ሚድያታት ኣብ ሰላምን ረብሓን ሃገር መሰረት ብምግባር ክነጥፋ ይግባእ

ሓደ ሚድያ እንትጣየሽ ናይ በዓሉ ተልእኾን ራእይን ሒዙ ከምዝጣየሽ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ሃገራዊ ረብሓን ሰላምን ኣብ ግምት ብምእታው ‘ዩ ክኸውን ዝግበኦ፡፡ ምኽንያቱ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ‘ዩ፡፡ ፖለቲካ ይኹን ካሊእ ትሕቲ ሃገር እምበር ልዕሊ ሃገር ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ ልዕሊ ሃገር ዝኾነ ነገር የለን፤ ኩሉ ትሕቲ ሃገር ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ሚድያታት ረብሓ ሃገር ኣብ ግምት ውሽጢ ከየአተዋ ዝንቐሳቀሳ ኣለዋ፡፡

ብተፃራሪ ድማ ረብሓ ሃገር ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከየአተዋ ዝንቐሳቀሳ ኣለዋ፡፡ ብዙሓት ሚድያታት ሃገርና ረብሓ ሃገረን ብምቅዳም ዝንቐሳቀሳ ኮይነን እዚኣተን ካብ መንግስቲ ሽልማትን ኣፍልጦን ክረኽባ ክኢለን ‘የን፡፡ መብዛሕትአን ሚድያታት ዓለምና ‘ውን ሃገራዊ ጥቕሚ መሰረት ገይረን እየን ዝንቐሳቐሳ፡፡ እዚ ቀንዲ ስርሐን ‘ዩ፡፡

ኣብ ሃገርና ብዙሓት ሃገራዊ ረብሓ ንፀጋም ብምግዳፍ ዝንቐሳቀሳ ሚድያታት ኣለዋ፤ ብግልባጡ ድማ ብዙሓት ሚድያታት ፀገማት እናተጋፈጣ ሃገራዊ ረብሓ መሰረት ገይረን ዝንቐሳቐሳ ብርክት ዝበላ ‘የን፡፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ማለት 3ሓምለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብግልጋሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ኣፍልጦ ሚድያታት ኢትዮጵያ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ን11 ማዕከናት ዜና ሽልማት ኣፍልጦ ሂቦም ‘ዮም፡፡

እዚ ሽልማት እዚ ኣብ ቤተ መዘክር ዓድዋ ዝተኻየደ ኮይኑ፤ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፣ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፣ ኦሮምያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፣ ኣምሓራ ሚድያ ኔትወርክ ሓዊሱ 11 መንግስትን ውልቀን ሚድያታት ኣፍልጦ ሽልማትን ዝረኸባ ‘የን፡፡

እዘን ሚድያታት ዝተጣየሸኦ ዕላማን ተልእኾን መሰረት ብምግባር እንትንቐሳቐሳ ልዕሊ ኩሉ ግና ጥቅሚ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ተሓሳቢ ገይረን ብምንቕስቓሳን ‘የን ናብ ሽልማት በቒዐን፡፡ ሙያዊ ስነ ምግባር ብምሕላው ሕገ መንግስቲ ብዝፈቕዶ መሰረት ክንቐሳቀሳ ኣለዎን፡ ፡ ሚድያታት ሃገርና ብኸምዚ ክንቐሳቐሳ ኣለዎን፤ ነዚ ተሓሳቢ ገይረን ተዘይንቓሳቐሳ ነይረን እዘን 11 ሚድያታት ሃገርና እዚአን ነኣዳን ሽልማትን ክረኽባ ኣይምኸኣላን፡ ፡

ካልኦት ‘ውን ነዚአን ክኽተለአን ይግበኣ፤ እዚአን ንኻልኦት ሞዴል ‘የን፡፡ ካኦት ‘ውን ረብሓን ክብርን ሃገር ኣብ ሓደጋ ከወድቕ ብዘየኽእል መልክዑ ክንቐሳቀሳ ይግባእ፡፡ ሰላምን ረብሓን ሃገር መሰረት ገይረን ክንቐሳቐሳ ኣለዎን፡፡ እተን ናብ ሽልማትን ኣፍልጦን ዝበቅዓ ነዚ ተሓሳቢ ገይረን ብምንቕስቓሰን ‘ዩ፡፡ ካልኦት ሚድታት ‘ውን ናይዚአን ኣሰር ክኽተላ ይግባእ፡፡

እቶም ጠቕላይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ስነ ሰርዓት ሽልማት፣ እዘን ሚድያታት ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ንሃገር ደው ኢለን ‘የን፤ ሃገራዊ ረብሓን ክብርን ምስ ሞያዊ ስነ-ምግባር ዘተኣሳስራ፤ ብጭቡጥ ከም ወተሃደር ንሃገራዊ ረብሓ ደው ዝበላ፤ ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ሃገር ንምስጋር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ተወሳኺ ዓቕሚ ክኾና ከምዝኽእላ ዘመስከራ ‘የን ክብሉ ገሊፆመን ‘ዮም፡፡

