ምስጋር ዓሳ ኣብ ሩባ ተከዘ

ተከዘ፡- ሓይሊ መፈልፈሊ ግድብ ተከዘ ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ብዝሓለፈ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ንዓመታት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ናብረኦም እናቐየረ ይርከብ።

ስራሕ መካየዲ ሓይሊ ሰብን ንብረትን ጠቕላላ ግልጋሎት ጣብያ ሓይሊ መፈልፈሊ ተከዘ ኣይተ መኮነን ገብረሊባኖስ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ ፤ ኣብዚ ሓይሊ መፈልፈሊ ኣብ ትሕቲኦም ካብ ሰላሳ ክሳብ ሓምሳ ኣባላት ዘለዉዎ ሸውዓተ ማሕበራት ኣለዉ ። ነዚኦም ማሕበራት መሰረታዊ ዝኾነ ንስራሕ ዘድልዮም ናውቲ ካብ ገዛ ጀሚሩ ንዓሳ ስራሕ ዘድልዩ ፍሪጅ ብምሃብን ተወሳኺ ድማ ነፃ ናይ ማይን መብራህትን ግልጋሎት ተጠቃሚ ንክኾኑ ገይሩ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ።

በዚ ስራሕ ዓሳ ክሳብ መኪና ገዚኦም ባዓል ሃፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ኣለዉ ዝበሉ ኣይተ መኮነን ፤ እዞም ማሕበራት በቢ ዓመቱ ንሓምሳ መናእሰይ ስራሕ ዕድል ንክፈጥሩ ምስ መብራት ሓይልን ነበርቲ እቲ ኸባቢ ስምምዕነት ኣለዎም ኢሎም። ኣብ ሓይሊ መፈልፈሊ ተከዘ ኣብ ስራሕ ምፅማድ ዓሳ ተዋፊሮም ዝረኸብናዮም ኣይተ ጎይተኦም ኪዱ ፣ነባርነቶም ኣብ ከባቢ ተከዘ እንትኾን ስራሕ ዕድል ካብ ዝተፈጠረሎም እቶም ሓደ ‘ዮም።

ንሶም ከምዝበልዎ ‹‹ኣብዚ ሩባ ብመንግስቲ ተወዲብና ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ሰሪሕና ኢና ፤ ካብ 2002 ዓ.ም ጀሚርና ኣብዚ እናሰራሕና ኢና ዘለና ፤ ናብ ዒስራን ኽልተን ፍሪጃት ኣለዋና ፤ ኣርባዓን ኽልተን ጀልባ ኣለዋና። እዚ ንዓና ዓብይ ዕድል ‘ዩ ተጠቒምና ‘ውን ኢና ደቅና በዚ ስራሕ ኢና እናዕበና ዘለና ።

ካብዚ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዓሳ ንልእኽ ነይርና ኢና ፤ መፂኦም ‘ውን ይወስዱ ነይሮም ፤እዚ ተከዘ ኣብ ጥቃና ምህላዉ ንዓና ዓብይ ረብሓ ሒዝልና መፂኡ ‘ዩ። ክራይ ገዛ ኾነ ናይ መብራህቲ ኸፊልና ኣይንፈልጥን ብነፃ ኢና እንግልገል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኮሮናን ኹናትን እቲ ስራሕ ክዝሕል ክኢሉ ‘ዩ። ናብ ዝነበሮ ክምለስ ‘ዩ ኢልና ተስፋ ንገብር›› ኢሎም።

ካልእ ተረባሓይ ኣይተ ገርሴ ግደይ ከምዝበልዎ ድማ ‹‹እዚ ሓይሊ መፈልፈሊ ንዓና ዓብይ ዕድል ‘ዩ ፈጢርልና ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ምንም ወፃኢ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ህይወትና ክንመርሕ ኾይና ኢና። ኣነ ሸውዓተ ቆልዑት ኣለዉኒ በዚ ስራሕ ‘የ ዘዕብዮም ።

ፈለማ እንትንውደብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ንሓንቲ ጀልባ ኾይና ጀሚርና ፤ ኸዚ ዓሰርተ ሓሙሽተ ጀልባ ብምፍራይ ሓንቲ ጀልባ 2 ሰባት ጥራሕ ኾይና ምስራሕ ጀሚርና። እቲ ምህርቲ ፅቡቕ ስለዝኾነ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብምልኣኽ ኢና ንሰርሕ›› ክብሉ ገሊፆም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 10 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You