መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ትእምርቲ ሰዓራይነት ህዝቢ ኢትዮጵያ

ወርሒ ለካቲት ብዙሓት መበገሲ ሓርነት ዝኾኑ ፍፃመታትን ዝተጀመረላን ምእንተ ሉኣላዊ ሃገሮም ንኸየድፍሩ ፀረ ባዕዳውያን ወረርቲ ዝተዃሽሑሉን ታሪኽ ዝቀየሩ ዓወታት ‘ውን ዝተዓተረላን ወርሒ’ያ፡፡ ካብእዚኦም ሓደ ካብ ኢትዮጵያዊያን ሓሊፉ ኩርዓት ፀለምቲ ህዝብታንን ኣፍሪካ ዝኾነ ዓወት ኹናት ዓድዋ’ዩ፡፡

ኹናት ዓድዋ ቅድሚ 128 ዓመታት ዝተኻየደን ፀለምቲ ህዝብታት ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ባዕዳዊ ገዛእቲ ዓወት ዝዓተሩሉ፤ ኩሉ ሰብ ማዕረ ምዃኑ ክርደኡ ዝገበረን ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ንክህቡ ዘገደደን ዓወት ዝተረኸበሉ ምዃኑ ኣብ ድርሳናት ታሪኽ ተፃሒፉ ይርከብ፡፡

ብዓወት ኹናት ዓድዋ ንፀለምቲ ህዝብታት ዓለም ኹርዓት ካብ ምዃን ሓሊፉ ንምንቅስቓስ ፓንኣፍሪካኒዝም ሰረት ዝኾነን ክሳብ ሓዚ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዓወት’ዩ፡፡ እዚ ዓወት ንወለዶ ዝሓልፍን ኩል ግዜ ዝዝከርን’ዩ፡፡ ዓወት ኹናት ዓድዋ እምነ ኩርናዕ ኣይግዛእን በሃላይነትን ሰዓራይነትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ፡፡ ዓወት ኹናት ዓድዋ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰራዊቱን ኣንፃር ወረርቲ ከካይድዎ ዝፀንሑ ተኸታተልቲ ግጥማትን ዘመዝገብዎም መስተንክራዊ ዓወታትን ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ መግዛእቲ ፍፁም ዘይቕበል፤ መሰል ናይ ህዝብታት ክርገፅን ክጭቆንን ዘይፈቅድ፣ ሉኣላውነትን ሓድነታዊ ግዝኣትን ንምዕቃብን ንምኽባርን ንድሕሪት ዘይብል፤ ብሓፈሻ ንብሄራዊ ኽብሩን መንነቱን ዘይደራደር ህዝቢ ምዃኑ ደጊሙ ደጋጊሙ ዘረጋገፀሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተኻየደ ኹናት ዓድዋ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንባርነትን መግዛእትን ኣሜን ኢሉ ክቕበል ፍፁም ዘይሕሰብ ምዃኑ ንፈታዊን ፀላእን ዘረጋገፀ ህዝቢ ‘ዩ ፡፡ እዚ ንምዝካር ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ‹‹መዘከርታ ዓወት ዓድዋ›› ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተመሪቑ ‘ዩ፡፡

ኣብ ሓሙሽተ ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፤ ትሕቲ መሬት (ኣንደር ግራውንድ) ክልተ ደረጃታት ከምኡ ‘ውን ልዕሊ መሬት ሓሙሽተ ደብሪታት ኣለዉዎ። ጀጋኑ ምብራቕ፣ ጀጋኑ ምዕራብ፣ ጀጋኑ ሰሜን፣ ጀጋኑ ደቡብ፣ ናይ ፈረሰኛታት፣ ሓርበኛታትን ፓንኣፍሪካኒዝምን በዝብል ዝተሰየሙ ኣፍደገታት(በሪታት) ‘ውን ኣለዉዎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መዘከርታ ዓወት ዓድዋ መሪቖም ኸፊተምዎ ‘ዮም። ቅድሚ እቲ ስነ- ስርዓት ምረቓ’ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ኣብ እግሪ እቲ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም ‘ዮም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምኡ ‘ውን ኣፈ ጉባኤታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም ‘ዮም፡፡

ኣብቲ ዝኽሪ ዓድዋ ንዝኽሪ ሃፀይ ምኒልክን እቴጌ ጣይቱን፣ 12 ቲኦም መራሕቲ ኹናት፣ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያንን ኣፍራስን ዝኸውን ሓወልቲን ስራሕቲ ጥበብን ኣለዉዎ፡፡ ነጋሪት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣፅዋር ኹናት ኢትዮጵያውያን ከምኡ ‘ውን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገር ዝኣተወት ኣውሮፕላን ፀሓይ እቲ ሙዝየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሒዙ ኣሎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ድማ ጉዕዞ ህይወት ደቂ ሰባት ብዕድልን ብቃልሲን ዝተመልአ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ እዚ መደነቒ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ካልኦት ሃገራት ፀለምቲ ህዝቢታት ክሰርሑዎ ይኽኣሉ ‘ምበር፤ ደቂ ኣሉላ ኣባ ነጋ፣ ደቂ ምኒልክ፣ ደቂ ባልቻ ፣ ደቂ ገበየሁ፣ ክኾኑ ግን ኣይኽእሉን ብምባል ዓወት ዓድዋ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ዕድል እንተዘይሃሊዩ ቃልሲ በይኑ ዓወት ከምዘየምፅእ፤ ኢትዮጵያውያን ዝተዓደሉዎ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፆም። ኩልና ኢትዮጵያውያን ዕድለኛታት ኢና፤ ዕድለኛታት ዝገበረና ድማ ኢትዮጵያዊ ምዃንና ‘ዩ ኢሎም፡፡ እዚ መዘከርታ ዓድዋ ድሕሪ 128 ዓመታትን ንደቅና ቅርሲ ብዝኾነሉ መገዲ ምስ ሞገሱ ኢትዮጵያ መሲሉ ዝተርኣየ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ዓወት ዓድዋ ምርካስ ማለት ዓፅምን ደምን ኣቦታትና ምርካስ ማለት ‘ዩ፡፡

ኣቦታትን ዋጋ ዝኸፈልሉ ነፃነትን ኽብርን እሴት ከምዝኾነ ገሊፆም፣ ነፃነት ንምርካብ ዝኸድዎ መገዲ ሓዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ካብ ኣቦታትና ክነወርስ ዝግበአና ነፃነት ኽብርን ሓድነት ‘ምበር ሓዊ ክንኾን ትፅቢት ኣይግበረልና ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ዓድዋ ክሳብ ኸዚ መሰረት ፈተና ዝኾንዋ ኽልተ ነገራት ‘ዮም፡፡ ባዕዳውያን ባንዳን ክብሉ ገሊፆም።

ባዕዳውያን መጀመርያ ፈልፊሎም ዝረኽብዎም ባንዳታት ‘ዮም፡፡ ባንዳታት ሓጊዞምዎም ‘ምበር ባዕዳውያን ካብ መሬት ተላዒሎም ኣይወሩናን፡፡ ባዕዳውያን ናይ ውሽጢ ፀላእቲ ሓጊዞምዎም ‘ዮም። ባዕዳውያንን ባንዳታትን ትማሊ ኣብ ዓድዋ ሎሚ ‘ውን ኣብ ብልፅግና ናይ ጉዕዞና ፈተናታትና ‘ዮም ክብሉ ሓቢሮም፡፡

እዚ ዝኽረ ዓድዋ ተጀሚሩ ኣብዚ ክሳብ ዝበፅሕ ብዙሕ ብዙሕ ተባሂሉ’ዩ፡፡ እዚ ፈተና ‘ዩ ፡፡ እዚ ፈተና ካብ ኣቦታትና ኹላትና ክንምሃር ኣለና፡፡ ኣቦታትና ኣብ ምንታይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ከምዘለዎም ጠንቂቖም ይፈልጡ ‘ዩ፡፡ ኣቦታትን ኣብ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ኣፈላላይ ጠንቂቖም ይፈልጡ ‘ዮም፡፡ ኸዚ ዘሎ መንግስቲ ዘይከምቹ ይኽእል ኢትዮጵያ ግን ኹሉግዜ ትምቸው ‘ያ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ኣቦታትና ዘውረሱና እምቢ ምባል ንወረርቲ፣ እምቢ ምባል ንድኽነት እንቢ ምባል ንልመና፤ እዚ ነፃነት ዝወረሰ ኢትዮጵያዊ ሎሚ ‘ውን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እንሰርሕ ንክንኾን ኣለና፤ እትልምን ሃገር ነፃ ክትኾን ስለዘይትኽእል ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ማለት ዓወት ዓድዋ ምድጋም ማለት ‘ዩ ኢሎም፡፡

‹‹ልዕልነት ኢትዮጵያ ልተገለፀልኩም እንድሕር ሃሊኹም ንምርኣይ ሞክሩ፤ እንድሕር ተረዲእኹም ንምሕጋዝ ሞክሩ፤ ናትና ዘረባ እይትጠራጠሩ ጠጠው ኢልኩም ሕሰቡ፡፡ ብባዕዳውያን እእምሮኹም ኣይተውሰድዎ፤ ንሕና ደቂ ኣቦታትና ኢና ባዕዳያን ኣየሸንፉናን፡፡ እርግፀኛ ኾይነ ዝነግረኩም ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ‘ያ፡፡ ትማሊ እዚ ዘይተረደኣኩም ሎሚ እዚ ክትሪኡ ከለኹም ዓይንኹም ክግለፅ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ሓሰቡ፣ ስርሑን ዓወቱን ናይ ኹላትና ‘ዩ ›› ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘወዴ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፤ ዓወት ዓድዋ ካብ ሃገርን ኣህጉርን ተሳጊሩ ኣብ ዓለም ዝተጋውሐ ዘኹርዕ ዓወትና ይኹን ‘ምበር እዚ ኣብ ሓደ ቦታ ብግቡእ ዝገልፅ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ክሳብ ሕዚ ዘይምህናፁ ዘናስሕ ‘ዩ ክብላ ገሊፀን እየን።

መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ ንናፅነት፣ ንማዕርነት ህዝቢታት ተስፋ ዝሃበ ዓወት ‘ዩ ኢለን፡፡ ይኹን ‘ምበር እዚ ዓወት ሒዝና ክሳብ ሕዚ ንታሪኽና ዝምጥን ስራሕ ብዘይምውጋኑ ዘናስሕ ‘ዩ ኢለን። ሎሚ ንታሪኽ ዓወት ዓድዋ ብዝምጥን ኣግባብ ዝኽሪ ከምዝተሃነፀ፤ ነዚ ድማ ሓሳብ ካብ ምፍልፋል ጀሚሩ ኣድላዪ ሓገዝን ክትትልን ዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን (ዶ/ር)ን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣመስጊነን፡፡

ታሪኽ ብግቡእ ብምርዳእ ከም ዓድዋ ኣብ ዘተኣሳስሩን ሓድነት ዘጠናኽሩን ተግባራት ክስርሑ ከምዝግባእ ‘ውን ዘገንዘባ ፕረዝዳንት ሳህለወርቅ፣ ‹‹ክሳብ ኸዚ ኣብ ዝነበርክሉ ካብ ዘስተውዓልኽዎ ናይ ሓደ ህዝቢ ልዕልና ካብ ዝገልፁ እቲ ሓደ ታሪኽ ሰራሒ ህዝቢ እንትኾን ‘ዩ፡፡ ባዕዳዊ ወረራ ኣብ ዝተስፋሕፈሐሉ እዋን ኣፍሪካ ንምክፍፋል ኣብ ዝተጀመረ እዋን ዓድዋ ንዓና ጥራሕ እንተይኾነስ ንመላእ ፀለምቲ ዓወት ነፃነት ኾይኑ ‘ዩ፡፡

ኣይግዛእን ናይ ዝበለ ህዝቢ ዓብይ ታሪኽ ‘ዩ፡፡ ሎሚ ካባና ሓሊፉ ኣብ ብዙሕ ቦታ ‘ዩ ታሪኽ ዓድዋ ዝኽበር፡፡ ካብ ታሪኽ ሓደ ሓደ ሓሳብ ጥራሕ እናመዘዝኻ እንጭቓጨቐሉ እንተኾይና ናይዚ ታሪኽ ባዓልዋና ምዃና ከጠራጥር ይኽእል ‘ዩ፡፡ እዚ ሙዝየም ፅቡቕ ገፅታ ዘርኢ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ግዜ ብመፅሓፍ ካብ እነንብቦ ብስእሊ ምርኣይ ድማ ሓቃውነቱ ዘጉልህ ‘ዩ፡፡

ካብ ታሪኽ ፤ ታሪኽ ብምዝካር ጥራሕ እንተይኾነስ ታሪኽ ‘ውን ክንማሃር ኣለና፡፡ ኣቦታትና እዚ ታሪኽ ንክሰርሑ ዘራኸቦም ናይ ሃገር ፍቕሪ ‘ዩ፡፡ እዚ ታሪኽ ንደቅና ንደቂ ደቅና ክነምህር ይግባእ›› ክብላ መልእኽተን ኣሕሊፈን፡፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግልጋሎት ንዘበናት ኣብ ዝነበረ ቦታ ዘበን ዘይስዕሮ ስራሕ ሰሪሕና ኢና ክብላ ዝገለፃ ድማ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ‘የን፡፡

እቲ ምረቓ ስዒቡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፤ እዚ ስራሕ ክስራሕን ኣብዚ ንክበፅሕን ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱን ኣብሪሀን፡፡ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንታሪኹ ብዝምጥን መልክዑ ደረጅኡ ሓሊዩ ከምዝተሃነፀ ‘ውን ተዛሪበን፡፡

ጀጋኑ ዓድዋ ብዘይ ኣፋላላይ ዘመዝገቡዎ ዓወት መረዳእታታት ብግቡእ ብዘይምስናዶምን ስለዘይተዘረበሎምን ምዝባዕ ከምዘሎ ሓቢረን፡፡ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብትኽክለኛ መረዳእታታት ብምክታትን ክፍተታት ታሪኽ ብዝመልእ ኣግባብን ከምዝተሃነፀ ኣረጋጊፀን ‘የን፡፡ ንበፃሕቲ ተወሳኺ ዑደት ዝገብሩሉ ቦታ ከምዝኾነ ከምኡ ‘ውን ዝኽረ ዓወት ዓድዋ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *