ኣማውታ ሓደ ሰራሕተኛ ቤት መዝገብ

(ሓፂር ልቢ ወለድ)

 ትርሓስ ፍቃዱ

ሓደ ፅቡቕ ደስ ዝብል ምሸት፤ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ትካል ተቖፂሩ ዝሰርሕ ኢቫን ዲሜትሪች ቴርያኾቭ፣ ኣብ ቤት ሲነማ ኣብ ካልኣይ መስርዕ ተቐሚጡ በህድኣት፣ መንፈሱ ኣቀሲኑ ነቲ ምርኢት እናተኸታተለ እዩ። ኣብዚ ዓለም ኸምኡ ዝበለ ሕጉስ ሰብ ኸም ዘየለ ድማ ንዓርሱ ደጊሙ ደጋጊሙ ተዛረበ። ኣጋጣሚ! … እወ! ብሃንደበት… ልቢ ወለዳት እንተንብብ ‘’ሃንደበት’’ ምስ ዝብል ቃል ብዙሕ ግዘ ይራኸብ። ኣንቱም ሰብ እቶም ደረስቲ ሓቆም እዮም። ህይወት ብሃንደበት ወይ’ውን ተጓንፎ እያ። ኣጋጣሚ… ቴርያኾቭ ገፁ ጭምድድ፣ ኣዕንቱ ልም ፣ ትንፋሱ ድማ ቁርፅ በለ እሞ ካብ ዝተቐመጠሉ ሓፍ ኸም ምባል ኢሉ ‘‘ህንጥሹ…’’ ኣሀንጠሰ። እንታይ እሞ ነውሪ ኣለዎ ተሀንጠሰ። ኩሉ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ የሀንጥስ። ሓረስቶት የሀንጥሱ፣ ፖሊሳት የሀንጥሱ፣ አረ ሓልሓሊፉስ ሰበ ስልጣናት’ዉን የሀንጥሱ። ስለዝኾነ ድማ ቴርያኾቭ ብዙሕ ከይተረበሸ ኣፉ ሓባቢሱ ልክዕ ኩሉ ጭዋ ኸም ዝገብሮ ብናቱ ምህንጣስ ዝተረበሸ ከይህሉ ዘወርወር ኢሉ ረኣየ። ኣብዚ ግዜ እዙይ ሓደ ኣብ ቅድሚቱ ዝተቐመጡ ሰብኣይ መሃረብ ኣውፂኦም መላጥ ርእሶም ክፀርጉን ዝኾነ ነገር ከዕረምርሙን ረኣየ። እቶም ሰብኣይ ሓላፊ መገዓዝያ፣ ጄነራል ብሪዝ ምዃኖም ምስ ፈለጠ ቴርያኾቭ ማራ ሰንበደ።

‘ገፂበዮም እየ።’ ሓሰበ ቴርያኾቭ። እርግፅ ሓላፍየይ ኣይኮኑን እንተኾነ ግና ፅቡቕ ኣይገበርኩን ይቖሬታ ክሓትት ኣለኒ።’

ቴርያከቪ ‘እሕሕ.. እሕሕ..’ በለ እሞ ካብቲ

 ኮፍ ዝበለሉ ሓፍ ብምባል ናብ እዝኒ እቶም ጀኔራል ብምፅጋዕ ቀስ ኢሉ

“ይቅሬታ ጐይታ ጀነራል፣ ብሃንደበት ኣሀንጢሰሎም::”

“ዋላ ሓንቲ፣ ዋላ ሓንቲ” በሉ ጄነራል።

“አረ ወላዲተ ኣምላክ ጐይታ ጄነራል፣ ይቕረ ይበሉለይ፣ ፈሊጠ ዝገበርክዎ ኣይኮነን።”

“ኦ በይዛኻ ክሰምዐሉ ኮፍ በል”

ቴርያኮቪ ሓፈረ። ናብቲ ሲነማ ኣፍጠጠ። ይኹን’ምበር ኸዚ ቅሳነት ክስመዖ ኣይከኣለን። ውሽጡ ተረበሸ።

ብዛዕባ እቲ ምህንጣስ እናሓሰበ ብድሕሪኡ ዝነበረ ክፋል እቲ ምርኢት ኣይተኸታተሎን።

እቲ ምርኢት ምስ ተወደአ ኩሉ ነናብ ገዝኡ እንትኸይድ ቴርያኾቭ ድማ ነቶም ጀነራል ጎዩ ሰዓቦም እሞ ጉድኒ ጐድኖም እናኸደ።

“ኣሀንጢሰሎሞ ጐይታ ጀነራል፣ ይቕረ ይበሎለይ፣ ሪኦምዶ ጐይታ ጀነራል፣ ኣነ እዚ ዝፈፀምኩ ንዐኦም ….”

“እስቲ በቃ ደኣክል” ኣቋረፅዎ። ‘‘ንስኻ ኢኻ ብዛዕብኡ ትሓስብ ዘለኻ’ምበር ኣነ ረሲዐዮ እየ::”

“ወይ ምርሳዕ” በለ ቴርያኾቭ ብልቡ “ዓዕንቶሞ ግና ብኹራ ተመሊኡ እዩ። ብስሩ ‘ውን ከዛርቡኒ ኣይደለዩን። ሓሲበ ኸምዘይገበርክዎ፣ ምህንጣስ ሕጊ ተፈጥሮ ምዃኑ ከረደኦሞ ኣለኒ። ተዘይኾይኑ ኾነ ኢለ ዝገበርክዎ ክመስሎም ይኸእል። ኸዚ ንከይሓስቡ ይክእሉ፤ ፀኒሖም ግና ምሕሳቦም ኣይተርፍን።

ገዛ ምስ በፅሐ እቲ ዝገጠሞ ንሰበይቱ ኣዘንተወላ። ሰበይቱ ነቲ ነገር ኣግዲዳ ስለዝረኣየቶ ቴርያኾቭ ደንገፀ። ኸይኑ ግና እቶም ጄነራል ሓለቕኡ ኸም ዘይኸኑ ምስ

 ተረደአት ተረጋገዐት ’ሞ ‘’ኸዚ ’ውን እንተኾነ ኸይድኻ ይቕሬታ ሕተቶም። ተዘይኾይኑ ግና ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸመይ ኽትነብር ከም ዘለካ ዘይትፈልጥ ገይሮም ክወስዱኻ ይኽእሉ።”

“ሓቕኺ። ኣነ ይቕሬታ ሓቲተ እየ ግና ንሶም ኽርድኦም ኣይኸኣለን። ብሱሩ ንሐዛርቡኒ ’ውን ግዘ ኣይነበረን።”

ንፅባሒቱ ቴርያኾቭ ሓዱሽ ዲቢዛ ቤት ፅሕፈቱ ተኸዲኒ ፀጉሩ ተቐምቒሙ ከረደኦም ናብ ቤት ፅሕፈት ጄነራል ኸደ። ኣብቲ መቐበሊ ገዛ ብዙሓት ሰባት ረኣየ። ካብኣቶም ሓደ እቶም ጄነራል እንትኾኑ ነቶም ሰባት ቃለ መሕትት ይገብርሎም ነበሩ። ንብዙሓት ሰባት ቃል መሕትት ምስገበሩ ናብ ቴርያኾቭ ገፆም ኣዚሮም፡

‘’ንስኻኸ ዋኒንኻ እንታይ እዩ ነይሩ?’’ በልዎ።

“ትማሊ፣ ጐይታ ጄነራል፣ እንድሕር ዝዝክሩ ኾይኖም ኣብ ቦታ ሲነማ ኣሀንጢሰሎም ነይረ… ይቕረ…

“እንታይ ዝበለ ዕቡድ እዩ እዙይ?!” እቶም ጄነራል ምስኡ ምዝራብ ገዲፎም ናብቲ ዝቕፅል በዓል ጉዳይ ገፆም ኣዞሩ።

‘ክዛረቡ ’ውን ኣይደለዩን’ ሓሰበ ቴርያኾቭ። እዚ ማለት ብምህንጣሰይ ተቖጢዖም ’ዮም ማለት ’ዩ። ሱቕኢለ ክገድፎም የብለይን ፅቡቕ ገይረ ከረድኦም ኣለኒ”

እቶም ጄነራል ዘረበኦም ምስወድኡ ቴርየኾቭ ናብኦም ፅግዕ ኢሉ፡

“ጐይታ ጄነራል ምናልባት ኣስልኪየዮም ተኾይነ ይቕሬታ ዝተሰመዐኒ ጣዕሳ ንምግላፅ እዩ…ኮነ ኢለ ዝፈፀምኽዎ አይኮነን እንተ ኣሚኖምኒ…”

“ኣይኮነን ኮነ ኢልኻ ኣባይ ክትቕልድ ኢኻ መፂኻ።”

 በሉ እሞ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ ዓፅዮም ናብ ውሽጢ ኣተው።

“ወይ ቀልዲ” ሓሰበ ቴርያኾቭ ንሶም ድማ ዘርከቡ ትቕልድ ኣለኻ ይብሉ ኣለው፣ ንሶም ጄነራል እዮም፤ ግና ኣይርድኦምን። ኸምኡ እንተኾይኑ ይቕሬታ ዝበሃል ኣይሓትትን ናይ በዕሎም ጉዳይ፣ እንተደልዮም ገደል ይእተው። በቃ ደብዳበ ክፅሕፈሎም እየ ግና ካልኣይ መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈቶም ኣይኸይድን። ወላዲተ ኣምላክ ዘይኸይድ።

ነቲ ደብዳቤ ግና ኣይፀሓፎን። ፈተነ፣ፀሓፈ ጫሕገረ ግና ሓሳብ ክመፀሉ ኣይከኣለን። ስለዚ በቲ ዝቕፅል መዓልቲ ብኣካል ክኸይድ ወሰነ።

“ጐይታ ጄነራል ትማሊ ኣቖጢዐዮም። ከምቲ ዝሓሰብዎ ብኦኦም ንምቕላድ ኣይኮነን። ኣሀንጢሰ ስለዝገፀብኽዎም ጥራሕ ይቕሬታ ንምሕታት ’ዩ ..ብአኦም ክቕልድ ሓሲበዮ እኳ ኣይፈልጥን። ንሕና እንተተነዓዒቕናማ ምክብባር ኣይክህሉን። ንሕና እንተዘይ…”

“ውፀለይ።” በልዎ እቶም ጄነራል። ገፆም ልውጥውጥ ኢሉ ብንዴት እናተንቀጥቀጡ።

“እንታይ!..” በለ ቴርያኾቭ ብም ሒር ድንጋፀ።

“ውፀለይ።” በልዎ ጄነራል ደጊሞም።

ቴርያኾቭ ዝኮነ ነገር ኣብ ከብዱ ክገላበጥ ተሰመዖ። ምንም ከይርኣየን ከይሰመዐን ናብቲ በሪ ኸደ። ገዝኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝበፅሐ ኣይዝክርን። ድቢዝኡ ከየኣውፀአ ኣብቲ መደብ ምስ ወደቐ ኣይተመለሰን ዓረፈ።

ፍልፍል፤The death of a governmental clerk(ትርጉም ኣምሓርኛ ብዮሃንስ ኣፍወርቅ)

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You