ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንመንግስቲ ፌዴራል ዘቕረቦ ሕቶ ንቐዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ

ዋኒኑ፡- ብምኽንያት ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ዝተፈጠረ ፀገም ትግራይ ንምፍታሕ ሓሳብ ስለ ምቕራብ ብድልየትን ድፍኢትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመፀ ለውጢ ተኸቲሉ ህወሓት ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ፅልኢ ውሽጢ ምእታዉ ይዝከር እዩ። ለውጢ ክመፀሉ ዝኸኣለ ምኽንያት ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዐቦ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቐውሲ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ህወሓት ካብ ጌጋኡ ተኣሪሙ ኣብቲ ከይዲ ለውጢ ዝሳተፈሉ ዕድል ሂብዎ ነይሩ። ነዚ ዕድል ክጥቐም ዘይካኣለ ህወሓት ካብ ከይዲ ለውጢ ምውፃእ ጥራሕ እንተይኮነስ ብሉኣላውነት ኢትዮጵያ፣ ሃላዋትን ኣብ ሓድነት ግዝኣት ዝኸፍአ ሓደጋ ኸድቅን ጀሚሩ እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝፍፅሞ ግብረ ራዕድን ምልዕዓል ኵናት ብተወሳኺ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዕሱባት እናዋፈረ፣ ምስ ናይ ደገ ፀላእቲ ሕብረት እናፈጠረ፣ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ከምኡ ‘ውን ጎንፂን ምምዝባልን ክህሉ ገይሩ እዩ።

ነዚ ናይ ህወሓት ግብረ ራዕዲ ንምቕራፍ መንግስቲ ሰለስተ ዓይነት መፍትሒ በቢ ምዕራፉ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ። ናይ መጀመርያ ህወሓት ኣካል ናይቲ ለውጢ ኮይኑ ክቕፅል ብፓርትን መንግስትን ናይ ዕድል መድረኻት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። ነዚ ዕድል እዚ ኣይጥቐምን ኢሉ፣ መንግስቲ ዘቐመጦ መንገዲ ሰላም ነፂጉ ጠቕሊሉ ናብ ትግራይ ክኣቱ ክኢሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ’ውን ተሰማዕነት ብዘለዎም ኣካላት ናይ ልዝብልን ሰላማውን መገዲታት ተመቻችይሉ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት ወይ ኣነ ጥራሕ ክመርሕ እየ፣ ወይ ድማ ሃገር ከፍርስ እየ ብምባል ብዝሓዞ ናይ ጥፍኣት ቅዋም ዝተላዕለ ኩሉ ናይ ሰላም ፃዕሪታት ክሳኽዑ ኣይከኣሉን።

ኣብ መወዳእታ ናይ ኵናት ነጋሪት እናጎሰመ፣ ወታደራዊ ዓቕሙ እናሓየለ ብምፅናሕ ኣብ እዚ ሰሜን ዘሕዝንን ታሪኽ ዘይርሰዖ መጥቓዕቲ ፈፂሙ እዩ። እዚ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ፣ ህላውን ሓድነት ግዝኣትን ኣብ ሓደጋ ዘአቱ ተግባር ክፍፅም ክኢሉ እዩ። መንግስቲ ፌዴራል ሃገር ንምድሓን ብሕገ መንግስቲ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ንምውፃእ ናብ ዘይደልዮ ኵናት ኣትዩ እዩ።

ገበነኛ ሓይሊ ህወሓት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ውሽጢ ካብ ከተማ መቐለ ብምልቓቕ በረኻ ኣትዩ እዩ። ገሊኡ ኣመራርሓ ተቐቲሉን ተኣሲሩን እዩ። ዘሰልጠኖ ምልሻን ፍሉይ ሓይልን ዝነበሮ ኣማራፂ ዕጥቑ ሓቢኡ ናብ ህዝቢ ምሕዋስ እዩ ነይሩ። ዝተወሰነ መራሒ ሓይሊ ናብ በረኻ እንትኣቱ መብዛሕትኡ ምልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣብ ሓንጎሉ ዘሎ ዕጥቒ እንተየራገፈ (disarmament of the mind) ዕጥቑ ፎቆድኡ ሓቢኡ ኣብ ህዝቢ ሰላማዊ መሲሉ ተሓዊሱ እዩ። መንግስቲ ቐንዲ ዕላምኡ ንሃገር ሓደጋ ዝኾነ ከሓዲ ሓይሊ ጥፍኣት ኣብ ዘየብፀሐሉ ብርኪ ንምብፃሕን ናብ ሕጊ ንምቕራብን ብምዃኑ መብዛሕትኡ ተሰላፍን ተለጣፍን ሓይሊ ብዓይኒ ምሕረት እዩ ተመልኪትዎ ነይሩ።

ድሕሪ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ቐንዲ ቖላሕታ መንግስቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ምምላስ፣ ገበነኛ ሓይሊ ህወሓት ዘፍረሶ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ምህናፅ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕ ምግባርን ሰላምን ድሕንነትን ምስፋን እዩ ነይሩ። ነዚ ተባሂሉ ናይ ቴሌኮሙኒኬሽንን መብራህትንን መሰረተ ልምዓት ክጅምሩ፣ ግልጋሎት ጥዕና ክቕፅሉ፣ ትምህርቲ፣ ባንኪ ክጅምሩ ፣ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም ዝነበሩ ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ክምለሱ፤ ጠጠው ኣቢሎም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓት ፕሮጀክትታት ክጅምሩ፤ ግልጋሎት ፖሊስን ፍትሕን ክጠናኸሩ፤ እታወታት ግብርና ክቐርቡ፤ ንተሓገዝቲ እኹል ሓገዝ ክቐርብ ምስ ዝምልከቶም ናይ ውሽጥን ደገን ተሓባበርቲ ኣካላት ብምዃን ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ኩሉ እንትኾን ግና እቲ ሓይሊ ጥፍኣት እናሰርሖ ዘሎ ተደጋጋሚ ናይ ጥፍኣት ተግባርን ናይ ባዕሉ ኣውያት ብዘሰራጭዉ ኣካላት ዝተላዕለ ዝተሓሰበ ውፅኢት ክመፅእ ኣይካኣለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ ብር 100ቢልዮን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሓገዝ፣ ግልጋሎት መንግስቲ ንምቕፃልን ንመስረተ ልምዓት ኣውዒሉ እዩ። እዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘብፅሖ ፅዕንቶ ልዑል እዩ። ክልላት ካብ በጀቶም ቐኒሶም ክልል ትግራይ ንምጥያሽ ድጋፍ ሂቦም እዮም። ሓገዝ ከንህብ ኢና ዝብሉ ኣካላት ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ንላዕሊ ኮይኑ ምችው ኩነታት ተኸፊቱ እዩ። ምሩፅ ዘርኢ፣ መዳበርያን ትራክተርን ብምግዛእ ንምብፃሕ ተሞኪሩ እዩ። ናይ ውሽጥን ደገን ሚድያታት እኹል ሓበሬታ ዝረኽብሉ ኩነታት ኣመቻችዩ እዩ። ነዚ ኩሉ ተግባሩ ግና መንግስቲ ብዘኾለሰሉ ቑፅሪ ናይ ምንካስ ዕድል እዩ ገጢምዎ።

ህወሓት ኣብዚ ሕዚ ግዜ ዝተበተነ ሓይሊ እዩ። ኮይኑ ግና ንብዙሕ ዘመናት ኣብቲ ክልል ዝዘርገሖ ናይ ፍርሒ መሓውር ዜጋታት የፈራርሕ፣ ይቐትል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅሕ የተዓናቕፍ፣ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ይቐትል፤ ዜጋታት ሓገዝ ከይቕበሉ የፋራርሕ፤ እንተተቐቢሎም ካብዝተዋሃብዎ ሓገዝ እኽሊ ነቲ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ሓቢኦም ከዋፅኡ የገድድ። ህዝቢ ትግራይ ብፍርሕን ስግኣትን ክነብር ይገብሩ ኣለዉ ብምባል ይቓወሙኒ እዮም ዝብሎም ኣካላት ክቕተሉ ይገብር። ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 50 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓፊኑ፣ ኣቚሲሉን ቐቲሉን እዩ።

ዕላማ ህወሓት ህዝቢ ኣብ ኵናት ክጥጠቕ ምግባር እዩ። በዚ ዝተላዕለ ሲቪላት ተገዲዶም ክዋግኡ ይገብር። ህፃናት እናመልመለ ናብ ኵናት ይጠብሶም። ሓረስቶት ናይ ሕርሻ ስርሐም ገዲፎም በረኻ ንበረኻ ክንከረታቱ ይገብር። ግልጋሎት ትምህርትን ጥዕናን ከይህሉን ከይህቡን የተዓናቕፍ። ንተፈላለዩ ህዝባዊ ግልጋሎታት ዝዋፈሩ ሰብ ሞያ ኣካላት ክቕተሉ ይገብር። ኣብ ውሽጢ ህፃናትን ኣዴታትን ኮይኑ ኵናት ይኸፍት። ክውቓዕ እንተሎ ሲቪልያን ተወቒዖም ብምባል የአዊ። ነዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጥቕሙን ስልጣኑን መሐለዊ ሓፁር እምበር ወገኑ ኣይኮነን።

ብፍላይ ሕዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ሕርሻ ወቕቲ እዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ እንተዘይኣትዩ ናይ ዘርኢ እዋን ስለ ዝሓልፍ ንቐፃሊ ሓረስታይ ንዓመታት ተሓጋዚ ኮይኑ ክነብር ዝገብር እዩ። እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ እዚ ነዚ ፀገም እዚ ባዕሉ እናፈጠረ እናሃለወ ኮይኑ ግና ሰራዊትን መንግስቲ ኢትየጵያን ነዚ ዕዳ ክሽከመሉ ይደሊ። መንግስትን ትካላት ሓገዝ ሓገዝ ከየብፅሑ፣ ንሓረስታይ ምሩፅ ዘርእን መዳባርያን ከየቕርቡ ዕንቕፋት እናኾነ ህዝቢ ጠምዩ ብምባል ባዕሉ የአዊ። ምኽንያቱ ህወሓት ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ እንትሞትን መከራ እንትገጥሞን እዩ።

ብምዃኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል፣ ምስ ናይ ዞባ መራሕቲ፣ ኣብ ተፈላላዩ ቦታታት ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ፣ ሙሁራን ተጋሩ፣ ሰብ ሃፍትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝገበሮ ተኸታታሊ ምኽክር መሰረት ብምግባር፡-

1. ኣብ ክረምቲ ወቕቲ ሓረስታይ ዘለዎ ዓቕሚ ተጠቒሙ ተረጋጊዑ ምእንቲ ክሓርስ፤

2. ክሳብ ሕዚ ንፅጉማት ክባፃሕ ዝኽእል ሓገዝ እኽሊ ኣለና

 እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኵናት ምኽንያት ቐረብ ሓገዝ ከይተዓናቐፍ ንፅጉማት ብዝሓሸ መገዲ ሓገዝ ኣቚሕት ንምቕራብ፣

3. ብፍላይ ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብምኽንያት ቤቶም ምፍራስ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ቕድሚ ክረምቲ ምእታዉ መንግስቲ ንምሕጋዝ ከምዝሰርሕ ኩሉ፣ ኣብ ትግራይ ገዝኦም ዝፈረሶምን ተመዛበልትን ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ መገዲ ንምኽፋት፣

4. በረኻ ምስ ዘሎ ሓይሊ ምስ መንግስቲ ብምዝርራብ ናብ ናይ ሰላም መገዲ ንምምፃእ ዝደልዩ ሓይሊታት ስለ ዝተፈጠሩ ነዞም ሓይሊታት እዚኦም ናይ ሰላም መገዲ ምኽፋት ስለ ዘድሊ፣

5. ክሳብ ሕዚ እዋን ቐንዲ ቖላሕታ መንግስቲ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ምስኻዕን ብሰላም ብምዝዛሙን መንግስቲ ቐንዲ ቐንዲ ፀገማት እታ ሃገር ብዘላቕነት ናብ ዝፍተሐሉ ኣንፈት ምኻድ ፅቡቕ እዩ ኢልና ስለ ንኣምን፣

6. መብዛሕትኡ ኣመራርሓ እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ተማሪኹ፣ ተቐቲሉን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ እዩ። ኮይኑ ግና ውሑዳት ህዝቢ ኣገዲዶም ናይ ኵናት ሽፋን ብምግባር ዝኸፍአ ጉድኣት እናብፅሕሉ ብምዃኑ፤

7. ተረፍ መረፍ ህወሓት ኮነ ኢሎም ህዝቢ ክጠሚ ብምግባር ንረብሓ ሚድያ ንምጥቓም ምንቕስቓስ እናገበረ ብምዃኑ፣

8. ንህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክእልሸሉ ዘለዎ መንግስቲ እምበር ንህዝቢ ዘይግደሽ ሓይሊ ጥፍኣት ዝኾነ ህወሓት ኣይኮነን። ብምዃኑ መንግስቲ ብዝበለፀ ዕጉስን ከኣልን ብምዃን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክህብ ስለ ዘለዎ፣

9. ህዝቢ ቕሳነት ረኺቡ ኣካል መፍትሒ ዝኾነሉ ዕድል ምምችቻው ክከኣል፣

መንግስቲ ፌዴራል ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ ተወሳኺ ጉድኣት ብዘየስዕብ መልክዑ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ (Humanitarian Ceasefire) ክገብር ብሽም ህዝቢ ትግራይን ሰላም ፈታዊ ህዝብን ንሓትት።

ምስ ሰላምታ

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You