ብሓገዝ ኣካልን ተሃድሶ ሕክምና ግልጋሎትን ዙርያ ትኹረት ዝገበረ ኢግዝቢሽን ኣብ ከተማ መቐለ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብሓገዝ ኣካልን ተሃድሶ ሕክምና ግልጋሎት ዙርያ ትኹረት ዝገበረ ኤግዝቢሽን ኣብ ከተማ መቐለ ተኸፊቱ ።

ኣብቲ መኽፈቲ ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒሰቴር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ ከምዝበልዎ፣ ሚኒስቴር ጥዕና ንኣካል ሓገዝ ግልጋሎት፤ ንሰብ ሰራሕን ንሕክምና ተሃድሶ ትኹረት ብምሃብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣልዒሎም ብፍላይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መሪሕ ትልሚ ብምውፃእ ንኣካል ሓገዝን ንተሃድሶ ሕክምና መውሃቢ ተባሂሎም ዝተዳለዉ ትካላት ብምምሕያሽን ብምጥንኻርን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ስራሕቲ ንክስርሑ ብተግባር ትኹረት ዝተውሃቦ ዘፈር ከምዝኾነን ብኹሉ ክልላት ዝርከቡ ትካላት፣ ዩኒቨርስትታት ከምኡ ‘ውን መዳርግቲ ኣካላት ሓገዞም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።

ብዝተፈላለዩ ግዝያት ኣብ ሃገርና ዝፍጠሩ ጎንፅታትን ብምኽንያት ተፈጥሮን ጉድኣት ኣካላት ዝበፅሖም ወገናት ናይ ኣካል ሓገዝን ሕክምና ተሃድሶ ንክረኽቡ ብኹሉ ክልላት ግልጋሎት ምስፍሕፋሕን ተበፃሒ ምግባር ንምምሕያሽ ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ግቡእ ዝኾነ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ማዓርግ ማሕበራዊ ልምዓት ስግግር ካቢኔ ሴክሬተሪያት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት ብወገኖም፣ ብሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ሓደጋታትን ብዝበፅሖም ጉድኣት ኣካል ምኽንያት ህዝቢ ካብ ማሕበራዊ ጉዳይን ካብ ስራሕ ዕንቅፋት ከይፍጠር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ናይ ኣካላት ሓገዝን ሕክምና ተሃድሶ ምስፍሕፋሕ ከምዘድሊ ድሕሪ ምግላፅ ኣብቲ ክልል ዝርከብ ናይ ኣካል ሓገዝን ማእኸልን ብበጀት ብዓቕሚ ህንፀት ፣ብሰብ ሓይሊ ከምኡ ‘ውን ብካልኦት ስራሕቲ ሓገዝ ንምግባር ኣድላይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ንቕድሚት ሓገዞም ተጠናኺሩ ንክቕፅል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ሜዲካል ግልጋሎት መሪ ስራሕ ፈፃሚ ዝኾኑ ዶክተር ኢሊባቡር ቡኖ ከምዝበልዎ፣ሚኒስቴር ጥዕና ንኣካል ሓገዝን ንተሃድሶ ሕክምና ምምሕያሽ እናሰርሐ እንተኾነ ‘ውን ብማቴርያል፣ ሰብ ሓይሊ ፣ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕ ንክስራሕ ዝምልከቶም ኣካላት ኹሉ ትኹረት ንክህቡን ኣጋርነቶም ንከረጋግፁ ሓሳቦም ድሕሪ ምቕራብ እቲ ፕሮግራም ኣብ ክልል ትግራይ ንክዳሎ ምግባሩ ሚኒስቴር ጥዕና ትኹረት ንክግበሮ ንምግባርን ብኣካል ጉድኣት ምኽንያት ኣፍረይቲ ዜጋ ብዝድለዮ ስራሕን ካብ ማሕበራዊ ጉዳይ ከይስተጉጎል ኣድላይ ትኹረት ንምሃብ ከምዝኾነን ሚኒስቴር ጥዕና ነቲ ክልል እናገበሮ ዘሎ ስራሕ ምምሕያሽ ስራሕን ሓገዝን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ፕሮግራም ኹሎም ክልላት ናይ ኣካል ሓገዝን ሕክምና ተሃድሶ መውሃቢ ማእኸላትን መዳርግቲ ኣካላት ኢግዚብሽን ዘቕረቡ እንትኾኑ ሚኒስቴር ጥዕና ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ቢሮ ዕና ክልል ትግራይ ከምኡ ‘ውን ዝምልከቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ እግዚብሽን ብዕሊ ተኸፊቲ ንዑደተኛታ ክፍቲ ኾይኑ ‘ዩ።

ኣብ መወዳእታ ማእኸል ኒያ ፋውንዴሽን ጆይ ሆቲዝም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓገዝ ንዘድልዮም ማሕበረሰብ ሓገዝ ኽዳውንቲ ዝገበረ እንትኾን እቲ ምድላው ንክሳኻዕ ንዝተሓባበሩ ኣዳለውቲን ፣ዳርግቲ ኣካላትን ምስጋና ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎም ‘ዩ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You