
መሰረት ገ/ዮሃንስን ትርሓስ ፍቃዱን
ኣብ ናይ ሎሚመዓልቲ እዋናዊ ዛዕባና ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እዋን መረፃ ንዝተሳተፉ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ኣካላትን ንምምስጋን ብዕለት 22 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ካብ ዘስምዕዎ መደረ ብፍላይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይን ውሳኔ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምብላን ዝምልከቱ ጉዳያት ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና:: ሰናይ ንባብ::
ንድሕሪት ምልስ ኢልኩም ቅድሚ ክልተ ዓመት ከባቢ ናይ ወፃኢ ፀላኢ ከጥቐዐና ይሓስብ ኣሎ፣ይደሊ ኣሎ፣ይዳለው ኣሎ:: ናይ ወፃኢ ወራሪ ቐዲምና ምክልኻል ስለዘለና ዕጥቕናን ሰራዊትናና ነውፅእ ኣብ ዝብል ሕቶ ክንደየናይ ዘተ ከምዝገበርና ዝዝከር እዩ:: ክነውፅእ እንተንብል ኣይትኽእሉን እናተብሃለ ዕጥቂ እውን ናትና እዩ ሰራዊት እውን ኣይወፅእን፤ ክልተ ዓመት ዝነበረ ክርክር ዕጥቂ ክነውፅእ ኢና ኣይተውፅኡን ዝብል እዩ ነይሩ፤እዚ ዝዝከር እዩ:: እዚ ጉዳይ ሐዚ ኣብ ዝተገበረ ኦፕሬሽን ምሉእ ብምሉእ ብዝባሃል ብርኪ ተሳኺዑ እዩ:: እንደልዮ ኣውፅእና ኢና፤ሰራዊትና እውን ኣውፅኢና ኢና:: ኻላኦት ሓይልታት ዝሓሰብዎ ነገር እንተሃልዩ ንምድላው ሰፊሕ ዕድል ረኺብናሉ ኢና ፤ንስኻትኩም ድማ ሓሳብኩም ኣስተኻኺልም ነቲ ህዝቢ ንኽተስተኻኽሉ ንእሽተይ ነገር ክብል ይፈቱ::
ትማሊ ወታደር ወፂኡ ክበሃል እንተሎ ኣምሓራ ክትጉዳእ ኢ፤ተካሒድካ፤ጠፊእኻ ዝብሉ ኣክቲቪስት ፤ ጋዜጠኛ ኢና ዝብሉ ሰባት ስልኪ ዘለዎም ሰባት ነይሮም:: እዚ ዘረባ እንታይ ማለት እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግቡእ እዩ ፤ኣምሓራ ምስ ትግራይ ፤ምስ ሱዳንን ምስ ካልኦት ከበባቢ ‘ውን ሰብ ካብ ፍቕሪ ወፃኢ ብሓይልን ብጉልበትን ባዕሉ ምልክልኻል ዝኽእል ህዝብን በዚ ‘ውን ዝፍለጥን ምዃኑ ምኽሓድ እዩ:: ምኽሓድ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ጠፊኢኻ ኣለኻ፣ ወድቒኻ ኣለኻን ንሕና ተዘይሰሚዕኻን ተዘይርኢኻና ዋጋ የብልካን ዓይነት ኣብ ውድቀትን ስንፍናን ጎሊሂኻ ንምርኣይ ምድላይ እዩ::
ብዝኾነ ኣፍቲ ኸባቢ ኸይድኩም ርኢኹም ትኾኑ ኢኹም:: ህዝቢ ወልቃይት ኣርማጭሆ ኣሽንኳይዶ ኣብዚ ኩነታት ኾይኑ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት እዚ ኹሉ በትሪ እናወረዶ ኢትዮጵያዊነቱን ናይ ቤጌምድርነቱን ሰብ ምዃኑን እናተዛረበ እናሞተ ሐዚ ‘ውን ኣሎ:: እዚ ንዓና ፖለቲካ ክኸውን ይኽእል ይኸውን:: ኾይኑ ግና ንደቅና እንታይ እናበልናዮም ኢና ፤ንስኻ ኣይትኽእልን:: ኣብ ካልእ ቦታ ፅልኢ ክፍጠር ከሎ ፍራሕ ዲና እናበልናዮ ዘለና?ጠጠው ኢልና ክንሓስብ ኣለና:: ናይ ሚድያ ሰባት ከምዚ ዝበለ ትርክት ፈራሕን ሓደ ቦታ ኣጉሊሆም ዝሪእዩን ንባዕርሶም ኣናኢሶም ዝርእዩ ወለዶ ናይ ምፍጣር ሓደ መሰረት ከም ዝኾነ ምሕሳብ ይግባ::
እቲ ኻልኣይ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ዝነበረ ናይ ሓይሊ ሚዛን እዩ:: ኢኮኖሚያዊ ምድላው፣ ወታደራዊ ድልውነት፤መንግስታዊ ኣወቓቕራ:: ንኣብነት ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ምስ ኻልኦት ክልላት እንትነፃፀር ኣይወዳደርን:: ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ትሑት ወይ ድማ ዝተቐራራብ ዘሎ ኹነታት እዩ ዘሎ:: ኣብ ሓፂር እዋን ትማሊ ብዝነበረ ኹነታት ክጥቃዕ ይኽእል እየ ዝብል ፍርሒ ዝፈጠር ሓደ መሰረት የለን:: ሓቂ’ውን የለን:: በዚኦም ምኽንያታት ከምዚ ዓይነት ትርክትታት ናይ ምስዓርን ዘይምስዓርን ጥራሕ እንተይኾነስ ሓደ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብስግኣትን ጭንቀትን ንኽነብር ዝገብሩ ነገራት ስለዝኾኑ ጋዜጠኛታት ንዚ ነገር በልዑል ጥንቃቐ ምርኣይን ከምህሩ ድማ ትፅቢት ይግበረልኩም:: ሓቂ ኣይኮነን:: ዓወታት ዘራኽእ እዩ::
ካሊእ መቐለ ምልቃቕ እንትንጅምር ብዙሓት ሰባት ሰንቢዶም እዮም:: ንስኻትኩም ‘ውን ተደናጊፅኹም ኢኹም:: መቐለ ቕድሚ ሸሞንተ ወርሒ እንትንኸይድ ዝነበረ ጎንፂ፣ ማእኸል ስሕበት፣ማእኸለ መንግስቲ፣ እንፈልጦን ዘይንፈልጦ ሃፍቲ ማእኸል እዩ ነይሩ:: ሎሚ እንትንወፅእ ግና ኣብ እንትርፊ ኣብ ውሽጡ ዝተሓብኡ ሰባትን ዘረፍትን 80 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ምውሳኹ ወፃኢ ካብ ዓብይ ዓዲ ወይ ሽራሮ ወይለ በሻሻ ዝፈልዮ ነገር የለን:: ሐዚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ናይ ስሕበት ማእኸልነቱ ስኢኑ እዩ:: ዝተፈለየ ኩነታታ እንርእዮ ኣይኮነን:: መቐለ ወይለ ዓብይ ዓዲ ወይ ዝኾነ ካሊእ ቦታ ሐዚ ብዘለዎ ኩነታት ብሚሊተሪ እንትርአ ምንም ነገር የብሉን:: ዝተፈለየ ናይ ስሕበት ማእኸል ዝገብሮን ዘሀንቅውን ከምዝኸድናሉ እዋን ዘሀንቅው ነገር የብሉን:: ፈለማ ዕላማና ወረራ ኣይኮነን፤ ዕጥቕና ተታሒዙና ፣ሰራዊትና ተታሒዞምና፣ ሰባት ሕጊ ጥሒሶም እዮም እዩ ዝነበረ’ምበር መቐለ ሓራ ክነውፅእ ኢልና ኣይኮነን ዝኸድና:: እዚ ትፍልጡ ኢኹም:: ተሳቲፍክምሉ’ውን ኢኹም:: ሐዚ ግና ንምውፃእ ዝወሰናሉ ምኽንያት በዝተወሰነ ብርኪ ከልዕለልኩም:: እዚኦም ትርክትታት እርማት ስለዝደልዩ እዩ::
ካልኣይ ፀላኢስዒረ ወቒዐ እየ ዝሓዝክዎ ይብል:: ተሳዒርና ዲና ዝብሉ ኣብትን ኣብዝን ዝራዩ ጭንቅታት ይራኣዩ እዮም፤‹‹ብዝኾነ ፀላኢ ተሳዒሩ ኣይፈልጥን::ንሕና መቐለ እንትነኣቲኮ ሓደ ሰሙን ንክንዘናጋዕ ፈቒዶምልና ዝኣተና’ምበር ተሳዒሩ ኣይኮነን:: በቢመዓልቱ ይድምስሱና፤በቢመዓልቱ የጥፍኡና፣በቢመዓልቱ ይቐትሉና፣በቢመዓልቱኮ እዩ እንስዓር››- ብፌስቡክን በቲውተርን:: ንዓኻትኩም ብዙሕ ዘገርም ኣይመስለንን:: ምኽንያቱም እናጥቓዕና እንትንኸድ እኳ ንስኹም ኣብ ቐረባ ኮይንኩም ሪፖርት እናገበርኩም ዝፅብፅብ ነገር ስዒሪና መበል 23 ደምሲስና፤25 ደምሲስና፤እኒ እገለ ቀቲልና፣ ኣበባው ቀቲልና ባጫ ማሪኽና… እዚ ኣይትፈልጡን ዲኹም? እዚ ሓይሊ ሐዚ’ውን እንትሓሰወ ምድናቅ ዝግባእ ኣይመስለኒን::
ኾይኑ ግና ብኣንፃር ሚድያ ቅድም ክብል ከምዘልዐልክዎ ኣብ ትርክት ሓደ ሓደገኛ ፀገም ኣሎ:: ከይተፈለጥኩም ወይከዓ ናትና መሓዙት ዘጥፍእዎ ጥፍኣት ኣሎ:: አብ ውሽጥና ናይ ፀላኢ ዝተዛበዐ ዜና ምብዛሕ፣ ተበፃሒ ምግባርን ወገን ናይ ምርኻስ ሕማም ልክዕ ከም ኮሮና እዩ:: እዚ እንታይ ማለት እዩ፤ በመንፅር ሚድያ ፀላኢ ደጋጊሙ ዝነግረካ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ድልት ኣብ ውሽጡ ዘሎ ድኽመትን ስንፍና ክትንፍስ ከሎ እዚ እዩ እተጋወሐሉ ዘለኻ:: እቲ ሓደ ካብዚ ኹናት ትምህርቲ እንወስዶ ዘግባእ ብዝኾነ ወገን ይኹን ናይ ባዓልኻ ዓወት ንምግዛፍ ናይቲ ካሊእ ንምኩሳስ ዝገበር ፕሮፖጋንዳ ሰሚዕና ኣይሰማዕናና ርኢና ኣይረኣንናን በምባል ጥራሕ ክንቐፅዖ ንክእል ኢና :: ብዙሕ ብዘራእና ቑፅሪ ግና ብዙሕ ተኸታሊ ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ ስለዝፈጥር ሓሶት ዝለመደ ሰብ በቢዕለቱ እናሓሰዎ እናቐፀለ ንክኸይድ ተሓባበርቲ ነይርና ማለት አዩ::
እዚ ዝንባለ ሐዚ ‘ውን ዝርኣይ እዩ፤ ሰብ ሞያ ሚዲያ ነዚ ምፍላጥ፣ ምክልኻልን ክተምህሩን ኣለኩም:: ነቲ እንደልዮ ነገር ደጋጊምና እንዛረብ ‘ምበር ዝፀርፈና፣ ዝሕሱ፣ እነጋውሕ እንተኾይንና ናይቲ ሚዲያ ጉዳይ ኣብ ዝተሓፀረ ቦታ ዝቕመጥ ኣይኮነን:: ካብ ቑፅፅርና ወፃኢ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝሪእዎ እዩ:: ህፃውንቲ ከይተረፉ:: በዚ ምኽንያት ግጉይ ታሪኽ ንኽዓቢ ስለ ዝገብር ጥንቃቐ ክንገብር ይግበአና::
ዕላማ ቲፒኤልአፍ/TPLF/ምስዓር ኣይኮነን፤ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ሰሚዕኽሞም ኢኹም:: ከምቲ ናይ ቕድሚ ሐዚ መንግስቲ ንኹን ኣይኮነን:: ሓሙኹሽቲ ኾይነ እየሞ ብሓንሳብ ሓሙኹሽቲ ንኹን፤ ዶሮና(ኣዋራ) ተኸዲነ እየሞ ብሓንሳብ ዶሮና ንከደን፤ወዲቐ እየሞ ብሓንሳብ ንውደቕ… ፓራ ሹት ዝበሃል ነገር ኣይተርእዩኒ ዝብል ታክቲክን ስትራተጅን እዮም ዝሰርሑ:: እዚ እዩ ዕላምኦም:: ነዚ መርኣያ ዝኸውን ብዙሕ ነገር ከልዕለልኩም ይኽእል እየ::
ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮና ኣሎ፤ እግዚኣብሄር ይመስገን ኮሮና ክንድቲ ዝተብሃለሉ ኣይኮነን ግና ኣሎ:: ሰባት መንግስቲ ኢትዮጵያ እኹል ኦክስጅን ከቕርብ ኣለዎ ኢሎም ይሓቱ:: ሞያኹም ስለዝኾነ ትሰምዑ ኢኹም:: ብኻልእ ወገን ህዳሰ ዝበሃል ናይ ኹሉኹም ሕልምን ድሌትን ኣሎ:: ሰባት ህዳሰ ተወዲኡ ሓይሊ ንኽፍልፍል ይደልዩ:: ብኻሊእ ወገን ድማ ምስ ህዳሰ ተደሓሒዙ ሓደ ሓደ ሰባት 40፤ 50 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ:: በዚ እነጨንቖም ዝብሉ ሰባት ይመልስዎም:: እዞም ሰባት ምምፃእ፣ ምጉዕዓዝ ንዝተወሰነ መዓልቲ ዋላ ይኹን ምቕላብ ንመንግስቲ ዕዳ እዩ::
ኢትዮጵያ ኮሮና፣ ህዳሰ፣ ዝስደዱ ሰባትጥራሕ ዘይኮነስ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ ኣብ ከተማታት እቶቶም ትሑት ዝኾኑ ሰባት ምናልባት ንዓኻትሁም ሓዊሱ ኣብ መዓልቲ ቃሕ ዝበሎም ንምብላዕ ይትረፍሞ መውዐሊ ዝኸውን ዝኸፍልዎ ልዕሊ ዓቕሞም እዩ:: እዚ ማለት ዝተወሰነ ስርናይ፣ ዘይትን ሽኮርን እንተእቲና ነቲ ሐዚ ዘሎ ንህረት ዋጋ ከረጋግዕ ይኽእል እዩ:: እዚ ኹሉ ጉዳይ እናሃለወና ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ወታደራዊ ኹነታት ወፃኢ ጥይት፣ ምግቢን ኽዳውንትን ኣይምልከትን:: መብራህቲ መንገዲ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲን ኻልኦትን ህንፃታት ቀለብ ሓዊሱ ልዕሊ ብር 100 ቢሊየን ንትግራይ ኣውፂእና ኢና:: ብር 100 ቢሊየን ማለት ካብ እንሕዞ ናይ ሎሚ ዘበን በጀት 20 ሚኢታዊ ማለት እዩ፤ ብር 100 ቢሊየን ማለት ንትግራይ ካብ እንምድቦ በጀት ካብ 13 እስካዕ 14 ምኢታዊ ልዕሊ ዕፅፊ ማለት እዩ:: ሸሞንተ ቢሊዮን ኢና እንሕዝ 100 ቢሊዮን ብዙሕ እዩ:: እዚኹሉ ድኻምን ወጭን ድሕሪ ምግባርና ግና ዋላ ብሓደ ኢንተርናሽናል ኮሚኒቴ ሓይሊ መብራህቲ ክፅግኑ ዝኸዱ ሰባት ሞይቶም እዮም፣ እኽሊ እናብፅሑ፣ ስልክን ኢንፍራስትራክቸርን ንምህናፅ ኸይዶም ሓደጋ በፂሕዎም እዩ:: ዋላ ሓደ ሰብ ፅቡቕ ሰሪሕኹም ኣጆኹም ቐፅሉ ዝበለና የለን::
ብኣኻቱም ምኽንያት ጥምየት ክመፅእ እዩ፤ ብሰንክኹም ህዝቢ ናብ ፀገም እናኣተወ እዩ፣ ኣክሰስ ከልኪልኩም፣ ውግእ ጠጠው ኣየበልኩምን፣ ከምዚ ኣይገበርኩምን፣ ንሰራዊት ኤርትራ ፈቒድኩምሉ ዝዓይነቶም ክስታት እዮም ነይሮም:: እዚ ከይንኣሰ ንሕና ምስከድና እንሕዞ ሒዝና፣ ዝውቃዕ ወቒዒና፣ ዕጥቕታትና ወሲድና ናይ ምፅናሕ ዕላማ ኣይነበረናን:: ምኽንያቱ ናይና ድሌት ዝነበረ ወፂኢና ናብ ካልኦት ግንባራት ምዟር ነይሩ:: ካሊእ ዘስገአና ሓይሊ ስለዘሎ ንዕኡ ምድላው የድልየና ነይሩ:: ናይ ‹‹ፕራዮሪቲ›› ጉዳይ ኣሎ:: ሓንቲ ሃገር ሎሚ ዘድልያ ‹‹ፕራዮሪቲ›› ካፍቲ ናይ ፅባሕ ዝተፈለየ እዩ:: ኣብ ዩኒቨርስቲ ዘሎ ተምሃራይ ጋዜጠኛ ምዃን ተመንዩ ምስተምሃረ ሎሚ ተሞርዐይ እንተልካዮ ደሓን ፈለማ ስራሕ ክሕዝሞ ድሕሪኡ ክምርዐው እየ እዩ ዝብል:: ኣይምርዐውን ኣይብልን ፈለማ ግና ስራሕ ክሕዝ እዩ ዝብል:: ሃገር ‘ውን ከምዚ እያ:: ቕደም ስዓብ ኣለዋ፤ ድሌታ ብቕደም ሰዓብ ኢያ ‹‹ሃንድል››እትገብሮ::
ከምቲ ዓሚ እንሰግኦ ብኢኮኖሚ፣ ብወታደር፣ ብምንም ስለዘየለ ሐዚ ዘለና ገዲፍና ኣብኡ ክንልሓሓፅ ከለና ኽልቲኡ ካብ ምስኣን ዝሓለፈ ጥቕሚ ኣይርደአኒን :: ምኽንያቱ ኣብ ፍሕፍሕ ኢና ኣቲና:: ፈለማ ከም መንግስቲ ዲቢዛ ዝተኸደነ፣ መስመር ዘለዎ፣ጠጠው ዝበለሉ ዝፈልጥ ሰራዊት እዩ ገጢሙና:: 15 ወይ 20 መዓልቲ እዩ ወዲኡልና:: ከምዚ ንዝበለ ውግእ ብዙሕ ኣይተፀገምናን:: ቐፂሉ ብዝተወሰነ ብርኪ እንተነከየ’ውን ብሽፍትነት ዝተደራጀወ ዝተወሰነ ጉጅለ እዩ ገጢሙና፤ ነዚ ድማ ምስቲ መልክኣ ምድሪ ዘይጥዕም እንተኾነ ዝተወሰኑ ንምሓዝን ሓደሓዲኦም ድማ ንምድምሳስ ተኻኢሉ እዩ:: ቴክኖሎጅ’ውን ምጥቃም ስለዘኽእል:: ሐዚ ዘሎ ውግእ ግና ተቐይሩ እዩ:: ሐዚ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝኾነ ቑሸት ወታደር እንትኸይድ ምንም ፀላኢ ኣይርእን:: ህዝቢ እዩ ዝርእይ:: እቲ ወታደር ቑፅሩ ውሑድ እንተኾይኑ ፀላኢ የለን ኢሉ ከይወድአ ብድሕሪቱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ወሪሮም ብክላሽ፣ብገጀራ ይጭፍጭፍዎ::
ንኣብነት ኣብ ሓደ ቑሸት ዝገጠመና፣ ጁንታ እናረሸነ እዩ፣ ኣይድግፈንን ንዝብሎ ህዝቢ ይቐትል:: እናረሸነና እዩ ሓለዋ ዘይትገብሩልና?ኢሎም ንወታደርትና ሓቲቶሞ:: እቲ ወታደር ከምቲ እትፈልጥዎ 50 ሽሕ፤ 100 ሽሕ እንተኾይኑኳ ትግራይ ዘሎ ወታደር ኣብ መቐለ 20 ሽሕ ኣብ ዓድግራት ተመሳሳሊ ተዘይቐሚጡ ሙሉእ ጎቦታት ትግራይ ክሽፍን ኣይኽእልን:: ግድን 50ለ100 ክኸውን ኣለዎ:: ተበታቲኑ እዩ ዝንቀሳቐስ ::ኣፍቲ ቑሸት ሓሉውና ክቐትሉና እዮም እናበሉ ንመከላኸሊ ሃገር እንትሓቱ መከላኸሊ ሃገር ኣሚንዎም ካብ 20 ዘይበልፁ ሰባት ኣቐሚጡ ዳህሳስ ቐፀለ ፤ንግሆ ሓልውና ዝበሉ ሰባት ድሕሪ ስዓት ነዞም ውሑዳት መከላኸሊ ብበዝሒ ወፂኦም ቐቲሎሞም:: እዚ ነገር ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናወሰኸ ምስ መፀ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ዝነበረ ውግእ ዝርዝሩ ተዘይነገርኹኹም ‘ውን ሓደ ዕጡቕ ሰብ ዝተደራጀወ ሓይሊ ይመፆ:: ብዙሕ ሰብ ቐቲሉ ጥይት ወዲኡ ዝሞተሉ፤ ብዙሓት ዘይትግምትዎም ጀጋኑ ሞይቶም፣ ዓበይቲ ሓለፍቲ ዓርሶም ብጥይት ዝቐተሉሉ ኹነታት ኣጋጢሙ እዩ::
ንኣብነት ናይ ብርጌድ ኮማንድ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ውሑድ ሰብ እዩ ዘሎ፤እቲ ዋና ሓይሊ በቢ ጎቦታት እዩ ዝዋፈር:: ኣብዚ ኸባቢ ከምቲ ዝነገርኩኹም መገዲ ሰባት እንትመፅእዎም ዓርሶም ዝቐተሉ ኣለው:: ብዙሕ ቐቲሎም ጥይት ወዲኦም ዝተተሓዙ፣ ዝሞቱ ኣለው:: እዚ ጉዳይ ‹‹ኢንሰደንት›› እንተዝኾን ፀገም የብሉን:: ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ እንተኣጋጥም ገምጊምካ ምእራም ምተኸኣለ:: ዳሓር ደሓር ግና ከም ባህሊ ስለዝኾነ፣ ብፍላይ ኣብ መቐለ ግልፂ ንክትኾኑ ብዙሕ ሓይሊ እዩ ነይሩና፤ ናብ ኣርባዕተ ክፍለ ሰራዊት ዝፅጋዕ ልዕሊ 20 ሽሕ እዩ:: ኣሽንባይዶ ጁንታ ምንም ነገር ናይ ምክልኻል ብቕዓት ኣለዎ:: ኮይኑ ግና ቅድም ኢለ ዝበልክኹም ስምዒት በዝለዓለ ኩነታት ኣብቲ ሰራዊት ኣቲዩ እዩ:: ንኹሉ ዝርእዮ ሰብ ፀላኢ እዩ ኢሊ የሓስብ:: ኣብ ሓደ ሓደ ቦታ ኣቕሽቲ ክላሽንን ማይክሮፎንን ሒዞም ተልዓል ኢሎም እንትሰብኹ ሰሚዑ እዩ:: ኣብ ብዙሕ ቤተ ክርስትያን ሰባት ሞይቶም እናተብሃለ ዝቕበሩ ቦታ(ከምትፈልጥዎ ቤተክርስትያን ወይከዓ መስጅድ ሰብ እንትቕበር ጉድጓድ ምኹዓት ባህሊ ኢትዮጵያዊያን እዩ ይርደአኩም እዩ) ግን
ከም ሬሳ ዝተቐበረ መብዛሕትኡ ዕጥቂ እዩ:: ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ሰብ ሞይቱ እናተብሃለ ዕጥቂ ይቕበር:: መቐለ ዝነበረ ሰራዊት ምናልባት ንሓደ ሰሙን እንተነፅንሖ ናይዚ ገዛ ድንጋፀ ብግልባጡ ምኾነ ነይሩ:: ንሓደ ወገን ኣትኻ እትዋጋእ… ንኣብነት ምስ ሻዕብያ ክንዋጋእ ከለና ፈለማ ኣብ ባድመ ተዋጊእና፣ ቐፂልና ቶኾምብያ ባሬንቱ እንትንበፅሕ ክንምለስ ዝተወሰነሉ ሓደ ምኽንያት ካብ ደጀን እናርሓቕና ስለዝኸድና እዩ፤ ኣብ ባድመ እናሃሎና ኣብ ቅድሚት ዘሎ ይዋጋእ፣ እንትቖስል ፀገም የለን ናብ ድሕሪት እዩ:: ደጀን ኣሎ፤መፅለሊ ኣሎ:: ውግእ በዚ መልክዑ ተዘይኮይኑ ‹‹ፋቲክ›› እዩ ዝኸውን:: ቐደም ከምተዋጋእናዮ ዓሰርተ ምናምን ዓመት ምውጋእ እዩ ዝኸውን::
ኣንሕና ዝወሰናሉ ምኽንያት መከላኸሊ ሃገር ህዝቢ ከም ፀላኢ ሓሲብዎ ኣብ ታሪኹ ፀሊም በሰላ ገዲፉ፤እሱ’ውን ዝስከፈሉን ዓለም ድማ ብዙሕ በትሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቕድሚ ዘልዕለሉ ኩነታት ካብዝፍጠር ደጀን ናብ እንብሎ ህዝቢ ተፀጊዕና፤ ብድሕሪትና ደጀን ኣቐሚጥና ኣብ መረፃ ናይ ፅሞና ግዘ ከምዝበልናዮ ንህዝቢ ናይ ፅሞና ግዘ ንሃቦ ኢልና ኢና ወሲና:: እርግፀኛ እየ ኣብ 15 መዓልቲ ወይ ሓደ ኽልተ ወርሒ እንትንፀንሕ ክንሪኦ ኢና፤ ድኻምን ፃዕርን ኢትዮጵያን መከላኸሊ ሃገርን ብብዙሕ ኢድ ከስተውዕሉ ምስ ኽኣሉን ንዝጠመየ፣ ንዝቖሰለ ‘ውን ንሕድሕድ ጉዳይ ገበነኛ ዝኾነ ፣ኣብ ዘይብሉ ሃፍቱ ወገነይ እናበለ ዝባኑ ሂቡ ዝሓልፍ ሓይሊ በብመዓልቱ ጥቕዓት እናበፅሖ ስለዝኾነ ናይ ዕረፍቲ ግዘ ተንህቦ ናይ ዓሚ ስግኣት ሎሚ ኣየስገአናን:: ሚሳኤል ኣውፂእናዮ ኢና፣ኣፅዋር ኣውፂእና ኢና፣ከምቲ ናይ ትማሊ እንፈርሖ ጉዳይ የለን::
ብተወሳኺ ድማ ሐዚ ብዘሎ ኹነታት ቐዳምነት እንህቦ፤ እንተንኣሰ ኣብዛ ኽረምቲ ቕድሚያ ኻሊእ ጉዳይ ስለዘለና ሰብና፣ ገንዘብና፣ ዕጥቅና፣ ቖጢብና ናፍቲ ዋና ጉዳይ ተነትኩር ኢልና ኢና:: እዚ ተዘይኮይኑ ድማ እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ናይ ግዘ ጉዳይ እዩ:: ወያነ ምስ ደርጊ ዝነበሮ ውግእ ክስዕር ዝገበሮ ዋና መሰረታዊ ነገር ናይ ደርጊ ዕጥቂ፣ናይ ደርጊ ስልጠና፣ ቐለብ ደርጊ እናበልዐ ነይሩ:: ወታደር ድሕሪ ምምራኹ ኣሰልጥነልና ይብልዎ፤ ዕጥቁ ይወስዶ፤ ስንቑ ይወስደሉ፤ ከምዚ እናገበረ እዩ ወያነ ናብ ዝተደራጀወ ዓቕሚ ዝዓበየ:: ሐዚ ናይ ፋሽዝም መልክዕ እንትሕዝ ኽዳን ምስራቕ፣ ማይ ምስራቕ፣ጎማ ምትንፋስ፣መኻይን ዝሓልፉ እንተኾይነን ኣብ መንገዲ እምኒ ምዕፃው:: እናወዓልና እናሓደርና ብዝኸድና ቑፅሪ እነዕጥቕ ኾይንና፤ምግቢ ብዝምልከት ሓደ ስድራ ሓሙሽተ ስድራ እንተሃልይዎ ሸውዓተ፣ሸሞንተ፣ዓሰርተ እናበለ የመዝግብ፤ናይ ዓሰርተ ሰብ ይወስድ፤ናይ ሓውሽተ ይበልዕ፣ሓሙሽተ ድማ ንጁንታ ይህቦ::
ሰራዊት መከላኸሊ ‹‹ኮንቲኒየቲ ኢንጌጅመንት›› ውግእ እንትህልዎ ማይ ክይረኽቡ ይገበር፤ጁንታ እንብሎ ሓይሊ ግና ሃይላንድንን የስን ማይ ይሰቲ:: ንሰሙናት ክንዛተ ምስ ፀናሕና ኢና ነዚ ውሳነ ወሲና:: ትማሊ ካብ መቐለ ክንወፅእ ከለና ኣነ ኣብዚ እስካዕ ዝበፅሕ ዋላ ሓደ ናይ ጁንታ ሓይሊ መቐለ ኣይኣተወን:: ኣብ መቐለ ወፂኡ ዝስዕስዕ ኣብኡ ተሓቢኡ ዝነበረን፣ክላሹ ዝሓብአን፣ ግዘ እናሓለወ ዝነበረን ሓይሊ እዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ዓዲግራት ዝርኣኽሞ ‘ውን ተመሳሳሊ እዩ፤ኣንሕና ስርናይ እናሃብና፤ዘወር ክንብል ከለና ዝስዕስዕ እንተኾይኑ ናይ ፅሞና ግዘ የድልዮ ማለት እዩ:: ክንሕዞ ዝግበአና ክንሕዝ ኢና፤ብዝተደራጀወ መልክዑ ዝመፅእ ሓይሊ እንተሃልዩ ‘ውን ብታሕጓስ ክነተኣናግዶ ኢና:: ምኽንያቱ እዚ ፀገምና ኣይኮነን:: ናትና ፀገም ህዝባዊ ዝኾነ ምልከታ እዩ::
ከምዚ ዝበለ ውሳነ ክንውስን ከለና ኢትዮጵያውያን ቐልጢፎም ናይ ምስዓር ድሌት ስለዘለዎም ምቕባል ይፅገሙ እዮም:: ኣንሕና መራሕቲ ክንኸውን ከለና ብኸምዚ ዓይነት ስምዒት ክንምራሕ ዘይኮነስ ጠጠው ኢልና ኢትዮጵያ ዘሳግራ ነገር ንምውሳን እዩ:: ንኤርትራ ክነገንፅል እንተኾይንና እዚ ኹሉ ውግእ ኣድላዪ ኣይኮነን፤ክሳራ እዩ:: ኢትዮጵያን፣ኢትዮጵያውነትን ማንም ኣይስዕሮምን:: ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ስዓራይ ዝገብር ግና ፈጣሪ ምፍራሕ፣ምፅላይ፣ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ስዓራይ ዝገብር ናይ ኣቦታት ጥበብ ምጥቃም፣ከምኡ’ውን ንኢትዮጵያን ስዓራይ ዝገብር ዓቕሚ መናእሰይ ምጥቃም፣ንኢትዮጵያ ናብ ሓደ ‹‹ናሬሽን›› ምምፃእን ምትሕብባርን ‘ምበር ሓደ ሻዕ ኣትየዮ እየሞ ሱቕ ኢለ ክቃለስ እየ፤ኢልካ ምልሕሓፅ ኣይኮነን:: ሐዚ ‹‹ዊዝደም›› የድለየና እዩ፤ኢትዮጵያ ክትብልፅግ እያ፤ህዝብታት ድማ ተለዊጦም ክንርኢ ኢና፤ኣደነቕቲ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና፤እዚ ድማ ክቕፅል እዩ:: ናታትኩም ግደ ግና ልዑል ስለ ዝኾነ ልብኹም፣ኣእምሮኹም ፅባሕ ኣሳጊሩ ዝርኢ በዓል ብሩህ ኣእምሮን በዚ መንፅር እትመላለሱ ጀጋኑ ንኽትኾኑ ሓደራ ይብለኩም::
ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም