ብዝደልይዎ ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምኽንያት ዝተኾለፈ ድርድር በኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪነት ከምዝፍታሕ ሙሉእ እምነት ኣለና።
ክቡር ፕሬዝደንት
ብዛዕባ ብዙሕ ዝተብሃለሉ ካልኣይ ዙር ምሓዝ/ምምላእ ማይ ንከብርህ ይፍቐዱለይ።ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ክካየድ እዩ።ናይ ግድብ ኣመላልኣ በዝምልከት ቀድሚና ሓበሬታታት ንክልቲኦም ሃገራት እናፍለጥና ኢና።ግልፂ ክገብሮ ሞ፤ ምምላእ ማይ ናይ ህንፀት ግድብ ሓደ ኣካል እዩ።
ንዚ’ውን ብማርች 2015 ኣ.ፈ ናይ ሰለስቲኦም
መራሕቲ ብዝፈረምዎ ናይ መርህታት ስምምዕነት ብግልፂ ሰፊሩ እዩ።ምምላእ እቲ ግድብ ግልፂ ፊዚክስ እዩ።እቲ ግድብ ኣብ ዝድለ ብራኸ እንትበፅሕ እቲ ማይ በመተንፈሲ ቱቦታት ወይከዓ ብልዕሊ እቲ ግድብ ክፈስስ እዩ።እቲ ግድብ ግብፅን ሱዳንን በዝተስማምዕዎ ናይ ምምላእ ማይ መርሃ ግብሪ መሰረት 13 ነጥቢ5 ቢሊዮን ኩዩቢክ ሜትር ስጋብ ዝበፅሕ ማይ ይሕዝ።ካብቲ ማይ ዓመታዊ ፍሰት 77 ቢሊዮን ሜትር ኪዩቢክ ንተበርክት ሃገር ካብዚ ማይ እቲ ውሑድ ማይ ምሓዝ እንታይ ክፍኣት ኣለዎ።
ግብፅን ሱዳንን እቲ ግድብ እንትዛዘም ብዛዕባ ዝረኽብዎ ረባሓ ብዙሕ ምእማን ኣየድልየንን።ፈላጣት ሱዳናዊያን ባለስልጣናትን ከምዝብልዎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ምንጪ ቀጣናዊ ምትሕብባር እዩ።ኣስዋን ግድብ ንግብፅ ከምዝኾኖ ኩሉ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ድማ ንሱዳናዊያን ከምኡ እዩ።እቲ ግድብ ንማንም ከምዘይጎድእ ከረድእ ይደሊ።
ኩላትን ካብቲ ሩባ ዝርከብ ጥቕሚ ንምቁዳስ ኮነ ፀገም ንምግፋጥ ሓቢርና ኣለና።ሓዴና እንትንረዊ ካልኦትና ክንፀምእ ግና ኣይግባእን።ኣብ ግድብ ህዳሰ’ውን ኢትዮጵያ እዚ ስምዒት ንክዳብር ፃውዒት ተቕርብ።ስለዚ እዚ ቤት ምኽሪ ሀገራት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳአን ንምስኻዕ ኣብ ዝገብርኦ ፃዕሪ ናብ ድርድር ዓብይ ግድብ ህዳሰ ተጎቲቱ ዝኣትወሉ ምኽንያት የለን።
ክቡር ፕሬዝደንት
እቲ ቤት ምኽሪ ብፃውዒት ግብፅን ሱዳንን መሰረት ናብዚ ድርድር እንተኣትዩ ዓርሱ ኣብ ደንበር ተሳገርቲ ሩባታት ተኽኒ ውሽጢ ተፀሚዱ ክረኽቦ እዩ።በዘገርም ኩነታት ኣብ ውሽጢ እዚ ቤት ምኽሪ ካብ ሓንቲት ደሴት ወፃኢ ኩሉም ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዶብ ሰገር ሩባ ኣለዎም።ንሕና በክልቴኣዊን በተፋሰስ ሀገራት ምኽክር መድረኽ ኣፈላላይና ክንፈትሕ ሞክርና ኢና።በዚውን ንቕፅል።
ካብ 2011 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዘካየድናዮ ድርድር ብዙሕ ትምህርቲ ሂቡና እዩ።እዚ ከይዲ ቀጠናዊ መፍትሒታት ንክንረክብ ከምዝረድአና ተስፋ ንገብር።ስዘሊ እቲ ቤት ምኽሪ ናብዚ ጉዳይ እንተኣትዩ ንቲ ተስፋ ካብ ምፅልማቱ ንላዕሊ በሰናይ ድርድር ዝፍታሕ ነገር ኩሉ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ንክፍታሕ ክገብሮ ይኽእል እዩ።እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዶብ ሰገር ሩባታት ኢድ ኣእታዊ ንክኾን ዝግበር ፃዕሪ ክቃወም ይግባእ።
