ቀንዲ ውራይና ሰላም ምፅናዕ ይኹን

ሰላም ብዝኾነ መዐቀኒ መተካእታ የብላን። መቐረት ሰላም ዝፍለጥ ሰላም እንትዝረግን እንትጠፍእን ምዃኑ ካብ ኢትዮጵያዊያን ንላዕሊ ዝፈልጥ የለን። ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ መቐረት ሰላም ይፈልጥ፤ሰላም ብምጥፋኡ ዘጋጠሞ ፀገም’ውን ብዝግባእ ይፈልጥ።

ስለዚ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ንክዝረግ ኣይደልይን፤ኹናትን ወረ ኹናትን ክሰምዕ ሸውሃት የብሉን። ስለዚ እቲ ሐዚ ተፈጢሮ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ንክፀንዕ ይደሊ። ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኮነ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ካብኮነ ፖለቲከኛታትን ልሂቃንን ድማ ንዚ ድሌት ከኽብሩን ንሰላም ክሰርሑን ግድን ይኸውን።

ንኽልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ይካየድ ዝነበረ ኹናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ተዛዚሙ ኣሎ። ኮይኑ ግና ኣብቲ ውዕሊ ዝሰፈሩ ኩሎም ስለዘይተፈፀሙ እቲ ሰላም ክዝረግ ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ኩሉ ክርዳእ ይግባእ። ግዜ ዝሓቱ ብግዜኦም ክፍፀሙ ምዃኑ ርዱእ ምግባር የድሊ። በዚ ድማ እቲ ዘሎ ሰላም ንክፀንዕ ‘ምበር ንክፈርስ ምቹው ኹነታት ምፍጣር ኣድላይ ኣይኸውንን፤ኣይግባእን’ውን።

ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም ሓሊፉ’ዩ ናብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተበፂሑ። ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ምስተፈረመ ብዙሕ ነገራት ተቓሊሉ ‘ዩ፤ እንተናኣሰ ፀገማት ንከይቕፅሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላማዊ ንፋስ ንክረክብ ዕድል ተፈጢሩ ‘ዩ። ስለዚ ሰላም እናሃለወ ንሰላም ምስራሕ ብጣዕሚ ኣድላይ ይኸውን። ሰላም እንድሕር ተበላሽያ ምምላሳ ኸቢድ ምዃናን ኹናት እንታይ ከምዝፈጥር ሪኢናዩ ኢና ። ስለዚ ንቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ምፅናዕን ዋጋ ምሃብን ግድን ይኸውን።

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንህዝቢ ትግራይ ዘምፀኦ ረብሓ እንተናኣሰ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ንፋስ ክረክብ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ። እዚ ዓብይ ስጉምቲ ‘ዩ ፤ ናይቲ ስምምዕነት ቀንዲ ዕላማ’ውን ኹናት ጠጠው ኢሉ ሰላም ንክሰፍን ምግባር’ዩ።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብዝተረኸበ ሰላም ኩሎም ክልላት ምምሕዳር ከተማ፤ ፌደራል ሚኒስቴር ትካላት ዝኻእልዎ ኹሉ ሓጋዝ ንክገብሩ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ። ኹለን ግልጋሎት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሳ ስራሕቲ፤ ቴሌኮም ብቕልጥፍ ተፀጊኑ ናብ ስራሕ ክኣቱ፤ መንገዲ ኣየር ብቅልጡፍ ስራሕ ክጅምር ፤ ባንክታት ስረሐን ክጅምራ ፤ ጥዕና ጣብያን ቤት ትምህርትን ናብ ስራሕ ክኣትዋ እዚ ኹሉ ዝተፈጠረ ሳላ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከምዝኾነ ምእማንን ምርዳእን ግድን ይኸውን።

ሰላም ብምዃኑ ኣብ ኣብዝሓ ቦታታት ሓረስታይ ትግራይ ተረጋጊዑ ናብ ሕርሻ ዝኣተወሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣቲ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ። ሓገዝ ብፌደራል መንግስቲ ኾነ ብመዳርግቲ ኣካላት እናበፅሐ ‘ዩ። ብቑፅሪ ‘ውን ይፍለጥ ‘ዩ ኮይኑ ግና ምስቲ በፂሑ ዘሎ ፀገም እኹል ኣይኾነን። ብኻሊእ መዳይ ድማ እቲ ዝለኣኽ ሓገዝ ኣብቲ ሕብረተሰብ ይበፅሕ ኣሎ ዶ ኣይበፅሕን ኢልካ ምርግጋፅ ‘ውን የድሊ። ንዚ ኹሉ ግና እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ንክፀንዕ ምስራሕ ይግባእ። ሰላም እንትህልው ኩሉ ኣሎ። ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተ ንምፍታሕ’ውን ዕድላት ይህልው።

ሰላም ስለዘሎ ንድርቂ ትግራይ ሓገዝ ዘተሓባብር ብሄራዊ ኮሚቴ ካብ ፌደራልን ክልልን ትግራይን ተጣይሹ ‘ዩ። ኹሉ ብዛዕባ ትግራይ ዝሓስብ፤ ትግራይ ንክትሓዊ ዝምነ ኣካል ኣብዚ ሰዓት እዚ ተሳታፊ ንክኸውን ዕድላት እናተመቻቸወ’ዮ። ሰብ ሃፍቲ ፣ ምሁራን ፣ ሓረስታይ፣ ዳያስፖራ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ትግራይ እቲ ኸዚ በፂሕዎ ዘሎ ድርቂ ሓዊሱ ካብ ዘለዎ ፀገም ንክወፅእ ክረባረብ ዝኽለሉ ዕድል’ውን ይፍጠር ኣሎ።

ብሓፈሻ ሰላም ስለተፈጠረ፤ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ስለዘሎ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም’ዮም። ኮይኑ ግና ዘይተተግበረ ጥራሕ እናልዐሉ ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ሕቶ ምእታው ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ቦትኡ ‘ዩ ዘሎ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ መንግስቲ ፌደራል ካብ ውዕሊ ንላዕሊ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዘሎ እምነት ክሰፍሕ ዝወሰዶም ውሳነታት ምዝንጋዕ ግቡእ ኣይኮንን። ስለዚ ሰላም ንምፅናዕ ንስራሕ። ቀንዲ ውራይና’ውን ሰላም ይኹን።

ወጋሕታ  5 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You