‹‹ሰላም ብኽባር ዋጋ ዝርከብን ብዝኽበረ ዋጋ ዝሕለውን ብጣዕሚ ኣድላይ ነገር ‘ዩ›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሻድሻይ ተወከልቲ ህዝቢ ሳልሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት መሰረት ብምግባር መብርሂ ወይ ምላሽ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ካብ ዘልዐልዎም ዛዕባታት ሰላምን ፀጥታን፣ኢኮኖሚን ዲፕሎማሲን ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሰረት ገይሮም ዝሃብዎ መብርህን ምላሽን እተን ዋና ዋና ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ሰናይ ንባብ፡፡

ጉዳይ ሰላም

ኣብ ፀጥታን ሰላምን ጉዳይ ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ንእሸተይ ትኹረት ክገብር እደሊ። ካብ ኩላኹም ከምዝተልዓለ ሰላም ንንሓሶቦ ልምዓትን ንንሓሶቦ ብልፅግና ሓባርነትን ብጣዕሚ ኣድላይ ነገር ‘ዩ። ሰላም ብኽባር ዋጋ ዝርከብን ብዝኽበረ ዋጋ’ውን ዝሕለውን ብጣዕሚ ኣድላይ ዝኾነ ኮሚዲቲ ‘ዩ።

ሰላም ኣብ ዘይህልወሉ ኩነታት ዓብዪ ነገር ምሕሳብ፣ ምሕላምን ምትላምን ኣፀጋሚ ‘ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን ፀጥታን ዝህውኹ ኩነታትን ዋና ዋና ጉዳያት እንታይ ‘ዮም እንተይልና ቀዳማይ ኣብ ኢትዮጵያ ድልየት ፖለትካን መሳኽዒ ብልሓትን ልምምድን ፀገም ኣሎ።

ሓደ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ናይ ፖለቲካ ድልየት እንትህልዎ፤ ተደራጅዩ ሓሳብ ሒዙ ብሓሳብ ኣሸኒፉ ስልጣን ናይ ምሓዝ ልምምዱ ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ስልሳ ዓመት ልምምድ ዘይተርኣየ ብምዃኑ፤ ከም ባህሊ እናተወሰደ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሓይልታት ድልየቶም ዘሳኽዑ ብሓሳብ ዘይኾነስ ብዕጥቂ ምድላይ ምዃኑ እዚ ልምዲ ሓደገኛ ስብራት ካብ ዝኾኑ ሓደ ‘ዩ።

ካልኣይ ድማ ናይ ፀገም መፍትሒ መንገዲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ኣብ ውልቀሰባት ጉጅለታትን ህዝብታትን ፀገም እንትፍጠር ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብምዝርራብ ብምዝታይን ብሽምግልናን ናይ ምርኣይ ልምምድ እናቀነሰ ብምምፅእ ‘ዩ።

ሳልሳይ ናይ ሰላም ጅማሮታት ኣብ ዝህልውሉ እዋን ብዝኾነ ይኹን ብየማን ይምፃእ ብፀጋም ኣብቲ መንገዲ ሰላም መፃወዲ ምቅማጥ ‘ዩ። ንሰላም ዝግበር ጉዕዞ ኣይዞኻ በርትዕ ዝብል ዘይኮነስ መፃወዲ ዕንቅፋት ብምቅማጥ ንድሕሪት ንክምለስ ዝግበር ልምምድ እናሰፍሐ ምምፅኡ ‘ዩ። እዞም ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ሓድነትን ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ረብሓ ጉዳይ ዝለዓሉ ጉዳይ ተዝኾን ምንም ኣይኮነን ነይሩ።

ኣብዝሓ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ማእኸል ዝገበረ ጉዳይ ግና ኣይኮነን። ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ገይሩ ዝተልዓለ ተዝኸውን ነይሩ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተጠቃምነት ኣብ እንገብሮ ሙከራ ሙሉእ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈታዊ ኢትዮጵያ ኩሉ ‘ውን ብቅኑዕ ዓይኒ ዝምልከት ክኸውን ነይሩ ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር ሓድነት ኢትዮጵያን ብሄራዊ ረብሓ ማእኸል ዘይገበረ ናይ ውልቀ ሰባት ረብሓ ወይ ንረብሓ ጉጅልኦም ክብሉ እዞም ወስንቲ ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ወሰንቲ ነገራት ንወሰን ስለዝደፍኡ ብቀሊሉ ናብ ጎንፂ እናኣተና እንቀታተለሉን እንጎዳድአሉን ልምዓትና ዝትዓነቀፈሉ ኩነታት ዝፍጠር ዘሎ።

ምስ ድርድር ሰላም ተተሓሒዙ ኣብዝሓ ግዜ ድርድር ሰላም እንታይ ኣምፂኡ ድሕሪ ድርድር ሰላም እንታይ ተረኺቡ ዝብል ይልዓል ‘ምበር፤ ካብ ኹናት እንታይ ኣትሪፍና ዝብል ኣይረኣይን። ከንዛተየሉን ዝነብረና ናብ ውግእ ኣቲና ሓደ ንሓው ንካልእ ሓው ቀቲሉ ኣቁሲሉ እንታይ ኣትሪፍና ኣየናይ ድልየትናን ሕቶናን መልሲ ረኺቡ ኢልና ተንግምግምን ተንትንትንን ካብኡ ቀፂልና ሰላምስ እንታይ ኣምፂኡ ተንብል ዝተማልአ ክኸውን ነይሩ። ኣብዝሓ ግና ድርድር ሰላም እንታይ ኣምፂኡ ዝብል ‘ዩ።

እዚ ብሙዃኑ ምኽንያት ብጣዕሚ እንደልዮ ሰላም ዘይኮነስ ጎንፂ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘመላኽት። ብዙይ ኣግባብ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝግባእን ብዘይግባእ ብቀሊሉ ብዝፍታሕ ኹሉ ጎንፂን ውግእን ይርኣይ። ንኣብነት ናይ ሸኔ እንትርኢና ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ንሰላም በሪ ዝኸፍት ዘይኮነስ ጥፍኣት ምዃኑ፤ ካብዚ ወፂኡ ንሰላምን ልዕልነት ሓሳብን ድልዊ ክኸውን ኣለዎ።

ሸኔ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ንሰላም በሪ ዝኸፍት ዘይኮነስ ጥፍኣት ብምዃኑ ካብዚ ወፂኡ ንሰላምን ልዕልነት ሓሳብን ድልዊ ክኸውን ከምዘለዎን ጠበንጃ ተዓጢቕካ ናይ ባዕልኻ ህዝቢ ብምስቓይ “እቃለስ ኣለኹ” ምባል ትርጉም ዘይብሉ ኣካይዳ ‘ዩ። ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝገብሮ ዘሎ እዚ ‘ዩ ፥ ይኹን ‘ምበር ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ ብምርጫ፣ ዴሞክራሲ እንተዘይኮይኑ ድሕረ ሐዚ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ስልጣን ሒዝካ ምምሕዳር ኣይከኣልን።

ጉዳይ ክልል ኣምሓራ

ብኣንፃር ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ከምዘልዐልክዎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ኩሎም ዞባታት ብዘይካ ከሚሴ ምስ ህዝቢ ናይ ምዝታይ ዕድል ረኺበ ነይረ ‘የ። ብተደጋግሚ ካብ ኣምሓራ ዝውለዱ ሙሁራት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሰብ ሃፍቲን መናእሰይን ዘተ ናይ ምግባር ዕድል ረኺበ ‘የ።

ኣብዞም ናይ ዘተታት እዋን ብኣብዝሓ ኣብ ኩሉ ከባቢ ናይ ሓባር ብዘብሃል ኩነታት ዝልዓሉ ሰለሰተ ሕቶታት ኣለው። እዚኦም ድማ ሓደ ብልምዓት ተጎዲእና ንድሕሪት ተሪፍና ኢና ዝብል ‘ዩ። ካልኣይ ህገ መንግስቱ ኣግሊልና ‘ዩ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ የድልየና ‘ዩ ዝብል ኮይኑ ሳልሳይ ድማ ሕቶ ወሰን ይግበአንን ዝብሉ ሕቶታት ‘ዮም። ካብዚ ብተውሳኺ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ድማ ከከም ከባቢኡ ዝልዓሉ ነይሮም ‘ዮም።

እዞም ሕቶታት ኣደራጂና ምስ ሓዝና ሕቶታት ህዝቢ ኣምሓራ ኣቅሊልና ብምርኣይ ዘላቂ ሰላም ኣይመፅእን ሕቶታት ክንምልስ ኣለና ኢልና ቆራፅ ቅዋም ነይሩና። ንኣብነት ልምዓት ብዝምከት ብዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራ 53 ፕሮጀክትታት መንገዲ ተሊምና ስራሕ ጀሚርና ኢና። ‘ዞም ፕሮጀክታት 3200 ኪሎሜትር ዝሽፍኑ ‘ዮም።

ጣልያን ኣብ ሃገር ኣብ ዝነብረሉ ሓሙሽተ ዓመት ዝሰርሖ ዓቢ ልምዓት ስራሕ 6000 ኪሎሜትር መንገዲ ‘ዩ ሰሪሑ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ ልዕሊ 3200 ኪሎ ሜትር መንገዲ ስራሕ ተጀሚሩ ‘ዩ። ካብዚ ውሽጢ 1300 ኪሎሜትር ተዛዚሙ ስራሕ ጀሚሩ ‘ዩ። ድልድይ ባህርዳር ጥራሕ እንተወሲድና 2 ነጥቢ 4 ቢልዮን ኣውፂና ንስርሕ ኣለና። ከምዚ ድልድይ ዝበለ ብግዝፈቱን ፅርየቱን ብመጠን ገንዘቡን ብሃገር ብርኪ ተሰሪሑ ኣይፈልጥን።

እዚ ዝስራሕ 3200 ኪሎ ሜትር መንገዲ ከምቲ ናይ ቀደም ኣምሓራ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ዘራኽብ መንገዲ ኣይኮነን። ሚእቲ ብሚእቲ ብዘብል ብርኪ ኣምሓራ ምስ ኣምሓራ ኣብ ዞባን ወረዳን ዘራኽብ መንገዲ ‘ዩ። ቅድሚ ሐዚ ናይ ፌደራል መንገዲ ዝብሃል ካብዚ ንመቐለ ወይ ንጎንደር ዝኸይድ ወይ ካብ ጎንደር ብመተማ ገይሩ ንሱዳን ዘሻገር ‘ዩ ዝኽእል ነይሩ።

እዚ ማለት ኣብ ክልል ውሽጢ ልምዓት ንክነቃቃሕ ይገብር ሕቶታት ህዝቢ ‘ውን ንክምለስ እንገብሮ ፃዕሪ ዘመላኽት ‘ዩ። እዚ ጉዳይ ብኣንፃር ዘድሊ መንገዲ እኹል ‘ዩ ዘብል እንተዘይኮነ ‘ውን ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ኣምሓራ ንምምላስ ግና ብዙሕ ርሕቀት ከምዝኸደ ዘርኢ ‘ዩ።ብሓፈሻ ኣብ ልምዓት ወገን ብመንገዲ፣ ብቱሪዝም፣ ብግብርናን ኢንዱስትሪን ዝተሰርሑ ስራሕቲ እቲ ህዝቢ ካብ ዘልዐሎም ሕቶታት ናይ ልምዓት ሕቶ ቀዳምነት ስለነበረ ብዘለና ውስን ዓቅሚ ብምስራሕ ዝተረጋግአን ዘላቂ ሰላም ንክህልው ‘ዩ።

ካሊእ ኣብ ዝተልዓለ ሕቶ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ጉዳዩ ‘ዩ። ቅድም ኢሉ ቅድሚ ለውጢ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ዝብሃል ኣይልዓልን ነይሩ። ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ብኦሮምያ በሶማልያ ብዝተፈላልየ ክልላት ይልዓል ‘ዩ። ስለዚ ሕቶ ሕገ መንግስቲ ንኹሉ ብዘሳትፍ መገዲ ዘተ ተገይሩሉ ዘላቂ ብዝኾነ መንገዲ ሕገ መንግስቲ ተነመሃይሽ ዘላቂ መልሲ ዝረክብ ይኸውን ዝብል ‘ዩ።

ሳልሳይ ዝተልዓለ ሕቶ ምስ ወሰን ተተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ብዝተፈላለየ ይሕተት ነይሩ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሓተቲ ዝእሰሩሉን ምሕታት ከም መብት ዘይቆፀረሉ ‘ዩ ነይሩ። ብትግራይን ብኣምሓራን ዘሎ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘላቂ ሰላም ብዘረጋግፅ ብዘተን ልዝብን ተዝኸውን ይሓይሽ ዝብል ‘ዩ።

ትግራይ ብሓይሊ ሒዘ ክወስዶ እንተኢሉ ናይ ግዜ ጉዳይ ‘ምበር ዘላቂ ክኸውን ኣይኽእልን። ክልቲኦም ህዝብታት ዝነፃፀሉ ኣይኮኑን። ሓቢሮም ዝነብሩ ኣልዒልና እነቀያይሮ ኣይኮነን። ዘሎ መፍትሒ ብዝሰኸነን ብዘተን ሽማግለታት፣ ሙሁራት ተሓዊሶሞ ዘላቂ ሰላም ብዘረጋግፅ ተዝኸውን ይሓይሽ።

ክሳቡ ግና እቲ ዘተን ሪፈረንደምን ክሳብ ዝግበር፤ ዋና ዋና ተዝምለሱ ካብ ዝበልናዮም ሓደ ‘ቶም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ‘ዮም ናብ መረበቶም ይመለሱ። ካልኣይ ህዝቢ ዓርሱ ብዓርሱ ናይ ምምሕዳር ሕገመንግስቲ መብቱ ስለዝኾነ ብውክልና ክንገዝኦ ስለዘይንኽእል እቲ ተመሊሱ ምስ ሰፈረ ዓርሱ ንዓርሱ መሪፁ ንከመሓድር ንግበሮ ንግዚኡ።

ሳልሳይ ብሙሁራን፣ ብኣቦታት ሃይማኖትን፣ ብዓበይቲ ዓዲን ምናእሰይን ዘተ እናገበርና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝቢ ዘሎ ሕቶታት ንኹሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ብዘሳትፍ መገዲ ዘተታት ክካየድ ብምግባር ብሪፈረንደም እቲ ህዝቢ ናብ ዝደለዮ ንኽጠቃለል ንግብር።

እዚ እንተገይርና ዘላቂ ሰላም ክነምፅእ ንኽእል። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኣማራፂ ግና እዋናዊ ‘ምበር ዘላቂነት ኣየረጋግፅን ኢልና ኣቋም ወሲድና ንኽልቲኣን ክልላት ኣዘራሪብና ስራሕ ክንጅምር እንትንዳለው ምጭቅጫቅ ተጀሚሩ።

ውዕሊ ፕሪቶሪያ

ትግራይ ብዝምልከት ምስቲ ድርድር ተተሓሒዙ እቲ ድርድር ግልፂ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ናይ ኣምሓራ እንትኾን ኦሮሞ የልዕሎ ናይ ኦሮሞ እንትኾን ኣምሓራ የልዕሎ ናይ ትግራይ እንትኾን ካሊእ የልዕሎ እዚ በዓል ዋና ዘይኮነስ ካሊእ ኣይተወከልኩን ኢሉ የልዕል ይኹን ‘ምበር ትኽክል ኣይኮነን።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ምስ ተገብረ ንህዝቢ ብዕሊ ግልፂ ኮይኑ ‘ዩ ዝኾነ ዝተሓብ ነገር የብሉን። ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ነዚ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ኣብዚ መፂኦም ምሉእ መረጃ ሂቦም ኣዛትዮም ‘ዮም። ሕብረት ኣፍሪካ’ውን ኣደራዳሪ ስለዝነብረ እቲ ድርድርን ስምምዕነትን ንመላእ ዓለም ብኦንላይን ዘርጊሕዎ ‘ዩ። ዝኾነ ዝተሓብ ነገር የለን ብድርድር ብሂብካ ምቅባል ፀገምና ንፍታሕ ‘ዩ ዝተብሃለ።

ድሕሪ ድርድር እንታይ ተረኺቡ ንዝብል ጉዳይ ድማ ብተደጋጋሚ ሕቶታት ስለዝልዓል መንግስቲ ፌደራን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባር ብጣዕሚ ብዙሓት ዓወታት ተመዝጊቦም ‘ዮም። ኣቅሊል ኣቢልና እንሪኦም ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና።

እቲ ዓወት ብናይ መንግስቲ ፌደራል ጥራሕ ዝመፅአ ኣይኮነን። እቲ ዝተመስረተ ግዝያዊ መንግስቲ ልዑል ፃዕሪ ገይሩ ዝርኸብናዮም ዝበረታትዑ ዓበይቲ ዓወታት ኣለው። ክስርሑ ዘለዎም ዘይተማልኡ ብዙሓት ስራሕቲ ‘ውን ኣለው ‘ዮም።

ሰላም ከብ ዘምፅኦም ኣየር መንገዲ ሓደ ‘ዩ። ብፍርቂ ቢልዮን ብር ዝኸውን ገንዘብ ኣውፂእና መዕርፎ ነፈርቲ ብምፅጋን ትራንስፖርት ነፈርቲ ምጅማር ተኻኢሉ ‘ዩ። እዚ ድማ ንብዙሓት ተገልገልቲ እፎይታ ኣትሪፉ ‘ዩ።

ካሊእ ድማ ብኣማኢቲ ሚሊየናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ብምግባር ኣገልግሎት ቴሌኮም ተጀመሩ ‘ዩ። መብራህቲ ብዝምልከት’ውን ዝተጎዱኡ ፅገና ብምግባር ግልጋሎት ንክጅመር ተገይሩ ‘ዩ።ባንኪ ጥራሕ እንተወሲድና ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ባንኪ 10 ቢሊየን ብር ጥረ ገንዘብ ብምሃብ ኣብ ክልል ትግራይ ባንኪ ግልጋሎት ተጀመሩ ‘ዩ።

እዚ ግና ሙሉእ ኣይኮነን ቀስ በቀስ እናተመሓየሸ ዝኸይድ ‘ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ግልጋሎት ኮሚንኬሽን መንግስቲ ዘውፅኦ ዝተገብሩ ዝርዝር ስራሕቲ ቴሌኮም መብራሕቲ ኣብዚ ኣይተኻተተን። ውስን ጉድለት ከምዘሎ ኮይኑ ዳርጋ ኩሎም ዩኒቨርስትታትን ሃይስኩል ቤት ትምህርታትን ስራሕ ጀሚረን ‘የን።

ትካላት ጥዕና ‘ውን ግልጋሎት ይህባ ኣለዋ ‘የን። ኢንዱስትሪ ብዝምልከት 217 ፋብሪካታት ስራሕ ጀመረን ‘የን። ግብርና ብዝምልከት ብተመሳስሊ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብዙሕ ሃገዝ ተገይሩ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብፍሉይ መልክዕ ናይ ወፃኢ ምንዛረ ብምፍቃድ 500 ትራክተር ተገዚአን ጁቡቲ በፂሐን ኣብ ምእታው ይርከባ ኣለዋ።

ልዕሊ 300 ፓንፖታት ተዋሂቡ ‘ዩ። እዚ ኹሉ ሱቅ ኢሉ ዝመፅአ ኣይኮነን። ይኹን ‘ምበር ትግራይ ምስ ዘሎ ፀገም እኹል ድዩ እንተተባሂሉ ግና ገና ኣብ ቀፀልቲ ዝስርሑ ስራሕቲ ስለዘለዉ በምትሕብባርን ዘተን ምስራሕ ይግባእ።

ትርኽቲ ምቕያር

ከም ዓድዋ ዘተኣኻኽብ ተረኽ የድልየና፤ ንሕና ቤት ማእሰርቲ ከይኮነ ፓርክ ኢና ንሃንፅ ዘለና፤ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምፅናሕ ንድኻ መንግስቲ ኣየዋፅእን ፡፡ መፃኢ ዘመን ሓደገኛ ‘ዩ፤ እክብ እንትዘይልናን ትካል እንተዘይሃኒፅናን ብዙሓት ሓይልታት ከዳኽሙና ‘ዮም ዝደልዩ፤ ድኽነት እነራግፎ ብስራሕ ‘ዩ፡፡

ካባና ብዝገደደ ፀገም ዘለዎም ሃገራት ይቕረ ተበሃሂሎም ቀፂሎም ‘ዮም፡፡ ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪካ ምርኣይ ንኽእል ኢና፤ ካብ ኣፓርታይድ ዝበኣሰ ፀገም ኣይነበረን፤ ይኹን ‘ምበር ይቕረ ተበሃሂሎም ከም ሃገር ቀፂሎም ‘ዮም፡፡

ናህናአ በደል ዝነኣሰ ስለዝኾነ ይረሳዕ ኣይበልናን፤ ኣፍልጦ ንሃቦ እሞ ንገስግስ ኢና ዝበልና፤ ሩዋንዳ እውን ዕርቅን ኣፈልጦን ሂቦም ቀፂሎም ‘ዮም፡፡ ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር መልሲ ክሳዕ ዘምፅእ ገበነኛታት ኣይነኽኡ ኣይበሃልን፤

ኣብ ናህና መንግስቲ ኣብ ናህና ፓርትን ብዝተሰግሰጉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ፀገም ኣሎ ‘ዩ፤ ፅሬት ሓሳብ ንምምፃእ ስራሕቲ ዓቕሚ ህንፀት ክንሰርሕ ኣለና፤ ውሽጥና ንምፅራይ ብዝሰራሕናዮ ስራሕ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ናህና ውሽጢ 8 ሚኢቲ ዝኾኑ ኣመራርሓ ኣልዒልና ኢና፤

ድርቂ

ድርቂ በቢ ዘመኑ ዝነበረ ሓደጋ ድርቂ’ዩ፤ ከም ብሓዱሽ ነገር እናውግዖ ጉዳአይ ኣይኮነን ፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብዝተፈለየ መገዲ ነፍሪ ኢልና ናብ ምፍራአይ ዝኣተና፡፡

ሐዚ ዘሎ ድርቂ ከም መሳርሒ ፖለቲካ ከንሪኦ ኣይግባእን፤ እቲ ድርቂ መንግስቲ ኣየምፅኦን፤ እቲ ዝሓሸ ተረባሪብና እቲ ድርቂ ሰብ ከይቀትለልና ምስራሕ ‘ዩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ 15 ቢልየን ብር ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሩ ‘ዩ፡፡ ክሳዕ ሕዚ ብዘለኒ መረዳእታ ብጥምየት ምኽንያት ዝመውት የለን፡፡

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብታሪኽና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ምህርቲ ሎሚ ዘበን ክንረክብ ኢና፡፡ ሎሚ ዘበን 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ሓሪስና ኢና፤ 120 ሚልየን ኩንታል ስርናይ ክነፍሪ ኢና፡፡ዝፈረየ ንምርኻስ ዝግበር ወፍሪ ብዙሕ ጠቓሚ ኣይኮነን ፤ እቲ ዘሎ ፀገም ተረባሪብና ንፍታሕ፤ እዚ ፀገም ክሓልፍ ‘ዩ፡፡

ኢኮኖሚ

ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝወረስናዮ ‘ዩ፤ ብምኽንያት ብዙሕ ፅዕንቶታት ክንድቲ ንሓስቦ ልክዕ ክንፅግኖ ኣይከኣልናን፣ኮይኑ ግና ብብዙሓት ዘመላኽቱ ኩነታት ብዙሕ ምምሕያሻት ኣርእዩ’ዩ፡፡

ናይ ፊስካል ፖሊሲ ኣንፈታትናን ስራሕትንናን ሕዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝቕፅሉ መንግስትታት ‘ውን ረብሓ ዘለዎም ቀንዲ ቀንዲ ስብራታት ተፀጊኖምሉ፡፡ ኣብ መዳይ ነዳዲ ዘሎ ስብራት ክሳብ 190 ቢሊዮን ብር ዕዳ ነይሩዎ፤ ብዝሰራሕናዮ ስራሕ 100 ቢሊዮን ኣብፂሕናዮ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ዜሮ ንምብፃሕ ክስራሕ ‘ዩ፣

ተቐማጢ ገንዘብ ሓደ ነጥቢ ክልተ ትሪሊዮን ብር በፂሑ ኣሎ፡፡ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 170 ቢሊዮን ብር ልቓሕ ተዋሂቡ፤ ካብዚ ውሽጢ እቲ 83 ሚኢታዊ ንውልቃዊ ዘፈር ዝተውሃበ ‘ዩ፡፡

ግብርና

ኣብ ግብርና ዝለዓለ ዕብየት መፂኡ ኣሎ፡፡ ልዕል እቲ ሕዚ ዝሰራሕናዮ ምስራሕ እንተንኽእል እንተንኣሰ እንተንኣሰ ካብ ልመና የውፅአና ‘ዩ፣

ኣብ ድኹዒ ሓመድ(መዳበሪያ)ን ትራንስፖርትን ‘ውን ዝለዓለ ምዕባለ መፂኡ፣ሎሚ ዓመት ሸውዓተ ነጥቢ ትሽዓተ ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ትፅቢት ንገብር ኢና፡፡ኮይኑ ግና ናትና ኣታዊ ብመንፅር ዘለና ጂዲፒ ኣዝዩ ዝተሓተ ‘ዩ፡፡

ናይ ሎሚ ዓመት ዕድጊት ድኹዒ ሓመድ ተወዲኡ፤ ፍርቁ ኣትዩ፤ ፍርቁ እናተጉዓዓዘ ‘ዩ፤ ዓሚ ግና በዚ እዋን ገና ኣብ ዕድጊት ነይርና፡፡ ክሳብ 30 ሚኢታዊ ኣታዊ ዝእክባ ከምኒ ሞሮኮ ዝበላ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ኣለዋ፤ ናትና ካብ 10 ሚኢታዊ ዝነኣሰ ‘ዩ፤ ኣታዊ ክነዕብይ ኣለና፡፡

ንግድን ኢንቨስትመንትን

ካብ ንግዲ ወፃኢ ሸቐጣሸቐጥን ግልጋሎትን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ 4 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ረኺብና ኣለና፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ‘ውን ናይ 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ዝኣትው ኣቕሓ ዓዲግና ኣለና፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዩ ኣሎ፡፡ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ሓደ ሚሊዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ፈጢርና ኢና፡፡

ናህሪ ዋጋ

ቀንዲ ምኽንያት ናህሪ ዋጋ ክንድቲ እንደልዮ ክነፍርይ ዘይምኽኣልና ‘ዩ፡፡ናህሪ ዋጋ ንምፍታሕ ዛጊድ ንኸድናሉ መንገዲ መዐገሲ ምሃብ ‘ዩ፤ ሕዚ ክርር ዝበለ ስጉምቲ ንወስደሉ ግዜ እናበፅሐ ‘ዩ፡፡

በቢ ዓመቱ ካብ 700 ክሳብ 800 ሚሊዮን ዶላር ንስርናይ ወፃኢ እናገበርና ነይርና፤ ሕዚ ግና ሓንቲ ብር ኣይነውፅእን፡፡

ልቓሕ

እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዘኹርዖ ነገር እንተሃለዎ ኣብ ልቓሕ ዘለዎ ቕዋም ‘ዩ፡፡ ብሓረፃ(ኮመርሻል) ዝመፅእ ልቓሕ ይቕረየና ኢልና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓንቲ ብር ‘ውን ኮመርሻል ልቓሕ ኣይወሰድናን፤ የግዳስ 9 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ዶላር ዕዳ ከፊልና ኢና፡፡

ንሕና እንትንመፅእ ዕዳና 32 ሚኢታዊ ሓፈሻዊ ዓመታት ምህርቲ( ጂዲፒ) ነይሩ፤ ሕዚ 17 ሚኢታዊ ኣብፂሕናዮ ኣለና፡፡

9 ነጥቢ 9 ቢሊዮን ዶላር ዕዳ ዝኸፈለ፤ 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ዝኣትው ኣቕሓ ዝዓደገ መንግስቲ 33 ሚሊዮን ዶላር ክፍሊት ወለድ ምኽፋል ኣብዩዎ እንተዝበሃል ቀልዲ ‘ዩ፡፡33 ሚሊዮን ዶላር ማለት ኣታዊ ክልተ መዓልቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ‘ዩ፡፡

ሃገር ትብልፅግ ብፕሮጀክት ‘ዩ፤ ሃገር ድምር ውፅኢት ፕሮጀክትታት ‘ያ፡፡ ፕሮጀክት ዓድዋ ኣብዚ ዝበፅሐ እተን ከንቲባን ጉጅለአንን በቢ መዓልቱ ምሸት ሓሙሽተ ሰዓት እናገምገሙ ስለዝመርሕዎ ‘ዩ፤ ብዘይስራሕ ዝመፅእ ለውጢ የለን፡፡

ዲፕሎማሲ

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ከሕልው ብዘኽእል መልክዑ ምስ ኩሉ ኣብ ኩሉ ጫፍ ክንሰርሕ ኢና፡፡ ብሪክስ ምእታው ማለት ንአሜሪካ ምግዳፍ ማለት ኣይኮነን፡፡ረብሓ ኣብ ዘለዎ ኩሉ ርክብ ክህልወና’ዩ፡፡

ዲፕሎማሲ ማለት ኣብ ኩሉ ይመቸዋካ ዘይኮነስ ኣብ ዘይምችው ኩነታት እውን ረብሓኻ ንምርግጋፅ ትሰርሕ ማለት’ዩ፡፡

ሶማሊያ

ኣብ ዓለም ካብ ሶማሊያ ቐፂሉ ናይ ሶማሊያውያን መንበሪት ሃገር ኢትዮጵያ ‘ያ፣ ኣብ ሶማሊያ ውሽጢ ንመውት ናቶም ሰላም ናትና ሰላም ስለዝኾነ ‘ዩ፡፡

ንሰላም ሶማሊያ ኣብ ውሽጢ ሶማሊያ ከማና ዝሞተ የለን፤ መግለፂ ዘውፅአ ግና ኣሎ፣ ሶማሊያውያን ኣሕዋትና ‘ዮም ብሓባር ክንዓቢ ኢና፣ መንግስቲ ሶማሊያ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምብኣስ ድሌት የብሉን፤ ኮይኑ ግና ካልኦት ድልየት ኣለዎም፡፡

ንሕና ንደልዮ ሰላም ኮይና ዓብያ በልፂጋ ምርኣይ ‘ዩ፣ ንሕና ሉኣላዊነት ዝኾነ ክንነክእ ኣይንደልን፡፡ናብ ዝኾነ ኣይንኸይድን ናባና ዝመፅእ እንተሃልዩ ግና ስግኣት ኣይእተኹም ብኣግባቡ ክንከላኸል ኢና፡፡

ግድብ ህዳሰ

ምስ ግድብ ህዳሰ ብዝተትሓሓዘ ስግኣት ግብፃውያን ማይ እንተሒዝኩም ግድብ ኣስዋን ክንኪ ‘ዩ ዝብል ‘ዩ ነይሩ፤ ማይ ሒዝና ወዲእና ኢና፤ ማይ ግድብ ኣስዋን ግና ኣይነከየን፡፡ምስ ኹለን ጎረባብትና ፅሩይ ማይ እናሃብና ኢና፤ ምሃብ ‘ውን ክንቕፅል ኢና፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *