ኣብ ፀወታታት ስፖርቲ ኣፍሪካ ዝደመቐት ጋንታ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተዛዘመ ፀወታታት ስፖርት ኣፍሪካ ተሳታፊ ዝነበረት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራ ምእታዋ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ኣብ ኣክራ ጋና ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ውድድር ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ብዘለዋ ልዑል ተሳትፎ ናይ ቦክሲንግን ቅድድም ብሽክለታን ኣትሌቲክስን ብዙሕ መዳልያታት ከም ዝረኸበት ዝፍለጥ ‘ዩ።

ኣብዚ ውድድር ብምስታፍ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ውድድር ሽምን ባንዴራን ሃገር ዘንበልበለት ልኡኽ ጋንታ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በፅሐት ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣብዚ ውድድር ብ9 ዓይነታት ስፖርት ብዘይተለምደ ኣገባብ ዝተሳተፈት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝሑል ጅማሮ ‘ኳ እንተነበራ መወዳእታ ግን ፅቡቕ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ፡፡

ኣብ ስፖርቲ ኣትሌቲክስ ብዙሕ ብርክት ዝበሉ ሜዳልያታት ኣብ ርእሲ ምምዝጋቦም ኣብ ታሪኽ ፈላማይ ዝኾኑ ዓወታት ኣብ ካሊእ ዝተፈላለየ ስፖርት ’ውን ተመዝጊቡ ‘ዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ተሳትፎ ሓሊፎም ተወዳደርቲ ክኾኑ ዘይኽእሉ ብዙሓት ስፖርትታት ነይሮም ‘ዮም።

እዚ ውድድር ብመሰረት መትከል ኦሎምፒክ ዝካየድ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ገለ ስፖርትታት ከም መፃረዪ ኮይኑ የገልግል ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ 5 ኦሎምፒክ ስፖርትታት ማለት ኣትሌቲክስ፣ ኩዕሶ እግሪ፣ ብሽክለታ፣ ቦክሲንግን ዓለም ቴኳንዶ ስፖርትን መዳልያታት ንምዕዋት ናብቲ ውድድር ዘቕነዐት ኮይና ኣብ ሰለስተ ጥራሕ ግን ዕዉት ኮይና ‘ያ።

ቀዳማይ ሜዳልያ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ እንትኸውን፤ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ኤርትራ ቐፂሉ ብተዛማዲ ዝሓሸት እትበሃል ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ሓያል ተናሕናሒት ነይራ፡፡ በዚ ድማ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ውልቃዊ ውድድር ብሽክለታ ኪያ ሮጎራ በይኑ ሜዳልያ ብሩር ረኺቡ ‘ዩ።

ብሓንቲ ሜዳልያ ጥራይ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ጋንታ ኢትዮጵያ ውድድር ኣፍሪካ ክዛዘም ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ኣብ ዝቐረየሉ ኣብ ዝተጀመረ ውድድር ኣትሌቲክስ ተኸታቲሎም ዝተመዝገቡ ሜዳልያታት ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ለውጢ ከተምፅእ ክኢሉ ‘ዩ። ጋንታ ኢትዮጵያ ብዘይተለመደ ኩነታት ካብ ነዊሕ ርሕቐት ሓሊፋ ኣብ ሓፂር ርሕቐት ዝተሳተፈት ትኹን’ምበር፤ ካብ’ቲ ኢትዮጵያ እትፍለጠሉ ርሕቐት ወፃኢ ሜዳልያ ዝተረኽበ ኣብ ናይ ምርኩዝ ዝላ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ ኣትሌት ኣበራ ኣለሙ ጥራይ ‘ዩ፡፡

47 ደቂ ተባዕትዮን 40 ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት ብድምር 87 ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ቁፅሪ ሜዳልያ ብምምዝጋብ ሕዚ ‘ውን ሓበን ሃገር ምዃና ኣመስኪራ ‘ያ። 47 ውድድራት ኣብ ዝካየደሉ ኣትሌቲክስ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ልዕሊ 640 ኣትሌታተን ዘወዳደሩ እንትኾኑ፤ ካብዚኦም እቶም 27 ናብ ሜዳልያ ክፅንበሩ ክኢሎም ‘ዮም።

ካብኣቶም ጋንታ ኢትዮጵያ ብኣትሌትክስ ንናይጀሪያ ብምኽታል ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ ‘ያ። እታ ጋንታ 7 ወርቂ፣ 7 ብሩርን 4 ነሓስን ብድምር 18 ሜዳልያታት ብምምዝጋብ ንጎረቤት ሃገር ኬንያ ኣኸቲላ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ‘ያ፡፡ ካልእ ተመዝጊቡ ዘሎ ውፅኢት ስፖርት ቦክሲንግ ኮይኑ ብውሑዳት ሜዳልያታት ጥራይ ተሓፂራ ዝፀንሐት ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣፍሪካ ዓወታ ኣመስኪራ ‘ያ።

7 ቦክሰኛታት ዘሰለፈ ፌደሬሽን ቦክሲንግ ኢትዮጵያ 3 ሜዳልያታት ብምምዝጋብ ዕዉት ተሳትፎ ገይሩ ‘ዩ፡ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስፖርት ቦክሲንግ ልዑል ምንቕቓሕ እናርአየት እትርከብ ኢትዮጵያ በዚ ስፖርት ቦክሲንግ ናብ ሰንጠረዥ ሜዳልያ ምእታው ካብ ዝኸኣላ 22 ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ። ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ቦክሰኛታት ኣብ ውድድር ቦክሲንግ ደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ እዋን ወርቂ ሜዳልያ ብምዕታር ታሪኽ ሰሪሐን ‘የን።

ብ52 ኪሎ ግራም ቤተልሄም ገዛሀኝ ንሞሮካዊት መጋጥምታ ስዒራ ቀዳመይቲ እንትትኸውን፤ ብምቕፃል ቤተል ወልዱ ‘ውን ብ66 ኪሎ ግራም ዓወት ንሃገራ ኣመዝጊባ ‘ያ። ኣብ ውድድር 75 ኪሎ ግራም ደቂ ተባዕትዮ ዝተሳተፈ ተመስገን ምትኩ ድማ ነሓስ መዳልያ ክዕወት ክኢሉ ‘ዩ።

በዚ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ስፖርት ቦክሲንግ ዘለዋ ኣድማዕነት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ከተረጋግፅ ክኢላ ኣላ። በዚ መሰረት ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ፓሪክ ንዝካየድ ኦሎምፒክ ካብ ተሳትፎ ሓሊፉ ውፅኢት ክምዝገብ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 13 ፀወታታት ኣፍሪካ 9 ወርቂ፣ 8 ብሩርን 5 ነሓስን ብድምር 22 ሜዳልያታት ብምምዝጋብ ውድድራ ዛዚማ ‘ያ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You