ቕንያት ባህላዊ በዓላት ነቖ፣ ኣንትሮሽትን

ከምዝፍለጥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ብዙሕ ባህላዊ፣ ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ተፈጥሯውን ሰብ ስራሕን ፀጋታት ይርከቡ ‘ዮም። ኣብዚ ዛዚምናዮ ዘለና ወርሒ ጥሪ ጥራይ ብዙሓት ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት እናተኸበሩ ይርከቡ።

ብፍላይ ማሕበረሰብ ጉራጌ ዝፍለጠሎም ብዙሓት ፀጋታት ንኣብነት ምድላው ክትፎ ጉራጌ፣ ኣሰራርሓ ባህላዊ ገዛ፣ ኣሰራርሓ ሰፈር (ጀፎረ)፣ ባህላዊ ስርዓት ዳይነት(ቕጫ)ን ካልኦት ፀጋታትን ከምዘለው ይንገር።

ኣብዚ ፅሑፍ ትኹረት ዝገብርናሎም ኣብዚ ቅነ ዝተኸበሩ ማህበረሰብ ጉራጌ ካብ ዘለውዎ ባህላዊ በዓላት “አንትሮሽት” ዝብሃል በዓል ኣዴታትን ”ነቖ” ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል መዓልቲ ኣዋልድ ጉራጌን ንምግላፅ ክንፍትን ኢና።

ከም “ኣንትሮሽት” “ነቖ”ን ዝመሳሰሉ ባህላዊ በዓላት ማሕበረሰብ ጉራጌ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳገረ ዝመፅአን ማሕበረሰብ ጉራጌ ንደቂ ኣንስትዮ ዝህቦ ክብርን ልዑል ቦታን መርኣይ ‘ዩ ይብሉ ተወለድቲ እቲ ከባቢ።

‘ዞም ፀጋታት ንብዙሕ ዓመታት ናይ ምድኻም ኩነታት ዘጋጠሞም ባህልታት ጉራጌ ኣብዚ እዋን ግና ብፃዕሪ ብዙሓት ግዱሳት ናይ ምምላስ ኩነታት እናርአዩ ይርከቡ። እዚ ድማ ማሕበረሰብ ጉራጌ ንምንቅቃሕ ባህልታቱ ዝገብሮ ዘሎ ውፅኢት ኩሉ ዓይነት ፃዕሪታቱ ከምዝኾነ ብዙሓት ይገልፁ።

በዓል መዓልቲ ኣዋልድ ጉራጌ “ነቖ” ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክፋል ጉራጌ ዝከናወን ባህላዊ ስርዓት ኮይኑ፤ ኣከባብርኡ ድማ እተን ኣዋልድ ብሓደ ተኣኻኺበን ባህላዊ ደርፊ እናደረፋ ገዛ ንገዛ ብምዛር በዓል ነቖ ንምኽባር ገንዘብ ብምትእኽኻብ በቲ ዝኣከብኦ ገንዘብ ድማ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምግባታትን መስተታት ከም ቡናን ዝበሉ ካልኦትን ገዚአን ኣብ ናይ ሓንቲ ናይ መሓዝአን ገዛ መሪፅን ብምድላው እናበልዓ፣ እናሰተያን እናሳዕስዓን እናኽበርኦ ዝሓድራ በዓል ‘ዩ።

ኣብዚ እዋን ልክዕ ከም ደቂ ኣሽንዳ ትግራይ ካብ ቤተሰበን ጀሚሩ ሙሉእ ነፃነትን ክብርን ተዋሂብወን ዘኽብርኦ በዓል ከምዝኾነ ይግለፅ። ኣብዚ በዓል ነቖ ካብ ምፅዋትን ምሑጓስን ብተወሳኺ ባህላዊ ፀጋታት እቲ ማሕበረሰብ ዝበለፀ ንክደምቅ ብምግባር ነፃነተን ሓልየን ዝኸብራሉ መዓልቲ ካብ ምዃኑ ብዝሓለፈ እዘን ኣዋልድ ነዚ በዓል እንተኽብራ ናይቲ ከባቢ ማሕብረሰብ ነፃነት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ እናዘራ ገንዘብ እንተዋፅኣ ብምሃብ ከምዝተሓባበረን ‘ውን ይፍለጥ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወልቂጤ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን በዓል መዓልቲ ኣዋልድ ጉራጌ “ነቖ” ኣብ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ቅድመ ምድላዋት ብምግባር ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወልቂጤ ኣብ ዝርከቡ ክፍለ ከተማ፣ ኣብ በኩርን ክፍለ ከተማ ኣዲስን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን 17ን 18 ጥሪ 2016 ዓ.ም ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ብደሚቅ ኩነታት ከምዝተኸበረ ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወልቂጤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ዝኾና ወይዘሮ ስሜነሽ ግርማ ከምዝገልፅኦ፤ ባህልናን ክብርታትናን ንምሕላውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስጋር ክንገብሮ ዝግብኣና ብምውፃእ ዝረኽብናዮም ፅቡቅ ዕድላት ብምጥቃም ባህልታትና ምፍላጥ ናይ ኩላትና ንቁሕ ተሳትፎ ወሳኒ ‘ዩ ኢለን።

ኣብዚ በዓል ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ እንትኾን፤ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወልቂጤ ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምስታፍ በዓል መዓልቲ ኣዋልድ ጉራጌ “ነቖ” ከምዘድመቅኦን ከምኡ’ውን በዚ ኣጋጣሚ ባህልታትናን ክብርታትናን ንዓለም ንምፍላጥ ብተግባር ብምስታፍ ኩሉ ግደኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን ‘የን።

ከምኡ ‘ውን ብተመሳሳሊ ቅድም ኢሉ በዓል ኣዴታት ጉራጌ “ኣንትሮሽት” ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ እዣን ኣብ ቀበሌ ቀጣነን ካልኦትን ብተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ዝተኸበረ ኮይኑ፤ እዚ በዓል ኣብ ህዝቢ ጉራጌ ኣዴታት ንምኽባር፣ ንድኻመን ፃዕረንን ኣፍልጦ ንምሃብ ዝግበር በዓል ‘ዩ።

እዚ ባህሊ እናተረስዐን ትኹረት ከይተገበሮ ዝፀንሐ ኮይኑ ሐዚ ግና ብናይ ብዙሓት ወገናት ፃዕሪ ዳግማይ እናተነቃቅሐ ዝርከብ በዓል ምዃኑ እናተገለፀ ይርከብ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *