ዋኒኑ፡- ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ንዘቕረቦ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ብዝምልከት ውሳነ መንግስቲ ፌዴሪኢ።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብዛ ሃገር ወለዶ ዝቐትል መከራ ከምዘስዐበ ይፍለጥ። ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዝገበሩዎ መሪር ቃልሲ እቲ መከራ ተወጊዱ ኢዩ። ዝሓለፉ በደላት ብይቕሬታ ንምስጋር ሓይሊ ለውጢ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብፍቕሪ ንደመር፣ ብይቕሬታ ንሳገር ብዝብል መትከል መሰረት ብምግባር፣ ኩሉ ግዜ እናፍረስና ካብ ንሃንፅ፣ ዝሓለፈ ብይቕሬታ፣ ዝመፅእ ድማ ብኻሕሳ ንምሕላፍ ፃዕሪ ገይርና ነይርና። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ንኹልና ንእረመሉ ዕድል ሂቡና ነይሩ።
ይኹን’ምበር ጉጅለ ህወሓት ንኢትዮጵያ ኣፈራሪሰ እታ ዝፈራረሰት እናሸጥኩ እንተዘይተጓዓዝኩ ብዝብል ንይቅርታ ህዝቢ ዋጋ ክህቦ ኣይከኣለን። ንባዕሉ ድማ ካብ ከይዲ ለውጢ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ማሕለኻታት ምብዛሕ ጀሚሩ። በቲ ዝሓዞ ቅዋም ተደጋገምቲ ዝኾኑ ዕድላት ኣበላሺዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ጎንፂታት እናሓንፀ፣ ህልቂት እናፈጠረ ሃገር ንምፍራስ ዝገብሮ ስራሕ ቀፀለ። ብኢህወዴግን መድረኻት መንግስቲን እቲ ፀገም ብልዝብ ንምፍታሕ ዝነበረ ዕድል ክተዓናቐፍ ገይሩ ኢዩ። ብዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌዴራል ንምቅርራብ ዝተፈተነ ሽምግልና ኩሉ ብህወሓት ኣይፀግብን ብሃላይነት ፈሽሉ ኢዩ።
እዚ ኩሉ ኮይኑ’ውን መንግስቲ ዝኸፍአ ሃገራዊ ናዕቢ ክሳብ ዘይተፈጠረ እቲ ፀገም ብትዕግስቲ ምርኣይ ይግባእ ዝብል ቅዋም ነይሩዎ። ጉጅለ ህወሓት ናብቲ ክልል ዝተለኣኸ በጀት ንመዕደጊ ኣፅዋርን ድግስን ጥፍኣትን እናውዓሎ ከምዝኾነ እናተፈለጠ ህዝቢ ከይጉዳእ ብዝብል በጀት እቲ ክልል እንተይተቛረፀ እኳደኣስ ተወሳኺ በጀት ተዋሂቡዎ፤ እቲ ክልል ኣብ ፌዴራል መንግስቲ ዝነበሮ ውክልና እንተይተነኽአ ብሰላም ንኽቕፅል ተፈቲኑ ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ጎንፂን ምፍንቓልን እናስዐበ እናሃለወ ‘ውን ንኽልል ትግራይ ንምምሕዳር ዝኣገዶ ኣይ ነበረን።
እዚ ኩሉ ናይ መንግስቲ ትዕግስቲ ከም ፍርሓት ዝቖፀረ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ሃገር ከፍርስ ዝኽእል መጥቃዕቲ ፈፀመ። ልዕሊ 20 ዓመት ዶብ እናሓለወ ንህዝቢ ትግራይ እናሓለወ ዝነበረ እዚ ሰሜን ዘስካሕኽሕ ግፍዒ ሰሪሑ። ዝተወሰኑ ቀቲሉ፣ ዝተወሰኑ ሓሪዱ፣ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ድማ ኢሰብኣዊ ተግባር ፈፀሙ ኢዩ። ኣፅዋር ናይ እዚ ሰሜን ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግልፂ ሓደጋ ከንፀላሉ ገይሩ።
ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ሉኣላውነትን ህልውናን ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ብዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፣ እቲ ጉጅለ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ ኢዩ። ውዳብኡ ፈሪሱ፣ ወታደራዊ ዓቕሙ ተደምሲሱ፣ ኣመራርሑኡ ምሩኽ፣ ምዉትን ቁሱልን ኮይኑ፣ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ኢዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንትኸፍት ዕላማኡ ጉጅለ ህወሓት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ በምግባር ንኢትዮጵያ ምድሓን ነይሩ። በዚ ዕላማ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ሃገር ሓደጋ ዘይድቅነሉ ብርኪ ወሪዱ፣ዝተረፈ ሓይሉ ድማ ዝተበተነ ተረፍ መረፍ ኮይኑ። ሓደጋ ዘብፀሐሉ ዝነበረ ኣፅዋር ኲናት ተመንዝዑ። ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዓቅሙ’ውን ኢምንት ኮይኑ። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ክልላትን ዝነበሮ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ መምለጢ መንገዲ በሰራዊት ምክልኻል ስለተዓፀወ ገበነኛታት ዘምልጥሉ ዕድል ተመናሚኑ እዩ። ብሰንኪ እዚ ካብ ሽንጥሮ ሽንጥሮ እናዘለለ ዝነብር ሽፍታ ኮይኑ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምስዛዘመ ገፁ ናብ መሊስካ ምጥያሽ ብምዟር ጉጅለ ህወሓት ብዘብፀሖ ጥፍኣት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ናይ ህይወት መስዋእቲ እንተይተረፈ እናኸፈለ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሰሪሑ ኢዩ። እቲ ስራሕቲ መሊስካ ህንፀትን ሓገዝን ንምሕጋዝ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስታት ክልላትን ልዕሊ ብር 100 ቢሊየን ወፃኢ ገይሮ ኢዮም። ልዕሊ 30 ዝኾና ትካላት ሓገዝን 400 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቶም ናብቲ ክልል ኣቲዮም ሓገዝ ንኽገብሩ ገይሩ ኢዩ። ካሊእ ይትረፍ ፀገም መራኸቢ ከይህሉ ብፍሉይ መልክዑ ንዓለም ለኸ ትካላት ናይ ባዕሎም መሳርሒ ንምጥቃም ዘኽእል ዕድል ተፈጢሩሎም እዩ። ሃገር ለኸን ዓለም ለኻዊን መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ከይዲ ንኽዝግቡ ተፈቒዱ ኢዩ። ማሕለኻታት ቪዛን ጉዕዞን ከይህልዉ ኩሎም ኩነታት ተመዓራሪዮም ኢዮም።
ኣብ ከይዲ እቲ ጉዕዞ ግን ዝተወሰኑ ዓለም ለኸ መሓዙትና እቲ ፀገም ንምግንዛብ ድሌት ኣየርአዩን። ረድኤት ንኽህቡ ዝኸፈትናሎም መስመር’ውን ዘይተገበአ ተግባር እንትጥቐሙሉ ተራኢዮም እዮም። ዝተወሰና መራኸብቲ ሓፋሽ ‘ውን ካብ ሓቂ ብምርሓቕ ብተፃራሪ ጠጠው ምባል መሪፀን ኢየን። ካብ ሞንጎ ዝግበሩ ሓገዛት 70 ሚኢታዊ ዝኸውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሽፈን እናተፈለጠ ንመንግስቲ ኣፍልጦ ክህባ ኣይከኣላን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ካብዝጉዳእ እቲ ፀውራ ፀይረ ምሕላፍ ይሐይሽ ብዝብል ቅዋም እዚ ኹሉ ፀገም ተፃዊሩ ሓሊፉ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፍታሕ ቀዳማይን ዋናን ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ምበር ረድኤት እንተይሃቡ ብዛዕባ ሓገዝ ዘውርዩ ኣካላት ከምዘይኮነ ብምእማን ዝተኸኣለ ኩሉ ገይሩ ኢዩ።
ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝነበረ ግዘ ረድኤት ንምብፃሕ፣መንግስታዊ ግልጋሎት ንምጅማር፣ናይ ፀጥታን ፍትሕን ኣካላት ብምስልጣን ምውፋር፣መሰረተ ልምዓት መሊሲካ ምህናፅ፣መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ምኽፋል፣ንቲ ሕዝቢ ቅድም ክብል ህወሓት ምስ ዘቖራረፆ ወገኑ ንክራኸብ ውዒሉ እዩ። ምስዚ ጎና ጎኒ ዝተበተነ ሽፍታ ኣመራርሓ ንምሓዝ ብዝገበርናዮ ወፍሪ እቶም ቀንዲ ተደሚስሶም እዮም ወይከዓ ተታሒዞም እዮም። ዝቐረዩ ድማ ኣብ ሃገር ሓደጋ ካብ ምብፃሕ መንፅር ትርጉም ዘይብሎም ኮይኖም እዮም።
ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ከምዘሎ ኮይኑ ጎድና ጎድኒ ምኽባር ሕጊ ፀገም እቲ ክልል ብዘላቐነት ንምፍታሕ ብኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን እናቀረቡ ዝነበሩ መፍትሒ ሓሳባት መንግስቲ ፌዴራል እናተዓዘቦም ፀኒሑ ኢዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተኸታታሊ ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ተመልኪቱዎ እዩ። ብሓደ ወገን ነቲ ከባቢ ብዝመርሕ ኣካል ዝቐረበ ምዃኑ፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ እቲ ሕቶ ቅድሚ ምቕራቡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ተወለድቲ እቲ ክልል፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ልዝብ ዝተገበረሉ ምዃኑ ኣብ ግምት ከኣቱ ተግይሩ ኢዩ። ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ህዝቢ ኢትዮጵያን ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ንሰላም ሃገርና ዝሃብዎ ፍሉይ ትኹረት ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ። እዚ ሰላም ኣካል ኢትዮጵያ ንዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ተቋዳሲ ክኾን ይግብኦ ተባሂሉ ስለተኣመነሉ። ህዝቢ ትግራይ’ውን ሰላምን ለውጥን ደላይ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መገድታት ክግለፅ ዝፀንሐ ምዃኑ ስለዝፍለጥ። ሉኣላውነት ሃገር ካብ ወፃኢ ሃይልታት ካብ ዝስንዘሩ ትኮሳታት ንምክልኻልን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግደብ ህዳሰ ትኹረት ምሃብ ናይዚ እዋን ኣንገብጋቢ ሕቶ ብምዃኑ።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ከምዝሓበሮ፣ መላእ ህዝቢ’ውን ከምዝርደኦ፣ ዝተበታተነ ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ዝሃድመሎም ከባቢታት ሓረስታይ ተረጋጊኡ ናብ ሕርሻ ከኣቱ ኣይከኣለን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ክልል ዕስለ ኣምበጣ ዘጥቀዖ ብምዃኑ ፍርያት ሕርሻ ብእኹል ኩነታት ኣይረኸበን፣ ካብ ኣምበጣ ዝተረፈ ከይእክቦ ድማ ኣብ እዋን መእከቢ ብሽም ህዝቢ ዝንግድ ህወሓት እቲ ከባቢ ናይ ጎንፂ ማእኸል ገይሩዎ እዩ። በቲ ኹነታት ናይዚ ዓመት ኽረምቲ ብዘይ ሕርሻዊ ስራሕቲ እንተሓሊፉ ንሓረስታይ ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኸን ትሞተን ክኾኖ እዩ። ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ብዝነዝሖ ራዕዲ ምኽንያት ናይ ኲናት ጋሻ ኮይኑ እናተዳጎነ ይርከብ። እንትዋጋእ ሚሊሻ እንትጥቃዕ ሲብል ዝኾን ሃይሊ እናተፈጠረ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ህወሓት ብዝፈጠሮ ቀውሲ ገዝኦም ዝፈረሶም፣ ስራሕቲ ሕርሻኦም ዝተኣጓሎም፣ ከባቢኦም ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ኩሎም ዝተረጋግዐ መነባብሮ ክነብሩ ኣይከኣሉን።
ብሓደ ወገን እዞም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ኣብ በረኻ ምስ ዝተበተነ ሓይሊ ኩነታት እንተተመዓራሪዮምሉ ናብ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ሓይሊ ይህሉ ኢዩ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ፣ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ብኣወንታ ተቐቢሉዎ ኣሎ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ሓይሊታት ጥፍኣት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲን ዝተጀመረ ተግባር ምርመራን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ሓረስታይ ተረጋጊኡ ስርሑ ንኸሳልጥ፣ ስራሕቲ ሓገዝ ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ናፃ ኮይኑ ንኽከፋፈል፣ ሰላም ዝመረፁ ተረፍ መረፍ ኣካላት ጉጅለ ህወሓት ናብ መገዲ ሰላም ንኽመፅኡ፤ እንተይተረደኦም ናብቲ ተረፍ መረፍ ሓይሊ ጥፍኣት ዝኣተዉ ኣካላት ከምብሓዱሽ ንኸሓስቡሉን ናብ ሰላማዊ መገዲ ንምምፃእን ዕድል ክረኽቡ ንምግባር፣ እቲ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝዛዘም ዝፀንሕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኹነት ኣብ ሰብኣውነት ዝተመርኮሰ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ካብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ኣዊጁ ኣሎ።
ኩሎም ትካላት ፌዴራልን ክልልን ሲቪልን ወታደራዊን፣ ካብ መንግስቲ ዝወሃቦም ዝርዝር ኣፈፃፅማ መሰረት ብምግባር እቲ መምርሒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኸኽብሩ ተኣዚዞም ኣለዉ። እቲ ፅቡቕ ዕድል ንሕማቕ ተግባር ዝጥቀሙ ወገናት እንተኣጋጢሞም ግና ኣድላዪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከከም ኩነታቱ ክሳለጥ ኢዩ።
መንግሥቲ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ(ፌዴሪኢ)
ወጋሕታ 24 ሰነ 2013