ተራ እምኒ ኮይነን ዝተረፋ እምነ ኹርናዓት

ዓወት ኹናት ዓድዋ ተራ ዓወት ዘይኮነስ፤ ፍሉይን ዓለም ዘደመመን ዓወት ‘ዩ። ንፀዓዱ ምስዓር ኣይክኣልን ዝብል ዝፀንሐ እምነት ሰይሩ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእትን ባርነትን ዝነብሩ ውፁዓት ኩሎም ብፍላይ ድማ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታትን ኣፍሪካውያን መርኣያ ነፃነት ዝኾነ ኽቡር በዓል ‘ዩ።

እዚ መርኣያን መቐፀልታን እምቢታ መግዛእቲ ባዕዳዊ ወራር ዝኾነ ኽቡር ዓወት ሱቅ ኢሉ ዝመፅአ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝኾነ ይኹን ወራሪ ሓይሊ ዘይምብርከኽን ሉኣላውነቱ ኣሕሊፉ ዘይህብ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ ዘመስከረሉን ኽባር መስዋእቲ ሂወት፣ ኣካል መጉዳእትን መቁሰልትን ተኸፊልዎ ዝተዛዘመ ታሪኻዊ ፍፃመ ‘ዩ። እዚ ዓወት እዚ ሱቅ ኢሉ ብአጋጣሚ ዝመፅአ ዓወት ዘይኮነስ ቅድሚ ኵናት ዓድዋ ንዝነበሩ ዓበይቲ ዓወታት ዝቐፀለን ጀግንነቱ ደጋጊሙ ኣመስኪሩ ዝኸምበተሉ ዓወት ‘ዩ።

ንኣብነት ቕድሚ ኵናት ዓድዋ ካብ 1867 ክሳብ 1881 ዓ.ም ኣብ ሳሓቲ፣ ከረን፣ ደጉዓልን መተማን ወዘተ፣ ንኦቶማን ቱርኪ፣ድርቡሽ፣ ግብፅን ጣልያንን ዝኣመሰሉ ተስፋሕፋሕትን ባዕዳውያንን ወረርቲ ሓይልታትን ብዘይ ምንም ናይ ግዳማውያን ሓይልታትን ሓገዝ፣ ኣብ ባዕሉ ጥራሕ ተኣማሚኑ፣ ንዝተፈላለዩ ወረርቲ ሓይሊ ብቕልፅሙ ዶኲዑ መንነቱ፣ድሕንነቱን ብሄራዊ ክብሩን ዘረጋገፀ ህዝቢ ከምዝኾነ ዝተረጋገፀ ሓቂ ‘ዩ።

ድሕሪ ናይ 11 ዓመት ከበድቲ ወታደራዊ ውግኣት፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ቓልሲ፣ ቅድሚ 128 ዓመታት ዕለተ ሰንበት 23 ለካቲት 1888 ዓ.ም ወጋሕታ ጀሚሩ ቅድሚ ፀሓይ ምፅዳቓ ውግእ ዓድዋ ከምዝተዛዘመ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ ውግእ ንጀነራል ሄለና፣ ጀነራል ዳቦርሜዳን ጀነራል ኣራምንዲን ዝበሃሉ ሓዊስካ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ብድምር ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወረርቲ ወታደራት ተቐቲሎምን። ጀነራል አልቤርቶኒ ዝበሃል ሓዊስካ ኣርባዕተ ሽሕ ዝኾኑ ወረርቲ ወታደራት ጣልያን ድማ ከምዝተማረኹ ፀሓፍቲ ታሪክን ወታደራዊ ተመራመርትን ዘረጋገፅዎ ሓቂ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ።

እዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኮይኑ፤ እዚ ዓብዪ ታሪኽ ጀግንነት ብግቡእ ንምዕቃብን ንምልላይን ዝግበር ስራሕቲ ግና ብኣንፃር ዕብየት እቲ በዓል ዝምጥን ስራሕቲ ኣይተሰርሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ዘየተግብርን ኣብ በዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እምነኹርናዕ ከየቅምጥካ ዘይደምቅ ከምዝመስል ዳርጋ ብዙሕ እዋን በዓል ዓወት ዓድዋ ብዝበፅሐ ቁፅሪ ሓለፍቲ ፌደራልን ክልልን ፍሉትጣት ዓበይቲ ሰባት ናይ ኣፍሪካ መራሕትን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብቲ ዓለም ዘደመመ ዓብዪ ታሪኽ ዝተሰርሐሉ ከባቢ ጎቦታት ዓድዋ ዘይትግበሩ ዝተፈላለዩ እምነ ኹርንዓት ምቅማጥ ዳርጋ ልሙዳት ተግባራት ኮይኖም ‘ዮም ፀኒሖም እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝርሕቅ ኣይኮነን።

ንኣብነት ካብ ሞንጎ ዝተቀመጡ ብዙሓት እምነ ኹርንዓት፤ እምነ ኹርናዕ ምስራሕ ሓወልቲ፣ ሙዝየም፣ላንድማርክ፣ ኢኮ ቱሪዝምን ዩኒቨርስቲ ፓን ኣፍሪካን ካልኦት እምነ ኩርንዓት ተጠቀስቲ ‘ዮም። ናብ ተግባር ዝኣተወ ግና የለን። እዚ ዓብዪ ጀግንነት ታሪኽ ንዕኡ ብዝምጥን ብርኪ ኣብቲ ትኽክለኛ ታሪኽ ዝተሰረሐሉ ቦታ ታሪኹ ክዕቀብን ከምኡ ‘ውን መስሕብ ቱሪዝም ብምዃን ፍልፍል እቶት ኮይኑ ኣብ ቁጠባዊ እቲ ከባቢን ሃገርን ልዑል ግደ ንክህልዎን እምነ ኩርናዕ ካብ ምቕማጥ ዝሓለፈ ብግብሪ ሰሪሕና ናብ ረብሓና ክንቅይር ኣይንረአን።

ፓን ኣፍሪካ ዩኒቨርሲቲ እምነ ኵርናዕ ካብ ዝቕመጥ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣቑፂሩ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ መበል 100 ዓመት ዓወት ዓድዋ እንትዝከር ኣያታትና ንዝኸፈልዎ መስዋእቲ መዘከርታ ተባሂሉ ናይ ሽዑ ፕረዝዳንት ፌዴሪኢ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ፣ ናይ ሽዑ ፕረዝደንት ክልል ትግራይ ኣይተ ገብሩ ኣስራት፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሓወልቲ ክስራሕ ተባሂሉ ሽዑ ናይ ኢ.ፌ.ድ.ሪ ፕሬዚዳንት ብዝነበሩ ብዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ እምነ-ኩርናዕ ተሰሪቱ፤ ብወረ ተሪፉ።

ከምኡ ‘ውን ብ2000 ዓ.ም (ሚሊንየም) ድማ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስ፣ ናይ ሽዑ ፕረዝደንት ክልል ትግራይ ፀጋይ በርሀ ኣብ ዝተረኸቡሉ፣ እምነ-ኩርናዕ ተሰሪቱ ክሳብ ሐዚ ዘይምስርሑ ኣዝዩ “ዘናስሕ፣ ዘሕፍር” ምዃኑ ተገሊፁ፣ ዳግም እምነ-ኩርናዕ ተሰሪቱ፤ ብእምነ- ኩርናዕ ምትራፉ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ብዙሓትን ማሕበራዊ ሚድያታትን እናተገለፀ መፂኡ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ብ2000 ዓ.ም ናይ ዓድዋ ኢኮ ቱሪዝም ፕሮጀክት ተባሂሉ ሓደ ፕሮጀክት ክጣየሽ ኣማኢት ሚልዮን ቕርሽታት ክስልዐሉ ‘ዩ ተባሂሉ። ፕሮጀክት ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ናይ ሆሊውድ ልምዲ ከምዝጥቀም፣ ናይዛ ሃገር ናይ ቱሪዝም ማእኸል ስሕበት ከምዝኸውን ብዙሕ ተባሂሉሉ ከምዝተረፈ ‘ውን ይዝረብ ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዓድዋ ተረኺቡ “ብዙሓት ዘይተጀመሩ እምነ ኩርንዓት ከምዘለውኹም እፈልጥ ‘የ፣ እዚ ሎሚ እነንብሮ ዘለና እምነ ኩርናዕ ህንፀት ዩኒቨርስቲ ፓን ኣፍሪካን ተሃኒፁ ኣገልግሎት ከምዝህብ ግን ንፃት ከይትጠራጠሩ” ኢሉ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኸበ ህዝቢ ዓድዋ ብምዝራቡ ዕዱማት ብታሕጓስ ኣእዳዎም ክሳብ ዝምለጡ ኣጣቕዕሉን ኣንስቲ ‘ውን ጎሮርአን ክሳብ ዝነቅዕ ዝዓለላሉ ሽታ ማይ ኮይኑ ‘ዩ ተሪፉ።

ስለዝኾነ እዞም ዝተፈላለዩ እምኒ ኹርናዓት ፕሮጀክታት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ናብ መሬት ወሪዶም ይተግበሩ ወይ ከዓ ይለዓሉ። ኣብ መወዳእታ ክግበሩ ዝግብኦም ዘይተገበሩ ተግባራትን ሕመቃትን ብምዝርዛር ኣብ ዝሓለፉ ነገራት ተደሪኽካ ምውቅቃስ ጥራሕ ብዙሕ ረብሓ ስለዘይህልዎ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣሎ ኣብዝ ዝቅፅል ግና ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትናን ድኽመታትናን ብግቡእ ብምምሃር ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝኾኑ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር(ዶ/ር) ኣብዚ ቅነ ኣከባብራ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቶም ከምዝበልዎ፤ “በዓልና ምስ ካልኦት ናብ ንሕንሕ እንኣትወሉ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ባዕልና ዋኒን ሸኺልና ካብ ህልው ፀገማት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን መዋፅኦ እንዝትየሉ፣ ዓቅምታት ትግራይ ብምእካብን ሓድነትና ብምብራኽን ዘይተመለሱ ሕቶታትን ሕሉፋት መፅባዓታትን (ምጅማር ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካን ሓዊሱ) ናብ ተግባር ክኣትው ኣወንታዊ ፅዕንቶ እንፈጥረሉ በዓል ክኾን፣ ብውሑሱን ሰላማውን መንገዲ ክኽበር ኩላትና እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ።” ዝብል መልእኽቶም ዝውሰድ መልእኽቲ ‘ዩ እሞ ኩሉ ፈታዊ ታሪኹን ዓዱን ብዝኽእሎ ግደኡ ክፃወት ይግባእ ብምባል ሓሳበይ ኣብዚ ይዛዝም።

ሰናይ በዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንክኾን ብምምናይ ኽብርን ሞጎስን ንመላእ ጀጋኑ ዓወት ዓድዋ!።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *