ኣዲስ ኣበባ፡- ባህላዊ መልከኣ ምድሪ ጌዴኦን ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌን ኣብ መዝገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ቅርስታት ዓለም ኮይኖም ተመዝጊቦም።
ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ኣብ ዞባ ጌዴኦ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ፣ ከምኡ ‘ውን ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ መበል 45 ኮሚቴ ቅርሲ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ቅርስታት ዓለም ኮይኖም ተመዝጊቦም ኣለው።
ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸባ ሚኒስትር ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ቅርስታት ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ብዛዕባ ጌዴኦ ማሕበረሰብ ኣናባብራን ባህላዊ መልክኣ ምድሩን ንተሳታፍቲ ማብርሂ ሂበን።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ቀልቢ ብዙሓት ካብ ዝስሕቡ ሃፍትታት ቱሪዝም ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ሓደ ምዃኑ ብምግላፅ፤ እቲ መልክኣ ምድሪ ሰሓቢ ካብ ዝገብርዎ ትሕዝቶታት ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ ነዊሕ ዕድመ ከምዘቁፀረ ዝንገረሉ ትኹል ናይ እምኒ ቅርሲ ቦታ ሓደ ‘ዩ ኢለን፡፡
ቅርሲ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ናይቲ ማሓበረሰብ ኣነባብራን ምትሕብባርን ካብ ምርኣዩ ብዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዕዋፍ፣ እንስሳትን ኣዝርእትን ዝሓቆፈ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ኣብ ቅርሲ ዓለም ምምዝጋቡ ነቲ ቅርሲ ዘላቂ ሓለዋ ንክረክብ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ዓብዪ መስሕብ ቱሪዝም ንክኸውን የኽእሎ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፀን።
ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ብወገኖም፣ ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ብቅርስነት ዓለም ንክምዝገብ ውሳነ ምሕላፉ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ብምምሕልላፍ፤ ኮሚቴ ቅርሲ ዓለም ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ብቅርስነት ዓለም ንምዝገብ ውሳነ ብምሕላፉ ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ፤ ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ቀልቢ በፅሕቲ ካብ ዝስሕቡ ሃፍቲታት ቱሪዝም ሓደ ‘ዩ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ እቲ ኽልል ባህላዊ መልክኣ ምድሪ ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ብቅርስነት ዓለም ንክምዝገብ ትኩረት ተዋሂቡ እናሰርሐ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም ርዕሰ ምምሕዳር፤ ናይ ሎሚ ውፅኢት ንክምዝገብ ግደ ዝተፃወቱ ትካላት መንግስቲ ፌዴራል ምስጋና ኣቅሪቦም።
ብተማሳሳሊ ዜና ካሊእ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ብዩኔስኮ ዝተመዝገበ ፓርክ ባሌ፣ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ዞባ ባሌ ክልል ኦሮሚያ ሮብዳ ጃርሶን ኣብ ዝገበሮ ምዝርራብ፤ እቲ ፓርክ ብቅርስነት ዓለም ምምዝጋቡ ውፅኢት ብርቱዕ ፃዕሪ ሕዝብን ኣመራርሓን ምዃኑ ገሊፀን።
ኣብ ብሄራዊ ባርክ ጎቦታት ባሌ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ዓለም ዘየለው ብዙሓት ነገራት ምህላዎም ዝተዛረባ እተን ሓላፊት፤ እቲ ፓርክ ብቅርስነት ዓለም ምምዝጋቡ ናይ ወፃኢን ውሽጥን ሃገር ፍሰት ቱሪዝም ኣብ ምውሳኽ ኣወንታዊ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪበን።
ከም ዘረባ እተን ሓላፊት፤ እቲ ፓርክ ብቅርስነት ዓለም ኣብ ኸይዲ ምምዝጋቡ ቅድም ክብል ብዙሓት ስራሕትታት ዝተሰርሑ እንትኾኑ ኣብ ቀፃላይ ድማ ነቲ ፓርክ ዝምጥን ስራሕትታት ከምዝስራሕ ገሊፀን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 10 መስከረም 2016 ዓ.ም