
ኣዲስ ኣበባ:- ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ጉዳያት ፖለቲካን ብሄርን ነፃ ኾይኖም ሃገር ዝሃንፅ ፍልጠት ከፍርዩ ትፅቢት ይግበረሎም ክብሉ ሚኒስትር ትምህርትን ቻንስለር ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ተዛሪቦም።
ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዓርሱ ዝኸኣሉ ንምዃኑ መሰረት ብምግባር “ኣብ ኢትዮጵያ ኣካዳሚክ ነፃነት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ” ብዝብል ሓሳብ ትማሊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከምዝገለፅዎ፤ ጉዳይ ኣካዳሚክ ነፃነት ናይ ዩኒቨርስትታት ጥራሕ ዘይኾነስ ጉዳይ ማሕበረሰብ ‘ውን ብምዃኑ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ነፃነቶም ብምእዋጅ ንሃገር ዝጠቅም ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም።
ኣብ ሃገርና ዘለዉ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዛጊድ ብነፃነት እናሰርሑ ከምዘይነበሩ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ፅዕንቶ ፖለቲካ፣ ባህልን ብሄርን እናበፅሖም ከምዝፀንሑ ኣልዒሎም።
ብምዃኑ ‘ውን ዓርሰ ምኽኣል ዩኒቨርስትታት ዝብል ሓሳብ ዩኒቨርስትታት ብናይ ባዕሎም ነፃነት ተንቀሳቒሶም ንክሰርሑ፤ ተምሃሮኦም ብሓቃዊ ፍልጠቶም ዝልክዕሉ ኣሰራርሓ ንኽፈጥሩ ምግባር ብሓፈሻ በቢ እዋኑ ዝመሓየሽ ፍልጠት ዝፈርየሉ ቦታ ንምፍጣር ዝዓለመ ‘ዩ ኢሎም።
ኣካዳሚክ ነፃነት ሃገር ዝሃንፅ ሓሳብ ዘለዎም ዜጋታት ንሕብረተሰብ ዝመርሕ ፍልጠት ንኸምፅኡን ብነፃነት ንኽሓስቡን ቦታ ናይ ምሃብ ኸይዲ ከምዘጠቓልል ተዛሪቦም።
ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፍልጠት ተመስሪቶም ዝሰርሑ ሰባት የድልይዋ፤ ነዚ ‘ውን ዩኒቨርስትታት ዓርሶም ዘመሓድሩ ምዃኖም ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ንዝግበር ለውጢ ብምሕጋዝ ውፅኢት ንምምፃእ ይሕግዝ።
ምስ ዓርሰ ምሕደራ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተተሓሒዙ ኣብ ማሕበረሰብ ዝተጋገየ ግንዛበ ከምዘሎ ኣልዒሎም፤ ዓርሰ ምሕደራ ማለት ኣብ ኣካዳሚክ ነፃነት ብምምስራት ብፍልጠት ዝተመርሐ ዘተ ዝግበረሉ መድረኽ ምፍጣር ከምዝኾነ ምፍላጥ ይግባእ ክብሉ ኣረዲኦም።
ግዝያዊ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ዓርስኻ ተመሓድር ምዃን ማለት ኣብ መዳይ ኣካዳሚክ ጉዳያት፣ ምምሕዳር፣ ሓይሊ ሰብን ሃፍቲ ምፍራይን ነፃ ትካል ኾይንካ ንምስራሕ ዓቕሚ ዝፈጥር ኣሰራርሓ ‘ዩ ኢሎም።
ኣካዳሚክ ነፃነት እንትበሃል ምሁራን ንሃገር ዝጠቅም ፍልጠት ብነፃነት ንኽሕዙን ንኽገልፁን ምግባር ከምዘካትት ዶክተር ሳሙኤል ገሊፆም።
ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ 1969 ዓ.ም ዓርሱ ብዓርሱ እናመሓደረ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣሰራርሓ ዓርሱ ዘመሓድር ምዃኑ ንዓመታት ተቛሪፁ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።
ኣብ ቐረባ መንግስቲ ብዝገበሮ ለውጢ መሰረት እቲ ዩኒቨርስቲ ዓርሱ ዘመሓድር ንክኸውን ብምውሳኑ ናብ ስራሕ ተኣትዩ፤ እዚ ‘ውን ነቲ ዩኒቨርስቲ ኣካዳሚክ ነፃነት ይህብ ኢሎም።
እቲ ኣሰራርሓ ንተምሃሮ ብነፃ መሪፅኻ ንምስትምሃር፣ መምሀሪ ፕሮግራማት ብናይ ባዕልኻ ኣሰራርሓ ንምቕራፅን መምህራን ብነፃነት ንምቑፃር ዕድል ይፈጥርን ክብሉ ኣረዲኦም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም