ውፅኢት መረፃ ብዝምልከት መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ዝተኸበርኩም ኢትዮጵያውያንን ኢትዮጵያውያትን

ንዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘመን፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መገዲ ብናይ ናፃ ድሌቱ ዝመረፆ መንግስቲ ንኽህልዎ ብዙሓት ፈተነታት እናገበረ ዋላ ይፅናሕ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ይተዓናቐፍ ነይሩ እዩ።ኣብ ከይዲ ብዙሓት መናእሰይ ተምሃሮ፣ ሓረስቶት፣ ሙሁራትን ኩሉ ህዝቢ ልዑል ዋጋ ከፊሉ እዩ።ካብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ልምድና ዘይተሳኽዑ ናይ በሰላ ምኽንያት፣ ናይ ሕዚ መረፃ ዲሞክራስያዊ ኮይኑ እንተዘይተዛዚሙ ዝብል ፍርሒ፣ ኣብ ዝሓለፉ ወርሓት ከም ሃገር ብፍርሒ ርዒድና ምንባርና ዝካሓድ ኣይኮነን።ኢትዮጵየውያን ግና ጭዋ ጥራሕ እንተይኮኑስ ኣርሒቖም ዝሓስቡ ምዃኖም ኣመስኪሮም እዮም።ዝደለይዎ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብተግባር ኣርእዮም እዮም።ብፀሓይን ዝናብን እንተይተሸነፉ ብነዊሕ ሰልፊ ከይተሳላቸዉ ክሳብ ፍርቒ ለይቲ ተቓሊሶም ድሌቶም ብካርዶም ገሊፆም እዮም።ከምናይና እምነት በዚ መረፃ እዚ ሰዓራይ ዝኾነ ህዝብና እዩ።ካብ ህዝቢ ቐፂሉ ብዙሕ ፀገማት ተፃዊሮም ብምሕላፍ ኣብ ዲሞክራሲን ብድምፂ ህዝብን ብዘለዎም ፅኑዕ እምነት፣ ሓሳብን ፖሊሲኦምን ንህዝቢ ብምቕራብ ብርቱዕ ውድድር ዝገበሩ ተናሕናሕቲ ፓርትታት ዲሞክራስያዊ ከይዲ ዕውት ክኾን ዝገበሩ እዮም።

ነዚ መረፃ እዚ ፍሉይን ዲሞክራሲያውን ዝገብሩ ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ እዮም።ኣብ ታሪኽና ንመጀመርታ ግዜ ካብ ፅዕንቶ ብዝተላቐቐ ብዳኝነት ቦርድ መረፃ ዝገበርናዮ ምዃኑ እቲ ሓደ እዩ።ዳኝነት ቦርድ መረፃ ክሳኻዕ ድማ ቁፅሮም ዝበዝሐ ትካላት ውልቐን መንግስትን ሚድያታት ሲቪል፣ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰል፣ቤት ፍርድታትን ካልኦት ትካላትን ብግልፂ ዝተኻታተሉ ምዃኖም እቲ ከይዲ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተኣማንን ዴሞክራሲያውን መረፃ ክኾን ገይርዎ እዩ።እዚ መረፃ እዚ ዲሞክራሲ ናይ ምትካል ትልምና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝወሰደ ብምዃኑ ፓርትና ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ቐዳማይ ዓወት ገይሩ እዩ ዝቖፅሮ።ኣብ ታሪኻዊ መረፃ ምስታፍ ባዕሉ ዝፈጥሮ ሓጎስ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ፓርትና ብህዝቢ ፍቓድ ረኺቡ ሃገር ከማሕድር ዝተመረፀ ምዃኑ ደስ ኢሉና እዩ።ኣብ ውፅኢቱ ካብ ሰዓራይነት ንላዕሊ ሓላፍነት፣ ካብ ስምዒት ዓወት ንላዕሊ ሃገራዊ ሓደራ ክሓድረና ገይሩና እዩ።

መንግስቲ ዝምስረት ብህዝቢ ብዝተመረፁ ፓርትታት ዋላ እንተኾነ ሃገር ምምራሕን ምምሕዳርን ግና ንዝተመረፁ ፓርትታትን መራሕትን ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን።ተናሕናሕቲ ፓርትታትን መራሕትን ክሳብ ዝቕፅል መረፃ ብምምሕዳር መንግስትን ንህዝቢ ብምግልጋል ግዲኦም ሰፊሕ ክኸውን ከምዝግባእ ከዛኻኽር እፎቱ።ኣብ ቐፃሊ ኣዋርሕ ብልፅግና ኣብ ዝምስርቶ መንግስቲ ብኣፈፃሚ ኣካል ኮነ ኣብ ቤት ፍርዲታት፣ ብኻልኦት ናይ ፌዴራልን ክልልን ትካላት ንቑሕ ተሳትፎ ክህልዎም ኣብ ናይ ለብዘበን መረፃ ብሓላፍነትን ብቕዓትን ዝተወዳደሩ ህዝባዊ ፓርትታት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝገበርናዮ ኣወንታዊ ለውጢ ብዝፈጥር መልክዑ ከምነካትቶም ክገልፅ እፈቱ።ብተወሳኺ ክሳብ ዝቕፅል መረፃ ብዝበለፀ ተጠናኺሮምን ዓቕሞም ጎልቢቱ ብርቱዓት ተወዳደርቲ ክኾኑ ዘድሊ ሓገዝ ካብ ምግባር ንድሓር ኣይንብልን።ኣብዚ መረፃ ዝፈጠርናዮ ሰዓራይን ተሳዓራይን እንተይኮነስ፣ ሓታትን ተሓታትን ዘለዎ ስርዓት ዲሞክራሲ እዩ።ስለዚ ኣብዚ ዝሰዓሩ በዚ መረፃ እዚ ዝተወዳደሩ ኩሎም ኣካላት እዮም።

ክቡራት ኢትዮጵያውያን፣

ብናይ መረፃ ካርድኹም ከትመርፁና እንተለኹም ብትልምን ፖሊስን ዘሓዝናዮ ዕላማ ብልፅግና ክነዐውት ናይ ድፍረትን ጥንካረን ስንቒ ከምዘቕብለና ኩሉ ንሕናን ንስኹምን ዘተኣሳሰረ ቓል ኪዳን ተሓልዩ ክፀንሕ ኩሎም ነገራት ቐለልቲ ከምዘይኾኑ ኢና ንግንዘብ።ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣስፍሒና ብምሕሳብ ንኢትዮጵያ ምስ ዝፈትዉ ኣካላት ብምትሕብባር ዓቕምና ፀንቒቅና ብምጥቓም ንምስራሕ ቖሪፅና ከምተላዕልና እንተበስረኩም ብታሕጓስ እዩ።ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ሃገርና ናይ ባሓቂ ብፃዕሪ ደቓ ተሓፊራን ተኸቢራን ልዕል እትብለሉ ዘመን ክኸውን እዩ።እዚ ክሳኻዕ ናይ ሓሳብን ሞራልን ስንቒ ከምእተቐብሉና፣ መገዲ ከንስሕት እንተለና ከምትምልሱና፣ ከንጋገ እንተለና ከምትእሩምና ተስፋ ብምግባር እዩ።

ኣብ ሃገርና ኩለመዳያዊ ብልፅግና ክረጋገፅ ኣብዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ንህዝብና ዘሐጉስ ነገር ከንሰርሕ ኢና ከንብል እንተለና፣ ኣብ ዙርያና ብዘለውና ብልፅግና ኣብዝቓላጠፈሎም ዓርባዕተ ማእዝናት ማእኸል ጠጠው ኢልና እዩ።ናይ መጀመርታ ማእዝና ህንፀት መሰረተ ልምዓት እንትኸውን ሃገርና ከትብልፅግ ብኢኮኖሚ ኮነ ብማሕበራዊን ፖለቲካውን ዘፈር ዘላቒ መሰረት ዝኾኑ ብቕልጡፍ ዝዛዘሙ፣ ፅሬቶም ዝተሓለዉ፣ ካብ ብኽነት ናፃ ዝኾነን እንፈጥሮም ትካላት ወለዶ ክሽከሙ ዝኽእሉ ፣ ተሳጋሪ ዝኾነ መሰረተ ልምዓት ምህናፅና ከንቕፅል ኢና።ውሑዳት ዋላ ይኹኑ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝናኣድ ስራሕቲ ምስራሕና መስከርቲ ንስኻትኩም ኢኹም።