ክቡር ፕሬዝደንት
ባዕዳዊ መግዛእቲን ውዕልታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣፍሪካ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ንህዝብታታ ረብሓ ከይተውዕል ገይርዋ እዩ።ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ነዚ ፀገም ብምርዳእ መፍትሕታት ንምምፃእ ፃዕሪ ገይርና ኢና።ኣብ 1999 ኣ.ፈ ናይ ናይል ተፋሰስ ሃገራት ምክክር ዘጣየሽና እንትኾን ድሕሪ 13 ዓመታት ድርድር ድማ ኣብ 2010 ኣ.ፈ ናይ ምትሕብባር ማዕቀፍ (ፍሬም ወርክ) ተፈራሪሚና ኢና።በዚ መብዛሕቲኹም ኣባላት ቤት ምኽሪ ብፋይናንስን ቴክኒክን ብዝደገፍክሞ ፍሬም ወርክ ሃገራት ተፋሰስ ማይ ኣባይ ብፍትሓውነት ንክጥቀሙ ኣብ ስምምዕ በፂሖም እዮም።በይናዊ ተጠቃሚነት ዘስፍን ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዓለምለኸ ሕጊ ቅቡልነት ብዘለዎ ስምምዕነት ቀይርና ኢና።እዚ ስምምዕነት ናብ ተግባር ንከኣቲ ድማ ስጋብ ዝፀድቕ እናተፀበና ኢና።
ብሱዳንን ግብፅን ዝቀርብ ስምዐታ ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ኣብ ቐፃሊ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ናይ ተፋሰስ ሃገራት ብዛዕባ ዝህልው ልምዓታት እዩ።ብዘይ ፍሬም ወርክን ቀጣናዊ መፍትሕታትን ኩሎም ጉዳያት ናብዚ ቤት ምኽሪ ክመፅኡ እዮም።ሎሚ ተረኛ ኢትዮጵያ እያ።ፅባሕ ድማ ካብ ሃገራት ተፋሰስ ሓዴኦም ክኾኑ ይኽእሉ።
ኣባይ ናይ ኩሎም ተፋስስ ሃገራትን ኣብኡ ውሽጢ ዝነብሩ ፍርቂ ቢሊዮን ህዝብታት ሃፍቲ እዩ።እቲ ማይ ድማ ንኩላትና እኹል እዩ።በመሰረት እዚ ናይ ሱዳንን ግብፅን ኣሕዋትን ኣሓትን ንክረዱእና እንደልዮ እቲ መፍትሄ ካብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ከምዘይመፅእ እዩ።መፍትሒ ዝመፅእ በሰናይ መንፈስ ብዝግበር ምይይጥ ከምኡ’ውን ነኒባዕልና ብምትሕስሳብ እዩ።ኢትዮጵያ በመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ድርድር ንምቕፃል ቑርፀኛ እያ።እቲ መፍትሒ’ውን ኣብ ኢድና ኣሎ።ብኩሉ ወገን ተቐባልነት ዘለዎ ስምምዕ ብምፍራም ንዓለም ሰናይ ዜና ከምነበስር ተስፋ ኣለና።
ክቡር ፕሬዝደንት፤
ኣብ መወዳእታ እዚ ጉዳይ ዓቕምን ሕጋዊነትን ንዘለዎ ሕብረት ኣፍሪካ ንክመልስዎ ከምኡ’ውን ግብፅን ሱዳንን በቕንዕናን በቑርፀኝነትን ንከደራደሩ ንከበረታትዓ ይሓትት።እቲ ቤት ምኽሪ’ውን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናይ መወዳእታ ኣኼብኡ ንክኾን ፃውዒት ነቕርብ።ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ካብዚ ዝርሕቕ ኣጀንዳ ድማ የለን።
የመስግን ሃገራት
ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም