ደቂ ኣንስትዮ- ዓምዲ ሰላምን ህንፀትን ሃገር

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኽሳድና ኣቕኒዕና ክንኸይድ ዝገበራ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሐዚ ‘ውን ሃገር ብብቕዓት እናመርሓ ኹርዓት ሃገር ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ ‘የን ። ንኣንፃሩ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ጥራሕ ተፈጥራውን ኸባቢአንን ፅዕንቶታት ዝበዝሐን ደቂ ኣንስትዮ ዉሑዳት ኣይኾናን።

እዚ ፅዕንቶ ድማ በሓደ ግዜ ዝቕረፍ ኣይኾነን ምኽንያቱም ዝፀንሐን መልክዑ እናቐያየር ብዝተፈላላየ መንገዲ ዝፍጠርን እዩ። እዚ ንምቕያር ላዕልን ታሕትን ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሓት ‘የን። በቢ ዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሓደ ናይ ወፅዓ ደቂ ኣንስትዮ ውፅኢት ‘ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ መሰረት ህንፀት ሃገር ‘የን እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ሃገር ዘመሓድር ወለዶ ንምፍጣር መልዓሊኡ ስድራቤት ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ዓብይ ግደ ኣለዎን። ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣወንታዊ ዝኾነ ፅዕንቶ እንድሕር ፈጢርና ሃገር ምቅናዕን ምህናፅን ማለት ‘ዩ፤ ብተቃራኒኡ እንድሕር ኾይኑ ድማ ከም ሃገር ዘብፀሖ ፅልዋ ቀሊል ኣይኮነን።

በቢ ዓመቱ እነብዕሎ ማርች 8 በዓል ጥራሕ ምኽባር እንተይኾነስ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቃምነት ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣወንታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ክኾን ይግባእ። ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ኣብ መሪሕነት ዘለዎን ተሳትፎ ልዑል ንክኸውን ከም ሓደ ቅዋም ሒዙ ‘ዩ መንግስቲ ክንቀሳቐስ ዘለዎ። ኣብ ታሕቲ ብምውራድ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለዎ ምፅናዕ ይግባእ።

ደቂ ኣንሰትዮ ዘይብሉ ዕብየት ሃገር ክረጋገፅ ኣይኽእልን። እዚ ንምርግጋፅ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዓብይ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ። እዚ ክመፅእ ዝኽእል ድማ ካብ ካልኦት ብምፅባይ ጥራሕ እንተይኾነስ ፣ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን’ውን ተለዓዒለን ዘለዎን ዓቕሚ ፣ ክእለት ተወፋይነት ተጠቒመን ተበፃሕነት ንክሰፍሕ ክሰርሓ ኣለዎን። ኹላትና’ውን በቢ ዘለናዮ ክንፅዕር ኣለና።

ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ወሰንቲ ዝኾን ቦታታት ‘ውን ብዓርሰ እምነት ዝውስናሉ ቦታ ክቕመጣ ኣለወን። ኸዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ፅቡቕ እንተኾነ ‘ውን እኹል’ዩ ኢልና ግና ክወስዶ ስለዘይንኽእል ናይ ባዕለን ተሳትፎ ግድን ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ ኣብ ሃገርና እንተሪእና ኣብዝሓ ደቂ ኣንሰትዮ ዝግበአን ቦታ ኣይኾናን ዘለዋ።

ኣብ ተግባር እንድሕር ዘይተኻኢሉ ግና ብማዕርነት ግና ምስታፍ ክኽእላ ኣለወን። ኣብ ፖለቲካ ይኹን ማሕበራዊ ኩነታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገፅ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ፀገም እንድሕር ተፈጢሩ ብቀዳሚት ዝጥቀዓ ንሰን ስለዝኾና። ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዕዙዝ ‘ዩ። ብኡኡ ልክዕ ድማ ንጉድኣትን ፀገምን ብቐሊሉ ዝቃላዓ ‘የን ። ኣብ ዝኾነ እዋን ኹናት እንትላዓል ቀዲሙ ጉድኣት ዝበፅሕ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ‘ዩ።

ካብ ተመዛባልቲ ‘ኳ እንተሪእና እቶም ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ‘ዮም። ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል ኣብ እዋን ኹናት ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሐን ከምዝኾነ ‘ዩ። ንደቂ ኣነስትዮ ኹናት ክንደየናይ ኸቢድ ምዃኑ በተደጋጋሚ ሪእና ኢና። ስለዚ ንሰላም ትኹረት ገይረን ክሰርሓ ይግባእ ውፅኢቱ ድማ ንባዕልና ስለዝኾነ ።

እዚ ኸዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ዋላኳ ድሕሪ ብዙሕ ሰብኣዊ ኺሳራን ዕንወት ዝመፅአ እንትኾነ ንመላእ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣነስትዮ ዓብይ ራህዋን ቅሳትን ፈጢሩ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ቆልዑ ሒዘን ካብ መረበተን ርሒቐን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ክዋሃበን ይግባእ። እዚ ድማ እቲ ቓልሲ ዝጅምር ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ትኹረት ገይረን ተሳትፎ ብምግባርን ‘ዩ።

ብፍላይ ድማ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ንክኾን ደቂ ኣንስትዮ ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ክሰርሓ ኣለዎን። ብሓፈሻ ሰላም ንኹሉ ዝጠቅም እንተኾነ’ውን ንደቂ ኣነስትዮ ግና ዝያደ ጠቓሚ ስለዝኾነ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ኣብ ተግባራውነቱ ዓብይ ትኹረት ይግባእ።

ብፍላይ ድማ ግዳይ ኹናት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብ ሰላም ዝበለፀ ተረባሕቲ ስለዝኾና እቲ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ኾይኑ ኣብ ትግራይ ዘላቂ ሰላም ንክፍጠርን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ናይ ኹሉ ርብርብ ዘድሊ እንተኾነ ‘ውን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዓብይ እጃም ኣለወን።

ካብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ፀገም ዝኾነ ዑደት ፀገማት ንምውፃእ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ውደበ ደቂ ኣንስትዮ ‘ዩ። ቃልሲ መሰላት ናይ ውልቀ ሰብ ቃልሲ ስለዘይኮነ ደቂ ኣንስትዮ ሓያል ናይ ሓባር ኣጀንዳ ክሕዛ ይግባእ ። ኣጀንዳ ደቂ ኣንስትዮ ህዝባዊ ጉዳይ ክኸውን ዝሰርሕ፣ መፍትሒ ዝረክብ፣ ነዚ ዕላማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝነብራ ፍልጠትን ተመኩሮን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ዘወሃህድ ሓያል ምትሕብባር የድሊ።

እዚ ወርሒ ደቂ ኣንስትዮ በዝምልከት ሕሉፍ ክንግምግሞ፣ ሎሚ ዘለና ክንገብርን ንመፃኢ ትልሚ ክነውፅእን ክንሓስበሉን ይግባእ ። እዛ እንሃንፃ ዘለና ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾናላ፣ ብዓርሰ ምትእምማን ዘለወን ዘይሓፍራላ፣ ኣብ ሃገራዊ ንጥፈታት ሙሉእ ብሙሉእ ዝሳተፋላ፣ ሓሳባተን ዝስማዕላ ሃገር ንክትኾን ኩላትና ክንፅዕር ኣለና።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *