እንዳ ደጃት ኣብርሃ (ኣብርሃ ካስትል)

ደጃት ኣብርሃ ኣርኣያ ኣብ መቐለ ኩጀት መሪፆም ቤተ መንግስቲ ሃኒፆም:: እንዳ ደጃት ኣብርሃ ይበሃል:፡ ዘመናውያን ድማ ኣብርሃ ካስትል ኢሎም ይፅውዕዎ:: ኣብርሃ ካስትል ሓደ ካብቶም ኣድባር መቐለ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉልላት እቲ ሓደ ‘ዩ::  ኣብ 19/20 ክፍለ ዘመን ድሕሪ 10 ዓመት ሕልፈት ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ ትግራይ ዘንፀባርቕን መሪሕነት ደጃት ኣብርሃ ዝነግር ታሪኻዊ ሓድጊ ‘ዩ::

እንዳ ደጃት ኣብርሃ፣ ኣብ ብርኽ ዝበለ ስፍራ ዝተደኮነ ምስ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ድማ ዝመዓዶ ህንፃ ‘ዩ። መቐለ ብኣጉዶን ሰቐላን ኣብ ዝማዕረገትሉ እዋን ናብ ኩሉ ኣንፈት ንምቁማት ዝምቹ ቦታ ዝወነነ ህንፃ ንምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ:: እንዳ ደጃት ኣብርሃ ዝተፈላለዩ ተኽልታት ዝለበሰ ጥዑም ንፋስ ዝነፍሰሉ ከባቢ ‘ውን ‘ዩ::

ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ዓንዩን ተረሲዑን ድሕር ምፅናሕ ብ1952 ዓ.ም ብዘበን ራእሲ መንገሻ ስዩም ከም ብሓድሽ ተመዓራርዩ ሆቴል ኮይኑ ግልጋሎት ክህብ ፀኒሑ ‘ዩ:: ደርግ ምስ መፀ ድማ ብመንግስቲ ተወሪሱ ኣብ ትሕቲ ደርግ ዝውንኖም ትካላት ከም ሆቴል ኾይኑ ቀፂሉ።

መንግስታት ብዝተቐየሩ ቁፅሪ ስም ደኣ ኣይቀየር ‘ምበር ግልጋሎቱ ግን እናተቐያየረ ‘ዩ ቀፂሉ:: ደሓር ድማ ኣብ ዘበነ ኢህወዴግ ብ2007 ኣብ ዝተሓገገ ሓድግታት ብመን ከመይ ይመሓደሩ ኣብ ዝውስን ኣዋጅ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ብፈደራል መንግስቲ፣ ኣብርሃ ካስትል ድማ ብክልላዊ መንግስቲ ክመሓደሩ ተወሲኑ::

እንዳ ደጃት ኣብርሃ (ካስትል) ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ስነ ህንፃ፣ ኣሰፋፍራ ህዝቢ፣ ሽዑ ዝነበረ ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ምዕባለ ዘንፀባርቕ ህንፃ ‘ዩ:: ህዝቢ ነቲ ቤተ መንግስቲ ክሃንፅ እንከሎ ሕምባሻ ይኽፈል ምንባሩ ይንገር:: እዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ስፍራ ኣብርሃ ካስትል ክሳብ ሎሚ ኣይለመዐን ጥራሕ እንተይኮነስ ዳርጋ ተረሲዑ ዝነበረ ቦታ ‘ዩ::

ባዕሉ እቲ ህንፃ ከምዘለዎ ጠጠው ኢሉ ዝተረፈ ጥራሕ እንተይኮነስ እንዳ ደጃት ኣብርሃ ዝውንኖ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ለሚዑ ቁጠባዊ እቶት ክርከቦ እናተገበአ ባኺኑ ይረአ። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓድግታት ክዕቀቡን ዝተጎድኡ ድማ ብእዋኑ ክፅገኑን ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሕ መንግስታዊን ዝምልከቶም ትካላትን ዕዮ ገዛ ‘ዩ::

እቲ ቦታ ባኺኑ ረብሓ ከይሃበ ፀኒሑ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ነቲ ሓድጊ ዘይምጥን መአከቢ ጓሓፍ ዝኾነ ‘ውን ‘ዩ:: እናተወሓጠ እናተበላሸወ፣ ትርጉሙ እናሰኣነ መፂኡ ‘ዩ:: ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓድጊ ዝርከበሉ ከባቢ ክስርሑ ዝግበኦም ትካላት ንግዲ፣ ምስቲ ሓድጊ ዝዛመዱ፣ ተመሊሱ ነቲ ሓድጊ ዘጉልሕ፣ ክብርታት ትግራይ ከርእይ ዝኽእል’ዩ ክኸውን ነይሩዎ :: ኣብርሃ ካስትል ኣይለመዐን ጥራሕ እንተይኮነስ ብስሩ ‘ውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ሓድጊ ከምዝኾነ ይግለፅ::

እቲ ሓድጊ ልዑል ጠመተ ዘድልዮ ‘ዩ:: ነዚ ሓድጊ ዓቂብካ ምቕፃል ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን:: ኣብ ቀፅሪ ኣብርሃ ካስትል ዘመናዊ በዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ክህነፅ ተባሂሉ ብመንግስቲ ትግራይ ከምዝተወሰነ ይዝከር:: መንግስቲ ካብ ዝሃንፆ ድማ ንውልቀ ሰብ ሃብቲ እንተተዋሂቡ ዝያዳ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ተኣሚንሉ ሰለስተ  ጨረታ ወፂኡ ሰዓራይ ተነፂሩ ምንባሩ ይፍለጥ:: ኮይኑ ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19ን ብድሕሪኡ ዝተረኣየ ኲናት እቲ ውጥን ከይተጀመረ ፀኒሑ ‘ዩ::

እቲ ኣብ ቀፅሪ እንዳ ደጃት ኣብርሃ ክስራሕ ዝተወሰነ ዘመናዊ ሆቴል ምስቲ ሓድጊ ከመይ ‘ዩ ክዛመድ? እቲ ህንፃ ክፈርስ’ዩ ማለት ድዩ? ዝብሉ ስግኣት ዝፈጠሮም ሕቶታት ይለዓሉ ምንባሮም ይዝከር፡፡ እዚ ድማ ሓድግታት ኣብ ምዕቃብ ዓብይ ሓላፍነትን ጥንቃቐን ከምዝደልን መርኣያ ‘ዩ፡፡ ሓድግታት ናይ ሓደ ኣካል ጥራሕ እንተይኾኑስ ታሪኽን ምንነትን ህዝቢ ገለፅቲ ብምዃኖም ክዕቀቡ ይግባእ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *