‹‹ንሕምምቲ ደርሆ ብዕራይ ሓሪድና ኣይነባላሽውን›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብተረኸቡሉ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል ሓምሻይ ዘበን ሻድሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ራብዓይ ፍሉይ ኣኼባ ንበጀት ዓመት 2014 ብር 561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ኣፅዲቑ እዩ:: እቲ በጀት ኣብ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል ብር 162 ቢሊየን ፣ ንካፒታል በጀት ብር 183 ነጥቢ 5፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ ብር 203 ነጥቢ 95 ቢሊየን ፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 12 ቢሊየን ብድምር 561 ነጥቢ 67 ቢሊየንን ንክኸውን ዝቐረበ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዮ።ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽን መብርህን ዝሃቡ እንትኾን ንጋዜጣና ከምዝጥዕም ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና:: ሰናይ ንባብ::

ኩነታት ኢኮኖሚ

ፅዕንቶ ኮቪድ-19 ፣ኣንበጣ፣ሓደጋ ውሕጅ፣ህይወትን ንብረትን ዘጥፍኡ ጎንፅታት ኣሕሊፍና ኢና:: ክዛዘሙ እናሃለዎም ዘይተዛዘሙ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ዕዳ ኾይኖም ናብዚ ምስጋሮም ኣብኣቶም ክነተኩር ኾይና ኢና:: ንህረት ዋጋ ብዓለምለኸ ብርኪ ዋጋ ሸቐጣት ዋጋ ወሲኹ እዩ::

ኾይኑ ግና ኢትዮጵያ ዕብየታ ኣየቋረፀትን ኣብ 2011 ዓ.ም 9 ሚኢታዊ፤ኣብ 2012 ዓ.ም ኮቪድ እናሃለወ 6.1 ሚኢታዊ ዕብየት ተረኺቡ እዩ:: ኣብዚ ዓመት ሕርሻ በልጊ፤ ስርናይ ሓጋይ ንወፃኢ ዕዳጋ ዝተዳለዉ ፍራፍረታት፣ ቡናን ማዕድን ዝተረኸበ ኣታዊ ስዒቡ 2012 ዝሓሸ ፤ ን2011 ዝቐረበ ዕብየት ትፅቢት ይግበር::

ዓመታዊ ነብሲ ወከፍ ኣታዊ 1000 ዶላር ሓሊፉ እዩ፤ ብባንኪ ዝዘዋዋር ሃፍቲ ካብ ብር ሓደ ትሪሊየን በሊፁ እዩ:: ሓፈሻዊ ሃፍቲ ባንኪ ብዝለዓለ ብርኪ ወሲኹ እዩ:: ኣታውን ወፃእን ንግድ ሚዛን ንክፀብብ ፃዕሪ ተገይሮም እዮም:: ኣብ 2011 ኣፈላላይ 14.6 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኸውን ሎሚ ዓመት 9.3 ሚኢታዊ በፂሑ እዩ:: ብዝንሸጦ ልክዕ ክኾን ትፅቢት ይግበር ፤ ፅዕንቶ ዕዳ 37 ሚኢታዊ ናብ 26 ሚኢታዊ ዝቐነሰ እንትኸውን፣ዕዳ ካብ ዝኽፈሎ ግዘ መንፃር እንትረአ ውፅኢታዊ እዩ:: ዕዳ ንግዲ ምሉእ ብምሉእ ብምቕራይ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ::

ዘፈር ፋይናስ

ደፍተር ባንኪ ዘለዎም ዜጋታት 38.8 ሚልየን ዝነበረ እንትኸውን ኸዚ ባንክታት 66.2 ሚሊዮን ዝበፅሑ ዓሚላት ኣለዉዎም:: በዚ ስፍሕ ዝበለ ሃፍቲ ምእካብ ተሰሪሑ እዩ:: ቁጠባ ናብ 30 ሚኢታዊ ብምዕባዩ ንምልቃሕ ተኻኢሉ እዩ:: ውልቀ ሴክተር ልዕሊ 74 ሚኢታዊ ልቃሕ ዝወሰደ እንትኸውን ፤ 25 ሚኢታዊ ዝኾን ትካላት መንግስቲ ወሲዶም እዮም::

ጨንፈር ባንክታት ካብ 5100 ናብ 7100 ዓብዩ እዩ:: ብፋይናስ ኣታውነት 6 ሚልየን ሞባይል ባንኪንግ ተጠቀምቲ ኣለዉ እዮም:: ባዓል ድርሻ ኣክስዮን መጠን ካብ ብር 79 ሚልየን ናብ ብር 144 ሚልየን ዓብዩ እዩ:: ባዓል ሃፍቲ ልቃሕ ዝምልስሉ ከይዲን ፍጥነትን ምርግጋፅ ምኽኣልና ኣብ ዋጋ ናህሪ ለውጢ ይህልዎ እዩ::

ምዕባይ ኣታዊ

ብር 260 ቢልየን ንምእታው ተተሊሙ 98 ሚኢታዊ ኣፈፃፅማ ዝተርኣየ እንትኸውን ፣ብብር ልዕሊ ብር 142 ቢልየን ዕብየት ተራእዩ እዩ:: ዕብየት ወፃኢ ዓቕሚ ምውሳኽ ኣታዊ ብትኽክል ምእካብ ኣብ ቐፃሊ’ውን ክትኮረሎም ይግባእ::

ፕሮጀክት

ብቕርበት ክትትል ዝግበረሎም ከም ፓርክታት ኢንደስትሪን ኣግሮ-ኢንደስትሪን ዘፈር ዝሓሸ ስራሕቲ ተመዝጊቦም እዮም:: ኾይኑ ግና ኸዚ ዝተወድኡ ፕሮጀክት ካብ ዝተወደእሉ ግዜ ዝናኣሰ ምውዳእ ምኽኣል ዓቕሚ ከምዝነበረ ኣስተውዒሉ ብዝሓሸ ፃዕሪ ምስራሕ ኣድላይ እዩ:: ቑፅፅር ሃለወ ኣይሃለወ ሰሪሕኻ ብቕልጡፍ ምዝዛም ናይ ኹሉ ግቡእ እዩ:: ካብ በጀት ወፃኢ ዘለና ሃፍቲ ብዝግባእ ምጥቃም የድልየና ኢና:: ንኣብነት ካብ 1000 ኪሎ ግራም ዝበልፅ ወርቂ ብባህላዊ መገዲ ተዳልዩ ብዕዳጋ ቀሪቡ እዩ:: መሓውራት መንግስቲ ህዝቦም ከም ኣገልገልቲ ንምልዋጥ ተተላዒሎም ውፅኢታዊ ይኾኑ እዮም:: ኣፈፃፅማ በጀት

 ብዝግባእ ተገምጊሙ ንምንታይ ምድንጓይ ከምዝፍጠር ምፍላይን ስጉምቲ ምውሳድን ኣድላይ እዩ:: ሰራሕተኛ ክልላትን፤ኮንትራክተራት ዝጀመርዎ ስራሕ ብንእሽተን ምኽንያት ጠጠው ከብሉ የብሎምን::

ቱሪዝም

ቀዋሚ ቅርስታት ምሕላው ፣ሓደስቲ መባፅሒ ቦታታት ካብ ምህናፅ ኣንፃር ተወሳኺ ስራሕቲ ክስርሑ ይግባእ:: ኣብ ክረምቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘጋጥም ሙቐት ተሓሲብሉ መባፅሒ ንፍለጡ ምግባር ፤ ቤተ መንግስቲ ሕድሳት ተገይርሉ ንምርኢት ምቕራብ እቲ ዘፈር ንምዕባይ ኣብ ቐፃሊ ዝስርሑ ተግባራት እዮም ::

ግድብ ህዳሴ

ኢትዮጵያ ኣቕርቦት ሓይሊ ድልየት ካብ ምምላእ ወፃኢ ካልኦት ጉዳይ ድልየት ከምዘይብላ ምግንዛብ የድሊ:: ተኽልታት ብምትካልና ሱዳንን ግብፅን ካብ ዝረኽብዎ ማይ ንላዕሊ ንክረኽቡ ብምግባር ይካኣል እዩ:: እንድልዮ ሰላምን ዕብየትን ጥራሕ እዩ:: ንሕና ብትሕብብር ክንሰርሕ ኢና፤ ጀሚርና ብተግባር ክነርኢ ኢና::

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ድማ እቲ ግድብ ፀገም ሓይሊ ኢትዮጵያ ዝፈትሕ፣ ስግኣት ሱዳንን ግብፅን ዝቕንስ ኢዩ:: ኣብዚ ቀጠና ሰላምን ምዕባለን ዝመፅእ፣ ሓይሊ እንትፈሪ ብሓባር እንጥቀመሉ፣ ፀገም ማይ’ውን እንተሃሊዩ እናተዛተና እንፈትሐሉ፣ ሰለማዊ ጉዕዞ ልምዓት ንክኸውን ንደሊ ኢና፣ ነዚ’ውን ንሰርሕ ኣለና::

ሃገራት’ውን ኢትዮጵያ ንኻልኦት ናይ ምጉዳእ ባህጊ እንተይኮነ ብምትሕብባር ናይ ምዕባይ ባህጊ ከምዘይብላ ተገንዚቦም እቲ ጉዳይ ቐልጢፉ ደው ብምባል ናብ ሓደሽቲ ልምዓት ንምኻድ ምሕጋዝ ይግባእ::

ኩነታት ትግራይ

ምኽባር ሕጊን ከይዲ መሊስኻ ምጥያሽ ከም ሉኣላውነት ሃገር ሱቕ ዘየብሉ ብዙሕ ነገራት ተሰሪሖም እዮም:: ካብ መንግስቲ ኣፍልጦ ወፃኢ ሓይሊ ሰራዊት ናይ ምውዳብ ስራሕቲ ፤ ጎንፂ ፈጠርቲ ተቖፀርትን ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ሰባት ኣብ መላእ ሃገርና ኣለዉ:: ህዝቢ ትግራይ ኹናት በቢኣንፈቱ ክላዓለካ እዩ ተባሂሉ ጎስጓስ ተኻይድሉ እዩ::

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሽማግለታት ፣ባዓል ሃፍትታት፤ ፖለቲካታት ናይቲ ኸባቢ ተወለድቲ እቲ ኹነታት ንምዝሓል ሽምግልና ተላኢኾም እዮም:: ኾይኑ ግና ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ተፈፂሙ:: ቀፂልና ከይፎተና ሃገር ናብ ምክልኻል ፣ሃፍቲ ሃገርን ዕጥቕን ናብ ምምላስ ኣቲና:: እቲ ዋና ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ሓፂር እዋን ዝወሰደ እዩ ነይሩ:: ኢትጵያውያን ንምጥቃዕ ዝተልዓሉ ንከይሳኸዐሎም ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ::

ኣብቲ ጎንፂ ኣጥፋኢ ሓይሊ ጥራሕ ትኹረት ብምግባር ኣብ ከተማታት መጥቃዕቲ ከይፍፀም ንምግባር ፃዕሪ ገይርና ኢና:: ድሕሪ ዋና ሕጊ ምኽባር ስራሕ ግብርና፤ ጥዕና፣ትምህርቲ ሓገዝ ንምግባር ስራሕቲ ንክጅመሩ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ:: ሓድሽ ምምሕዳር ኣሰልጢንና ናብ ስራሕ ኣእቲና ባዕሎም ንከመሓዳሩ ፃዕሪ ገይርና ልዕሊ ብር 100ቢልየን ነዚ ንክውዕል ተገይሩ እዩ:: ኹናት ምቕፃል ኣይኸብድን፤ ዘፀገም ዕብየት ምምፃእ እዩ::

