
ኣዲስ ኣበባ:- “ወርሒ ጥዕይቲ ኣዶ” ብብርኪ ሃገር ንመበል 18 ግዜ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተኸበረ ተገሊፁ። ከምኡ ‘ውን ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝረኣዩ ዘለዉ ኣውንታዊ ለውጥታት ንሚንስተር ጥዕና ፌዴሪኢን ካልኦት ሓገዝቲ ኣካላትን ብምምስጋን እቶም ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅል ፃውዒት ቐሪቡ።
ወርሒ ጥዕይቲ ኣዶ ‘’ፍትሓዊ ተበፃሕነትን ፅሬቱ ዝሓለወ ክትትል ቅድመ ወሊድን ብእዋኑ ብምጅማር ጥዕና ኣዶታት ነረጋግፅ’’ ብዝብል ቴማ ናይ ፌደራልን ክልልን ሓለፍቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተኸበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዕላዊ ገፁ ገሊፁ።
ሚንስትር ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ሴክሬታሪያት ስግግር ዘፈር ማሕበራዊ ፕሮፌሶር ክንደያ ገ/ህይወት፣ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለን ካልኦት ዓለም ለኸን ሓገዝቲ ኣካላትን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ከምዘሕለፉ ተሓቢሩ።
ዶ/ር ሊያ ታደሰ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፀኦ፤ “ጥዕይቲ ኣዶ ምህላው ማለት ጥዑይ ስድራ፣ ማህበረሰበን ዜጋን ምህላው ምዃኑ ተገንዚብና ጥዕና ኣዶታት ንምምሕያሽ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ “ኢለን።
ብተወሳኺ ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊ ፀገማትን ግልጋሎት ጥዕና ኣዶታት ትግራይ ንድሕሪት ምምላሱ ዝሓበራ ዶ/ር ሊያ ናብ ንቡር ንምምላስ ጥዕና ሚኒስቴር ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ካልኦት ሓገዝቲ ኣካላትን ተዋዲዱ ከም ዝሰርስ ገሊፀን።
ፕ/ር ክንደያ ገ/ህይወት ብወገኖም ሚኒስተር ጥዕና ፌደራል መዓልቲ ጥዕይቲ ኣዶ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ኣዶታት ግንዛበ ንምዕባይ ዓሊሙ ኣብ ከተማ መቐለ ምኽባሩ ኣመስጊኖም።
ብምቕፃል ቅድሚ ዂናት፣ ትግራይ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዕውታት ስራሕቲ ብምስላጥ ንሃገር መርኣያን ማእኸል ተሞክሮን ምንባራ ብምሕባር ድሕሪ እቲ መዕነዊ ዂናት ግና ስርዓት ጥዕና ትግራይ ንድሕሪት ከምዝተመለሰ ብምግላፅ፤ ዝዓነወ ስርዓት ጥዕና ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ ጥዕና ሚኒስቴር ምስ ዓለምለኸን ካልኦት ሓገዝቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዝጀመሮም ፅቡቓት ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፕሮፌሶር ክንደያ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ብወገኖም፤ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ብሰንኪ ዅናት ምዕናዉ ሕብረተሰብና ብሓፈሻ ኣዶታት ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገም ምህላወን ዝሓበሩ ኮይኖም ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ንዝረኣዩ ለውጥታት ንሚንስተር ጥዕና ፌደራልን ሓገዝቲ ኣካላትን ብምምስጋን ተጠናኺሩ ክቕፅል ተላብዮም ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ዳይሬክተር ኣዶታት፣ ህፃናትን መናእሰይን ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር መሰረት ዘለኣለም ጥዕና ኣዶታትትን ህፃናትን ንምምሕያሽ ዝተሳለጡ ቐንዲ ቐንዲ ስራሕቲ ዘቅረባ እንትኾና 12 ሚልዮን ብር ዝወድኡ ንኣዶታት ትግራይ ዝብርከቱ ዝተፈላለዩ ህያባት ብኢድ ሚኒስትር ዶ/ር ሊያ ንፕ/ር ክንደያ ኣረኪበን።
ተወከልቲ ዞባታት፣ ወረዳታት፣ ትካላት ጥዕናን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኮይኖም ተሳተፍቲ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዑደት ገይሮም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 9 ጥሪ 2016 ዓ.ም