ኣብ ኸቢድ ኩነታት ዝርከቡ 70 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ስራሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኸቢድ ኩነታት ውሽጢ ዝርከቡ 70 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ተጀሚሩ።

መንግስቲ ብሳልሳይ ምዕራፍ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኸቢድ ኩነታት ውሽጢ ንዝርከቡ 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ስራሕ ንምጅማሩ ስዒቡ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ሓዊሱ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው። እቶም ተመለስቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነብዩ ተድላን ኻልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ወሃቢ ቓል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነብዩ ተድላ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝተዛረብዎ፤ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ንምጅማር ን16 መንግስታዊ ትካላት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ብሄራዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ምኽክር ተገይሩ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብሰሙን 12 በረራ ኣውሮፕላን ከምዝግበር እቶም ወሃቢ ቓል ገሊፆም። እቶም ወሃቢ ቓል፤ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መፅንሒ ቦታታትን ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ 842 ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብዝተገበሩ ክልተ ዙር በረራታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምኽኣሎም ሓቢሮም።

ነቶም ዝተመለሱ ዜጋታት ግዝያዊ መዕረፊ ቦታ ከምዝተዳለወሎምን ግቡእ ድጋፍን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድራቤቶም ምሕዋስ ከምኡ ‘ውን በቢ ክልላት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ህይወቶም ብዝሓሸ ኩነታት ንምምራሕ ንክኽእሉ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ውሽጢ ዝነበሩ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ መናእሰይ ብወገኖም፤ ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ ብዝብል ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገሮም እንተወፅኡ ‘ውን ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ኣብ ኸቢድ ኩነታት ውሽጢ ከምዝነበሩ ገሊፆም። ኣብ ቐፃሊ ካብ ካብ ጌጋኦም ተኣሪሞም ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ክልወጡ ከምዝደልዩን ነዚ ‘ውን መንግስቲ ዕድል ስራሕ ንኸመቻችወሎም ሓቲቶም። መናእሰይ ስደት ካብ ምምራፅ ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ክልወጡ ከምዘለዎም ካብ ዝገጠሞም ፈተና ብምልዓል መኺሮም።

ኣብ ቀረባ ብሚኒስትር ዴኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ዝተመርሐ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ተረኺቡ ምስ ናይ ስዑዲ መዘንኡ ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዝርከቡ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ከምዝመኸረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You