ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቕላል ዝነኣድ ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፡- ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቕላል ዘይናዓቕ ተራ እናተፃወተ ከምዝርከብ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ቴድሮስ ምላው ሓቢሮም።

ከም ገለፃ ኣይተ ቴድሮስ፣ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማሕበራውን ስራሕቲ ብምንጣፍ ፀገም ሕረተሰብ እናቓለለ ይርከብ፡፡ እቲ ማሕበር ዛጊድ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ን650 ተመዛበልቲ ንሕድሕድ 9 ሽሕን 2 ሚኢትን ቅርሺ፣ን560 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ኣቑሕት ገዛ ፣ን80 ካብ ስደት ተመለስቲ ንሕድሕድ 26 ሽሕ ገንዘባዊ ሓገዝን ስነ ልቦናዊ ሕውየት ስልጠናን ገይሩ ‘ዩ፡፡

ብተወሳኺ ‘ውን ንኣዴታትን ህፃናትን ከምኡ ‘ውን ሃንደበታዊ ሓደጋ ንዝበፅሖም ወገናት ቅልጡፍ ግልጋሎት ኣምቡላንስን ንሓደ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ግልጋሎት ቀረብ መድሓኒት ፋርማሲ እናሃበ ከምዝርከብን ኢሉ ‘ውን ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ግረባ፣ ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ፣ ምርኻብ ዝተጣፍኡ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ከም መብርሂ እቶም ዋና ፀሓፊ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኲናት ምሃብ ግልጋሎት ደው ኣቢለን ዝነበራ ትካላት ጥዕና ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ብ14 ሚልየን ቅርሺ ንሰብ ሞያ እተን ትካላት ጥዕና ስልጠና ብምሃብ እተን ጥዕና ትካላት ዘለወኦ ብርኪ ግልጋሎት ኣወሃህባ ዳህሳስ ብምክያድን ስራሕ ክጅምራ ኣብ ምግባር ዝነኣድ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ጥዕና ጣብያ ንምኽፋት ምድላዋቱ ከምዝወገነን ንቕድሚት ተጠናኺሩ ንምቕፃል ድማ ገንዘባዊ ደገፍ ተገልጋሊ ሕብረተሰብን ቆላሕታ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ከምዝጠልብ ኣገንዚቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You