‹‹ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝገጠሞ ፀገም ንምውፃእ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ምትሕግጋዙ ብዝበለፀ ከጣናኽር ኣለዎ››-ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተፀመሩን ሙሉእ ህይወቶም ዳርጋ ክባሃል ዝከኣል ኣብ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዘሕለፉ ‘ዮም።

ወታደራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ ዝመፁ እንትኾኑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንኸባቢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ከምኡ ’ውን ብ2005 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳት ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ናብ ንቡር ንምምላስ ንኽልተ ዓመት ሰሪሖም ‘ዮም።

ናብ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንትፅንበሩ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስወድኡ ነይሩ። ሐዚ ግን ብሰላምን ፀጥታን(peace and security) ማስትሬት ዲግሪ ተመሪቆም ጥሮታ ክሳብ ዝወፁ ሃገራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ መፂኦም ‘ዮም።

ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ምስ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪትና ምስ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ከባቢ ክልተ ዓመታት ማለት ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፀገም ምንባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እቲ ፀገም ቐኒሱ እምበር ኣይተቀርፈን። ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ህዝቢ ካብቲ ፀገም ክወፅእ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ከባቢ ክልተ ዓመታት ማለት ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ነይሩ። ሕዚ ‘ውን እቲ ፀገም ቀኒሱ እምበር ፀገም የለን ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ዝተፈናቐለ ሰብ ‘ዩ ዘሎ።

ጋና ናብ መረበቱ ኣይተመለሰን። በቲ ኩናት ንምግላፁ ኣፀጋሚ ዝኾነ ፀገም ‘ዩ በፂሕዎ። እዚ ኩሉ ዝፈልጦ ፀገም ‘ዩ። ኣብ ካሊእ ከባቢታት ‘ውን ፀገም ኣይነበረን ወይ የለን ማለት ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ይፋላለ ‘ዩ።

ድህሪ ስምም ሰላም ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ኩናት ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ወፂኡ ኣሎ፤ ኣብ ወሰና ወሰናት ብዙሕ ሰብ ብዕጡቓት ፀገም ከምዝበፅሖ ይንገር ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ተተሓሒዙ ብዙሓት ዘይተቐርፉ ፀገማት ኣለውዎ።

ብሕገ መንግስቲ መሰረት ኩሉ ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ዝሃቦ ተስፋ ነይሩ። ኮይኑ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንምፍፃም ዝደንጎዩ ነገራት ስለ ዘለዉ ህዝቢ መሊኡ ካብቲ ፀገም ኣይወፀን ዘሎ።

እብዚ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ድማ ዝሓሸ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ እብል። ህዝቢ ትግራይ ዝሓሸ ትፅቢት ዝገብር ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ግዝያዊ ምምሕዳርን ‘ዩ። ቐፂሉ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ካብ ትግራዋይ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ድምፁ ንምስማዕ ብዙሕ ዝተዓደለ ኣይኮነን። እቲ ዘሎ ኩነታት ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ምድንጓይ ስለ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ተሓባቢሩ ካብቲ ፀገም ክወፅእ ኣለዎ። ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ክተሓባበር ይግባእ። ድምፁ ከስምዕ ኣለዎ።

ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ተሓባቢሩ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ካብቲ ፀገም ንምውፃእ ክበራበርን ክተሓባበርን እንተዘይክኢሉ እቲ ፀገም እናኸበደ ምኻዱ ኣይተርፍን። ናይ ህይወት ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ተበራቢርና ከንተሓጋገዝ ኣለና።

ምትሕግጋዝ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ፤ እዙይ እንተዘይገይርና ካብቲ ፀገም ከንወፅእ ኣይንኽእልን። ብዋናነት ፀገምና ከንፈትሕ ንኽእል ነንርእስና ብምትሕብባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኢኮኖሚ ዘሎ ፀገም ከቢድ ‘ዩ።

ግዜ ዝህብ ኣይኮነን። ነዚ ፀገም እዚ ብኸመይ ኢና ከንወፆ ንኽእል ኢልና ክንሓስብን ከንሰርሕን ኣለና። ድምፅና ብሰላማዊ መንገዲ እናስማዕና ከንተሓጋገዝ ‘ዩ ዘለና። ንምሕዋይ ንተሓጋገዘሉ መካኒዝም ክንፈጥር ኣለና።

እዚ ናይ ኩልና ግዴታ ስለ ዝኾነ ብፍላይ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ዝሓሸ ስራሕ ብምስራሕ ህዝቢ ናብ ዝሓሸ ህይወት ዝመፀሉ መንገዲ ከንፈጥር ኣለና። ካብ ምትሕግጋዝ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የብልናን።

መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ሳልሳይ ወገን ኣብዘለዎ ንሰላም ተስማዕሚዖም ‘ዮም። እንተተዓሪቅካ ጎኒ ጎኒ ምኻድ ኣየድልን። ተሳጣጢምካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ ‘ዩ ዘድሊ። እቲ ዘሎ ርክብ እናጠንከረ ክኸይድ ኣብ ዘቓራርቡ ነገራት በርቲዕኻ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ።

ንሃገርን ህዝብን ዝጠቕም ተዋሃሂድካ ምስራሕ ‘ዩ። ብስምምዕ ሰላም መሰረት ዝቀረዩ ነገራት ብምዝርራብን ምቕርራብን ከምኡ ‘ውን ብምትሕግጋዝ ክፍፀሙ ኣለዎም። ኩሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ድማ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት መሰሉ ተሓልይሉ ብሰላም ክነብር ‘ዩ ድሌቱ። እዚ ክፍፀመሉ ኣለዎ። ሕጋዊ መንግስቲ ዝወከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ተሸኪሙ ‘ዩ ዘሎ። ሕገ መንግስቲ ብዝፈቐደሉ መሰረት ድማ ጠንኪሩ ክሰርሕ ይግባእ።

ተቓላጢፉ ብምስራሕ ህይወት ህዝቢ ከድሕን ኣለዎ። እቶም ካልኦት ውድባት ‘ውን ክሕግዙ ኣለዎም። ልዕሊ ኩሉ ናይ ሰብ ህይወት ‘ዩ ዝቅድም። ህዝቢ እንተይሓዝካ ስልጣን ክህልወካ ኣይኽእልን። እቲ ዜጋ ግዚኡ ከባኽን የብሉን።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት እዚ ግዜ ክባኽን እንተይኮነስ ግዜ ብግቡእ ምጥቓም ‘ዩ ዘድሊ። እቲ ርክብ ኖርማላይዝ ብምግባር ግልፅነት ዘለዎ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኩሉ ነገር ግልፂ ብምግባር ሓዱሽ ለውጢ ክህሉ ተስፋ ንገብር። ህዝቢ ‘ውን እዚ ‘ዩ ትፅቢቱ ክኸውን ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብቐዳምነት ክስርሑ ኣለዎም ኢሎም ዝኣምንዎም ዓንኳር ነጥቢታት ተዝገልፁልና፤

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ከምዝፍለጥ ኣብ ዓለም ንወድሰብ ብጣዕሚ ሕማቕ ዝበሃል ኩናት ‘ዩ። ኩናት ካብ ማንም ንለዓሊ ሃገር ዘዐኑ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ድማ እዚ ‘ዩ ገጢሙና።

ብምዃኑ ህይወት ሰብ በሊዑ ‘ዩ፤ ኣካል ሰብ ኣጉዲሉ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ልዑል ኣሉታዊ ፅልዋ አሕዲሩ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ብዙሕ ሰብ ኣብ ሕቶ ምልክት ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ቐዳምነት ሂብካ ክስራሕ ኣለዎ።

ብፍላይ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ዝሰፈሩ ነጥቢታት ቐልጢፍካ ክትግበሩ ኣለዎም። ንኣብነት ዝዓነዉ ምምላስ፤ ዝተፈናቀለ ናብ መረበቱ መሊስካ ክተሓሓዝ ኣብ ምግባር፤ ኣብ ፀጥታ ጉዳይ ዝበሉ ጉዳያት ጠመተ ሂብካ ምስራሕ የድሊ፤ ህይወት ናብ ሓደጋ ኣብ ዘቓልዑ ነገራት ጥንቓቐ ምግባር። ሰላምን ፀጥታን ምስፋን ቐንዲ ስራሕ ክኸውን ኣለዎ። እንዚኦም ብምስትኽኻል ናብ ንቡር ንምምላስ ብርቱዕ ፃዕሪ ምግባር የድሊ።

ኣብ ምፅጋን መሰረተ ልምዓት ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ኣይተሰርሐን፣ ተፋናቐለን ተማዛበለን ናብ ቦትኡ ኣይተመለሰን ዘሎ። ኣብዚ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ የድሊ። በቲ ስምምዕ መሰረት ኩሉ ፀርዩ ክኸይድ ኣለዎ።

እቲ መንእሰይ ተስፋ ከይቖርፅ ነገራት ክመቻቸወሉ ኣለዎ። ተስፋ እናቖረፀ እንተኸይዱ ሸኽሚ ሃገር ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ናይ ፀጥታ ኩነታት ፀገም ክፈጥር ይኽእል ‘ዩ። ስለዚ እቲ መንእሰይ ወለዶ ብዝሓሸ ኩነታት ክቕፅል እንተኾይኑ ናብ ትምህረቱ ክምለስ ዝግበኦ ክምለስ ኣለዎ፤ ናብ ስርሑ ክምለስ ዝግበኦ ‘ውን ብተመሳሳሊ።

ኩሉ ነናብ ስርሑ ተመሊሱ እንተዘይተዋፊሩ እቲ ክልል ዘይክረጋጋዕ ይኽእል ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ ‘ውን ልዑል ጠመተ ተዋሂብዎ ክስራሕ ኣለዎ። ነዚኦም ናብ ንቡር ንምላስ ዕንቕፋት ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ ነገራት ድማ ኣቐዲምካ ክስተኻኸሉ ኣለዎም። እዚ ናብ ንቡር ክምለስ እንተኾይኑ ተቓራሪብካ ብምስራሕ ‘ዩ።

ብቐንዱ ኣብዚ ክነጥፉ ዘለዎም ድማ ክልቲኦም ኣብ ናይ ፕሪቶርያ ዝተስማዕምዑ ኣካላት ‘ዮም። እቶም ካልኦት ሓገዝቲ ‘ዮም። ብፍላይ እቲ ስምምዕ ንምፍፃም ዕንቕፋት ኣብ ዝኾኑ ኣካላት ብሕገ መንግስቲ መሰረት ስጉምቲ ብምውሳድ ክስተኻኸል ኣለዎ።

በቲ ስምምዕ ሰላም መሰረት ክስራሕ ዝግበኦ ነገር እንተዘይተሰሪሑ ካብቲ ዘሎ ኩነታት ‘ውን እናሓመቐ ክኸይድ ይኽእል ‘ዩ። ትግራይ ኣብክንዲ ናይተስፋ ክልል ምዃን ናይ ገበን ከትኸውን ትኽእል ‘ያ። መንእሰይ ናብ ንቡር እንድሕር ዘይተመሊሱ ገበናት ምስፍሕፈሖም ኣይቀርን።

ኣብቲ መንእሰይ ተስፋ ምቑራፅ፣ ዝተፈላለዩ ገበናት ምፍፃምን ካልኦት ንሃገር ዘይጠቕሙ ነገራትን ኣብ ምፍፃም ክረአዩ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዕቱብ ክስረሐሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብመን ግስቲ ጥራሕ ክረጋገፅ ስለ ዘይኽእል ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ መላእ ትግራዋይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ንኹሉ ዋላ ዝምልከቶ ይኹን፣ ትግራዋይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎ። ኩሉ ትግራዋይ ማለት ኣብ ደገ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ ንበዓሉ ክብል ክተሓባበር ኣለዎ።

ትግራይ ከመይ ትድሓን ብዝብል ኩሉ ግልፂ ገይሩ ሓደ ቅዋም ክሕዝ ኣለዎ። ሕዚ ኩሉ ትግራዋይ ዝተበታተነ ሓሳብ ‘ዩ ዘሰጉም ዘሎ። ትግራይ ንምሕዋይ ተማሳሳሊ ቕዋም ክህልወና ኣለዎ። ከምቲ ሕዚ ንሪኦ ዘለና፣ ገሊኡ ብዛዕባ ምፅናት ዘርኢ፣ ብዛዕባ ዳግመ ህንፀት፣ ፖለቲካ፣ ወዘተ ‘ዩ ዝዛረብ ዘሎ። ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ብኸመይ ነድሕን ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሚድያታት ትግራይ ፀገም ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ጠመተ ሂበን ክሰርሓ ኣለዎን። ኣብ ሰላምን ልምዓትን ትኹረት ክገብራ ኣለዎን። ንኻልኦት ሓግዙና ኣብ ምባል ወይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ፀገም ንኽወፅእ ኣብ ምትሕብባር ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ሓፈሻ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ልዑል ቖላሕታ ሂበን ክሰርሓ ኣለዎን። እቲ ትግራዋይ ድማ ኩሉ በቢሞይኡ ክሕግዝ ኣለዎ። ብዕንይንይ ግዜ ምጥፋእ ኣየድልን። ትኽክለኛ ኣማራፅን ግዜ ዘይህብን እንታይ ‘ዩ ኢልካ ምፍላጥ የድሊ።

ሰላም እንዳጣናኸርካ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህዝቢ ካብቲ መከራን ፀገምን ዝወፀሉ ስራሕ ‘ዩ ምስራሕ ዘድሊ። ካብ ሕትኹቱኽ ብምውፃእ ናብ ናይ ተግባር ስራሕ ክኣቱ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ብተሳትፎ ህዝብን ፃዕሪ መንግስትን ለብዘበን ራብዓይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡- ግድብ ህዳሰ ኣባይ ብጥንኩር ተሳትፎ ህዝብን ዲፕሎማስያዊ ፃዕርን ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበፅሕ ክኢሉ ኣሎ። ብምዃኑ እዚ ዓብዪ ታሕጓስ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ዋዜማ ሓዱሽ ዓመት ብምዃኑ ኣዝዩ ደስ ዝብል ‘ዩ፤ ድግብ ኣባይ ውፅኢት ሓድነትናን ሕብረትናን ‘ዩ፤ ናይ ሓባር ሃፍቲ ‘ዩ፤ እዚ ተስፋ ወለዶ ‘ዩ።

ናይ ሓባር ሓወልቲ ‘ውን ‘ዩ። ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘተኣሳስር ገመድ ‘ዩ። ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ዝኸኣለ ድማ መንግስቲ ብዝተኸተሎ ጠንካራ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ብርቱዕ ተሳትፎ ህዝቢ ‘ዩ። መንግስቲ ንፁር ፕሮግራም ሒዙ ክመርሖ ብምኽኣሉን ዘጋጥሙ ፈተናታት ብሓቦ ብምሕላፉ ‘ዩ።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ሕብረትን ሓድነትን ስለ ዘሎ ‘ዩ ክግደብ ክኢሉ። እዚ ግድብ እዚ ንወለዶ ዓብዪ ትምህርቲ ዝህብ ‘ዩ። እዚ ወለዶ እዚ ሓድነት፣ ፍቕርን ሰላምን ክመሃር ኣለዎ። ከምዚኦምን ካልኦትን ከንሰርሕ እንተኾይና ሓድነት፣ ሰላምን ፍቕርን ክህሉ እንተሎ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ጠመተ ገይርና ከንሰርሕ ኣለና።

ሰላምን ሓድነትን እናጠናኸርና ክሳብ ዝውዳእ ተሳትፎና ክሕይል ኣለዎ። እዚ ናይ ሓባር ሃፍቲ ‘ዩ። መንግስቲ እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበፅሕ ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶታት ሓሊፉ ‘ዩ። እዚ ጥንካረ እዚ ኣብ ካልኦት ‘ውን ክድገም እንተኾይኑ ህዝቢ ብኹለመዳይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You