‹‹ሓደ ኪሎ ስንዳይ ኣምፂኡ ነቲ ህዝቢ ከየብፅሕ ተባሂሉ ዝተኸልከለ ዓለምለኸ ትካል የለን ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

መሰረት ገ/ዮሃንስን ትርሓስ ፍቃዱን

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ መረፃን፣ ፈተና ኢትዮጵያ፣ግድብ ህዳሰ፣ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ፣ኣብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተወሰደ ስጉምትን፣ድርቅን ረሓብን ኣድሂቦም ቅድሚ መረፃ ምስ ፋና ብሮድካስት ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎን ድሕሪ መረፃ 18 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተመሓላለፈ ስፍሕ ዝበለ ቃለ መሕተት እቲ ሓሳብ ብምፅሟቕ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ፤ሰናይ ንባብ!

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር መረፃ ንይስሙላ ምዃኑ ተሪፉ ዜጋታት ዝኣምንሉ ክኾን ሙከራ እንተይኾነስ ዝሓሸ ሓሳብ ዘለዎ ፓርቲ ዝወፀሉ መረፃ ንክኾን ሓሲብና ኢና እናሰራሕና ዝነበርና።እቲ መረፃ ዲሞክራስያዊ ፤ዝሓሸን ተኣማንነት ዘለዎ ይኹን ዝብል እቲ ዋና ዝተቓለስናሉ ሓደ ኣጀንዳ እዩ።እሱ ምቅላስ ናይ ቃልስና ፍረ ከምርኣይ ዝቑፀር እዩ።ካብዚ ኣንፃር ብዙሓት ስራሕቲ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና።

ካብ ቦርዲ መረፃ እንትጀምር ፤እቲ ትካል ብዝምልከት ኸዚ ዘሎ ትካል ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ትካል እንተነፃፀር እንተለና ካብ መንግስቲ ዝግበረሉ ሓገዝ ንውድድር ዝቐርብ ኣይኾነን።እቲ ኣመራርሓ ሙሉእ ብሙሉእ ኹሎም ቦርድ ኣባላት ካብ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ፤እቶም ኣመራርሓ’ውን ተቃዋሚ ፓርቲን ዝምልከቶም ብመዳርግቲ ኣካላት ብዘተ ዘምፅእዎም ኣባላት እዮም።ኣብ ሓደ ሰብ መንግስቲ ፅዕንቶ ከሕድር ኣይሞከረን።ስለዚ እቲ ቦርዲ ኣመፃፅእኡ ንባዕሉ ካባና ወፃኢ ዝኾነ መረፃን ሹመትን ወፃኢ እዩ።

እቲ መረፃ ንሓደ ዓመት ንከይናዋሕ ጠንካራ ቅዋም ነይሩና ፤ከምናትና ዓይነት ቅዋም ዝነበሮ ፓርቲ ምህላዉ እርግፀኛ ኣይኮንኩን ።ንሕና እዚ ውሳነ ንምቕባል ተፀጊምና ነይርና ኢና።እቲ መረፃ ክግበር ኣለዎ ዝብል ዝፀንዐ ቅዋም ነይሩና እዩ።ኾይኑ ግና ካብ ቦርድ መረፃ ኣብ ዝነበረ ዘተ ብምኽንያት ኮሮና ንምክያድ ዘኽእል ብቅዓት የብለይን ዝብል ሓሳብ እንተቕርብ ምንም እኳ ኣብ እዋኑ ንክግበር ድልየት እንተነበረና ናይ ምግባር ዓቕሚ የብልናን እናበሉ መረፃ ንምክያድ ምድፋእ ውፅኢቱ ፅቡቕ ኣይኾንን።

ዘይዋሓጠልና ዘይንስማዕመዐሉ ውሳነ እንቕበል ትካል ንምስራት ካብ ዘለና ድልየት እዩ።ንሕና መንግስቲ ኢና፤ ዝውሰኑ ውሳነታት እንቕይር ፤እነማሓይሽ እንተኾይኑ እናሓስቦ ነፃን ዘይሻራዊን ትካል ኣይንሃንፅን።በዚ ምኽንያት እቲ ሓሳብ ተዘይኣመናሉ እውን ተቐቢልና ክንፍፅም ኢና።ኣብ ውሳነታት ጣልቃ እናኣቱ እንተኾይና ናይቲ ትካል ነፃን ዘይሻራውን ፅዕንቶ ምሕዳር ስለዝኸውን በዚ ምኽንያት ብዙሓት ምኽንያት ተይኣመናሎም ፣ከይደለናዮም እንፍፅሞም ኣለዉ።ዝውሰኑ ውሳነታት ብዙሕ ሰብ ዝሓስቦ መንግስቲ ከምዝወሰነ እዩ።መንግስቲ ዘይተዋሓጠሉን ዘይቕበሎን’ውን እዩ ዘፈፅም።

ንምንታይ እዩ ኢትዮጵያ ፈተና ዝበዝሓ

ኢትዮጵያ ፈተና በዚሕዋ ዝባሃል ብተደጋጋሚ ዝስማዕ እዩ። ዝምለከቶ ሰብ ሓደራ ክብል ዝደሊ ክንሓልፍ ከለና እዚ ፈተና ከይርሳዕ እዩ።ፈተና ከምዘለና ምፍላጥ ፅቡቕ ነገር እዩ።ፈተና ክንሳገር ከለና ምርሳዕ ግቡእ ኣይኮነን።ካብ እንመፅእ ሰዓት ጀሚሩ በቢመዓልቱ ፈተና ዝተመልኦ ጉዕዞ እዩ ነይሩ።ካብ ምብራቕ ሶማሌ ሓሊፍና ክንሻገር ከለና ይርሳዕ እዩ።ክርሳዕ የብሉን።ኻልኣይ ብዙሕ እንሰምዖ ድምፂ ድምፂ ፀላእትና እዩ።ዝቃረኑ ሓይልታት ድምፂ።ፀላእትና ተረዲእዎም እዩ ፤ እንጓዓዞ መገዲ፤ናበይ እናተጓዓዝና እናኸድና ከምዝኾነ ጠንቂቆም ይፈልጡ እዮም።ጉዕዞ ብልፅግና ዘይቅልበስ ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ኸባቢኣን ሃገራት ዕብየት እትቕፅል ከምዝኾነት ተረዲእዎም እዮም።እዚ ደጋጊሞም መፍረሲ መገዲ ኢሎም ንፅልእን ጠቓሚ ዘይኾኑ ጉዳያት ኣብ ኣየር ይሞልኡ እዮም።ኾይኑ ግና ናትና ዝባሃል ሰብ ድማ ፀላእትና ደጋጊሞም ዝነግሩና ናይ ውሽጢ ድኽመትና ጉዳያት ከምዝኾነ ኣይፈልጡን።

ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምድኻም ፤ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምብታን ፤ብዛዕባ ኢትዮጵያ ፀገም ውሽጢ ምእታው ፤ካብ ካልኦት እንሰምዖ ድምፂ ኣብ ባዕሎም ዘሎ ድኽመት መግለፂ ገይርና ተዘይወሲድና ፀገም እዩ።ንኣብነት ብልፅግና መፂኡ ሓሲቡን ተሊሙን ዝሰርሖም ጉዳያት ኣየልዕልን።ንኣብነት እንጠጦ ሰሪሕና ፤ካልእ ሰሪሕና ኢልና ኣይዛረብን።ንሳቶም ይፅንሑልና።ኾይኑ ግና ኣብዚ ፈተና ውሽጢ ቅድም ሰላም ነይሩ፤ዝሓሸ እዋን ነይሩ ኣብ ዝባሃል እዋን ዝፀንሑ ዝተበላሸዉ ስራሕቲ ጥራሕ ንርአ ፤ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝነበሮ ከይዲ ቅድሚ ኸዚ’ውን ኢለዮ እየ፤ ኣብ 20 ዓመት ኣይውዳእን።ኤሌክትሮ ሜካኒካል ከምዘሎ ኣፍሪስና 450 ሚልየን ዩሮ ተወሳኺ ሃፍቲ ኣፍሲስና ፣ኣመራሓ ፣ስርዓቱ እቲ ኩባንያ ቀይርና እዩ እቲ ህዳሰ እናሰራሕና ዘለና።

ኣብ ሰላም እዋን ምግባር ዘይኻኣልና ኸዚ ኣብ እዋን ፈተና ከምይ ገይርናዮ፤ኮይሻ ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ኢሉ ነይሩ፤ህዳሰ ግድብ ፀገማት እንተነበርዎ ‘ውን ምቅስቃስ ነይርዎ እዩ፤ኸዚ ፈተና ኣሎ ኣብ ዝበልናዮ እዋን ገንዘብ ፤ጉልበት ፤ሓይሊ መራሕን መዲብና ኮይሻ ከም ሓድሽ እናሰራሕና ኢና።10ዓመት ፋብሪካ ስኳር ኣብቲ ዝሓሸ ሰላም ፤ ፈተና የለን ኣብ ዝባሃለሉ እዋን ዝተጀመረ ክዛዘም ኣይተኽኣለን።ድሕሪ እቲ ለውጢ ሸውዓተ ዛዚምና ኢና።ብር 92 ቢሊየን ነዚ ወፃኢ ገይርና ኢና።ኣብ ፈተና ውሽጢ ጠጠው እንብል እንተይኾነስ ፤ፀገም ተፃዊርና እንሻገር ምዃና ዘሎ ኩነታታ ዘርኢ እዩ።

ኣርባዕተ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ኣብ ኣርባዕተ ክልል ጀሚርና ኢና።በዚ ፈተና እዩ ዝተብሃለ እዋን እቶም ሰለስተ ዛዚምና ኢና፤ካብ ህንፃ ፕሮጀክት ኣንፃር ብጣዕሚ ብዙሕ ጉዳያት ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም።ሓደ ሰብ ኮፍ ኢሉ ዓቐብ እናራኣየ ኣዚ ዓቐብ እንተወፅአ ክደኽመኒ እዩ፤ኣብዚ እንተተጓዒዘ ሓደጋ ክበፅሐኒ እዩ፤እናበለ ኮፍ ኢሉ ክቑዝም ይኽእል እዩ።ወይም ቅሩብ እናኸደ እናሞከረ ናይቲ ዓቐብ ክብደት ከቢድዎ ጠጠው ክብል፤ክምለስ ይኽእል እዩ።ኾይኑ ግና ጨኪኑ ኣብቲ ዓቐብ ጫፍ ዝወፁ ሰባት ፈተና ምሕላፍ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብቲ ዓቐብ ጠጠው ብምባሎም ኣሻጊሮም ዝሪእዎ ሓደሽቲ ተስፋን ዕድልን ዝፈጥር እዩ።

ግድብ ህዳሰ

ግድብ ህዳሰ ካብ ሞት ኣውፂእናዮ ኢና። ሐዚ ግድብ ህዳሰ ናብ ሞት እናተጉዓዘ ዘይኮነስ ናብ ህያውነት እናተጉዓዘ እዩ።ዋላ ሓደ ጥርጥር የብሉን ፣ናብ ህይወት ዝግበር ጉዕዞ ልክዕ ከም ጉዕዞ ሞት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣይኸውን፣ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ከምዘይምወት ድማ ግድብ ህዳሰ ጠጠው ኣይብልን።

ህዳሰ ማለት ኣዝዩ ዓብዪ ፕሮጀክት እዩ።ኣሽንኳይዶ ክትሰርሖስ ፀገሙ ክትርደአሉን ንምርኣይ ጥራሕ እኳ ርኢኻ ዘይውዳእ፣እቲ ዝግበር ገለፃ ንምስማዕ ኣዝዩ ዝኸብድ ፕሮጀክት እዩ።ኮፍ ኢልና ከም እንሪኦን ሚድያ ብምስማዕ ጥራሕ ዝግመት ዘይኮነስ ኣዝዩ ዓብዪ ፕሮጀክት እዩ።

ብዙሓት ጀጋኑን ዘደንቑን፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ኢትዮጵያውያን ለይትን ቐትርን እናሰርሑ ህዳሰ ከይመውት፣ክድሕንን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ትሩፋት ንኽኸውንን ኣዝዩ ዘሐብን ስራሕ እናሰርሑ እዮም።ፀገማት ምርኣይ እንተደሊና ንኣብነት ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ እንተጀሚርና ሕፅረት ሲሚንቶ ንግድብ ህዳሰ ይተናኽፎ እዩ።እዚ ንኽቕረፍ ሓሳብ እንትቐርብ ሐዚ’ውን ብርክት ዝበሉ ባንዳታት ስለዘለዉ ጥረ ኣቕሓ ናብ ፋብሪካ ዘምፅእ ቤልት ይቑረፅ።ቤልት እንትቑረፅ ኹሉ ትኹረትና ናብ ሲሚንቶ ይኸውን፤ብቕልጡፍ ክፅገን ምግባርን ሲሚንቶ ክምረት ንምግባር፤ፀገም ተፈቲሑ እንትበሃል ድማ መኻይን ቕድሚ ሐዚ ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ ናብ ግድብ ህዳሰ ሰለስተ መዓልቲ ዝወስደለን እንተኾይኑ ሐዚ ብምኽንያት መንገዲ ዓሰርተ መዓልቲ ይውድእ።መንገዲ ንምፅጋን ኮንትራት ክነውፅእ ኸለና ድማ ሸፋቱ ስለ ዘለዉ ንምስራሕ የፀግመልና እዩ ይብሉና።መከላኸሊ ሃገር ሸፋቱ ተኸላኺሉ መንገዲ ክፅግን እንትንገበር ድማ ሲሚንቶ ብበዝሒ እንትፅዓን ምውራዱ ፀገም ይኸውን።እዚ እንትፍታሕ ድማ ፀገም ትራንስፖርት መኻይን የጋጥም።ፀገም ትራንስፖርት እንትፍታሕ ፀገም ገንዘብ የጋጥም።እዚ እንትንፈትሕ ኣብዚ ሰሙን ካብ ዘጋጠሙና ፈተናታት ከም ዝፍለጥ ዝወቅዕ ዘሎ ማይ ኣብ መዓልቲ 35 ሴንቲ ሜትር እናወሰኸ ነይሩ።ማይ እናወቐዐ እንወስዶ ሲሚንቶ ኮንክሪት ንምምላእ ዝወሰዶ ግዘ ኣዝዩ ክናዋሕ ገይርዎ ነይሩ።ክንሰርሕ ኣይከኣልናን።

ፅዕንቶ ዲፕሎማሲ ወፃኢ፣ኣብ ሕድሕድ ኸይዲ ስራሕ እናጋጠመ ዝነበረ ፈተና እናፈታሕኻ ምሕላፍ ባዕሉ ዝኽኣለ ፈታኒ ጉዳይ እዩ።ስለዝኾነ ህይወት ናይቲ መስመር ሱቕ ኢሉ ብዘረባ ዝፍታሕ ዘይኮነስ በብዕለቱ ብምርኣይ፣ብምፍታሕ፣ብምስራሕ፣ውፅኢት ብምምፃእ ምርግጋፅ እዩ።በዚ ኣግባብ እዩ እናኸደ ዘሎ።

ብናተይ እምነት ንህዝቢ ሱዳን በረኸት፣ንህዝቢ ግብፂ’ውን ልዑል ጥቕሚ፣ንኢትዮጵያ’ውን ብርሃን ከምፅእ ዘኽእል ኣግባብ እናተኸደ እዩ ኢለ ይሓስብ።ማንም ከይተበደለ ንኹላትና ጠቒሙ ኣድላዪ ውፅኢት ከምፅእ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።

ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምእታው ወታደራት ኤርትራ

ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ጎንፂ ሙሉእ ዓውዱ ምርኣይ ተዘይተኻኢሉ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣምታት ‹‹ኢንሲደንስ›› እናልዐልካ ምዝርራብ ኣፀጋሚ እዩ።ኣብ ትግይ ዝነበረ ጎንፂ ወታደር ኢትዮጵያ ገፁ ናብ ኤርትራ ጠውዩ ዝፅበይ ሓይሊ ነይሩ፤ እዚ ሰሜን ዝበሃል።ብድሕሪቱ እዩ ተወቒዑ።ብድሕሪት እንትውቃዕ ምውቁዑ ጥራሕ ዘይኮነስ ተበቲኑ፣ብርክት ዝበለ ቑፅሪ ዘለዎ ብፀላኢ ክትሓዝ ተገይሩ፣እቲ እግረኛ ድማ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ ኣትዩ።ተወዲቡ ተጠናኺሩ ክምለስ ድማ ተገይሩ።

ኣብዚ ኸይዲ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናትና ወተሃደር ሓደጋ በፂሕዎ ዶቦም ኣቋሪፁ እንትኣትው ዝገበርዎ ኣቀባብላን ከም ምሩኽ ከይቖፀሩ ዝኸዱዎ መገዲ ልዑል ምስጋና ዝግበኦ እዩ።ዝኾነ ጎረቤት ሃገር ብቐሊሉ ከምዚ ኣይገብርን።መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ጠጠው ኢሉ ወታደራዊ ጥቕዓት እንትበፅሖም እዚ ምግባሩ ከም ዓብዪ ኣድናቖትን ክብርን ኢና እንሪኦ።እዚ ታሪኽ ዘይኽሕዶ ጉዳይ እዩ።

ኾይኑ ግና እዚ ውዕለታ ምስ ገበሩ ናብ ግዝኣት ትግራይ ከመይ ኢሎም ኣትዮም ዝብል ሕቶ ኽልተ ምኽንያት ኣለዎ።እቲ ሓደ እሳቶም ሓደ ሜትር ናብ ኢትዮጵያ ከይኣተዉ ራዕዳዊ ቲ.ፒ.ኤል.ኤፍ ሮኬት ተኲሱሎም እዩ።ናብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ሮኬት እናተኮሰ መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ፈቲኑ እዩ።ስጋብ እዚ እዋን ወታደር ኤርትራ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣይኣተወን።

ወታደር ኤርትራ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ናትና ሓይሊ ንቕድሚት እናደፍአ ብዝኸደ ቑፅሪ ኣብ መብዛሕትኡ ዶብ ዝነበረ ቀጠና ክፍቲ ስለዝነበረ ፀላኢ ብመከላኸሊ ሃገር ኢትዮጵያ እናተወቕዐ ምኽኣል ምስ ኣበዮ ተኣኪቡ ናብ ኤርትራ እንትግልበጥ፣እንተመፅዩ ከጥቅዐና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮም ኣብ መዋሰንቲ ቦታታት ዶብ ቦታ ሒዞም እዮም።ኣብ ዝኾነ ሰዓት ዶብና ንምሕላው ድሉዋት ኢና ዝብል ቃል ስለዝነበረና በዚ ኣገባብ እዩ እናተሰርሐ ዘሎ።ናይ ኤርትራ ሓይሊ ናብ ትግራይ ዝመፀሉ ምኽንያት ቐዳማይ ሓይሊ መከላኸሊ ሃገር ስፍርኡ ለቒቑ እዩ፤ኻልኣይ ወይድማ ሮኬት ስለዝተተኮሶ ወታደር ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ድሕንነቱ ንምክልኻል እዩ።ዓርሱ ምክልኻሉ እዚ ቦታ ሸፊንኩም ሓዙለይ ዝብል ነገር ከም ሃገር ኣፍቲ እዋን ኣንሕና ኣይመለስናን።ሐዚ እናመለስና ንርከብ።ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን እዚ ጉዳይ መስመር እናሓዘ ክኸይድ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ነቶም ቦታታት እናለቐቑ ናብ ግዝኣቶም ንኽምለሱ ዝብል ስምምዕነት ኣለና።ምስዚ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ዋና ፀገም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ።እዚ ብዝምልከት ወታደር ኢትዮጵያ ይኹን ወታደራት ኤርትራ ወይ ድማ ወታደራት ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሕ ዝኾነ ዓይነት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ብኤርትራ ተቐባልነት የብሉን።

ብዛዕባ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ጥፍኣት ኲናት ‹‹ዳሜጂንግ›› ብዙሓት መዘዛት ኣለውዎ።ይኹን ‘ምበር ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ብመፅናዕቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል፣ ብመፅናዕቲ ኮሚቴ ሚኒስትራት ‹‹ፋይንዲንጋት›› ስለዘለዉ ነዚ ተመርኲስና ስጉምቲ እንወስደሎም ኣለዉ።እዚ ኣብ ደገ ካብ ዝግበር ሓፈሻዊ ወፍሪን ግነትን ዓርሱ ዝኽኣለ ኣካል ፕሮፖጋንዳ እዩ።ኣንሕና ግና ምስቲ ዝነበረ ኸይዲ ተተሓሓዚ ዝኾነ ‹‹ዳሜጅ›› ጥፍኣት ዘለዎም እናፈለና ወታደር እንተጥፊኡ ‘ውን ብሕጊ ክሕተት እናገበርና ኢና።ኣፍቲ ከባቢ ክፍጠር ዝኽእል ዝኾነ ገበን ብኣገባብ ሕጊ እናመዓራረና ኢና።እዚ ሓላፍነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ንኣምን ኢና።ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ግቡእ ዘይኮነ ጥፍኣት ከጥፍእ ኣይንደልይን።

ሕጋዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ድልውነት

ድልውነት እንይኾነስ ወሲዱ እዩ።ወታደራት እኮ ኸዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ እዮም፤ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈፀሙ ጥራሕ እንተይኾኑስ ብወታደራዊ ሕጊ ግቡእ ‹‹ሩል ኦፍ ኢንጌጅመንት ›› በዚ ወፍሪ ‹‹ኦፕሬሽን ››ውሽጢ ሕድሕድ ወታደር ብምንታይ ዓይነት ኣግባብ ተልእኾ ክፍፅም ከምዘለዎ መከላኸሊ ሕጊ ኣለዎ።ኸዚ ብሕጊ እናተሓተተ እዩ።እዚ ዝንገረና ጉዳይ እንተይኾነስ ከም መንግስቲ ዘለና ሓላፍነት እዩ ፤መሰል ዜጋታት ምኽባር ግድን እዩ።

ዓብይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተኻይዱ እዩ፤ወታደራት ፀላእቲ እዮም ተባሂሎም ትኽክል እኳ ተዘይኾነ ፤ብሞራልን ብሕግን ትኽክል ኣይኮነን፤ኣብ ማይካድራ ምስቲ ጉዳይ ምንም ርክብ ዘይብሎም ሃገረይ እዩ፤ክልለይ እዩ ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ ብዘርኢ ምኽንያት ተጨፍጪፎም እዮም።

እዚ ትኽክል ኣይኮነን ከምንብሎ ኹሉ ብናትና ወገን ድማ ብፍላይ ኣብ ንፁሃን ዜጋታት ምንም ዓይነት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክፍፀም ኣይንደልን።ነዚ መረጋገፂ ኣብ ማይካድራ ብናይ ጁንታ ዝተፈጸመ ጅምላ ሰብኣዊ መሰል ጭፍጨፋ መከላከያ ሰራዊት ዝኾነ ቦታ ኢትዮጵያ ኣይፈፀመን።ብጀምላ ሰብሲቦም ሰብ ኣይቐተለን።ዝተጎድኡ ሰባት ኣለዉ፤ እሳቶም ብዝምልከት ኣፃሪና ስጉምቲ ወሲድና ኢና፤እናሓተትና ንርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ነፃ ወፂኡ ከም ኢትዮጵያዊ ኾሪዑ ንክነብር ምግባር ግቡእና እዩ።እዚ ክንገብር ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብቲ ጁንታ ዝሓሹ ዝተምሃሩ ትግራይ ምቕያር ዝደልዩ እናተሰብሰቡ ብሓዱሽ ሓሳብ ምስ ኣሕዋት ህዝብታት ተሓባባሮም ትግራይን ኢትዮጵያን ንከልምዑ መድረኽ ምስትኽኻል እዩ።በዚ ኣግባብ እዩ እናተሰርሐ ዝርከብ።ኣብዛሓ ነገራት መስመር እናሓዘ ከምዝኸይድ እዩ እምት ዘለኒ።

ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ጥምየት ዝበሃል

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ሓደ ነጥቢ ትሽዓንተ ሚልየን ዘይንእሰ ህዝቢ በቢዓመቱ ዝሕገዝ እዩ።ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ዝባሃል ፀገም እኳ ዘሎ ኣብ ትግራይ እዩ።ዓሚ እውን ቅድሚኡን፤ ቅድሚ ሓሙሽተን ዓሰርተን ዓመት’ውን ብሚልየን ዝቑፀር ሰብ እኽሊ ዝወሃቦ እዩ።

ኸዚ እዚ ውግእ ምስ መፀ ቅድሚ ኸዚ ብሴፍቲኔት ዝሕገዝ ብሚልየን ዝቑፀር ህዝቢ ሓገዝ ኣየድልዮምን ኣብ ትግራይ ምግቢ በሽበሽ እዩ እናበልና ኣይኮነን ፤ቅድሚ ኸዚ ዝፅገሙ ሰባት ኣለዉ ፤ብምኽንያት ኹናት ድማ ዝውሰኹ ሰባት ኣለዉ።ኾይኑ ግና ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ሕፅረት ምግቢ ምቕራብ ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ ኣይኮናን ዘለና።ምስ ኹሉ ክልላት ተዘራሪብና ካብ ዝኾነ ዝተመዛበለ ሰብ ናብ ዝነበሮ ንክምለስን ክረምቲ እዋን ሕርሻ ከይሓልፎ ንክሰርሕ ፃዕሪ እናገበረ እዩ።ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ ሰብዓ ሚኢታዊ ሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢ ቀሪብሎም ኣብ ሕርሻ ንክኣትዩ ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ ፤እዚ ትፈልጡ ኢኹም ኢለ ይሓስብ።

እዚ ኾይኑ ‘ውን ኣብ ትግራይ ዝምረት ምህርቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣኺሉ ኣይፈልጥን።ኸዚ’ውን ኣይኣኽልን። ክንሕግዝ ኢና፤ ኾይኑ ግና ጥምየት ክኣቱ ይኽእል እዩ ፤ መንግስቲ’ውን ጥምየት ከም ፖለቲካ መሳርሒ ክጥቀመሉ እዩ ዝብል ግልፂ ፕሮፖጋንዳ እዩ።ብምንም መዐቀኒ ኣይተረጋገፀን ።ሓደጋ ምክልኻልን ድልውነትን ኮምሽን ኣብ ዘቕረቦም መዐቀኒ ኣለዎ።ንሱ ዘማልእ ሓደ ጭቡጥ ሓበሬታ የለን ።ኣብ ብዙሕ ወረዳታት ምግቢ እናብፃሕና ኢና ፤እዚ ክቕፅል እዩ።

ምስ እዚ ዘደሓሕዞ ሓሳብ ፤መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘቦ ዝግባእ ኣብ 1977ዓ.ም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ድርቂ ከጋጠውም ከሎ ጁንታን ካልኦት ሓይልን መጥቀሚ ገይርዎ እዩ።ክሳብ 1977 ህወሓት ሓንቲ ከተማን ዞባን ናተይ ዝብሎ ኣይነበረና ።ጠንካራ ዝባሃል ውግእ’ውን ገይሩ ኣይፈልጥን።መንግስቲ ደርጊ ፈተና ዝነበረ ክሳብ 1977 ወታደር ሻዕብያ ዝባሃል’ምበር ወታደር ወያነ ርእሲ ሕማም ኣይነበረን።

ኾይኑ ግና ናይ 1977ዓ.ም ጥምየት መፂኡ ምስተብሃለ ብሱዳን መንግስቲ ተባሂሉ መንግስቲ ደርጊ ንክወድቕ ብዝደልዩ ሓይልታት ብምእካብ በረኻ ኣትዮም ብስትራቴጂ ፤ብስልጠና ፤ብሓሳብን ገንዘብን ሓቢሮም ኾይኖም ድሕሪ 1977 ወያነ ተጠናኺሩ 1981 ሽረ ምቁፅፃር ዝኻኣለ።እቲ ድርቂ ተጠቒሞምሉ እዮም።

ኸዚ ጁንታ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብቲ እዋን እዚ ሓሳብ ኣምፂኦም ወያነ ኣዕጢቆም መንግስቲ ደርጊ ንክወድቕ ዝገበሩ ሐይልታት ሓድሽ ፈጠራ ምፍጣር ኣይካአሉን።ኣብኡ እዮም ጠጠው ኢሎም።ቅድሚ ሰላሳ ኣርባዓ ዓመት ዝሰርሕዎ ታክቲክ ኸዚ’ውን ክጥቀምሉ ይደልዩ እዮም።እዚ መቼም ኣይኾንን፤አብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ተፈቂዱ እዩ።ሎሚ ልዕሊ 200 ኤን፣ጂ.ኦን ዩ.ኤን ስታፍ ኣብ ውሽጢ ትግራይ እናተንቀሳቀሱ እዮም።ሚድያታት ወፃኢ ይንቀሳቀሱ እዮም።ኽልተ ቦታታት እዩ ነይሩ ከም ፈተና ዝተርኣየ እሱ ቦታ መከላኸሊ ሰራዊት እናዓጀቦም ንክብፀሖም ተተገበረ’ውን ክዕጀቡ ኣይደለዩን።

ሓደ ኪሎ ስንዳይ ኣምፂኡ ነቲ ህዝቢ ከየብፅሕ ተባሂሉ ዝተኸልከለ ሓደ ዓለምለኸ ትካል ወይም ኤን.ጂ.ኦ የለን።ሓደ ኪሎ’ውን እንተኾነት፤ዝመፁ ዝሃብናዮ ቀጠና ኣድላይ ዝኾነ ሓገዝ እናገበርና እናሓገዝናዮም ኢና።እዚ ሕቶ ‹‹ኮምኒኬሽን ››የድልየና እዩ ኢሎም።ብቑፅሪ ዘለዉ ኽልተ ሚኢቲ እንተኾኑ ‘ውን ሰለስተ ሚኢትን ሓምሳን ተፈቂድሎም እዩ።ኣይኣኸሎምን።ዝተወሳሰበ ኣቅሓ ኮመዩኒኬሽን ይሓቱ እዮም።መጀመረያ ንክፍቀደሎም ጠይቆም ፤ቐፂሉ ብነፃነት ኺዱ ፀገም ከጋጥመና እዩ እትብልዎ ቦታ ድማ መከላከያ ክዕጅበኩም እዩ፤ ኣይ ክዕጀብ ኣይንደልን በይንና ክነብፅሕ ስለእንደሊ ኢሎም ፤እዚ ቅድም ዝገለፅዎ ዕላማ ኣካል እዩ።ቪዛ መልዓሊ ገይሮም ሰለስተ ወርሒ ክይተገበረልና ኢሎም ንሰላስተ ወርሒ ሂብናዮም።ቪዛ ጠይቆም መሊስና፤ኮምኒኬሽን ጠይቆም መሊስና ኣክሰስ ጠይቆም መሊስናሎም ፤ጠጠው ዝብሉ ኣይኾኑን፤ንምንታይ ዝብል ንዓኣቶም ምሕታት እዩ ዝሓይሽ ና ዓይ ምሕታት ዋጋ የብሉን።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You