ካልኣይ ማእዘንና ናይ ትካላት ህንፀት እንትኸውን፣ኣብ ናይ ውሕዳት ውልቐሰባት ትካላት ካብ ምትኳር ሓሊፍና ሃገርና ኣብ ፅኑዕ መሰረተ ልምዓት ዝቖሙ ድልዱላት ትካላት የድልዩና እዮም።ዘመን ተሳጋሪ ስርዓት ንምምስራት ዘኽእሉ ገለልተኛን ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ዘገልግሉ ትካላት ኣብ ምህናፅ ቖላሕታ ክግበር እዩ።እዚ ጉዳይ እዚ ካብ ፌዴራል ክሳብ ክልል ዝርከቡ ትካላት ዘካትት እዩ።

ብሳልሳይ ደረጃ ከም ሃገር ዘተኣሳስሩና ናይ ሓባር ኣመለኻኽታታት፣ኣብ ናይ ሓባር ነገራት ቆላሕታ ሂብና ከንሰርሖም ይግባእ።ነንባዕሎም ተፃረርቲ ዝኾኑ ነገራት ክንደይ ዝኣክል ንፀላእትና ዝምቹዉ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ፤ ብኣንፃሩ ድማ ንዓና ደካማ ከምዝገበረና ዘሕለፍናዮም ዓመታት ምስክራት እዮም።ስለዚ ክፍተትና ብዝዓብስ መልክዑ ጥራሕ እንተይኮነስ ከም ሃገር ኣብ ዘጠንኩርና እሴታት ዝተመስረተ፣ ገዛኢ ፓርቲን ካልኦትናን ሓዊሱ ዘዐውት ስራሕ ንምስራሕ ጠንኪርና ከንሰርሕ ኢና።

ብራብዓይ ደረጃ ናይ ሞራል ልዕልናን ስነ-ምግባርን ተመጣጣኒ ቖላሕታ ረኺቦም ክሳብ ዘይተሰረሐሎም ኣብ ሃገርና ሓላፍነት ዝስመዖም ቑፅሪ ዜጋታት እናቐነሰ ብምኻድ፣ ብተፃራሪ ድማ ኢ-ሞራላዊ ተግባራት እናተስፋሕፍሑ ክመፁ በሪ ዝኸፍት እዩ ዝኸውን።ነዚ ፀገም እዚ ብሓላፍነት ንምቕራፍ መንግስታዊን መንግስታዊ ንዘይኮኑ ትካላት ጥራሕ ዝግደፍ እንተይኮነስ ካብ ውልቐን ቤተሰብን ጀሚሩ ዝስራሕ ስራሕ እዩ።ኩሉ ኣካል ተሓጋጊዙ ሃገር ዘጥፍኡ ዘለዉ ኣካላት ፀሪጉ ክድርብዮም ይግባእ።ኣብ ዝቕፅል ዓመታት ብሞራላዊ ፅሬት ዝተሃነፁ ትካላትን መራሕትን እነውፀአሉ ክኸውን ተስፋ እገብር።

ዝተኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብልዑል ደረጀ ዝቐረፅናዮ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብሓባር እንተተሰሊፍና ብዘይ ምንም ጥርጥር ኣብ ዝቕፅል ዓመታት ንሃገርና ብልፅግና ወሳኒ እዩ ዝኸውን።ናይ ውሽጢ ዓቕምና እንታይ እዮም? እንታይ ዓይነት ንምብልፃግ ዕድል ኣብ ኢድና ኣሎ? እንታይ እንተገይርና ኢና ኣብ ኢኮኖሚና መዋቕራዊ ለውጢ ክነምፅእ ንኽእል? ዝብሉ ብዝግባእ ፈቲሽና ዘርቐቕናዮ እዩ።

ኣብ ሃገርና ምህርቲ ንምዕባይ ንፅባሕ ዘይባሃል ጉዳይ እዩ።ብቕልጡፍ ድሌት ምግብና ብምምላእ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ምግቢ ከንላቐቕ ኣለና ።ምግቢ ንዓና ቕንጦት ክኸውን ኣይግባእን።ህዝብና መሪፁ ምብላዕ ክጅምር ቖሪፅና ከንለዓል ኣለና።ብበዝሒ እንስሳትን እፅዋትን እትፍለጥ ሃገርና ውፅኢት እንስሳን ፍራምረን ንምግብና ካብ ቅንጦት ናብ ተራ ምግቢ ክልወጡ ኣለዎም።ዶርሆን እንቑላሊሕን፣ ፃባን ጠስምን፣ ተሪፉና ናብ ዕዳጋ ክነቕርቦም ኣለና’ምበር ኣብ ዓመት በዓል ጥራሕ ሪእናዮም ዝስወሩ ወይ ከም ናይ ሩሑቕ ጋሻ ምዃን ከብቕዕ ይግባእ።

ኣብዚ ሓደ ክፍለጥ ዝግበኦ ሓቒ ኣሎ።መንግስትን ህዝብን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሳብ ዘይሰርሑ ሕልምና ዕውት ይኸውን እዩ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።ኣብ ዝቕፅል 5ዓመታት ተሓባቢርና እንተሰሪሕና ብፍላይ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ምህርቲ ንምዕባይ በርቲዕና ከንሰርሕ ኣለና።ቅድሚ ሕዚ ዝጀመርናዮም ውፅኢት እናምፅኡ እዮም።ኣብ እዋን ሓጋይ ብመስኖ ዝቦቕሉ ኣእኻልን ፍራምረን ለውጢ ንምምፃእ ዝተጀመሩ ኣናእሽተይ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ሕፅረት ዝናብ ንምውጋእ ቴክኖሎጂ ብምጥቓም ደመና ናብ ዝናብ ናይ ምቕያር ልመድና እናዕበየ ይርከብ።ኣብ ቐረባ እዋን ምህርቲ ዘዕብዩ ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ናብ ዕድል ምቕያር ጀሚርና ኢና።

ኩነታት ኣየር ዘስተኻኽልን በዝሒ ሃፍቲ እንስሳትን እፅዋትን ብዓብይኡ ከዓቢ እዩ ተባሂሉ ተስፋ ዝተገበረሉ ሓምላዋይ መርሃ ግብር ተጠቓሲ እዩ።ብቑፅሪ ቐዳማይ ደረጃ ዝገበሩና እንስሳት ከፍቲ ካብ ዕብራን ወፂኦም ምርታማነት ክኾኑ ዝገብር እዩ።ናብ ጎረቤት ሃገር ዝሃደሙ እንስሳ ዘገዳምን ተመሊሶም ናብ ታሪኻውን ባህላዊ መስሕባትን ዝተዋደደ ተፈጥራዊ መስሕብ ብምዃን ናይ ቱሪስት ፍሰት ክውስኽን ኢኮናሚና ክዓቢ ምግባርን ክኸውን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ህዝቢ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፉ ውሕዳት ዓመታት ብቖላሕታ ካብዝሓዝናዮ ጉዳያት ሓደ ግድብ ህዳሰ እዩ።ሕቶ ዲሞክራሲ ብሓደ ምዕራፍ ንምዕባይ መረፃና ዕውት ምግባር ወሳኒ ከምዝነበረ፣ ሕፅረት ኣቕርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራፍን ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቓስ ምቅልጣፍን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ካብዘበርክቱ ፕሮግራምና እቲ ሓደን ወሳንን ግድብ ህዳሰ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ግድብ ህዳሰ ንዓና ኢትዮጵያውያን ካብ ግድብን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምፍልፋል ንላዕሊ እዩ።ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምትሳእ፣ ብናይ ባዕልኻ ድሌት ምምራሕ፣ ናይ ሉኣላውነት ምልክት፣ ናይ ሃገራዊ ሓድነት ገመድ እዩ።ኣብ ግድብ ህዳሰ ብዙሕ ርኢና ኢና።ብዙሕ ተፈቲናሉ ኢና።ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ደው ምባልና ዘድንግፆም፣ ብድሌትና ምምራሕ ምጅማርና ዘናድዶም ኣካላት ኣለዉ እዮም።ኣብ ጉዳይ ኣባይ ብዝደፍኡና ቑፅሪ ደው እናበልና ብዝተፃዓኑና ቑፅሪ እናሓየልና ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ደረጃ ከንበፅሕ ክኢልና ኢና።ኣብ ቐረባ ግዜ ካልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ገይርና ኣብ ዓወት መረፃ ዝተሓጎስናዮ ዝኣክል ኣብ ግድብ ህዳሰና ከምንደግሞ ኣይጠራጠርን።

ኣብ ህዳሰ ግድብ ፍትሓዊ ተጠቃምነትና ክህልወና’ምበር ካልኦት ሃገራት ናይ ምጉዳእ ድሌት የብልናን።ሕዚ ‘ውን ንታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ደጊምና ክነረጋግፆ እንደሊ ሓቒ፣ ሩባ ኣባይ ብሕውነት ዘተኣሳሳር ከም ምዃኑ መጠን ኣሕዋትና ዝኾንኩም ህዝቢ ኣባኹም ምንም ዓይነት ኣሉታዊ ተፅዕኖ ናይ ምፍጣር ድሌት የብልናን።ሕዚ ይኹን ንቐፃሊ ብናይ ሓባር ተጠቓምነት ንምምኽኻር በርና ክፍቲ እዩ።ንዓና ይኹን ንዓኹም ነፂሉ ተጎዳኢ ወይ ተጠቓሚ ዝገብሩ ኣካይዳታት ከንሰርሕ ኢትዮጵያዊ መንነትና ኣይፈቕድን እዩ።

ምስ ጎረቤት ሃገራት ዘለና ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምስ ኢትዮጵያዊ መንነትና ዝኸድ እዩ።ኣብ ናይ ሓባር ተጠቓምነት ዙርያ ንምስራሕ ኩሉ ግዜ ድልዋት ኢና።ሰላም ቐርኒ ኣፍሪካ ክሕሎ፣ ናይ ሓባር ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ማሕበረሰብ ክፍጠር ብምትሕብብርን ብምርድዳእን ክኸውን ኢትዮጵያ ትደሊ እያ፤ ፃወዒታ ‘ውን በዚ ኣጋጣሚ ተቕርብ።

 ዝተኸበርኩም ተናሕናሕቲ ፓርትታት፣

መፃኢ ግዜ ሃገርና ብሩህ ንምግባር ብዝግባእ ከንዋፀኦ ዘለና ዕዮታት ገዛ እቲ ሓደን ቐንድን ዝኾነን ፖለቲካዊ ጉዳይና ብዝሰልጠነ መገዲ ምምራሕ እዩ።ልዕል ኢለ ኣብ መእተውየ ከምዝገለፅክዎ እዚ ሓላፍነት እዚ ናብ መንግስትን ብዝተመረፀ ፓርትን ጥራሕ ዝድርበ ኣይኮንን።ሓደ ኣካል ክሰርሖ እየ ኢሉ እንተዝለዓል ብኣግባቡ ዝዋፀኦ ጉዳይ ከምዘይኮነ ብተዳጋጋሚ ርኢና ኢና።ኣይሽንካይ ዶ ዝሰልጠነ ናይ ፖለቲካ ስርዓት ምህናፅ ዝኣክል ይቅረ፣ ሓደ ዙር መረፃ ዲሞክራስያዊ ኮይኑ ንምዝዛም ብዙሓት ኣካላት ክረባረቡ ከም ዘለዎም ኣብ ዘሐለፍናዮ መረፃታት ብዝግባእ ተረዲእና ኢና።ናይ ለብዘበን መረፃ ብዘይ ናትኩም ሓገዝን ምትሕብባርን ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መገዲ ክካየድ ኣይንተኻኣለን።

ኣብ ዝቕፅል ዓመታት ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት መሬት ክረግፅ ዝተለመደ ምትሕብባርኩምን በቢምዕራፉ ድጋፍኩም ከምዘድለየና ካብ ሕዚ ጀሚረ ከረጋግፀልኩም እደሊ።ኣብ ሃገርና ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ ብልፅግና ዝህልወኩም ግደ ወሳኒ ከምዝኾነ ንኣምን ኢና።ፖለቲካዊ ፍልልይና ከምዘለዎ ኮይኑ ንሃገርን ንህዝብን ዝጠቕሙ ዝኾነ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ኣጀንዳታት ምሳኹም ብምርድዳእ ንምስራሕ ድልዋት ኢና።

መረፃ ዕውት ክኸውን ዝገበርኩም ዝተኸበርኩም ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ትካላት እዚ መረፃ ዝተሳኸዐ ክኸውን ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቦርድ መረፃ ከምኡ ‘ውን ኣፈፀምትን ተዓዘብትን መረፃ ልዑል ዋጋ ከፊልኩም ኢኹም።ካብ የማነ ፀጋም ዝመፁ ፅዕንቶታት ተፃዊርኩም ብውፃእ ውረድ እንተይተሸነፍኩም ንሃገርና ዘይሃስስ ዲሞክራስያዊ ዓሸራ ኣቐሚጥኩም ኢኹም።ኣካላት ፀጥታ መረፃ ሰላማዊ ክኸውን ዓብዪ ግደ ተፃዉትኩም ኢኹም።ብተመሳሳሊ፣ ቅልጡፍን ሚዛናውን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ብምግባር ናይ ውልቐን መንግስትን ሚድያታት ከምኡ ‘ውን ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ስርጭት ሰራሕተኛታት ቴሌኮሙኒኬሽን ንዘበርከትኩሞ ኣስተዋፅኦ ኢትዮጵያ ተመስግነኩም እያ።

ዝተኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ፓርትና፣

ኣብዚ መረፃ እዚ ህዝቢ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብዝግባእ ምርዳእ ናይ ቐፃሊ መገድና ቕኑዕ ከምዝገብሮ ነኣምን ኢና።ህዝቢ ብዝላዕለ ድምፂ ዝመረፀሉ ፓርትና ጉድለታት ስለዘይብሉ ኣይኮነን።ምስ ስሕተትና ዕድል ሃበና’ምበር ኣይተዓወትናን።ህዝቢ ዝመረፀና ብሓደ ገፅ ዘጥፋእናዮ ከንእርም፣ ብኻሊእ ወገን ፅቡቓት ጅማሮታትና ክነቕፅል፣ ምስ ህንፀት ሃገር ብውስን መልክዑ ዘለዉ ናይ ለውጢ ስራሕቲ ኣብ ዝቕፅል ግዝያት ወዲእና ክነርክብ እዩ።ህዝብና ጉድለትና ብዝግባእ ይፈልጥ እዩ።ድምፂ ክህበና እንተሎ ተኣረሙ፣ ውሽጥኹም ኣፅርዩ እናበለና እዩ ዘሎ።ንሕና ድማ ብተግባር ክነርኢ ኣለና።እዚ ከንገብር እንተዘይክኢልና ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ብኻርዱ ከምዝቐፅዐና ንፈልጥ ኢና።

ኣብዚ መረፃ ክመርፁ ዘይካኣሉ ወገናትና ኩሎም፣

ብዝተፈላላዩ ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ምኽንያታት፣ ከምኡ ‘ውን ብሎጂስትክን ብዝተፈላለዩ ውስንነታት መረፃ ብዝተተሓዘሉ ክፍለ ግዜ መሰረት ምስ ዝቐረየ ህዝቢ ሓቢርኩም ድምፂ ብዘይምሃብኩም ዓብዪ ቕሬታ ፈጢሩልና እዩ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብዘይተሓሰቡ ምኽንያታት ከምዝኾ ግንዛበ ትወስዱ ኢኹም ዝብል ግምት ኣለኒ።ኩነታት ተስተኻኺሉ ቦርድ መረፃ ብዝወሰኖ መዓልቲ መረፃ ከምዝግበር እምነተይ እዩ።

ትግራይ ብዝምልከት ህዝቢ ትግራይ ብዝደልዮ መገዲ ካብ ተደራራቢ ፀገም ዝወፀሉ፣ ተተሓሓዝቲ ሃገራዊ ፀገማት ዝፍተሐሉን ሰላምን ድሕንነትን ዝረጋገፀሉ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ከንኽተል ኢና።

ኣብ መወዳእታ ካብ ለውጢ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ብዛዕባ ሓድነት ሃገርን ህዝብናን ተጠቃምነት ቕኑዕ ብምሕሳብ ኣብ ጉዕዞና ሓገዝ ትገብሩልና ዝነበርኩም ኣካላትን ካብ ልቢ እንተይ ኣመስገንኩ ኣይሓልፍን።ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ለውጢ እያ ዘላ።በዚ ከይዲ ለውጢ እዚ ተሳፊርና ዝሓሸት ሃገር ክንሃንፅ ኢና።ኣብዚ መረፃ እዚ ኢትዮጵያ ሰዓሪት ከምዝኾነት ደጊመ ክገልፅ እፈቱ።ቐፃሊ ዘመና ብሩሕ ግዜ ይግበረልና፤ ኩልና እንኳዕ ደስ በለና።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቓ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላእለም ትንበር!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

ሓምለ፣2013 ዓ.ም

ወጋሕታ 8ሓምለ 2 013 ዓ .ም

Recommended For You