ዝተተኽሉ እናተኸናኸና ምትካል ፈልስና ኣጣናኺርና ንቐፅለሉ

ወዲሰብ ምስ እፅዋት ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ሂወት ዘለዎ ኮይኑ ስለ ዝተፈጠረ ተነፃፂሉ ምንባር ዝኽእል ኣይኮነን። ሕድሕዶም እናተመጋገቡ ዝነብሩ ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን እፅዋት ይኹኑ ወዲሰብ ብዘይ ሓመድ ዝነብር ኣይኮነን። ሓመድ ተባሕጕጉ ከይኸይድን ጥዑይ ነባሪ ኣየር ክህሉን እፅዋት ክህልዉ ኣለዎም።

እፅዋት ክህልዉ ‘ውን ሓመድ ክህልው ኣለዎ። ሚዛን ከባቢ ኣየር ብምስትኽኻል፣ ንእንስሳት ሓዊሱ ደቂ ሰባት ምችው ስነ ምህዳር ክህልዎም ዝገብሩ ‘ዮም። ብፍላይ ፈልሲታት ናብ ደረጃ ገረብ ክዓብዩ ከለዉ ካብ ከባቢ ኣየር ዝመፅእ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብምንካይ ለውጢ ነባሪ ኣየር ኣብ ምምካት ልዑል ኣበርክቶ ይገብሩ። ከምኡ’ውን ንዝተፈላለዩ እንስሳታት ከም መፅለልን ምግብን ኮይኖም የገልግሉ።

በቢ ዓመቱ ኣብ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ ብፍላይ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ዝናብ ዝበዝሐሎም ክራማት ስለዝኾኑ ፈልሲ ናይ ምትካል ልምዲ ኣሎ። ኮይኑ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምትካል ‘ምበር ኣብ ምንክብኻብ ብዙሕ ቆላሕታ ኣይግበርን። ተተኺሎም ፀዲቖም ጥቕሚ ክህቡ እንተዘይክኢሎም ምትካል ጥራሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን።

ክንደይ ዝኣክል ተተኺሉ ክንደይ ዝኣክል ፀዲቑ ኢልካ ምክትታልን ምክብኻብን የድሊ። ፈልሲታት ምስተተኽሉ ክንክን ከምዘድልዮም ብምርዳእ ሕብረተሰብ ነቶም ዝተተኸሉ ፈልሲታት ዓብዪ ቖላሕታ ብምሃብ ክከናኸኖም ኣለዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ክንዲ እዚ ምዃን ብሰንኪ ፀገም ኣጠቓቕማ ደቂ ሰባት እናነከዩን እናጠፍኡን ይኸዱ ከምዘለዉ ንዕዘብ ኢና። ሰኣን ግቡእ ምንክብኻብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሱ ወይ ‘ውን እናጠፍኡ ይርከቡ።

ኣግራብ ብዘይ ኣግባብ ብምቑራፅ ምኽንያት ካብ ከባቢ ክጠፍኡ ምግባር ማለት ከም ብድርቂ፣ ባርዕ፣ ውሕጅ፣ ሓደጋ ህቦብላን ዝመሳሰሉ ተቓላዒ ምዃን ማለት’ዩ። እዚኦም ኣዝዮም ንዓለምና ዝፍትኑ ዘለዉ ነገራት ‘ዮም። ብሰንኪ እዞም ፍፃመታት እዚኦም ደቂ ሰባት ንፍልሰት/ ስደት፣ ጥሜት፣ ስራሕ ኣልቦነት፣ ቁጠባዊ ፀገማት፣ ሞትን ካልኦት ከበድቲ ፀገማትን ይቃልዑ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ድማ ካብቶም ነዚ ኩነታት እዚ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሃገራት ዓለምና ሓንቲ ‘ያ።

ኢትዮጵያ በብዓመቱ መደብ ሓምላዋይ ዓሻራ እተካይዶ ዘላ ንከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ንምብዳህ ‘ዩ። ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ፣ ማለት 2011 ዓ.ም ጀሚራ ኣሐይላ እናቐፀለትሉ ትርከብ። ዝሓሰበቶ ሽቶ እናዓወተት ድማ ትርከብ። ነዚ ንምዕዋት ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ በቢነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ብምክፍፋል ‘ያ እናተኸለት ትርከብ። በቢምዕራፉ እናኸፋፈለትን እናተኸለትን ትርከበሉ ምኽንያት ድማ ነቲ ዝሓዘቶ ዕማም ንምዕዋት ‘ያ። ብምዃኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ክዕወቱ ዝግበኦም ሽቶታት ብምቕማጥ ዕማማ እናሳኸዐት ትርከብ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ማለት ኢትዮጵያ ንኩነታት ለውጢ ኣየር ተቓላዒት ‘ያ ከንብል እንተለና ብፍላይ ትግራይ እንተሪእና ብዝተፈላላዩ ምኽንያታት ናይዚ ዋና ተቓላዒት ካብ ዝኾና ክልላት ኢትዮጵያ ሓንቲ ‘ያ። እዚ ድማ ንሕና ደቒ ሰባት ተፈጥሮ ሃፍትና ብግቡእ ብዘይምጥቓምና ዝፈጠርናዮ ‘ምበር ካሊእ ዝፈጠሮ ኣይኮነን።

ነቲ ብገዛእ ርእስና ዝፈጠርና ፀገም ከንፈትሖ ንኽእል በዓልና ኢና። እዚ ክፍታሕ ዝኽእል ድማ ዘለዉ እንዳተንከባኸብናን ሓደሽቲ እናተኸልናን ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ዝተተኸሉ ብምንክብኻብ ሒዝናዮ ዘለና መደብ ተኸለ ኣጣናኺርና ክንቕፅለሉ ኣለና። ፈልስታት ተኺልካ ምኻድ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን፤ ብግቡእ ምስተኸልካ ፀዲቖም ዓርሶም ክኽእሉ ግቡእ ክትትልን ምንክብኻብን ክግበረሎም ኣለዎ።

ተኺልካ ምኻድ ማለት ስራሕካ ምሉእ ብምሉእ ኣዐዊትካ ማለት ኣይኮነን። ሓደሽቲ ዝተተኽሉ ፈልስታት ብፍላይ ብዝግባእ ክሳብ ዝፀድቑ ተወሳኺ ክንክንን ቆላሕታን የድልዮም ‘ዩ። ብቐንዱ ግን ዝተጎድኡ ከባቢታት ክሓውዩ ናይ ምግባር ዕማምና ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ዓብዪ ትኹረት ብምሃብ እንተተኺልና ዝተጎእዱ ንምሕዋይ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ኣይኮነን።

ብግቡእ እንተተኺልናን እንተተኸናኺንናን ዘይቅበል ከባቢ የለን። ቐንዲ ነገር ምስቲ ከባቢ ዝስማዕማዕ ተኽሊ ምትካልን ምክብኻብን ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ኣብ ምብራቕ ትግራይ ዝተገብረ ምሕዋይ ዝተጎድአ ከባቢ ንዓለም ኣብነት ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ፣ ዝተጎድአ ከባቢ ብፃዕሪ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝኽእል እዚ ዓብዪ ምስክር ‘ዩ።

ሽፋን ኣግራብ ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 17.2 ሚኢታዊ ናብ 23.6ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብመንግስቲ ተገሊፁ ‘ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት መንግስቲ ኣብዚ ዘፈር እዚ ዓብዪ ቖላሕታ ሂቡ ብምስርሑ ‘ዩ። ተፈጥሮ ሃፍቲ ኣብ ምዕቓብን ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣብ ምሕያውን ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ ኩሉ ዓብዪ ቖላሕታ ክህቦ ዝግባእ ‘ዩ።

ዓብዪ ቖላሕታ እንተሂብናዮ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ከባቢ ውቕሮ ወረዳ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ዝተመዝገበ ውፅኢት ምምዝጋብ ይከኣል ‘ዩ። ስለዚ እቲ ዕማም ካብ ምሕላው ከባቢ ኣየር ሓሊፉ ንምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ፣ ምፍጣር ስራሕ ዕድል፣ ጥዕና፣ ማሕበራውን ቁጠባውን…… ረብሓታት ዝኣመሰሉ ዘለዎ ትርጉም ልዑል ምዃኑ ተገንዚብና ስራሕቲ መክብኻብን ምትካልን ፈልሲ አሐይልና ከንቕፅለሉ ይግባእ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You