ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስርቂ ናውቲ ኤሌክትሪክ ኣብ ምክልኻል ክሕግዘና ይግባእ

መቐለ፡- ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ስርቂ ናውቲ ኤሌክትሪክ ንምክልኻልን ንምፍታሕን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሕግዝ ይግባእ ክብሉ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሪጅን ሰሜን ዳይሬክተር መምርሒ መተሓላለፊ መስመርን መከፋፈሊ ጣብያ ኦፕሬሽንን ፅገናን ኣይተ ሮቤል ገ/እግዚኣብሄር ገሊፆም።

ኣይተ ሮቤል ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ(ትፕኢ) ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሕግዘና እንደልዮ ስርቂ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዓብይ ጉድኣት ብምብፅሑ፤ ከምዚ እንድሕር ቀፂሉ ንሕብረተሰብ ‘ውን እኹል ኤሌክትሪክ ንምሃብ ስለንፅገም ኣብ ምክልኻል ክኽግዝ ይግባእ።

በቢ እዋኑ እዞም ስርቂ ዘጋጥሞም ኸባብታት ኣብ ዓመት ኽልተ ግዜ ዝነበረና ፍተሻ ናብ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ብምግባር ከይድና እናፀገና ‘ምበር በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ስርቂ እኹል ኤሌክትሪክ ንምሃብ ኣፀገሚ ‘ዩ ኢሎም።

በቢ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኾነ ነበርቲ እዚ ንብረት መንግስቲ እንድሕር ሓለዋ ዘይገይሮምሉ በቢ እዋኑ ግልጋሎት ምቁርራፅ ሓይሊ ምግጣሙ ኣይተርፍን ዝበሉ ኣይተ ሮቤል ፤ እዚ ድማ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ክሕግዘናን ኣብ ማሕበረሰብ ድማ ግንዛበ ምፍጣር የድሊ ኢሎም።  ንሕና ግና ከም ሪጅን ኣብዚ ዘሎ ማሕበረሰብ ዘይተቖራረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክረክብ ብዝኻኣልናዮ መጠን እናሰራሕና ኢና ክብሉ ኣብሪሆም።

እዚ ምሉእ ብሙሉእ ንምቕራፍ ብሪጅን ዓቕሚ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን፤ ብምኽንያት ኹናት ዝዓነወ መስመራት ክቕየሩ ይግባእ ፤ ጉድኣት ዝበፅሖም መከፋፈሊ ጣብያታት ምምሕያሽ እንትግበረሎም ‘ዩ ዘይተቖራረፀ ሓይሊ ንሕብረተሰብ ክነብፅሕ እንኽእል ዝበሉ ኣይተ ሮቤል ፤ እዚ ስራሕ ንምስራሕ ድማ ምስ ዋና ቢሮ ዘለዉ ኣመራርሓታት እናተዘራብና ኢና ፣ፍታሕ እንድሕር ረኺቡ ዘይተቖራረፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክረክብ እናሰራሕና ኢና ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን መቐለ ዘለዉ መከፋፈሊ ጣብያታት ድሕሪ ኸዚ ንዝመፅእ ደምበኛ ምክፍፋል ኣይንኽእልን ዝመልኡ ‘ዮም፤ እዚ ቀልጢፍና ፍታሕ ንምሃብ እናሰራሕና ኢና፤ እዚ እንድሕር ተዛዚሙ እንተናኣሰ መቐለን ኸባቢኣን ዘለዉ ፀገማት ክቐርፍ ‘ዩ ኢልና ኢሎም ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You