ንዓወት ዓድዋ ዘድመቑ ጥበባት

ስነ-ጥበብ ነፀብራቕ ሓቃዊ ዓለም ብምዃኑ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ህዝብታት ሓንቲ ሃገር ገለፅቲ እንታይነት እታ ሃገር ‘ዮም። ሓያላን ዝበሃላ ሃገራት ብመብዛሕቲኡ ልዕልነተን ዝረኸብኦ ብናይ ስነ-ጥበብ ስራሕተን ኣቢለን ዓርሰን ክገልፃ ብምኽኣለን ‘ዩ። ንኣብነት ኣሜሪካን ህንድን ነድንቐን፤ ናብ ኣሜሪካ ወይ ድማ ህንዲ ስለዝኸድና ኣይኮነን፤ ባህልን ታሪኽን እተን ሃገራት ኣብኡ ብምንባር ፈሊጥና ኣይኮንናን፤ ብናይ ስነ-ጥበብ ስራሕትን (ብፍላይ ብፊልምታተን) ‘ዩ።

ናብ ኢትዮጵያ እንትንመፅእ፤ መብዛሕቲኦም ማሕበራዊ ርክባትና ብስነ-ጥበብ ‘ዮም ዝግለፁ፤ ደርፊ፣ ፍከራ፣ ቐረርቶ….ወዘተ መግለፂ እዚ ሓቂ ‘ዮም። ንሎማዓንቲ ግና ንመበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ነቲ በዓል ዝገልፁ ስራሕቲ ጥበብ ንመልከት።

ኢትዮጵያ ተሓፊራን ተኸቢራን ዝነበረት ሃገር ምዃና ዓለም ይፈልጥ ‘ዩ። ካብቶም መግለፅታት ጅግንነት እቲ ሓደ ድማ ዓወት ዓድዋ ‘ዩ። ብርግፅ ንጅግንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተቐባበሉ ካብ ዝመፁ ትውፊታት ምርዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ቅድሚ ዓድዋ ኾነ ድሕሪ ዓድዋ ዝነበረን ዘሎን መግለፂ ኢትዮጵያዊነት ‘ዩ፡፡

ንዓወት ዓድዋ ዝገልፁ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ስነ- ጥበብ ኣለዉ። ናይ መድረኽ ተዋስኦታት፣ ፊልምታት ኣለዉ። ብኣብዝሓ ግና ኣፋዊ ግጥምታትን ግጥምታት መድብልን ‘ዮም። እቶም ንዓድዋ ዝገልፁ ስራሕቲ ስነ- ጥበብ ኣብ እዋን ኵናት ዓድዋን ድሕሪ እቲ ኵናትን ኩርዓት ንምግላፅ ዝተደርደሩ ‘ዮም።

ሓደ ሓዲኦም ኣብ ግዜ እቲ ኵናት ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ዝገጠምዎም ‘ዮም፤ እቶም ሓደ ሓደ ድማ ኣብቲ እዋን ኵናት ህዝቢ ንሓርበኛታት ንምብርትታዕን ስምዒት ሓጎሱ ንምግላፅን ዝገጠሞም ‘ዮም። ኻልኦቶም ድማ ውሩያት ድምፃውያን ንዓወት ዓድዋ ንምውዳስ ዝደረፍዎም ‘ዮም።

ኣብ ኵናት ዓድዋ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም ጀጋኑ ተወዲሶም ‘ዮም። ነቶም ጀጋኑ ብምውዳስ ንኻልኦት ጀጋኑ ተወሳኺ ሞራል ምሃብ ተኻኢሉ። ካብዚኣቶም እቶም ሓደ ‘ውን ኣሉላ ኣባ ነጋ ‘ዮም። ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ብርክት ዝበሉ ገድልታት ኵናት ኣለዉዎም። ኣብ ኩፊት፣ ዶግዓሊ፣ጉንደት፣ ጉርዓ፣ ሰሓጢ፣ መተማን ዓድዋን ምስ ወረርቲ ተዋጊኦም ዘንፀባርቑ ዓወታት ዘመዝገቡ ‘ዮም። በዚ ጅግንነቶም ድማ ኸምዚ ተባሂሉሎም።

ጣልያን ኣብ ሰሓጢ እግሮም ምስዘርግሕዎ

ኣሉላ ኣባ ነጋ ከም ስገም ቖሊዉዎ

እዛ ግጥሚ እዚኣ ዓድዋ ብዝመፅአ ቑፅሪ በቢ መድረኹን መራኸቢ ሓፋሹን ትደጋገም ‘ምበር ብዛዕባ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኻልኦት ግጥምታት ውዳሰ ኣለ ዉ። እቶም ኻልእ ጅግና ድማ ፊታውራሪ ገበየሁ ‘ዮም። ፊታውራሪ ገበየሁ ኣብ ማእኸል ኵናት እናኣትዉ ዝፍክሩ ‘ዮም ነይሮም። በዚ ጅግንነቶም ንጣልያን እናርዐድዎ ስለዝነበሩ ኸምዚ ተባሂሉሎም።

ስላሴ ዓድዋ ንፀላኢ ኣሕሲርዎ

ገበየሁ ብሞተይ እተው ‘ሞ ቐድሶ!

በዓል ዓድዋ ብዝመፅአ ቑፅሪ ዝዝከሩ ኻልኦት ግጥምታት ድማ ንባዕሎም ንንጉስ ሃፀይ ሚኒሊክ ዝገልፁ ‘ዮም።

ሚኒሊክ ተወሊዱ እንተዘየልዕል ጋሻ

ግብሩ እንቋቑሖ ‘ዩ ነይሩ ሕዚ ሓበሻ

ሕዚ ድማ ብቓል ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተቐባበሉ ካብ ዝመፅኡ ንውፃእ ‘ሞ ናብ ኻልኦት ስራሕቲ ንኺድ። እዚኣቶም ወነንቲ ዘለዉዎም ‘ዮም። ብታሪኽ ዓድዋ ውሽጦም ብሓጎስ ዝተመልአ ከየንቲ ዝሰርሕዎም ‘ዮም። ገጣምያንን ድምፃውያንን ማለት ‘ዩ። ካብዚኣቶም ውሽጢ በዓል ዓድዋ ብዝመፅአ ቁፅሪ ኹላትና ልክዕ ከም ዓድዋ ንፈልጣ ድምፃዊት እጅጋየሁ ሽባባው (ጂጂ) ‘ያ።

ጂጂ ብዛዕባ ዓወት ዓድዋ ዝደረፈቶ ደርፊ ሕድሕድ ብርኩ ዝትንተን ‘ዩ። ዓሚቕ መልእኽቲ ዘለዎ ‘ዩ። “እንታይ ማለት ይኸውን?” ኢልና እንትንሓስብ እናሓደረ ግልፂ እናኾነልና ዝኸይድ መሳጢ መልእኽቲ ዘለዎ ‘ዩ። እስኪ ካብቶም ብርክታት ግጥሚ ውሽጢ “ሰብ ሞይቱ ሰብ ከድሕን” ዝብል ንውሰድ። ሓደ ጅግና ናብ ሜዳ ኵናት እንትኸይድ ኣይሞትን ኢሉ ኣይኮነን። ዝኸይድ ወገኑ ንምድሓን ‘ዩ። ዓርሱ ሞይቱ ኻልእ ንምድሓን ማለት ‘ዩ።

ሰብ ሞይቱ ሰብ ከድሕን

ሰብ ከኽብር

ብድሕንነት ብፍቕሪ ብኽብሪ ተፀዊዑ

ብኽብሪ ይኸይድ ሰብ ክነብር ሰብ ሞይቱ

ዝተውሃበኒ ህይወት ሎሚ ብነፃነት

ሰብ ተኸፊሊሉ ‘ዩ ካብ ደምን ኣዕፅምትን

ዓድዋ ሎሚ ‘ያ ዓድዋ ትማሊ

መዓስ ዶ ተላዒሎም ‘ዮ እቶም ዝወደቑ

“ ሰብ ተኸፊሊሉ ‘ዩ ካብ ደምን ኣዕፅምትን” እወ! እዚ ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ብልመና ወይ ድማ ተዓዲጉ ኣይኮነን። ብህይወት ሰብ ‘ዩ ተረኺቡ፤ ኣዕፅምቲ ብዙሓት ደቒቑሉን ደም ፈሲሱሉን ‘ዩ ተረኺቡ። እዚ ታሪኽ ዓወት ሎምን ፅባሕን ክዝከር ‘ዩ፤ ውዕለታ ጀጋኑና ‘ዩ ‘ሞ! መዓስ ተሲኦም ‘ሞ ክንገድፎ?

እዞም ተፈተውቲ ኣርቲስትታት ብዘመን ተሳገርቲ ስራሕቶም ጀጋኑና ንኸይርስዑ ገይሮም ‘ዮም። ተሾመ ኣሰግድ ‘ውን “እንዲያው ዘራፌዋ”፣ ራሄል ዮሃንስ “ሚኒሊክ”፣ ገነት ማስረሻ “ኣንኮበር” ብዝብል ዜማታቶም ንጀጋኑና ይዝክሩ።፡

እቴጌ ጣይቱ ጅግንነት ምስ ብልሓት ዝሓዛ ‘የን። ኣብ ግዜ ኵናት ቁጥዐን ቕልጣፈን ጥራሕ ከምዘየዋፅእ፤ እኳ ደኣስ ብልሓት ክህልው ክህልው ከምዘለዎ ኣርእየን ‘የን። በዚ ንብልሓትን ጅግንነትን እቴጌ ጣይቱ ዝገልፅ ብርኪ ግጥሚ ቴዎድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ንሰነባበት። ክብሪ ንጀጋኑና!!

ንህቢ ቆፎ እንትቑጣዕ ስምዒቱ!

ኣብ ቕድሚት ኾይና መሪሓቶ ንግስቱ!

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *