ብሕፅረት ምግቢ ዝመፅእ ሳዕቤን ንምቕናስ ከባቢያዊ ፍታሕ ኣብ ምምፃእ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፡- ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ዩኒሴፍን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ብምትሕብባር ኣካላት ኣመራርሓ ወረዳን ዞባ ደቡብን ትግራይ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት እቲ ዞባ ኣብ ስነ ማዓዛ ኣድሂቡ ኣብ ዝትግብሮ ዝነበረ ብሕፅረት ምግቢ ዝመፅእ ሳዕቤን ንምቅናስ ከባቢያዊ ፍታሕ ኣብ ምምፃእ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ገይራ።

እቲ ልዕሊ 6 ሽሕ ህፃናት ካብ 6 ክሳብ 23 ወርሒ ዕድመ ተረባሒ ብምግባር ዝሳለጥ ዝነበረ ተግባር መሰረት ዝገበረ ምዕዳል ተወሳኺ ምግቢ ኤስ.ኪው.ኤል.ኤን.ኤስ መፅናዕቲ ዝተኻየደ ኮይኑ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ፈለማ ዝነበረ መበገሲ መረዳእታ ሓፈሻዊ ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ተሃስዮም ዝነበሩ ህፃናት 8 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ መፅናዕቲ ምስተወደአ ድማ ናብ 2 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኽኣለ ብሓፈሻ እቲ መፅናዕቲ ዕዉትን ንካልኦት ስራሕቲ መበገሲ መርኣያን ከም ዝኾን ነቲ መፅናዕቲ ይመርሑ ዝነበሩ ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ሙሉጌታ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ውፅኢት መፅናዕቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሩሉ ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ 3ሽሕ225 ከተማ ማይጨው 1ሽሕ890 ኣብ ወረዳ ነቕሰገን 1ሽሕ215 ብድምር 6ሽሕ330 ህፃናት 8ነጥቢ1 ሚኢታዊ ግዱድ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 23 ወርሒ ህፃናት መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ኣዴታት ኣብ ልዕሊ ዝህበኦም ተወሳኺ ኤስ.ኪው. ኤል.ኤን.ኤስ ዝብሃል ሃናፂ ምግቢ ብተወሳኺ፤ መዓልታዊ ክትትል እናተገበረሎም ድሕሪ ምፅናሕን ናብ 2 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ክወርድ ብምግባርን ካብ ዝነበሮም ግዱድ ሕፅረት ምግቢ ምልቓቕ ከምዝተኽኣለ ነቲ መፅናዕቲ ዝመርሑን ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ትግበራ እቲ መፅናዕቲ ተሳተፍቲ ንዝነበሩን ብበጀት ዝደገፉን ኣካላት ዕላዊ ዝገበሩ ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ሙሉጌታ ኣረዲኦም።

ነቲ ተግባር መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ዩኒሴፍን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ብምትሕብባር እቲ ፕሮጀክት 6ሽሕ330 ህፃናት ወረዳታት እንዳመኾኒ፣ ነቕሰገን ከተማ ማይጨውን ተረባሒ ገይሮም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ስነ መዓዛ ዝርኣዩ ከባብያዊ ፀገማት ከባብያዊ ፍታሕን ብምንዳይ ብዘላቅነት ንምፍታሕ ክሳብ ቁሸት ብምዝላቕ ህፃናት ዝከታተላን ነቲ መፅናዕቲ ኣድላይ ዘበለ መረዳእታ እናኣከባ ንከቕርባ ዝተሳተፋ 103 ሰብ ሞያ ጥሙር ጥዕና ቤተሰብ ብካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣመራርሓ ብምስታፍ ነቶም ህፃናት ዘድሊ ተወሳኺ ምግቢ ብምሃብን ዝተተግበረን ርኡይ ለውጢ ዝተመዝገበሉ ምንባሩ ሓቢሮም፡፡

ነቲ ፕሮጀክት ዘተሓባበረት ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮጀክች ስነ መዓዛ ንግስቲ ፀጋይ ብግዲኣ፤ ግዱድ ሕፅረት ምግቢ ዝነበሮም ህፃናት ደገፍ ብምግባር ካብቲ ፀገም ንምልቓቅን ሕብረተሰብና ከባብያዊ ፀገሙ ከባብያዊ ፍታሕ ብምንዳይ ንቐፃሊ ባይታ ንምንፃፍን ዓሊሙ ብዝተዋደደ መልክዑ ምስራሕ ከምዝተኽኣለን እዚ ንኻልኦት መደባት ንምፍፃም ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ ዓብይ ትምህርቲ ዝተረኸበሉን ምንባሩ ኣረዲኣ።

ኣብ ወረዳ እንዳመኾኒ ሰራሕተኛ ጥሙር ጥዕና ቤተሰብ ዝኾና ወዘሪት ምስራቕ ግርማይን ኣብ ከተማ ማይጨው ብዓልቲ ሞያ ጥዕና ሲስተር ዓወትን ድማ ኣብቲ ፕሮጀክት ስራሕቲ ምእኻብ መረዳእታን ከምኡ’ውን ነቶም ህፃናት ደገፍን ክትትልን እናካየዳ ብምምፅአን ህፃናት ኣድላይ ዘበለ ክትትልን ደገፍን ብምግባር ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእል ልምዲ ከምዝረኸባሉ ገሊፃ፡፡

ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮጀክታት ኣብ ህልውና ተረከብቲ ዓዲ ዝኾኑ ህፃናትን ዓድን ዝህልዎ ረብሓ ዓብይ ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ምምሕፃናን ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

 

Recommended For You