ባህሊ ምርኢት ፈረሰኛታት

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ዝርከቡ ባህላዊ፣ ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ተፈጥሯውን ሰብ ስራሕን ፀጋታት ብምዕቃብን ብምፍላጥን ብግቡእ ንቱሪዝም ክውዕሉን ካብዚ ድማ ህዝብን ሃገርን ተረባሒ ንምዃን ናይ ኩሉ ዜጋ ንቁሕ ተሳትፎ ወሳኒ ‘ዩ፡፡ ካብዞም መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ሓድ ምርኢት ፈረሰኛታት ይጥቀስ፡፡

በዓል ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው ንመበል 84 ማሕበራዊ ፀጋታቱ ብዝሓለወ ኣግባብ በቢ ዓመቱ ብድምቀት እናተኸበረ ከምዝመፅአን ሎሚ’ውን ብተመሳስሊ ከምተኸበረ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ መምርሒ ባህልን ቱሪዝም ይሕብር።

ሓላፊ መምርሒ ባህልን ቱሪዝም ኣይተ ለይኩን ሲሳይ ንግዜኢ ከምዝገለፅዎ፤ በዓል ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው በቢ የዓመቱ 23 ጥሪ ብዝተፈላለየ ምድላዋት ክኽበር ከምዝፀንሐን ኣብዚ ዓመት ውን “ሓርበኝነት ሰላም ንሕውነታዊነት” ብዝብል መሪሕ ሃሳብ እቲ በዓል ማሕበራዊ ኽብሩ ብምሕላው መስሕብ ቱሪዝም ከምዝኸውን ኩነታት ዓቢን ንኡሽተይን ኮሚቴታት ብምምስራት ናይ ምድላው ስራሕቲ እናተኸወነ ድሕሪ ምፅናሕ ብድምቀት ተኸቢሩ ኣሎ።

እዚ ማሕበር ፈረሰኛታት ነዊሕ ዓመታት ዘቁፀረን ናብ 62ሽሕን 221 ዝኾኑ ኣባላት ከምዘለዎን ኮይኑ ካብ ጣብያ ክሳብ ወረዳ ጥንኩር ውዳበታት ከምዘለዎ ‘ዩ ዝሕበር። ኣብቲ በዓል ፀወታት ዝላ ፈረስ፣ ስግሪያ ፈረስ፣ ዳንግላሳ፣ ጉግስን ሽርጥን ፈረስ ዝተብሃሉ ትርኢታት ቀሪቦም’ዮም። ብተመሳሳሊ ልዕሊ 4 ሺሕ ፈረሰኛታት ዝተሳተፉሉ ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ምርኢትን ውድድርን ‘ፈረስ ጉግስ‘ ኣብ ሰንዳፋ በኬ ተኻይዱ ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ደራራ ከተማ ከምዝገለፁዎ፣ኣብ ውሽጢ ባህላዊ ፍፃመታት ህዝቢ ኦሮሞ ፈረስ ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ኢዩ።

ኣብርሓ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *