በዓል ሓይራን ጓሶትን

ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታትን ጥበብን ዝመለአ ‘ያ። ይኹን ‘ምበር ብዘለዋ መጠን ሃፍቲ ሓድግታትን ታሪኽን ብዝግባእ ተፀኒዖም፣ ተዓቂቦምን ተላልዮምን ገና ናብ ረበሓ ኣይወዓሉን ምባል ይክኣል። ካብ ብዙሓት ፍልፍል ቱሪዝም ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ሓደ ኣብ ዘሓለፈ ሰሙን ሓምለ ሓሙሽተ ዝወዓለ በዓል ‘ሓወርያ’ ወይ ‘ሓርያ’ ዮ።

ብሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ዝኽበርን በመልክዕ ባህላዊ ድማ ‘ሓወርያ’ ወይ ‘ሓርያ’ እናተባሃለ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ በቢዝጠዓሞን ዝፀነሖን ይፅወዖ። ኣብዚ ባህሊ ከም ዓበይቲ ፍፃመታት ዝዉገኑ መብዛሕተኦም ብኣወዳት ‘ዩ። ኣዴታት ወይ ጎራዙ ምናልባሽ ዓመታዊ በዓል ከም ምዃኑ መጠን ናይ ኹሽና ስራሕቲ ‘የን ዝዉግና። ከምቲ ኣሸንዳ ናይ ጎራዙ ፀዋታ ዝበሃል ሓወርያ ወይ ሓርያ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ተባሂሉ ክግለፅ ዝኽእል ‘ዩ።

ካብ ደቂ ተባዕትዮ ‘ዉን ዝያዳ ናይ ሓለዉቲ እንስሳ ወይ ጓሶት በዓል ክበሃል ዝኽእል ‘ዩ። እሞ ጓሶት ወይ ኣወዳት ትግራይ ሓወርያ ተቐራሪቡ ክሳብ እቲ ዕለት እንታይ ብምፍፃም የብዕልዎ? ካብ ብዙሕ ብዉሑድ ምርኣይ ክንፍትን ኢና፡፡ በቢ ከባቢኡ ‘ዉን ቁሩብ ኣፈላላያት ከይዲ ኣፈፃፅማ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ከብርታትና ካብ ደጉዓን ቆላን እናመላላእና ክንዕቅቦም ሓጋዚ ‘ዩ ከም መበገሲ እንተኾነ እነሆ!!

ቅድመ ምድላዉ እዚ በዓል ወርሒ ሰነ ክፋረቕ እንተሎ ኣወዳት ዝተፈላለዩ ጎዶቦታት ኣብቲ በዓል ክህልዎም ዝግባእ ‘ጭጉራፍ’ ዝባሃል ብማእኸላይ ካብ 2 ሜትሮ ንዉሓት ንላዕሊ ዘለዎ ተዓፃፃፊ ጠንካራ ትንጎ ይዳሎ። ነዚ መስርሒ ዝኸዉን ልሕፂ ሰራዉ፣ ዓላ ወይ ዒቃ ቅድሚ 2 ሰሙን ‘ዩ ተላሒፁ ይዳሎ።ነዚ ዉድድር ንምስዓር ድሮ ወይ ሳልስቲ ክተርፎ እንተሎ ጭጉራፍ ሰሪሕኻ ወይ ኣስሪሕኻ ጎዶቦኻ ክሳብ ፀርፀር ዝብል ጭጉራፍ ምንታግ ክብሪ ‘ዩ።

ኣብ ዕለተ ሓወርያ ወጋሕታ ደርሆ ከይነቀወ መን ቀዲሙ ጭጉራፍ ኣንተጎ ዓብዪ ዉድድር ስለ ዘሎ ኣብ ለይቲ ሓወርያ ወይ ሓርያ ድቃስ የለን። ቆልዑት ወይ መናእሰይ ፍርቂ ለይቲ ተሲኦም ‘ዮም ናብ ዝባን ህድሞ ወይ በሪኽ ቀልቀል ወፂኦም ኢዶም ክሳብ ዝምናዕ ጭጉራፍ ከንቱጉ ዝሓድሩ።

ደሕሪ እዚ ወጊሑ ቆራሪሶም እንስሳት ሒዞም በረኻ ይኸዱ። ገለ ኣዴታት ንጎሆ ተላዒለን ፎኾኽታ ሕምባሻ ተሸሊሙ ደቀን ሓምቢሸን ሒዞም ይኸዱ። ገሊአን ኣዴታት ድማ ሕምባሻ ፎኾኽ ምባል እንድሕር ዘይሰሊጥለን ብኻሊእ ቆልዓ ከስዕባሎም ጭጉራፎም እናንተጉ፣ መን ዝያዳ ዘድምፅ ጭጉራፍ ወነነ ማዕዶ ንማዕዶ እናተወዳደሩ ናብ ሓደ ከባቢ ይወፍሩ።

ሕምባሻታት ሓርያ ካብ ናይ ኣጓሶት ነፀላ ፅርይ ዝበለ ተራእዩ ይዝርጋሕ እሞ ፍርቂ ፍርቂ ሕምባሻ ናይ ነብሲ ወከፍ ጓሳ ተዉፃእፂኡ ናብ ሓደ ይእከብ። እንተንኢሱ ድማ እቲ ርብዒ ‘ዉን ይዉሰኽ። ናብ ሓደ ተፀምቢሩ ምስ ተሓዋወሰ ቅድሚ ምብላዕ ቀድሚ ምጅማሮም ኩሉ ቆልዓን መንእሰይን ጭጉራፉ ሒዙ ቦታ መሪፆም ፋሕፋሕ ኢሎም ብሓባር ጭጉራፍ የንቱጉ። መሬት ብድምፂ ጭጉራፍ ዕንፅራር ትኸዉን ጎቦታት እናተቐባበሉ የጋዉሑ። ደሕሪ ዉሱን ደቓይቕ የዕርፉ እሞ መኣዲ ሕምባሻ ብዓበይቲ ተባሪኹ ምብላዕ ይጅመር።

1ይ ዙር ተበሊዑ ቅድሚ መሊኡ ምፅጋብ ዳግም ተላዒሎም ሓበራዊ ስርዓት ምንታግ ጭጉራፍ ይቕፅል፣ ድሕሪ ደቓይቕ ድማ መሊሶም ናብ ሓበራዊ መኣዲ ሕምባሻ ይኣትዉ። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ ን3ይ ግዜ ሓበራዊ ምንታግ ይቕፅል።

ኣብ መወዳእታ ስነ ስርዓት ‘’ጥቑልብ’’ ይግበር። ጥቑልብ ማለት በቢቦታኻ ሒዝካ ብጉጅለ ወይ በዉልቀ ጭጉራፍ እናጠወኻ ምዉቓዕ ማለት ‘ዩ። እዚ ናይ ፅጋብ ምልክት ተጌሩ ‘ዩ ዝዉሰድ። ዝነወሐ ጭጉራፍ ዝሓዘ ስለ ዘጥቅዕ ምህዳም ወይ መን ነዊሕ ሓዘ መን ሓፂር ኣለዎ ተመዲቡ ስለ ዝካየድ ዝተመደቡሉ ጉጅለ ኣብ ግምት ብምእታዉ ይረባረብ ወይ ድማ ሃዲሙ ካብ ጠቑላብ ጭጉራፍ የምልጥ።

ንመጋጥምታ ፋሕፋሕ ዘበለት ጉጅለ ድማ ናይ ሰዓራይ ሓበራዊ ምንታግ ኣካይዳ ናብ ሰላማዊ ሂወት ትምለስ። ድሕሪ እዚ ካብቲ ኣብ ሳንጠኦም ዝተረፈ ፍርቂ ወይ ርብዒ ሕምባሻ ምስ መቕሩቡ ቁራስ ሕምባሻ ይለዋወጡ። እዚ ቁራስ ሕምባሻ ፈዉሲ ነጎዳ ተባሂሉ ናብ ገዝኦም ሒዞሞ ይምለሱ።

ብሓፈሻ እዚን ካልኦት መሰል ፍልፍል ቱሪዝም ዝኾኑ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ወይ ፀጋታት ቱሪዝም ብዝምለከቶም ኣካላት ግቡእ መፅናዕቲ ብምግባር፣ ብምዕቃብን ብምልላይን ናብ ረብሓ ክውዕሉ ክስርሐሎም ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You