ሃገርለኸ ኤግዚቪሽንን ባዛርን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ’ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ከተማ መቐለ ንዝካየድ ሃገርለኸ ማሕበራት ስራሕ ሕብረት ባዛርን ኤግዚቪሽን ምድላው ከምዝተዛዘመ ናይቲ ክልል ኤጀንሲ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣፍሊጡ።

ብምትሕብባር ኮምሽን ስራሕ ሕብረት ኢትዮጵያን ኤጀንሲ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ክልል ትግራይ ካብ12-19 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ሃገርለኸ ባዛርን ኤግዚቪሽን ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ‘ዩ። ‹‹ህብር ባዛርና ኢግዚቪሽን ›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዚ ባዛርን ኢግዚቪሽንን ኣመልኪቱ ናይ ኽልቲኦም ትካላት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ኤጀንሲ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ክልል ትግራይ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ኣብቲ ባዛርን እግዚቪሽንን ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃፅኡ ልዕሊ 200 ማሕበራት ምህርቶምን ግልጋለቶምን ሒዞም ክቐርቡ ‘ዮም ኢሎም። ምንቅስቃስ ኢኮኖሚ፤ እቲ ዘፈር ንምንቅቃሕን ብድርቅን ብኻልኦት ምኽንያት ኣብቲ ክልል ዝተስውዓሉ ሕፅረት ኣቕርቦት ምህርቲ ንምቅላል ዝሕግዝ ‘ዩ ኢሎም።

ናይቲ ክልል ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ካብ ኹሉ ክልላት ካብ ዝተውፃፅኡ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምትእስሳር ዕዳጋን ዘላቒ ርክብ ፋይናንስ ንምጥንኻር ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ገሊፆም። ነዚ ኤግዚቪሽን ምስኻዕ ሓገዝ ዝገበሩ መዳርግቲ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ሺሰማ ገብረስላሴ፤ ካብቲ ባዛርን ኤግዚቪሽንን ጎኒ ንጎኒ ዘፈር ስራሕ ሕብረት ፀገማትን መፍትሒኦምን ትኹረት ዝገበሩ ዘተ ክካየዱ ‘ዮም። ፅቡቕ ተመክሮ ዝቐርቡልን ናይቲ ዘፈር ናይ ምህርቲ ቴክኖሎጂዎች ዝፋለጥሉ ብምዃኑ ነቲ ግብርና ዘፈር ዘመናዊ ንምግባር ዝግበሩ ፃዕርታት ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You