ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ተጠናኺሩ ይቐፅል

ሰላምን ልምዓት ንወዲሰብ ኣዝዮም ወሰንቲ ካብዝበሃሉ ነገራት ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ግና ቕድሚ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ሰላምን ልምዓት ርሒቑ ምንባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሕዚ ግና እቲ ዝነበረ ፀገም ሳላ ብዘተ ዝተፈትሐ ካብ ኩናት ናብ ሰላምን ልምዓትን ተሳጋጊሩ ይርከብ። ይኹን ‘ምበር ምስቲ ዝነበረ ስፍሓት ፀገም ገና ካብቲ መከራ መሊኡ ኣይወፀን። ምስቲ ኩነታት ተታሓሒዙ ብዙሕ ሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮን ናብ መረበቱ ዘይተመለሰን ህዝቢ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ‘ምበር ኩናት ድሌቱ ገይሩ ኣይፈልጥን። ሕዚ ‘ውን ሰላምን ልምዓትን እናሓተተ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ተወከልቲ ክፋል ማሕበረሰብ ክልል ትግራይ ኣብ ዛዕባታት ትግራይ ዘተ ምክያዶም ዝፍለጥ ‘ዩ። እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ሕቶታት ኣልዒሎም ተዘቲሎም ‘ዩ። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ‘ውን ንሰላምን ልምዓትን ዘተባብዑ መብርህን ምላሽን ሂቦም ‘ዮም።

ፖለቲከኛታት ትግራይ ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ተረዲኦም ብዕቱብ ክሰርሑ ኣለዎም። ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ብቑርፀኝነት እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብወገን ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ‘ውን ኣብዚ ኩነታት ትኹረት ክገብሩ ይግባእ።

መንግስቲ ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ዘተ ምስ ህዝቢ ምክያዱ ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዝካየዱ ዘለዉ ልማዓትን ዳግመ ህንፀትን ኣዝዩ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ ብወገን ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ብዝግባእ ክሰርሐሉ ኣለዎ። ኣብ ዘተን ምይይጥን ተደሪኽካ ብምሉእ ውነ እንተተሰሪሑ እቶም ፀገማት ክፍትሑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ዘጋጥሙ ፀገማት ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከይከዱ ኩሉ ግዜ ብዘተ ብምፍታሕ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ምፅዓር የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ ብኹናት ንምፍታሕ ምሙኳር ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘስዕብ ምዃኑ ካብ ሕሉፍ ምምሃር ይግባእ። ኩሉ ግዜ ኣብ ዘተን ምኽክርን ምእማን የድሊ። እቲ ዝነበረ ፀገም ብዘተ ብምፍትሑ ብዙሕ ረብሓ ተረኺቡ ‘ዩ።

ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እንተነኣሰ ድምፂ ጥይት ጠጠው ኢሉ ብዙሓት ናይ ዳግመ ሕውየት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። በጀት ካብ ምምዳብ ጀሚሩ ከም መብራህቲን ስልኪን ዝመሳሰሉ ተለቒቖም ‘ዮም። እዚ ፅቡቅ ነገር ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እዚ እኹል ስለዘይኮነ ዝተረፉ ስራሕቲ ንምስራሕ እቲ ስምምዕነት ናብ ሙሉእነትን ካብኡ ንላዕልን ምውሳድ የድሊ።

ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሑ ፀገማት ዋላ እንተሃለዉ መንግስቲ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣወንታዊ ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እናሰርሐ ይርከብ። ካብዚ ንላዕሊ ንምስራሕ ‘ውን ብቖራፅነት እናተንቐሳቀሰ ‘ዩ። እዚ ቐፃልነት ክህልዎ ሕዚ ‘ውን ተቐራሪብካ እናተማኸርካ ምስራሕ የድሊ። ተቐራሪብካ ምዝታይ እንተሃልዩ ፀገማት ህዝቢ ክፍትሑ ይኽእሉ ‘ዮም። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ። ብካሽ 45 ቢሊዮን ብር፤ብንዋታዊ 19 ቢሊዮን ብር ዝኣክል ድጋፋት ብምግባሩ ቐለልቲ ዘይባሃሉ ፀገማት ተፈቲሖም ‘ዮም።

ኮይኑ ግና መንግስቲ እዚ እኹል ‘ዩ ኢሉ ኣይወሰደን። ሕዚ ‘ውን ሰላም ኣጣናኺርካ ብምቕፃል እቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ሙሉእ ድሌትን ተበግሶን ሒዙ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ኩሉ ብወገን ትግራይ ዘሎ ድማ ሓጋዚ ክኸውን ይግባእ። ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ብቕልጡፍ ናብ ልምዓት ንምቕያር ነቲ ሰላም ምሕያል የድሊ። ሰላም ብምፅናዕ ተሓጋጊዝካ ካብቲ ሕዚ ዘሎ ብዝበለፀ ምስራሕ ይግባእ።

ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምትሕግዘጋዝ እንተዘይሃልዩ ሕቶ ህዝቢ ክምለስ ኣይኽእልን። ክልል ትግራይ ካብቲ ዝገጠሞ ፀገም ብቕልጡፍ ንምውፃእ ምስ መንግስቲ ፌደራል ጥራሕ እንተይኮነስ ፖለቲከኛታት ትግራይ ‘ውን ነኒባዕሎም ኣብ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ቖላሕታ ክገብሩ ይግባእ። ምኽንያቱ ስምምዕነት እንተዘይሃልዩ ዝተደለየ ለውጢ ክመፅእ ኣይኽእልን።

ከምዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ካብ መረበቱ ዝተማዛበለ ህዝቢ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ እንተኾይኑ ተቓራሪብካ ምዝታይን ምስራሕን ኣድላይ ‘ዩ። መንግስቲ ኣብዚ ብዕቱብ እናሰርሐ ‘ዩ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ጥራሕ ነዚ ከሳኸዖ ስለዘይኽእል ብኹሉ ወገን ምትሕግጋዝ ኣድላይ ‘ዩ።

ብሓፈሻ መንግስቲ ድሌቱ ሰላምን ልምዓት ስለዝኾነ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን እናሰርሐ ይርከብ። ሰላምን ልምዓትን ንምንጋስ ዘለዎ ቁርፀኝነት ኩሉ ግዘ ፅኑዕ ‘ዩ። ስለዚ ፀገማት እንተሃልዮም ተቐራሪብካ ብዘተን ምኽክርን ብምፍታሕ ኢሉ ‘ውን ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ንሰላምን ልምዓት ቖላሕታ ምሃብ የድሊ።እቲ ዘተ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ወጋሕታ 12 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You