ስፖርት ጁዶ ኣባል ዓለምለኸ ፈደሬሽን ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ

ፌዴሬሽን ስፖርት ጁዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ ፌደሬሽን ጁዶ ንምምዝጋብ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ ፈደሬሽን ጁዶ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብዓለም ደረጃ ክምዝገብ ኣይከኣለን። ብኮሚቴ ኦሎምፒክ ዝወሃብ ናይ ምፅዳቕ ምስክር ወረቐት ይፅበ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ስፖርት ጁዶ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ክዝውተር ዝጀመረ ካብ 2002 እንትኸውን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣብ ትሕቲ ኢንተግሬትድ ማርሻል ኣርትስ ተመዝጊቡ ይርከብ። ብደረጃ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2005ዓ.ም ፍቓድ ረኺቡ ምንቕስቓስ ጀሚሩ ይርከብ፡ እዚ ስፖርት ምስቲ ባህላዊ ስፖርት ሃገርና ዝኾነ ቅልስ ዝመሳሰልን ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዘሎ ኮይኑ ልዕሊ 200 ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ጁዶ ተመዝጊበን ይርከባ።

ፌደሬሽን ጁዶ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ተፈላጥነት ንምርካብ ኣብ ምንቕስቓስ ምዃኑን ካልኦት ንጥፈታት እቲ ፌደሬሽንን ብዝምልከት ኣብዚሓለፈ ሰኑይ ጋዜጣዊ መግለፂ ተዋሂቡ ‘ዩ። ኣብ መጋቢት 2015 ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ተመስሪቱ፣ ፈደረሽን ጁዶ ኢትዮጵያ ድማ ብ4 ጥቅምቲ 2016 ምምስራቱ ብምዝኽኻር ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ጁዶ፣ መስራቲ ኮሚቴ፣ እቲ ስፖርትን ርክባት ወፃእን ሓዊሱ ኣትሒዙ ዘለዎ ብርኪ፣ ተሳተፍቲ፣ ስልጣንን ሓላፍነትን ካልኦት ተታሓሓዝቲ ጉዳያትን ተላዒሎም ‘ዮም፡፡

ብቐንዲ ዝተላዕለ ጉዳይ እቲ ፌዴሬሽን ብብርኪ ዓለምለኸ ንምምዝጋብ ካብ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ መረጋገፂ ሰርቲፊኬት ንምርካብ እናተፀበየ ከምዝኾነ ኣብ ቐፃሊ ዝግበር ናይ ኦሎምፒክ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኮሚቴ ፍቓድ እንተረኺቡ እቲ ፌዴሬሽን ዓለምለኻዊ ምዝገባ ከምዝፍፅም ኣፍሊጡ።

እቲ ስፖርት ብደረጃ ዓለም ‘ኳ እንተዘይተመዝገበ ብደረጃ ኣፍሪካ ርክባት ከምዘለዉን ነዚኦም ንምቕፃልን ብደረጃ ዓለም ክምዝገብን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክህብ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡ ነዚ ድማ ብፈፃሚ ኣካል ኣቢሉ ዘድሊ ሰነዳት ተማሊኡ ናብ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ፌደሬሽን ጁዶን ሕቶ ቀሪቡ ‘ዩ።

ቅድሚ ሕዚ እቲ ስፖርት ኣብ ትሕቲ ሲቪክ ማሕበራት “ማሕበር ጁዶን ጁጂሱን ኢትዮጵያ” ብዝብል ማሕበር ምዝገባ ብምክያዱ ኣብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከም ፈደሬሽን ብምምዝጋቡ ኣብ ምምስራት እቲ ፈደሬሽንን ዓለምለኸ ምዝገባን ዕንቅፋት ፈጢሩ ‘ዩ።

እቲ ማሕበር ክምስረት እንተሎ ኣብ ክኢላታት ትኹረት ብምግባር ረብሓታቶም ዘኽብር ‘ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ዓለምለኸ ማሕበር ከም ፈደሬሽን ብምምዝጋቡ ፀገማት ከምተፈጠሩን ኮሚቴ ኦሎምፒክ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ትፅቢት ፕረዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ማስተር ወንድሙ ደሳለኝ ጠቚሞም፡፡

ኢንስቲትዩት ሲቪክ ማሕበራት ስሙር ትካል ንኽህልዎን እቲ ስፖርት ንኽቕፅልን ቅልጡፍ ምላሽ ክህብ ፌዴሬሽን ሓቲቱ። ብሰንኪ እቲ ፀገምን እቲ ፈደሬሽን ኣብ ዓለም ለኸ ፌደሬሽን ስፖርት ብዘይምምዝጋቡ ኣብ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትሳተፍ ከምዘይከኣለ ተገሊፁ።

ማስተር ወንድሙ ደሳለኝ እቲ ፌደሬሽን ካብ ዝምስረት ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ ከምዘቑፀረ ብምግላፅ፤ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ስለዝኾነ ኣቓልቦ ሚድያታት ረኺቡ ምስ ሕብረተሰብ ክላለ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ዝተኻየዶ መፅናዕቲ እቲ ስፖርት ብቐሊሉ ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል መንገዲ ከምዘሎ ብምግላፅ፤ ምስ ባህላዊ ስፖርት ዝኾነ ቅልስ ብምትሕሓዝ ናብ ገጠራት ኢትዮጵያ ምብፃሕ ከምዝከኣል ተረጋጊፁ ‘ዩ ኢሎም።

ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ድሕሪ ለንደን ኦሊምፒክ ናይ ዒላማ ተኹስን ጁዶን ብትልሚ ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ ንምስታፍ ተሊሙ ዝነበረ ዋላ እንተኾነ ፌዴሬሽን ብዘይ ምምስራቱ እቲ ትልሚ ከምዘይተሳኸዐ ኣዛኻኺሮም፡፡ ኣብ ኦሊምፒክም ፓሪስ ንኽሳተፍ ናይ ምዕዳም ዕድል ዋላ እንተነበሮ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ከምዘይረኸበ ጠቒሶም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You