ኣዶነትን ጥበብ ሞያ ስእልን

ትርሓስ ፍቃዱ

ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ እዩ:: ኣብ ከተማ ደብረ ጉራቻ ስሩዕ ትምህርታ እስካዕ 12 ክፍሊ ተማሂራ ፤ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብኣካውንቲግ ዲግሪ ተመሪቓ ፤ኣዶ ኣርባዕተ ቖልዑ እያ ወይዘሮ ሳራ ታዬ ተሰማ::

ፅዕንቶ ኣዶነት በዚሕዋ ደቃ ንምዕባይን ንምሕብሓብን ክትብል ስርሓ እስካዕ ዘቋረፀትሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ሰሪሓ እያ፤ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራሽን ማይ ኦሮምያ ንሸሞንተ ዓማውቲ፤ ኣብ በዓል መዚ መንገዲ ኦሮምያ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ሰሪሓ እያ::

ናብ ሞያ ስእሊ ንምእታው መበገሲኣ ዓብዪ ሓዋ እዩ፤ሓዋ ንሆቴል፤ግሮሰሪ፣ ጥዕና ጣብያታት፣ ንዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ናይ ነዊሕ እዋን ፅሑፋት ማስታወቂያ ብኢዱ እናፀሓፈ ስእልታት ‘ውን እናሰኣለ ይጥቀም ነይሩ፤ቕድሚ ድጅታል ማስታወቂያ::

ድሌት ስእሊ ነይርዋ እዩ:: ኣብ ገዝኣ ‘ውን ዝተወሰነ ስእሊ ትስእል ነይራ እያ፤ንሰባት ናይ ምርኣይ ልምዲ ግና ብዙሕ ኣይነበራን:: ስእልታት ምስኣል ብጣዕሚ እዩ ዘሐጉሳ፤ውሽጣዊ ዕግበት ይፈጥረላ ከምዝነበረ ትገልፅ:: ንሰባት ምርኣይ ክትጅምር ከላ ኣዝዮም ተፈተውቲ ከም ዝኾኑ ክትርዳእ ጀመረት፤እሳ ‘ውን ብስእልታታ ዝበለፀ ሕጉስቲ እናኾነት መፂኣ:: በዚ ተለዓዒላ ዝበለፀ ምስኣል ከም ዝጀመረት ትዛረብ::

ሳራ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ባህሊ ማእኸል ኦሮሚያ ናይ ባህሊ ኽዳን ክትዕድግ ኸይዳ ብሃንደበት ብርቱካን ጅማ ምስ እትበሃል ሰኣሊትን ዲዛይነርን ተፋለጠት:: እግረ መንገዳ ዝሰኣለቶም ስእልታት ብሞባይል ስልኪ ብፎቶ ኣርአየታ፤እሳ ድማ ፈተወተወቶም ሽዑ ንምንታይ ኣብ ማሕበርና ዘይትኣትዊ ኢላ ናፍቲ ማሕበር ክትኣቱ ገበረታ:: በዚ ምኽንያት ድማ ማሕበር ሰኣሊያን ኦሮምያ ተፀምበረት::

እቲ ማሕበር ሞያ ስእለይ ከዕብይ ገይሩኒ እዩ፤ዝተወሰነ ስልጠና ‘ውን ሂቡኒ እዩ ትብል ወይዘሮ ሳራ፤በቲ ማሕበር ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥበብ ኣቢሲኒያ ንሓደ ዓመት ስልጠና ስእሊ ከምዝረኸበት ትዛረብ:: እቲ ትምህርቲ ግና ኣይቐፀለትሉን:: ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ምስተምሃረት ብወሊድ ምኽንያት ኣቋሪፃቶ እያ:: ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግና ንሞያይ ዝሕግዝ ጥበብ ረኺበሉ እየ ብምባል ትገልፅ :: እቲ ዘቋረፀቶ ትምህርቲ ንምቕፃልን ንምውዳእን ሓሳብ ኣለዋ::

ደቃ እናዕበየት ኣብ ዘለታ ትርፊ ሰዓት ስእሊ ትስእል:: ኣዶነት ምስ ሞያ ጥበብ ስእሊ ኣጣሚራ፤ስእሊ ንምስኣል ዝሕግዛ መጠነኛ ስትዲዮ ኣዳሊዋ ምስኣል ቐፀለት:: ሓላፍነት ስድራን ቖልዑት ምዕባይን ከም ዘሎ ኾይኑ ሰምዒታን ባህላን ንምግላፅን ፤ኣብ ውሽጢ ልባ ዝሰነደቶ ብቀለም ገይራ ኣብ ሸራ ትስእሎ::

‹‹ንስእሊ ፍቕሪ ስለዘለኒ ምስኣል የሐጉሰኒ እዩ፤ሰብ ንኽፈልጦ ዝደልዮ ባህሊ እንተርኢ ብስእሊ ገይረ ምግላፅ የሐጉሰኒ››ትብል::

ካብ መንጎ ስእልታታ ኣብ ሓቃዊ ነገር ዝተደረኸ ስእሊ ንሚኒስቴር መከላኸሊ ህያብ ዘበርከተት እንትትኸውን፤እዚ ፅሑፍ ንምጥንኻር ክነዘራርባ ከለና ንማሕበር ቐይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ስእሊ ንምብርካት እናኸደት ነይራ፤ምስ ተመለሰት እቲ ማሕበር ብሃንደበት 81 ዓመቱ ንምኽባር ኣብ ምድላው ስለዝነበሩ ነቲ ስእሊ ብታሕጓስ ከምዝተቐበልዋ ትገልፅ:: ንሚኒስቴር ሰላም ምስ ባህሊ ተተሓሒዙ ስእሊ ንምሃብ ከም ዝተዳለወት ‘ውን ጠቍማ::

ሓላፍነት ስድራን ኣደ ቖልዑ ምዃናን ስእልታታ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንምቕራብ ኣየኽአላን፤ይኹን ‘ምበር ማሕበር ሰኣልያን ኦሮሚያ ዓውደ ርእይ እንተዳሉ ኣብ ኽልተ ቦታታት ስእልታታ ኣቕሪባ እያ:: ናፍቲ ዓውደ ርእይ ዝቐረቡ ስእልታት ከምዝተፈተዉ ጠቒሳ፤መሪፆም ክርኣይ ገይሮሞ እዮም ትብል::

‹‹ብርክት ዝበሉ ሰባት ከይተምሃርኪ ከምዚ ዝበለ ስእሊ ምቕራብኪ ፅቡቕ እዩ እናበሉ የበረታትዑኒ:: እዚ ድማ ሞራል ይህበኒ፤ዝበለፀ ንኽሰርሕ ይሕግዘኒ፤እቲ ዝወሃበኒ ርኢቶ ይፈትዎ እየ:: ኣፍቲ ዓውደ ርእይ ካብ ዝቐርቡ ስእልታት ተሞክሮ ብምውሳድ ንኸመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ ››እናበለት ተብራህርህ::

‹‹ኣብ ሞያ ስእሊ ከም ፀገም ዝርኣይ፤ዓውደ ርእይ ስእሊ እንትኽፈት መራኸብቲ ሓፋሽ ብዙሕ ትኹረት ሂቦም ኣይፅብፅቡን፤ዜናን ፕሮግራምን ኣይሰርሑን:: ብምባል እታ ሰኣሊት ትገልፅ::

ከም ገለፃ እታ ሰኣሊት፤ቤት ትምህርትታት ‘ውን ተምሃርኦም ኣምፂኦም ስእሊ ተዘርእዩ፤ካፍቲ ዘምህርዎ ትምህርቲ ብተወሳኺ ስነ ጥበብ ስእሊ ንዝግበኦ ተምሃራይ መገዲ ከመቻችዉሉ ወይ ድማ ድሌት ተጎሃሂሩ ፅቡቕ ሰኣሊ ዝኾነሉ ከምኡ ‘ውን ናይ ስእሊ መድነቒ ዝኾነሉ ኹነታት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም:: ስእሊ ናይ ምርኣይ ድሌት ዘለዎም ሰገናት፣መናእሰይ እንተሃለዉ ‘ውን ዓውደ ርእይ ስእሊ እንትኽፈት መረዳእታ ከም ዘይብሎም ትሕብር:: ዓውደ ርእይ እቲ ስእሊ እንትዛዘም ተንሰምዕ ነይርና እናበሉ ዝጠዓሱ ሰባት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ትዛረብ::

ሰኣልነትን ኣዶነትን ሳራ ‹‹ኣዶ ቖልዓ ኾይንኻ ስእሊ ምስኣል ይኸብድ እዩ፤ክስእል ደልየ ቖልዓ ሙጥባይን ምሑቓፍ ከምኡ ‘ውን ምድቃስን የቐድም፤ዝጀመርክዎ ስእሊ ቖልዓ ኣደቂሰ ይውደኦ:: ኣይጥዕምን፤ኣነ ምስኣል እንትጅምር ቖልዓ ይትስእ፤ተዘይሓቖፍክኒ ይብል፤ቖልዓ ኣብ ጥቃኻ ገይርካ ምስኣል ኣፀጋሚ እዩ››እናበለት ኣዶነት ምስ ሞያ ስእሊ ዘለዎ ፈተና ተብራህርህ::

ስእሊ ክትስእል ከለኻ ቖልዓ ኣብ ጥቓኻ እንተሃልዩ ቀለም የፍስሰልካ፤ወይ ድማ ይሓዋውሶ፤ዝሕዘል እንተኾይኑ ሓዚለ ኣደቂሰ ተረጋጊዐ ይስእል:: እዚ ኹሉ ፀገም ግና ድሌተይ ኣይዓግቶን ክትብል ትዛረብ::

ስእሊ ዝስእል ጥበብን ድሌትን ኣብ ውሽጠይ ስለ ዘሎ እዩ፤ሰባት ኣብ ጥበብ ዝሓስብዎን ዝደልይዎን ነገር እንተሃልዩ ክፅዕሩን መስዋእቲ ክኸፍሉን ይግበኦም::ቖልዓ ምዕባይን ሓላፍነትን እንተሃለወኒ ውን ስእሊ ካብ ምስኣል ኣይዓገተንን::መናእሰይ ኣዋልድን ኣወዳትን መስዋእትነት እንተኸፊሎም ናብ ዝሓሰብዎ ብርኪ ስነ-ጥበብ ክበፅሑ ይኽእሉ እዮም ክትብል ትመክር::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You