ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ተወዲበን ይንቀሳቐሳ ነይረን። ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብተለምዶ ፖለቲካ እንትላዓል ደቂ ተባዕትዮ ዝሳተፉልን ዝፍለጥሉ ኣጋጣሚ እንተሃለወ’ውን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ዝተጋደላን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዝመርሓንን ዓብይ ተሳትፎ ዘለዎን ደቂ ኣንስትዮ ውሑዳት ኣይኮናን።

ብዝተፈላለየ ታሪኻት ብፍላይ ድማ ውልቀ ታሪኽ እንተዝፃሓፉ ኣብ ዝተፈላላዩ ፖለቲካ ታሪኻትን ተጋድሎ ታሪኽን ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ እንተኾነ እውን ሓደሓደ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ዘለወን ኣስዋፅኦ ጎሊሁ ንከይረአ እናተገበረ መፂኡ እዩ። ዝሰርሐኦ ስራሕቲ ኣብ ቅድሚት ኾይኑ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ፣ብድሕሪት ኾይነን ስለዝገብረኦ ምንቅስቃስን ዝሰርሐኦ ስራሕትን ጥራሕ ብሙሙጋስ እቶም ኣብ ቅድሚት ዝወፁ ግና ደቂ ተባዕተዮ ከምዝኾኑ ዝፍለጥ እዩ። ከምዚ ኾይኑ’ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ታሪኽ ዘዕረፈኦ ፅዕንቶን ዝቐየረኦ ብዙሓት ለውጥን ከምዘለው ሓቂ እዩ። ብተደጋጋሚ ከምዝላዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስታፈን ዘምፀኦ ለውጢ ቀሊል ኣይኮነን።

ካብ ገዛኢ ፓርቲ ወፃኢ ዘለዋ ኣንስትዮ ማለት እውን ኣብ ተናሓናሕቲ ፓርቲ ዝርከባ ኣንስትዮ ኣብ ምስታፍ ዘለዎን ቦታ ብቑፅሪ ጥራሕ እንተይኾነስ ውሳነ ኣብ ምሃብን ኣብ ቅድሚት ብምዃን ዝስርሑ ስራሕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ መሪሕነት ዘረጋገፀ ዘማእኸለ ክኸውን ኣለዎ።

 ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝጎልሀ ኣስተዋፅኦ እንተነበረ እውን ቀፂሉ ዝመፁ ስርዓት ዘለዉ እዋናት እናዛሓለ ከምዝመፀ ዘረጋግፁ ሰነዳት ኣለዉ፤ ኾይኑ ግና ኣብ ሃገርና ዝበፅሑ ፀገማትን ኹናትን ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ መስዋእትነት ዝኸፍላ ኣንስትዮ ዉሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ደርጊ ንምውዳቕ ኣብ ዝተገበረ ተጋድሎ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ተሳትፎ(30 ሚኢታዊ) ነይርዎን እዩ። ምችው ኣብ ዘይኾነ እዋን እስካብ መወዳእታ ተዓጢቐን መስዋእትነት ዝኸፈላ ኣንስትዮ ዉሑዳት ኣይኾናን፣ኾይኑ ግና ኣብ ኣብዝሓ ታሪኽ ዝዝረብ ወይም ዝፃሓፍ ናይቲ ተጋድሎ ከም ሓገዝቲ ፣ዘበራታትዓ እንበር ቀጥታ ተሳተፍቲ ከምዝነበራ ኣይግለፅን። ኣብ ተሳትፎ ፖለቲካ እንተመፂና እውን ከም ኣባል ብምዃን እምበር ከምቲ ዝድለ ወፂአን ኣብ ቅድሚት ኣብ ምምራሕን ውሳነ ኣብ ምሃብን ትሑት ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። አብ ድሕሪት ብምዃን ዝሰርሐኦ ስራሕቲ ቀሊል ተዘይኾነ እውን ኣብ መሪሕነትን ውሳነ ምሃብን ግና ደቂ ተባዕትዮ ቀዳሞት ኾይኖም እዮም ዝራኣዩ።

መሪሕነት ማለት ሎሚ ኾይንካ ንፅባሕ ብዝሓሸ መልክዕ ንምቕራፅ ኣብ ዙርያኻ ዘለው ሰባት ብምልዕዓል ንክትሓባበሩ ብምግባር ዝመፅእ እዩ፤ኣብ ሓደ ሃገር ዝመፅእ ለውጢ ድኽነት ይኹን ብልፅግና ምውዳቑን ምልዓልን ዓብይ መሰረቱ እትኽተሎ ኣመራርሓን ውሳነን እዩ።

 ዓለም ንተባዕትዮን ንኣንስትዮን ማዕረ እያ። ማዕረ ምሕሳብን ምስራሕን ተፈጥራዊ ውህብቶ እዩ ፤ኾይኑ ግና ዝተፈላላዩ እናተቐያየሩ ዝመፁ ስርዓትን እንነብረሉ ማሕበረሰብን ኣንስትዮ ፖለቲካ ተሳተፎ መራሕቲ ንከይኾና ብዙሓት ፀገማት ነይሮም እዮም። ናብ ድሕሪት ምልስ ኢልና ክንርኢ ከለና ኣንስትዮ ብፖለቲካ ተሳትፎ እዚ እዩ ዘብል ታሪኽ ኣይነበረንን። እንተሃለወ እውን ብጣዕሚ ዉሑዳት እየን። ፖለቲካ ንተባዕትዮ ጥራሕ ከምዝኾነ ገይሮም ዝተፈላላዩ ስርዓትን ዝዓበናሉ ማሕበረሰብን ሰሪሖምዎ እዮም።

እዚ ተሳትፎ ኣንስትዮ ትሑት ንክኾን ዝገበሮ ፖለቲካዊ ፀገም እዩ። ናብ ፖለቲካ መድረኽ ዝመፃ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምብርትታዕን ምሕጋዝን ናብ ምጥርጣር ኣተሓሳስባ ንክፍጠር ምግባር እቲ ሓደ ዕንቕፋት እዩ ። እዚ ኹሉ ሓሊፈን ዝመፃ ፖለቲከኛታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ መወዳእታ ንማእሰርቲ ወይ ድማ ንስደት ዝኾናሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። እዘን ዉሑዳት ዝኾና ኣንስትዮ ብባዕለን ድፍረትን ምልዕዓልን ምንቕስቓስ ክገብራ ኸለዋ ኣብ ሓፂር እዋን ንከቋርፃ ዝገብሩ ኩነታት ኣለዉ እዮም። ብድሕርአን ዘለዋ ኣሰረን ዝኽተላ ሰገናትን መናእሰይን ፖለቲካ ንደቂ ኣንስትዮ ምችው ከምዘይኾነ እናምሃረ ዝመፀ እዩ። ንድሕሪት ንክትብል ዝገብር ኣጋጣሚ እዩ።

ኣብ ሃገርና ልዕሊ ፍርቂ ማሕበረሰብ ዝውክላ ደቂ ኣንስትዮ ብፖለቲካ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታት ተሳተፍቲ ምግባር ኣብ ኩሉ መዳያት ከም ምብፃሕ እዩ ዝቑፀር። እዚ ንምምፃእ ድማ ኣንስትዮ ኣብ ዝሳተፋሉ ዓውዲ ብፍልጠት ፣ብብቅዓት ብዓርሰ እምነትን ዘማለአ ክኸውን ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፋ ኣለወን ስለዝተብሃለ ጥራሕ ፣ደቂ ኣንስትዮ ዘማእኸለ ብምባል ሓሳበን ዘይገልፃሉን ዘይውስናሉን መድረኽ ምፍጣር ኸዚ እውን መዓርነት መፂኡ ማለት ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ መርሕነት ንክህልወን ካብ ጅማሮ ክስራሕ ኣለዎ፣ካብ መጀመርያ ፖለቲካ ኣመላኻኽታ ፣ፍልጠትን ብቅዓትን ትኹረት ክግበረሉ ኣለዎ።

 ኢትዮጵያ ኣብ እትገብሮ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ከም ብልፅግና ፓርቲ 50 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ኣለወን ብዝብል መትከል ስራሕቲ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ ፣እዚ ንክኸውን ግና ብተግባር ምንቅስቓስ ኣድላይ እዩ፤ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፖለቲካ ኣመራርሓ ንምምፃእ ኣብ ኣፈፃፅማ ውስንነት ከምዘሎ ርዱእ እዩ። ዓብይ ለውጢ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ብዙሕ መገዲ ዝኽየዶን ትኹረት ዘድልዮን እዩ ናብ ተግባር ንምምፃእ፤ ሕድ ሕድ ፓርቲ ወይ ድማ ትካል ፅባሕ ዉሑዳት ዘይባሃላ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ንምፍጣር ናይ ኹሉ ተሳትፎ ግድን እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ተመዝጊቦም ፍቓድ ዝረኸቡ ፓርትታት መረፃን ፖለቲካ ተሳትፎን ብዝብል ኣብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ይሃልዎም እምበር ናብ ሓላፍነት ግና ዘምፅኡ ኣይኮኑን።

መንግስቲ ከምዝሓሰቦ ኣብ ሃገራዊ መረፃ 2013 ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ናይ ምውሳኽ ዕድል ከምዝህልዎ ይግመት። ኣብ 1987 ዓ.ም ኣብዝተኻየደ መረፃ 1.8 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እየን ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ነይረን፣ኣብ 2002 ዓ.ም ድማ በዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ተወከልቲ ህዝቢ 12.4 ሚኢታዊ ነይሩ። ኣብ ኣብ ሓምሻይ ዘበን ፖርላማ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ 38.8 ሚኢታዊ ከምዝበፀሐ ዝፍለጥ እዩ። ቅድሚ ኸዚ ኣብ ዝነበረ መረፃ ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸን ፣በዚ ኣካይዳ እንተቐፂሉ ናብ ዝሓሸ ዕድል ከምዝሰግር ተስፋ ዝህብ እዩ ። ኣብ መድረኸ ደቂ ኣንስትዮ ንክረአያን መዓርነት ብትኽክል ንክረጋገፅን፣ እዚ ንኽመፅእ ገዛኢ ፓርትን ተናሓናሕቲ ፓርትታትን ዓብይ ስራሕ ዝፅበዮም እዩ። ኣባል ደቂ ኣንስትዮ ናብ መድረኽ ኣውፂኦም ብዛዕባ ሃገራዊ ኣጀንዳ ንክምህራን ንክዛረባን ምፍቃድን ምስሓብን ኣለዎም ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካ ባህሊ ንደቂ ኣንስትዮ ምችው ብዘይምዃኑ ሃገራዊ ስልጣን ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሕሰብ ንደቂ ተባዕትዮ እዩ፣ትልሚ ዝግበር እውን ብደቂ ተባዕትዮ እዩ። እዚ ኣመላኻኽታ ዘብፀሖ ፅዕንቶ ጠጠው ንምባልን ንምክልኻልን ሰፊሕ ግንዛበ መትሐዚ መድረኻት የድልዩ እዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ሕጊ ዘለዉ ጥንቃቐ ምግባርን መንግስቲ እውን ንቲ ሕጊ ምኽባርን ምፍፃምን ክኽእል ኣለዎ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝግበር ሃገራዊ መረፃ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መረፃ ንቁሕ ተሳተፍቲ ንክኾና ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ፅንዓት ኣብ ዘቕመጦ ንደቂ ኣንስትዮ ተኸራኸርቲ ፣ሲቪል ማሕበረሰብን ልዑል ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ኣለዎም ፤እዞም ኣካላትን ፖለቲካ ፓርትታትን ዘለዎም ሓላፍነት ብምግላፅ ማዕርነት ፆታ ንክኽበር ኣብ ምግባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣመራርሓ ዘለወን ተሳትፎ ፖሊሲ ቅዋም ብምሓዝ ብዙሕ ስራሕ ክሰርሑሉ ትፅቢት ይግበር እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ፣ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ዘለወን ዕድላት ማዕረ ተሳትፎ ንክህልወን ካብዙ ቀፂሉ ዝመፅእ ፍረ ድማ ማዕረ ንክካፈላ ፉሉይ ዝኾነ ሓገዝ ክዋሃበን ኣለዎ። ኣብ ሃገርና ካብ ማህበረሰብ ፣ኣብ ከባቢና ዘሎ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ቑብልን ዘይቅቡልን ኣመለኻኽታ ዓብይ ፅዕንቶ ዘሕደረ እዩ። ሐዚ እናርእናዮ ዘለና ዝዓበናሉ ማሕበረሰብ እዩ ፣ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድልየት እንተሃለወን፣ተማሂረን ፍልጠት እውን እናሃለየን እዚ ንምኽፋል እንተደለያ እውን ማሕበራዊ ህይወተን ንድሕሪቲ ዝመልሰን ናብ ዝደልየኦ ርሕቐት ንከይጓዓዛ ቆልዓ ኣተዓባብያ፣ሓላፍነት ገዛ ኣብ ፖለቲካ ህይወተን ፅዕንቶ ኣለዎ።

ኣብዚ ኸዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክብ ንምባል ብልፅግና ፣ኢዜማን ኢህኣፓን ናይ ባዕሎም ምንቅስቓስ ዝጀመሩ እንተኾነ እውን እዚ እኹል ከምዘይኾነ ዝምልከቶም ኣካላትን ኣባል ፓርቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላላየ መራኸቢ ሓፋሽ እናገለፃ ይርከባ። ብዓለም ለኸ ይኹን ኣብ ሃገርና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ክኾን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብዝተፈላላዩ ኣጋጣሚ እንተተገለፀ እውን ኣብ ተግባር ግና ከምቲ ዝባሃል ዘዕግብ ኣይኮነን። ኾይኑ ግና ካብ ዝነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝሐሸ ለውጢ ጅማሮ ከምዝኾነ ግና ዝካሓድ ኣይኮነን። እዚ ለወጢ ሕድሕድ ደቂ ኣንስትዮ ኣጋጣሚኡ ብምጥቃም ኣብ ተሳትፎ ፖለቲካ ናይ ባዕላ ዝኸነ ዓሻራ ክተዕርፍ ዓጢቓ ክትላዓል ኣለዋ።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You