
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዓምዲ እዋናዊ ዛዕባና ትኹረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ምዕራፍ ዘተ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ትካላት ፌዴራልን ማሕበራትን ‘ዩ። ኣብዚ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ማሕበራት፣ ትካላትን፣ ውድባት ፖለቲካ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲን ማሕበረሰብ ኣንቃሕቲን ከምኡ ‘ውን ትካላት ዴሞክራሲን ሃይማኖትን፣ ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን፣ ትካላት ሚዲያ ከምኡ ‘ውን ተወከልቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዋና ዋና ዝተልዓሉ ሓሳባትን ዝሓለፉ መልእኽታትን ከምዝስዕብ ኣቕሪበናዮም ኣለና።
ኣብዚ መድረኽ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ተረኺቦም ዘጀመሩ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኸክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ(ፕ/ር) ከምዝበልዎ፤ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ንኹሉ ሰዓራይ ዝገብር ብሕታዊ መንገዲ ምዃኑን ፀገማት ብዘተ ዘይምፍታሕና ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና ‘ዩ፤ ሰለዚ ፀገማት ንክፍጠሩ ፍልፍል ዝኾኑ መበገሲታት ብሓባር ተዘራሪብካ መፍትሒ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ ዘይምርድዳኣት ከይተፈትሑ ንዘበናት ተሻጊሮም ‘ዮም። እዞም ፀገማታትና ብዘተ እንተዘይፈቲሕናዮም ድማ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ፈተና ክትወድቅ ትኽእል ‘ያ፡፡
ኢትዮጵያ ብምትሕስሳብን ርህራሀን እትፍለጥ ሃገር ምዃና ዝሕብሩ ፕሮፌሰር መስፍን፤ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ተፈናቅሎም ንዝኸፈአ ፀገም ተሳጢሖም ይረከቡ ኣለው። ይኹን ‘ምበር እዞም ፀገማት ሎሚ ዝተፈጠሩ ዘይኮኑስ ንዘበናትን እናተሻገሩ ዘመፅኡ ‘ዮም። እዞም ንናይ ሓባር እሴታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈታተኑ ዘለው ፈተናታት ዝመፅኡ ብምዝርራብ ፀገማት ናይ ምፍታሕ ልምዲ ብዘይምምዕባልና ‘ዩ። ስለዚ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያትና ኮፍ ኢልና ብምዝርራብ ክንፍትሖም ክንኽእል ኣለና ክብሉ ‘ዮም ኣረዲኦም፡፡
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ዕጡቃት ኣካላትን ዝተወሰኑ ውድባት ፖለቲካን ኣብ ኸይዲ እቲ ምኽክር ብዘይምስታፎም እቲ ኮሚሽን ከምዘተሓሳስቦ ብምሕባር፤ እቲ ኮሚሽን ኸይዲ እቲ ምኽክር ንኹሉ ዝሓወሰ ንክኽውን እናሰርሐ ከምዘሎን ኣብ ቃልሲ ዕጥቂ ዘለውን ኣብቲ ምኽክር ዘይተሳተፉ ሓይልታትን ሓዊሱ ኣብ ሓበራዊ ሓሳብ ዘመእኸለ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ግደኦም ክፃወቱ ኣለዎም ኢሎም፡፡
እቲ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ነቲ ህዝቢ ብምስታፍ እናሰርሐ ከምዘሎን፤ ክሳብ ሐዚ ‘ውን ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሑ ብምሕባር፤ እቶም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንምልቃቅ እናተቃለሰት ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሰላም ደው ንክትብል ዝስትውዓሉ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ሃናፂ ሓሳባት ንከዋፅኡ ‘ውን ፃውዒት ከምዘቅረቡ ተፀብፂቡ ‘ዩ፡፡
ኸይዲ ሃገራዊ ዘተ ክሳብ ሐዚ ካብ 11 ክልላትን ካብ ክልተ ምምሕዳራት ከተማታትን ብድምር ካብ ሓደ ሽሕን 120 ጣብያታት ዝተኣኻኸቡ 13 ኣጀንዳ ሰነዳት ብምውዳድን ብብርኪ ሃገር ተሳተፍቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ ተዛዚሙ ‘ዩ። ድሕሪ እዚ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ትካላት ፌዴራልን ማሕበራትን መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተረፈ ክልል ትግራይ ‘ውን ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክካየድ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡
ምስ ምእካብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ዘተ ዝተዛመደ ኣብ ቀፃሊ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ንምግባር ከንሰርሕ ኢና ብምባል፤ እቲ ዘተ ሓቛፊ ስለዝኾነ ክልል ትግራይ እንተይሓዝና ናይቲ ዘተ ዕዉትነት ኣይሕሰብን ከብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስለዝኾነ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮሚሽን ዝሰርሖ ተግባር ‘ዩ ኢሎም።
ከምኡ ‘ውን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ‘ውን ኣጀንዳ ናይ ምእካብ መርሃ ግብሪ ክካየድ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ ማእሰርትን ኣብ ስደትን ዝርከቡ ኣካላት ኣብቲ ምኽክር ንኽሳተፉ ዝምልከቶም ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲቶም ‘ዮም። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሐ መስርሕ ምምኽኻር 38 መዳርግቲ ኣካላት ብወከልቶም ኣቢሎም ተሳቲፎም፤ ብደረጃ ሃገር ኣብ ስምምዕነት ክበፅሑ ኣለዎም ዝበሎም ኣጀንዳታት ናብቲ ኮሚሽን ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኮሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልታት ከካይዶ ዝፀንሐ መስርሕ ምምኽኻር መዳርግቲ ኣካላት ፌደራል ዝዛዘመ እንትኾን፣ እቲ ኮሚሽን ካብ መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንዳ ተቐቢሉ። እቲ ስነ-ስርዓት ድማ ብመዳርግቲ ኣካላት ብዝተመረፁ ወከልቲ ኣካይዱ ‘ዩ።
ትካላት ፌዴራልን ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንድኦም ንሃገራዊ ኮምሽን ምኽክር ከምዘረከቡ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኸክር ኢትዮጵያ መስፍን አርዓያ(ፕ/ር) ገሊፆም። እቲ ምዕራፍ ዘተ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብዕውት ምዝዛሙ ብምሕባር ፤ ኣብቲ ምኽክር ምዕራፍ ልዕሊ 38 ትካላት ምስታፎምን፣ ክሳብ ሐዚ ዝተኣከቡ ኩሎም ኣጀንዳታት ‘ውን ናብቲ ናይ ኮሚሽን ማእኸል መአከቢ ሓበሬታ ከምዝኣተውን ኣብ ዝቅፅል ኣብ ዝካየድ ዋና ጉባኤ ምኽክር ኣብቶም ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ኣብ ምርድዳእ ከምዝብፅሐሎም ኣብሪሆም።
እዚ ኮምሽን ብህዝባዊ ዘተ ኣጀንዳ ዝእክበሉ መበል 14 መድረኽ ኮይኑ፣ ኣጀንዳ ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ክልል ትግራይን ንምእካብ ዝሰርሖ ስራሕ ቀፃሊ ‘ዩ።
ካብ ሃገር ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝሳተፍሉ ኣጀንዳ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ኣብ ዝቅፅል ዝፍፀም ዝቀረየ ስራሕ ምዃኑ ብምሕባር፤ ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ኸይዲ ዘይተሳተፉ ውድባት ፖለቲካን ኣብ ቃልሲ ዕጥቂ ዝረከቡ ዘለው ወገናት ኣጀንዳታቶም ናብቲ ናይ ምኽክር መአከቢ ሓበሬታ ከእትው ፃውዒት ኣቅሪቦም ‘ዮም።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኸክር ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረሥላሴ ብወገነን ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቶም ትካላት ንቁሕ ተሳትፎ ዝተገበረሉን እቲ ኸይዲ ‘ውን ኣብ ዘረዳድኡና ጉዳያት ብምዝርራብ ኣብ ናይ ሓባር ፀገማትና ብሓድነት መፍትሒ ምድላይ ከምእንኽእል ብጭቡጥ ዘርኣየ ነይሩ ኢለን።
በቢብርኩ ዝተኻየደ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዕውት ምዃኑ ዝሓበራ እተን ኮሚሽነር፣ ክሳብ ሐዚ ብዘለና ርድኢት ብኣሳታፊነቱ፣ ሓቋፊነትን፣ ብስፍሓቱን ኣብ ዓለምና ካብ ዝተኻየዱ ሃገራዊ ምኽክራት ኩሎም እቲ ዝዓበየ ከምዝኸውን እምነት ኣለና ብምባል፤ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ብሓንቲ ፀሓይ ተጀሚሩ ከምዘይውዳእን ሃገራዊ ምኸክር ኢትዮጵያ ኣብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳታቱ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ምርድዳእ እናተፈጠረሎም ዝመፅአ ስለኾነ መወዳእትኡ ‘ውን ፅቡቅ ክኸውን ‘ዩ ከምዝኣመና ገሊፀን ‘የን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣዩ ዘይምርድዳእ ዝፈትሕሉ መንገዲ ብዝሰልጠነ መገዲ ብዘይምዃኑ ንሃገር ዋጋ የኽፍል ኣሎ ዝበሉ ኮሚሽነር ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ዘገየ ኣስፋው፤ ከም ሃገር ኣብ ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎም ጉዳያት ሰፊሕን መሰረታዊን ምዃኑ ብምሕባር÷ ዘይምርድዳእ ሓድነት ብምሽርሻር ብሓባር ሰሪሕና ካብ ድኽነት ከይንናገፍ ገይሩ ‘ዩ ኢሎም፡፡
ስለዚ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ንምትእምማን ምዝታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፣ ነዚ ድማ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ከይዲ ዘተ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ ብምባል፤ ፅዕንቶ ፈጠርትን ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብን ንከይዲ ዘተ ውፅኢታዊነት ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ተሳተፍቲ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ትካላት ፌዴራልን ማሕበራትን ብሓባር ብተዋፅኦ ሓሳብ ዝፀንዐት ሃገር ንወለዶ ንምርካብ ናይ ሎሚ ፀገም ብልዝብ ምፍታሕ ናይ ኩልና ብፅሒት ‘ዩ ኢሎም። ነዚ ድማ ዝድለ እጃም ንምውፃእ ብንቕሓት እናተሳተፉ ከምዝርከቡን። ዝነበሩ ፀገማት ብሓበራዊ መድረኽ ዘተ ምፍታሕ ንኽከኣልን መሰል መድረኻትን ንኽፍጠሩ ንዘበናት ትፅቢት እናተገበረሉ ከምዝፀንሑ ገለ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ምግላፆም ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።
ሎሚ ዝተረኸበ ዕድል ብምጥቃም ንፅባሕ ኣብ ሓሳብ መሰረት ዝፀንዐት ሃገር ንምህናፅ ካብ ኩሎም ትፅቢት ዝግበር ሓላፍነት እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ እቶም ተወከልቲ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ተገሊፁ ‘ዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንክትነብር ወሳኒ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ትዝቲ ኣላ ክብል ኣብ መግለፂኡ ዝሓበረ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፤ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ናይ ሓባር ኩለ መዳይን ሕልኽላኽን ዝኾኑ ፀገማቶም ብዘተ ንምፍታሕ ቆራፅ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝተልዓልሉ እዋን ‘ዩ ብምባል፤ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘተ ብገለልተኛ ንክፍፅም ዝጀመሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሁ።
ሃገርና ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ብፍላይ ንብዙሕ ዘበናት ክትሕቆንን ብዘሰክፉ ጎንፅታት ውሽጢ ክትሓልፍን ፀኒሓ ‘ያ ዝበለ እቲ መግለፂ፣ በፍላይ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣዝዮም መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ብመራሕቲ ፖለቲካን ሓሳብን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ከምዝነበረ ገሊፁ።
እዞም ዘይምርድዳኣት በቢዘበኑ እናፈታሕና ዝመፃእናሉ መገዲ ዘላቒ ምትእምማን ብዝፈጥር መልክዑ ብዘይምንባሩ ካብ ወረ ኲናትን ጎንፅን ብዘላቕነት ንከይንወፅእ ከምዝገበረና ‘ሙን ‘ዩ ብምባል፤ ብመሰረት እዚ ከም ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ብዘይምዝታይና ዘዛመዱና ክብሪታት ንዝሽርሽሩ ኣካላት ምቹው ኩነታት ክንፈጥር ፀኒሕና ኢና ከብል እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።
ነዚ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ኣፈላላይናን ዘይምርድዳእናን ሰፋሕቲ ሃገራዊ ዘተታት ህዝቢ ሓቛፊ ብዝኾነ መልክዑ ብምክያድ ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ኣድላዪ ብምዃኑ ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ተጣይሹ ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብመሰረት ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብ 11 ክልላትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳተፍቲ ዘሳተፉ ዘተታት ምክያዶም ገሊፁ ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም