“ከም መንግስቲ ን‛ስታርትኣፕ’ ምድጋፍ ኢንቨስትመንት ‘ምበር ረድኤት ኣይኮነን” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ:– ከም መንግስቲ ኣብ ፈጠራ ዝተመስረቱን መፍትሒ ሓሳብ ንዘለዎምን ‛ስታርትኣፕ’ ምድጋፍ ኢንቨስትመንት ‘ምበር ረድኤት ኣይኮነን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

“ብሄራዊ ፍፃመ ስታርትኣፕ ኢትዮጵያ” ትማሊ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እንትካየድ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ “ስታርትኣፕ” ማለት ዝኾነ ስራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝተመስረተ፣ ኣታዊ ዘፈልፍል ከምኡ ‘ውን ንሓደ ጉዳይ ፍታሕ ዘለዎ ሓዱሽ ፈጠራ ስራሕ ‘ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ምድጋፍ እንተኽኢልና ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ‘ዮም።ኣታዊ ግብሪ ‘ውን ምዕባይ ይከኣል’ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ከም መንግስቲ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ብምምስራት ኣብ ቴክኖሎጂ ዝተመስረቱ ሓሳባት ናብ ተግባር ንኽወርዱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢን፤ ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ሃፍቲ ዘለዎም ሓደ ሽሕን 200 ስታርትኣፕ ምህላዎም ሓቢሮም፤ ብሓፈሻ ሃፍቶም ኣርባዕተ ነጥቢ ሰለስተ ትሪሊዮን ከምዝበፅሐ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዛጊድ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ሃፍቲ ዘለዎ ስታርትኣፕ ከምዘይተፈጠረን እቲ ጉዳይ ኣብ ጅማሮ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቴክኖሎጂ ዝተመስረቱ 50 ስታርትኣፕ ከምዝነበሩ ገሊፆም፤ ኣብዚ ሕዚ ግና 900 ከምዝበፅሑን ካብ ዕብየት እቲ ቁፅሪ ብዝዘለለ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተዋፈሩ ምዃኖም ከም ሃገር ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ፖሊሲ፣ ኣብ ምስፍሕፋሕ ማእኸላት ቴክኖሎጂ ከምኡ ‘ውን ምችው ኣሰራርሓ ብምፍላጥ ንስታርትኣፕ ንምብርትታዕ ሰፊሕ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም፤ እቶም ስራሕቲ ፈጠራ ግና ብዋናነት ብውልቃዊ ዘፈር ‘ምበር ብመንግስቲ ዝስርሑ ብዘይምዃኖም ኹሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

መናእሰይ ሓዱሽ ፈጠራ እንትጅምሩ ብቐዳምነት ነቲ ስራሕ ክፈትዉዎ፣ቀፂሉ ድማ ነቲ ስራሕ ከምዝኸኣልዎ ምርግጋፅ ከምኡ ‘ውን እቲ ፈጠራ ተደላዪን ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ። ዝኽእል ምዃኑን ክፈልጡ ኣለዎም ክብሉ ኣረዲኦም።

መናእሰይ ዓብዪ ሓሲቦም ካብ ንእሽተይ ብምልዓል ንሃገር ዝተርፍ ናይ ፈጠራ ስራሕ ክሰርሑ ከምዘለዎም ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፀገም ፈታሒ ሓሳብ ፈጠራ ናብ ተግባር ብምውዓል ኣታዊ ክፈጥሩ ከምዘለዎም ኣመላኺቶም።

ዓውዲ ስታርትኣፕ ኣብ ጅማሮ እንተኾነ ‘ውን ፀገማት የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዋጋ ኢንተር፣ ክራይ ቢሮ፣ ዋጋ ኤሌክትሪክ እንትረኣይ ምስ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ንስታርትኣፕ ኽባር እንተኾነ ‘ውን ብሓባር ብምድግጋፍ ውፅኢታዊ ምዃን ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ለውጢ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልጋሎት ፋይናንስ (ፊንቴክ) ዝሰርሕ እንተሃልዩ ብሕጊ ደረጃ ገበነኛ ኾይኑ ተሓታታይ ይኸውን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ብርክት ዝበሉ ትካላት ኣብቲ ዘፈር ተዋፊሮም ገንዘብ እናንቀሳቐሱ ይርከቡ ኢሎም። መንግስቲ ንስታርትኣፕ ምድጋፍ ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛቡ ዝተፈላለዩ መበረታትዕታት እናገበረ ምዃኑ ‘ውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣፈ-ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን፣ ርእሳነ ምምሕዳራት ክልል፣ ከንቲባታት ምምሕዳር ከተማታት፣ ሚኒስትራት፣ ፈጠርቲ ስራሕን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You