ግደ ዲፕሎማሲ ኣብ ዕብየት ዘፈር ቱሪዝም

ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ልዑል ዕብየት ንክምዝገብ ዓቢ ግደ ካብ ዝተፃወቱ ዘፈራት ሓደ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ሃገር(ጂዲፒ) ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ከምዝተቀመጠ መፅናዕቲ ትካል ቱሪዝም ዓለም (UNWTO) ይሕብር። 10 ሚእታዊ ዝኸውን ስራሕ ዕድል 30 ብሚእቲ ዝኸውን ድማ ንግዲ ወፃኢ ዝፈጥሮ በዚ ዘፈር ምኽንያት ከምዝኾነ እቲ መፅናዕቲ የመላኽት።

ቱሪዝም ዕብየት ቁጠባ ዓለምና ካብ ምቅልጣፉ ብተወሳኺ ንኹሉ ብማዕርነት ዝካተተ ናይ ሓባር ዕብየት ንምምዝጋብ ዘኽእል ኣማራፂ ከምዝፈጥር ናይዚ ትካል ፅንዓት ተርኢ። ኣብዚ ዘፈር ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ፍሉይ ኣቃልቦ ዝደልዩ (ጉድኣት ኣካል)ዝኣምሰሉ ዜጋታትን ብዝተፈላለየ ዘፈር ሞያን ክእለት ዘዕብዩ ሰብ ሞያ ዘሳትፍ ዕብየት (inclusive growth) ዘምፅእ ዘፈር ‘ዩ።

ንምስኻዕ ዕላማታት ዘላቂ ልምዓት ዋና ዓምዲ ዝኾነ ብሓላፍነት ምክልኻል ለውጢ ነባሪ ኣየር ከምዝኾነ ይግለፅ ‘ዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ከም ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ቱሪዝም ኣብቲ ዘፈር ኣውንታዊ ፅዕንቶ ካብ ዝፈጥሩ ሓደ ተፈጥሮ ከይበርስን ኣየር ንብረት ክሕለውን ምዃኑ ይግለፅ ‘ዩ። ኣብዚ ኸይዲ ውሽጢ ቱሪዝም ተፈጥሮ ብምብርትታዕ፣ ኣብ ዓለም ቅርስነት ብምምዝጋብ፣ ሓለዋ ንክግበርን ኢሉ ‘ውን ሚዛን ተፈጥሮ ክሕለው ኣወንታዊ ብፅሒት ይወስድ ‘ዩ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ካብዚ ዘፈር ተጠቃሚት ንክትኸውን ብፍሉይ ትኹረት ትሰርሕ ከምዘላ ይግለፅ ‘ዩ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያ በዚ ዘለዋ ዓሚቅ ዓቅሚ ንምጥቃም ብብርኪ ዓለምለኸ ፅዕንቱኡ ሓፍ ካብ ዝበለ ዘፈር ቱሪዝም ንምውሳድ ካብ ዝኽእሉ ስጉምትታት ውሽጢ ዋና ዋና ዓለምለኸ ምትሕብባር፣ ከምኡ ‘ውን ስግግር ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ዝግለፅ ‘ዩ።

በዚ ኩነታት ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ እናተመዝገቡ ዘለው ለውጥታት ምህላዎም ስራሕ መፈፀሚ ርክብ ህዝቢ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝኾኑ ኣይተ ኣለማየሁ ጌታቸው ይዛረቡ። እቲ ሚኒስቴር ቱሪዝም ብዝምልከት ከምፅእ ተሓሲቡ ዘሎ ሱር ቦቆስ ለውጢ ዝሕግዙ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት እናተሰርሐ ምዃኑ የመላኽቱ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ምስ ሃገረ ቼክ ሪፐብሊክ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ገይረን’የን ዝበሉ ቶም ስራሕ መፈፀሚ እተን ሚኒስትር ምስ ባህሊ ምኒስተር ቼክ ሪፐብሊክ ሚስተር ማርቲን ባታ ክልቲኣዊ ዘተ ምግባረን ብምሕባር፤ ናይ ክልቲኦም ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስትራት ኣብ ዝዘተዩሎም ጉዳያት ናብ ተግባር ንምቅያር ኣብ ስምምዕነት ምብፅሐን ኣረዲአን ‘የን።

በዚ መሰረት ኣብ ሞንጎ ብሄራዊ ሙዚየማታቶም ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምምልኻት ኣብ ኣፈፃፅምኡ ዝርዝር ዘተ ምግባረን ተዛሪበን። ኣይተ ኣለማየሁ ከምዝበልዎ፤ በዚ መበገሲ ብምግባር ቼክ ሪፐብሊክ ዘለዋ ምሩፅ ብሄራዊ ሙዚየም ተሞክሮኣ ንምክፋል ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ሙዚየም ሚካኤል ሉከስ ዘተ ምባሮም ገሊፆም።

ብዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት ብህንፀት ዓቅሚ፣ ብሄራዊ ሙዚየም ኢትዮጵያን ንምዝማን ዝግበር ፃዕሪን ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ሙዝየማት ብግዝያውነት ከም መልክዕ ኤግዚቢሽን ብምድላው ኣብ በቢሃገራት ብምርኣይ ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ ይገልፁ። ብተወሳኺ እተን ሚኒስትር ኣብ ፓርክ ዲቩር ክራሎቭ ሳፋሪ ዑደት ስራሕን ዘተን ምግባረን ኣይተ አለማየሁ ኣፍሊጦም።

እቲ ፓርክ ኣብ ኣፍሪካ ጥራሕ ዝርከቡ ብፍላይ ዘርኦም ዝጠፍኡን እናጠፍኡ ኣብ ዘለውን እንስሳት ዱር ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ዝገብር እንትኾን ልዕሊ 2000 እንስሳት ዱር ዘለዎን በቢዓመቱ ድማ ክሳብ ሹዱሽተ ሚኢቲ ሽሕ ሰባት ዝጉብንይዎ ፓርኪ ‘ዩ።

ኣብዚ ምስ ሓለፍቲ እቲ ፓርክ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ዝበለፀ ምትእሳሳር ንክከኣል ኣብ ሓለዋን ምንክብካብን እንስሳት ዱር፣ ኣብቲ ዘፈር ዝግበር መፅናዕቲ ከምኡ ‘ውን ንሓደጋ ዝተጋለፁ እንስሳት ዱር መዕቆቢ ንምምስራት ዝከኣለሉ ኩነታት ሓቢርካ ንምስራሕ ተስማዕሚዖም። እዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ምስ በዓል ስልጣን እንስሳት ዱር ብምፍርራም ስምምዕነት ብምግባር ናብ ስራሕ ከምዝእተው ‘ቶም ስራሕ መፈፀሚ ርክብ ህዝቢ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ብቱሪዝም ዲፕሎማሲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዕውት ርክብ ምፍጣር ከምዝኽኣለት ዝዛረቡ ኣይተ ኣለማየሁ፤ በዚ ‘ውን ሚኒስትር ቱሪዝም ጆርዳን መከረም ሙስጠፋ ብምቕባል ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻርን ልውውጥ ልምዲ ንምግባር ዝኽእሉሎም ጉዳያት ምስ ኣምባሳደር ናንሲሴ ጫሊ ምዝታዮም ተዛሪቦም። ብፍላይ ኣብ ቱሪዝም ኢንቨስትመንት፣ ፕሮሞሽን፣ ሓለዋ ቅርስን ጥዕና ቱሪዝምን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ምብፅሑ የረድኡ።

ኣይተ ኣለማየሁ ከምዝበልዎ፤ ኣምባሳደር ናንሲሴ ጫሊ ካብ ቱርኪ ምስ ዝመፅአ ልኡኽ ጉጅለ ‘ውን ኣብ ቤት ፅሕፈተን ምዝታየን ብምልዓል፤ ሰብ ሃፍቲ ቱርክ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ኢንቨስት ንክገብሩ ከምተዓደሙ ገሊፆም። ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ህንፀት ዓቅሚ፣ ቱሪዝም ጥዕና፣ ኣብ መዕረፊ ቱሪስትን ኣብቲ ዘፈር ልምድታቶም ብምክፋልን ልውውጥ ልምዲ ናይ ምግባር ድልየት ከምዘለዎም ምግላፆም ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 10 ሓደ ስራሕ ዕድል ናይ ምፍጣር ዓቅሚ ዘለዎ ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚው ዓብዪ ተፅዕኖ ንክህልዎ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጦም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ሓደሽቲ ልምዓታት ቱሪዝም ብስፍሓት ተሰሪሑ ‘ዩ።

ካብዚኦም ከም ወንጪ፣ ጎርጎራ፣ ሃላላ ኬላን መሰል ኣብ ተፈጥሮ ቱሪዝም ትኹረት ዝገበሩ ሓደሽቲ ቦታት ብብርኪ ዓለምለኸ ዘሎ ፍሰት ቱሪዝም ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምስሓብ ዓቅሚ ከምዝህልዎም ይእመን። ይኹን ‘ምበር ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ጎና ጎኒ ሃፍትታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምለኸ ምልላይ ኣድላይ ምዃኑ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይመኽሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 500 ቱር ካምፓኒታት፣ ልዕሊ 700 ድማ ሆቴላት ከምኡ ‘ውን ብዙሓት ኣቅረብቲ ምህርቲ ቱሪዝም ምህላዎምን፤ እዞም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ተፅዕኖ ክገብሩሉ ዝኽእሉ ኣወዳድባ ብምፍጣር ኣብ ምልላይን ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ዝርኣይ ለውጢ ምምፃእ ከምዝክኣል ይግለፅ ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You