ውሳነ ምውፃእ ሰራዊት

ምውፃእ ሰራዊት ብዝምልከት ቅድሚ ኸዚ ሓሳብ ምግላፁ ካብ ወታደራዊ ዲሲፒሊንን ሚስጥር መንፃር ናይ ባዕሉ ኣሰራርሓ ስለዘለዎ ኣይተገለፀን:: ግና ኸዚ ግልፅ ንምግባር ንሕና ሰራዊት ዘውፃእና ካብ መቐለ ውፃእ እንትባሃል ኣብ ዝሰማዕኽምሉ እዋን ኣይኮነን:: ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝወደአ ከይዲ እዩ:: ብኣርባዕተ ግንባር ኸፊልና እናውፃእና ኢና ነይርና:: ብሓደ ግንባር ዕጥቅናን ወታደራትናን ክነውፅእ ከለና ንስኹም’ውን ኣይጠርጠርኩምን:: እቲ ጁንታ’ውን ኣይጠርጠርን ፣ብዙሕ ሰብ ኣይጠርጠረን:: ካልኣይ ዙር ቅድሚ መረፃ ኽልተ ሰሙን ሰፊሕ ሓይሊ ኣውፅኢና ኢና:: ብዙሕ ፀገም ኣይነበረን:: ሳልሳይ ሓይሊ ክነውፅእ ከላና ኢና ጥርጣረ ዝመፀ:: ብዙሕ ሓይሊ፤ ብዙሕ ኮምቮይ፤ ተዓጢቑ ፣ ተፃዒኑ፣ ካብ ማእኸል ኸባቢ ፤ካብ ኸባቢ ተምቤን ከባቢ እንትወፅእ ኣብዚ እዋን ስፍሕ ዝበለ ህዝቢ ዕጥቂ እናወፀ እዩ፤ ሰራዊት እናወፀ እዩ፣ብኻልእ ምኽንያት’ውን በቢቦትኡ መንገዲ ምዕፃው ተጀሚሩ:: ኸዚ ከምዝነግረኩም ኣይኮነን፤ብሓደ ግዘ ልዕሊ 2ሽሕ መኪና ዝንቀሳቐሰሉ ሰዓት እቲ ጉዕዞ ብኪሎ ሜትር እዩ፤ ኣብዚ እዋን መንገዲ እናዓፀዉ ጎንፂ ንምፍጣር ፤ጎማ ምትንፋስ ምቅፃል መኻይን ሙከራታት ተኻይዱ እዩ:: ግና ቅድሚኡ ዝሰራሕናዮ ስራሕ ኣይተፈለጠን:: ሳልሳይ ሓይሊ ካብ ማእኸል ከባቢ ዝተፈላለዩ ሰፈር ተበቲኑ ዝነበረ ተሰብሲቡ እንትወፅእ ከምዚኦም ዝበሉ መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ተሞኪሩ እዩ:: ራብዓይ ብመቐለ ዘውፃእናዮ ሓይሊ ፣ኣብ ኸባቢ መቐለ ጥንክር ዝበለ ሓይሊ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ መኻይን ኣሰሊፉ ዝወፀ ሓይሊ ምቹው ዝኾነ ቦታ ስለዝነበረ መጥቃዕቲ ከይበፅሖ ክወፅእ ክኢሉ እዩ::

መቐለ ብሓይሊ ተዳሒዙ እዩ እትብሉ መከላኸያ ምስ ወፀ እቲ ሓይሊ ኣብቲ ኸባቢ እንተናኣሰ ንኽልተ መዓልቲ ኣይወፅን:: ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ተረፍመረፍ ዓሊሉ ክኸውን ይኽእል ፤ግና እቲ ሓይሊ ዝኣተወ ወታደር ምስ ወፀ ኣይኾነን:: ተዝኸውን ነይሩ እቲ ኹሉ መኪና እናተኸታተለ እንትወፅእ ከመይ ሱቕ ኢሉ ይልቅቕ:: ዝተወሰነ ነገር ክስራሕ ነይሩ እዩ:: እቲ ሓቂ እሱ ኣይኮነን:: ሓረስታይ ብኣና ምኽንያት ኣይሓረሰን ኣየበልናን፤ብኣና ምኽንያት ሰብኣዊ መሰል ተጣሒሱ ኣይበልና፤ ንሕና እናሞከርና ዘለና ንምህናፅ እዩ፤እዚ ክገብር ድማ ምምሕዳር ኣሰልጢንና ፣ፖሊስ ኣሰልጢንና ኣዕጢቕና እንተናኣሰ መንግስት ዝመስል ነገር ፈጢርና ኢና::

ሰራዊት ምክልኻል ፖሊስ ከተማ ኣይኮነን፤ባዕሉ ንዝተፈላዩ ተልእኾ ዝዳሎ ክኸውን ኣለዎ:: መከላከያ ሱቕ ኢልና ኣብ ዘጨንቕ ውሽጢ ክነእትዎ የብልናን ኢልና ወሲና:: እዚ ውሳነ እንታይ ጥቕምን ጉድኣት ኣለዎ ንዝብል ፀላእትን ፈተውትን ቀስ ኢሎም ግዘ ወሲዶም ክሓስቡ ኣለዎም:: ንሕና ግና ተይወሰና ንኣዋርሕ ኮፍ ኢልና ተዛቲና ኢና:: እዚ ውሳነ ክሳብ ኸዚ ዘለና ግምገማ ትኽክል እዩ:: ንሕምምቲ ደርሆ ብዕራይ ሓሪድና ኣይነባላሽውን ኢልና ኢና :: ውፅኢቱ ብሓባር ክንርኢ ኢና::

ነዚ ውሳነ ዝደፋፋአና እቲ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ኣለዉ:: ዝተመዛበሉ ሰባት ንክምለሱ ንደሊ ኢና:: ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮና ኣሎ፤ ኦክሲጅንን ቬንትሌተርን ፀገም ኣሎ:: እዚኦም ብዙሕ ንደሊ ኢና:: ኹላትና እንፅበዮም ፕሮጀክትታት ኣለዉ:: እዚኦም ክፍት ገይርና ሱቕ ኢልና ገንዘብ ክባኽን ኣይግባእን:: ካብ ስደት ተመላስቲ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣለዉ:: ኣብዚ ስራሕ ክስራሕ ይግባእ:: ሕርሻ ኣድላይ እዩ:: ስርናይ ንምእታው

 ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዘሎ ግልጋሎት ኣቅርቦት መኪና ብምልኡ ኣብ ጅቡቲ ክስለፍ ኣለዎ:: ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መኪና ኣብ ጅቡቲ ምስላፍ ገዲፍና ፤በቢ ቀጠንኡ ምልሻ እናወፃእና እንልእኽ እንተኾይኑ እቲ መኪና ኽልተ ግዘ ክጥቀም ኣይንኽእልን:: ዓቕምና ምልሻ ወይ ድማ ስርናይ ነክንመርፅ የገድደና እዩ::

ስለዚ ንህረት ዋጋ ንገንዘብን ግዜን ጥራሕ እንተይኾነስ ሎጀስቲክስ ብጣዕሚ ስለዝውስነና ፤ዝሓሸ ሰሪሕና ኢና:: ስለዚ እዋን ፅሞና ኣድላይ እዩ:: ህዝቢ ድማ ይርኣዮ ኢልና ወሲና ኢና:: ንሕና ምስ ወፃእና ብዙሕ ዜና እዩ ዝስማዕ፤ሰባት ብሃይማኖቶም ይቕተሉ ኣለዉ፤ኣብ ሰፈሮም እናተቐተሉ እዮም፤ መቸም መንግስቲ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ሰበብ ከምዘይኾን ተስፋ ይገብር:: እናሃለና’ውን ንሕን ምስወፃና’ውን ንሕና እንተተባሂሉ ፍትሓዊ ኣይኸውንን::

ንሕና እናበልና ዘለና፤ህዝቡ ንከገልግሉ ዝተቐመጡ ሰባት ብዘይኣግባብ እናተቐተሉን እናተኣሰሩን ክንብል ከለና ማንም ሰብ በዚ ብርኪ ከራግብ ኣይድልን:: ግና ኣብ ዝሓለፈ እዋናት አብቲ ከባቢ ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ እዩ:: ምንም ዓይነት ሚድያ ከጋውሖ ኣይተርኣየን:: ኣብዚ ሰሙን ዓለም ለኸ ሚድያ እናጋዎሐ ዘሎ መገዲ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ:: ኢትጵያውያን ክንነቕሕ ከምዘለና ዘመልክት እዩ:: ኣፍ ዘዕፁ መረፃ ንምፅብፃብ ዝተፀገመ ሚድያ ካበይ መፂኡ እዩ ኸዚ ዘጋውሕ ዘሎ ኢልካ ምሕሳብ ይሓትት እዩ:: እቲ ዋና ንሕና ብዝተቐደደ መትረብ ኣይንኸይድን::

ካብ ድሕሪ ለውጢ ይቅርታ ተጠይቑ እቲ ህዝቢ’ውን ይቅርታ ገይሩ ነይሩ:: እዚ ሓይሊ ከምዝነበረ ኣብ ብልፅግና ተዝፀንሕ ነይሩ እንተናኣሰ ዝሓዘ ሒዙ ስልጣኑ ከምዝሓዘ ክፀንሕ ነይሩ እዩ:: ካብ ብልፅግና ዝወፀሉ ግምገማ ዓብይ ጌጋ እዩ ነይሩ:: ቀዲምኻ ምርኣይ’ምበር ንድሕሪት ምርኣይ ብዙሕ ኣይኸብድን:: ብስልጣን ብሃፍቲ፣ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ምእካብ ሃፍቲ መንግስቲ ናይ ምዃን ነገር ትሑት ዝገበረ፤እቲ ሳልሳይ ድማ ድሕሪ ትግራይ ምኻድ ረብሻ ከየድለየ ናይቲ ክልል መንግስቲ ኾይኑ ምቕማጥ ይኽእል ነይሩ እዩ:: ንሕና ናይ ምውጋእ ድልየት ኣይነበረናን:: ጌጋ ግምገማ እዩ:: ሚሳኤልን ዕጥቁን እንተወሲደ ከምዝደለኽዎ ክኸውን እየ ዝብል ሓሳብ እዩ ነይርዎ:: ዝበፅሐ ኪሳራ ሕድሕድ ትግራወይቲ ኣደ ትምዝኖ እያ:: ዝበፅሖም ነገር ንሳተን ይፍልጥኦ እየን::

ኸዚ’ውን ጠጠው ኢልካ ምርኣይ ዘድሊ ከምዚ ዓይነት ዝተጋነነ ግምገማ ዘስዕቦ ሓደጋ እዩ:: ልክዕ ህዝቢ እስራኤል ዘሕልፎ መከራ ኹሉ ሓሊፉ ካብ ግብፂ ዝወፀሉ እዋን ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኸተሎ መንግስቲ ፈርኦን ዘስታውስ እዩ:: ዓሪፉ ኣብ ካይሮ ከፍ ምባል እናኻኣለ ናብ ባሕሪ መፂኡ ከምዝተውሓጠ ማለት እዩ:: ህዝብታት እስራአል ከየቋረፁ መንግስቲ ፈርኦን ዓሪፉ ተዝቕመጥ ፀገም ኣይነበሮን:: ፀገም ዘምፀአ ተኸቲሉ ምኳዱ እዩ:: ኸዚ’ውን ጠጠው ኢልካ ምርኣይ ኣድላይ እዩ:: ኢትዮጵያ ምስዓር ኣይካኣልን:: በዚ ኣግባብ እናኸድና ኢና::

ፀብፃብ ዓለምለኸ መራኸቢ ሓፋሽ

ዝደንቕ መረፃ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ኣካይድና ትኹረት ከይተውሃቦ ሓደ ጉዳይ ተነፂሉ ሰፊሕ ሽፋን ምርካቡ ኢትዮጵያውያን ብዝግባእ ክፅንዕዎን እቲ ሓቂ ንግንዘቡ ከምዘድሊ ዘመልክት እዩ:: ዕብየት ኢትዮጵያ ናይ ኹሉ ዕብየት ብምዃኑ ፤ ጉድኣት ኢትዮጵያ ድማ ናይ ኹሉ ጉድኣት ከምዝኾነ ኹሉ ኣካላት ከፅንዕዎ ይግባእ::

በጀት መከላከያ

እኹል እዩ ተዘይተብሃለ’ውን ንኣባላት ሕጊ ኣኽበርቲ ካብ ዝነበረ ዝሓሸ በጀት ተመዲቡ እዩ:: ካብ ዕጥቅን ቴክኒክ ኣንፃር ውስንነት እንተሃለወና’ውን፤ናብ መከላከያ ሰራዊትና ሓቦ ዝኣክል የለን:: ሃገርን መንግስትን ሰራዊትና በቢ ኣንፈቱ ክድግፍ ኣለዎ:: ሓይሊ ሰብ ድማ ኽተት ከይተኣወጀ ናብ መከላከያ ክኣቱ ትፅቢት ይግበር::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You