ውዙፍ ኣበል ጡረታ ንዝምልከቶም ጡረተኛታት ክልል ትግራይ ምኽፋል ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፡ምምሕዳር ማሕበራዊ ድሕንነት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ 17 ኣዋርሕ ጡረታ ኣበል ንዘይተኸፈሎም ጡረተኛታት ካብ 26መጋቢት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ውዙፍ ኣበል ጡረታ ክኸፍል ጀሚሩ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ኣይተ ዳባ ኦርያ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገርና ብመሰረት አቕድ ድሕንነት ሃገርና ኣበል ጡረታ ዝኽፈል ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብዝተኣከበ ናይ ጡረታ ገንዘብ ኮይኑ ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ፀገም ድሕንነት፣ እቲ ዝድለ ዝዋፃእ ተኣኪቡ ኣብ ግዚኡ ነቲ ምምሕዳር ኣታዊ ብዘይምዃኑ ካብ ሓምለ 2013 ክሳብ ሕዳር 2015 ን17 ኣዋርሕ ኣበል ጡረታ ተቛሪፁ ፀኒሑ ‘ዩ።

እዚ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ጡረተኛታት ቕሬታ ዝፈጠረ ብምዃኑ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንጡረተኛታት ንምኽፋል ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሰረት እቲ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ብምፍፃም ውዝፍ ጡረታ ክኸፍል ጀሚሩ ምህላዉ ሓቢሩ። ኣብቲ ክልል ብድምር 70ሺሕ864 ጡረተኛታት ዝርከቡ እንትኾኑ፣ ካብዚኦም እቶም 65ሽሕ873 ወይ 93 ሚኢታዊ ውዙፍ ጡረታ ዝምልከቶም ‘ዮም።

ካብዚኦም ናይ 59ሽሕ427 ሓበሬታ ተፃርዩ ዝተወደአ ብምዃኑ ንመኽፈሊ ዝኸውን 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ብር ኣብቲ ክልል ንዝርከቡን ናይ ጡረታ ኣበል ንዝኸፍሉ 10 ዝተፈላለዩ ባንኪታት ምምሕልላፉ ዝገለፁ እቶም ዋና ስራሕ ፈፃሚ፣ እቲ ክፍሊት ከምዝተጀመረን ንዝምልከቶም ኮሎም ናይ ዝሓለፈ ዘይተኸፈሎም ወዲኡ ንምኽፋል እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡

እቶም ተኸፈልቲ ኣብዝተመደብሉ ባንክታት ኣብ እዋኑ ቐሪቦም ናይ ጡረታ ኣበሎም ምቕባል ከምዝኽእሉ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ክልል ኣበል ጡረታ ዝኸፍሉ ባንክታት ድማ ባንኪ ኣቢሲንያ፣ ባንኪ ኣዋሽ፣ ባንኪ ሕብረት፣ ባንኪ ዳሽን፣ ባንኪ ቡና፣ ባንኪ ኣዲስ፣ ባንኪ ኣባይ፣ ባንኪ ወጋገን፣ ባንኪ ኦሮሚያ ህብረት ስራን ባንኪ ንብን ‘ዮም፡፡

ክፍሊት ውዙፍ ኣበል ጡረታ ካብ እቶም ዝምልከቶም እቶም 6ሽሕ446 ዝኣኽሉ ኣብቲ እዋን ኩናት ካብቲ ክልል ወፃኢ ናይ ጡረታ ኣበል ዝወሰዱ እንትኾኑ ካብ ናይ 17 ኣዋርሕ ናይ ክንደይ ወርሒ ከምዝወሰዱ ሓበሬታ እናተፃረየ ይርከብ ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ናይ ተተካእትን ንኽክፈሉ መሰል ዘለዎምን ኣብ ከይዲ ምፅራይ እንትኸውን፣ እቶም ዝግበኦም ፋይሎም ኣብዝርከበሉ ናብ ቤት ፅሕፈት ጨንፈራት እቲ ምምሕዳር ብምቕራብ ከመልክቱን ሓበሬታ ኣብ ዝፃረየሉ ምትሕብባር ክገብሩ ይግባእ፡፡ እዚ ናይ ሓበረታ ምፅራይ ምስተወደአ ናይ ጡረታ ኣበል ዘይወሰዱ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክኽፈሎም ‘ዩ ኢሎም፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ምምሕዳር ኣይተ ዳባ ኦሪያ፣ ከምዝበልዎ ውዙፍ ክፍሊት ካብ ታሕሳስ 2015 ንነዘ ጡረታ ዝወፁ ኣይምልከትን፡፡ ናይ 17 ኣዋርሕ ውዝፍ ክፍሊት ብሓደ ግዜ ዝፍፀም እንትኸውን፣ እዚ ሕቶ እዚ በቶም ጥሮተኛታት ብተደጋጋሚ ንዝሕተት ዝነበረ ሕቶ መልሲ ዝሃበ ‘ዩ ኢሎም ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You