እዘን ሚድያታት ኣብ ፅንኩር እዋን ንሃገራዊ ረብሓን ክብርን ሃገር ንምሕላው ዝገበረኦ ሞያዊ ተወፋይነት እዚ መንግስቲ ነዚ ናይ ሽልማት ኣፍልጦ እንትህብ ንምትብባዕን ኮይኑ ሰብ ሞያ እተን ትካላትን ንሃገራዊ ረብሓን ክብርን ብፅንዓት ክሰርሑ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ዘተባብዕን ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ገሊፆም ነይሮም።

ስለዚ እዘን ሚድያታት እዚአን ልዕሊ ኩሉ ህልውና ሃገር ብዝኾነ መዐቀኒ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይኣቱ ብተግባር ብምርኣየን ‘የን ናብዚ ሽልማት እዚ በቒዐን ዘለዋ፡፡ ኢትዮጵያ ዝተፈላላዩ ፈተናታት እንተጋጥምዋ ዝተዋደደ ወፍሪ ብምክልኻል ሞያዊ ሓላፍነቶም ተዋፂን ‘የን፡፡ እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ፤ ካልኦት ሚድታት ‘ውን ካብዚአን ተመኩሮ ብምውሳድ ሰኣብቲ ክኾና ይግባእ፡፡

ሃገራዊ ጥቕሚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምንቕስቓስ ናብ መማረፂ ዝኣቱ ኣይኮነን፡፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክንድዝሃለወ ይሃሉ ኣፋላላይካ ሓሊኻ ምኻድ እምበር ጥቅሚ ሃገር አሕሊፍካ ከትህብ የብልካን፡፡ ሃገራዊ ጥቕሚ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክትአቱ የብልካን፡፡ እዚ ቐይሕ መስመር ‘ዩ፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተፈላላዩ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ዋላ ዝተፈላላዩ ሃገራዊ ኣራኣእያ ይሃሉዉ ግና ሃገራዊ ጥቅሚ አሕሊፍካ ከትህብ የብልካን፡ ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ፖለቲካ ትሕቲ ሃገር ‘ዩ፡፡

ብሓፈሻ ሚድያታት ጥቕሚን ሰላምን ሃገር መሰረት ገይረን ክነጥፋ ኣለዎን፤ ንሃገር ዝጎድእ ፀብፃብ ክፅብፅባ የብለንን፤ እዚ ምስፖለቲካ ዘራኽብ ነገር የብሉን፤ ጥቅሚ ሃገር ምቕዳም ማለት መንግስቲ ምድጋፍ ማለት ኣይኮነን፡፡ ወይ ፓርቲ ምድጋፍ ማለት ኣይኮነን፡፡ ንሕና ኢትዮጵያውያን ሓንቲ ሃገር እያ ዘለትና፤ ካሊእ ሃገር የብልናን፡፡ እዛ ሃገር ከም ሃገር እንተዘይቐፂላ ኩሉ ተጎዳኢ ‘ዩ ዝኸውን፡፡ ሃገር ከትህሉ እንተላ ‘ዩ ተቓዋሚ ፓርቲ ይኹን ካሊእ ክህሉ ዝኽእል፡፡

ነዚ ‘ዩ ሃገራት ብረብሓ ሃገር ዘይደራደራ፤ ሚድያታ ጥቕሚ ሃገር ኣብ ግምት አእትየን ምስራሕ ዝያዳ ኣገዳሲ ‘ዩ፡፡ ንስልጣን ከትብል ረብሓ ሃገር አሕሊፍካ ትህብ እንተኾይንካ ንህዝቢ ንምጥቃም እንተይኮንካ ተላዒልካስ ንናይ በዓልኻ ጥቕሚ ኢኻ ተላዒልካ፡፡ ኣብ ሃገርና ንስልጣን ክበሃል ረብሓ ሃገር ወይ ልኣላውነት ሃገር ናብ ወጋ ዕዳጋ ክተአቱ የብልካን፡፡

እዘን ዝተሸላማ ሚድያታት ነዚ ተሓሳቢ ገይረን ብምንቕስቓሰን ‘የን ፍሉይ ክብርን ናእዳን ክረኽባ ክኢለን ዘለዋ፡፡ ስለዚ ካልኦት ሞድያታታት ነዚአን ክኽተላ ኣለዎን፡፡ ምኽንቱ እዘን ሚድያታት እዚአን ሞዴል ወይ መርኣያ ንኻልኦት ‘ውን ‘የን፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You