“ኣፊኒ” – ባህላዊ ኣፋታትሓ ስነ ስርዓት ጎንፂ ሲዳማ

ሃገርና ናይ ብዙሓት ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ሙዝየም ተባሂላ ትፍለጥ፡፡ እዞም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝተፈላለዩ ባህልት ክብርታትን ዘለዎም እንትኾኑ እዞም ባህላዊ ክብርታት እዚኦም ብርክት ዝበሉ ረብሓ ዘለዎም ‘ዮም፡፡ ካብዚኦም ጎንፂ ንምፍታሕ ዘገልግሉ ባህላዊ ፀጋታት ብምህላዎም ኣብታ ሃገር ብርክት ዝበሉ ጎንፂታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ እናጠቐሙ ‘ዮም፡፡

ናይዞም ከምዚኦም ዝበሉ ባህላዊ ስነሰርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂታት በዓል ዋና ካብዝኾኑ ሓደ ብሄረሰብ ሲዳማ’ዩ፡፡ ህዝቢ ሲዳማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክምረሐሉን ክማሓደረሉን ዝነበረን ንዘመናት ሓልዩ ዘፅነሖም ባህላዊ ትካላት ፣ ልማዳዊ ኣሳራርሓን እምነትን ስርዓታት ኣለዎ፡፡

ካብዚኦም ምምሕዳርን ፍርድን፣ ምፍታሕ ጎንፅታት፣ ባህላዊ ሕግን ስርዓትን፣ ትካል ሉዋ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ግዜ ሓዘንን ሓጎስን ዝጥቀሙሉ ባህላዊ ፀወታታት መሳርሒ ሙዚቃ፣ ባህላዊ ኣከዳድናን፣ ቀመር ዓውደ ኣዋርሕ፣ ኣቆፃፅራ መዓልታትን ኣዋርሕን ከምኡ’ውን መዓልቲ ለውጢ ዘመን “ፍቼ” ከም ኣብነት ይጥቀሱ፡፡

እቶም ጎንፂታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ከም ቁልፊ ስርዓት ዝቑፀረሉ ባህላዊ ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፅታት ብሄረ ሲዳማ ከምዝኾነ ዝተማላኸተሉ ንዘመናት ኣብ ጥቕሚ ካብዝዋዕሉ ባህላዊ ኣፈታትሓ ሃገር በቖል ካብዝኾኑ ፀጋታት ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ንምርኣይ ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ባህላዊ ክብርታት ዝገልፅ መፅሓፍ ዝፀሓፉ ዶክተር ኣራሶ ገረመው ነዚ ፅሑፍ እዚ ተጠቒምናሉ ኣለና።

ኣራርሳ ገረመው (ዶ/ር) ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብስነ-ቁጠባ ትምህርቲ ናይ መጀመርታ ዲግሪ፣ ካብ ኢቫንጀሊካል ቲዮሎጂ ኮሌጅ ብስነ-መለኮት ናይ መጀመርታ ዲግሪ፣ ካብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ብኮኦፐሬቲቭ ዴቬሎፕመንት ማስተርስ ዲግሪ ከምኡ ‘ውን ካብ ቪዥን ኢንተርናሽናል ካሊፎርንያ ኣሜሪካ ፒኤችዲ ዲግሪ ረኺቦም ‘ዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ኮይኖም እናገልገሉ እንትኾኑ፣ ወለዶ ብኹለመዳያዊ ዕቤት ክብልፅግ ካብ ዝነጥፉ ሓደ ‘ዮም፡፡

ኣራርሶ (ዶክተር) “ኣፊኒ” ብዝተባህለ መፅሓፎም ከምዘብርህዎ፤ “ኣፊኒ” ወይ ቃል ብቓሉ “ሰሚዕኹም ዶ?” እናተባህለ ኣብ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ብሄረ ሲዳማ ኣብ ባይቶ ዝስረሐሉ ባህላዊ ስርዓት ናይ ባይቶ ተዓደምቲ ዝጠያየቕሉ ጥበባዊ ከይዲ ዘለዎ ዘደንቕ መስርሕ ባህላዊ ናይ ሰላም ክብርታት ‘ዩ፡፡ እዚ ናይ ትማሊ ዘጉልህ ንሕዚ ጥንቓቐ ከትገብር ዝገብረካ ንፅባሕ ትኹረት ዝህብ መትከል ምሃብን ምቕባልን ዘማዕብል ባህሊ ምዃኑ የረድኡ።

ኣብ ምፍታሕ ከይዲ እቶም ጎንፂታት ናይቲ ሸንጎ ተሰብሰብቲ “ሰሚዕኹም ዶ?” እናተባህለ ነቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ንምሃብ፣ ብልቢ ንምስምማዕ እቲ ዘተ ካብ መስመር ወፃኢ ንኸይኸውን ካብ ስምዒት ንምክልኻልን ሓቂ ንምድላይን ዝጥቀመሉ ስርዓተ ምፍታሕ ጎንፅታት ‘ዩ። ናብ ጎንፂ ዘብፅሑ ነገራት ማለት ንሕድሕድካ ብሓሳብ ዘይምድምማፅን ዘይምስምዕማዕን እንትህሉ ሰርዓት “ኣፊኒ” እቲ ጉዳይ ግቡእ ግዜ ወሲዱ ብምሕሳብ ንምፍታሕ ዝጠቕም ምዃኑ ኣብ መፅሓፎም ኣስፊሮሞ ‘ዮም፡፡

ብመሰረት መብርሂ ኣራሶ (ዶ/ር)፤ ስርዓት ኣፊኒ ትካል ‘ዩ። ግዜን ቦታን ዝሓዘ ክብርታት ‘ዩ። ኣፊኒ ብህዝቢ ሲዳማ ዝፍለጥን ዝኽበርን ‘ዩ። ኩሉ ነቲ ስርዓት ክግዛእ ዝገብር ‘ዩ፡፡ ነቲ ትውፊት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብምሕላው ኩሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ከም ዝግዛእ ዝገብር ክብሪ ‘ዩ።

ኣፊኒ ትካል ‘ዩ ክባሃል እንተሎ ስሩዕ ቤት ፅሕፈት ወይ ቢሮ ሃልይዎን ዝተቖፀረ ሰብን ዘለዎ ትካል ዘይኮነስ ኢመደበኛ ብዝኾነ መንገዲ ዝሰርሕ ኮይኑ ኮይኑ ግና ኣሰራርሓኡ ንኹሉ ግልፂን ፍትሓውን ብዝኾነ ኣካይዳ ጎንፂ ዝፈትሕ ትካል ብምዃኑ ‘ዩ። ኣፊን ቦታ ‘ዩ እንትበሃል፣ ስርዓት ኣፊኒ ዝካየደሉ ግዜን ቦታን ነዚ ስያመ ስለዝሓዘ ‘ዩ።

ኣፊኒ ስርዓት፣ ትካል ከምኡ ‘ውን ቦታ ዘመልክት ‘ዩ፡፡ ኣፊኒ ናይ ስኽነት መልክዕ ዘለዎ ብምስትውዓልን ምትንታንን ፀገማት ብስኒትን ብሓባርን ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ኣብቲ መፅሓፍ ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡ ባህላዊ ስርዓት ኣፊኒ ዘጋጥሙ ፀገማት ብህድኣትን ስኒትን ተዳማሚፅካ ምፍታሕ ‘ዩ፡፡

ፍሉይ መግለፂታት ባህሊ ሲዳማ ማለት ከም ፍቼ-ጫምባላላ (ኣካባብራ ሓድሽ ዓመት) ስነ-ስርዓት ሉዋን ካልእ ብዙሕ ባህላዊ ክብርታትን ማሕበራዊ ኣሰራርሓታትን ዘለዎ ኮይኑ ኣዝዩ ሃብታም ‘ዩ። ኣፊኒ ኣብ ህዝቢ ሲዳማ ዓቢዪ ትርጉምን ቦታን ኣለዎ። ስርዓት ኣፊኒ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ሲዳማ ኣብ መስርሕ ምፍታሕ ጎንፅታትን ህንፀት ሰላምን ታሪኻዊን ዝወዓለ ብሰፊሑ ዝጥቀመሉ ባህላዊ ስርዓት ‘ዩ።

ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዝተጠቐሰ ናይ ኣፊኒ ቐንዲ ጉዳይ ኣብ ባህሊ ሲዳማ ብቐንዱ ብሓባር ምንባር፣ ክብርታት ብምሕላው ምርድዳእ፣ ይቕሬታን ዕርቅን ዘማዕብል መድረኽ ‘ዩ። ሰላማዊ፣ ግልፅን ዲሞክራሲያውን ዘተ ብምክያድ ተሳትፎን ፍትሓውነትን ‘ውን የስፋሕፍሕ። ኣፊኒ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕ ‘ዩ።

ስርዓት ኣፊኒ ልክዕ ከም ታሪኽ ብሄረ ሲዳማ፣ ሃገራዊ መንነት፣ ቋንቋን ዝተፈላለዩ ባህላዊ መንነት፣ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ተርእዮ ብምዃኑ ኣብቲ መፅሓፎም ተማላኺቱ ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ሲዳማ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ጥዑይ ርክብ ንምክያድን ኣብ ዝኾነ ውሳነ ንምብፃሕን ከም ፍሉይ መሳርሒ ይጥቀመሉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ዘተ ወይ ዕላል ብባህላዊ መራሕቲ ወይ ሽማግለታት ብማሕበራዊ ደረጅኦም ልዑል ደረጃን ክብርን ብዝወሃቦም ይከናወን። ብዘይ ኣፊኒ ዝኾነ ውሳነ ክውሰድ ኣይከኣልን ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *