10 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ውሽጢ ሃገር እናተጉዓዓዘ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ:- 10 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ውሽጢ ሃገር እናተጉዓዓዘ ምዃኑ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ንዘመን ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም ብሓፈሻ ልዕሊ 19 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ዕድጊት ተፈፂሙ ኣሎ።

ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሙዩኒኬሽንን ሚኒስቴር ግብርና ኣይተ ከበደ ላቀው፣ንዘመን ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም ዕድጊት 19 ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ተፈፂሙ ኣሎ። ካብቲ ዝተፈፀመ ዕድጊት እቲ 10 ሚሊዮን ኩንታል ናብ ወደብ ጅቡቲ በፂሑ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

ነቲ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ዝበፅሐ ድኹዒ ሓመድ ናብ ማእኸላይ መኽዚን ብምምፃእ ብዩኒየናት ሕብረት ስራሕ ኣቢልካ ናብ ክልላት ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ቕድም ኢሉ እኹል ድኹዒ ከምዝኣተወ ዘልዐሉ ኣይተ ከበደ፤ ነቲ ዝኣተወ ድኹዒ ሓመድ ክልላት ከከም ዝበፅሖም መጠን ኮታ ናይ ምዝርጋሕ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም።

ፍርያትን መፍረያይነትን ግብርና ሃገርና ንምዕባይ ካብ ዝተዓደገ 19 ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ውሽጢ እቲ 20 ሚኢታዊ ዝኸውን ንሕርሻ ፅድያ እናወዓለ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ፈፃሚ ስራሕ፤ እቲ 55 ሚኢታዊ ዝኸውን ንሕርሻ ቐውዒ ዝውዕል ከምዝኸውን ገሊፆም። ነቲ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ዝበፅሐ 10 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ፤ብሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ናብ ሓረስቶት ተበፃሒ እናገበሩ ይርከቡ ‘ውን ኢሎም።

ከምገለፃ ኣይተ ከበደ፤ ኣብ 2014/15 ዓ.ም ዘመን ምህርቲ ንዝተፈጠረ ፀገም ቐረብ ድኹዒ ሓመድ ንምቕራፍ ቕድም ኢሉ ዘተ ተሳሊጡ ስራሕቲ ምምሕያሽ መምርሒ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም። ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም ኣብ ቐረብን ዝርግሐን ድኹዒ ሓመድ ፀገም ንኸይፍጠር ስራሕቲ ስርዓት ዕድጊት ምምሕያሽን መሕንቖ ዝነበሩ ፀገማት ምፍታሕን ተሰሪሑ።

ዕድጊት ድኹዒ ሓመድ ብግዚኡ ምፍፃሙ ብመንፅር ዋጋ ኣፈላላይ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ብተወሳኺ ‘ውን እቲ ዕድጊት ቐዲሙ ምፍፃሙ ነቲ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ ስሉጥ ብምግባር ናብ ሓረስቶት ብእዋኑ ተበፃሒ ንምግባርን ብልሽው ኣሰራርሓታት ንምቕራፍን ከምዝሓገዞም ሓቢሮም።

ብዝተሰርሐ ስራሕ ‘ውን ንመስኖ ሓጋይ እኹል ዝኾነ ድኹዒ ሓመድ ናይ ምዝርጋሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ጠቒሶም፤ ነቲ ናይ ሕዚ ፅድያን ነቲ ዝመፅእ ቐውዕን እኹል እታዎት ድኹዒ ሓመድ ንምቕራብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚቦም። ፍርያትን መፍረያይነትን ሃገር ብዕፅፊ ንምዕባይ ብመስኖ ሓጋይ፣ ብሕርሻ በልጊን ቐውዕን ናይ ምፍራይ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣተሓሒዞም።

ኣብ ሃገርና ንዝርከቡ ሃፍትታት ማይ ብምጥቃም መስኖ ሓጋይ ምልማዕን ኣብ እዋን ማይ ከፍርዩ ዝኽእሉ መሬታት ፆሞም ንኸይሓድሩን እናተገበረ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ በዚ ‘ውን ዝለዓለ ውፅኢት እናተረኸበ ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You