ብጥበብ ተፈጥሮ ዝወቀበ ንሓዱሽ ተስፋ ዝዕድም ሓዱሽ ዓመት

ሃገርና ካብ ኣብዝሓ ካልኦት ሃገራት ዝትፈልየሉን ካብ ዝትኾርዓሉን ነገራት ሓደ ናይ ባዕላ መቁፀሪ ግዜ ሰሌዳ ካብ ዘለዎን ጥንታውያን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ‘ዩ፡፡ .

‘ዚ መቁፀሪ ግዜ ሰሌዳ ካብ ባሕቲ መስከረም ሓድሽ ዓመት ሓደ ኢሉ ዝጅመረሉ ዕለት እንትኸውን፤ ‘ዚ ካብ ካልኦት መቁፀሪ ግዘ ሰሌዳ ፍልይ ዘብሎ ሓደ ኢሉ ዝጅመረሉ ወቅቲ ካብ ከቢድ መፍርሕን ፀልማት እዋን ወፂኻ ብሩህ ተስፋ ዝዕድም ወይ ብዘመላኽት ፅባቀ ተፈጥሮ ከባቢ ሓደ ኢልካ እትጅምረሉ ምዃኑ ‘ዩ።

ኣብ ሃገርና ከምዝፍለጥ ኣብዝሓ ህዝብና ብሕርሳ ዝነብር ‘ዩ። ‘ዚ ሕርሻ ዝኽውኖ ድማ ብባህላዊን ተፈጥሮኣዊ ዝናብ ዝተደረኸ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ እዚ ክረምቲ ዝሓልፎ ብከቢድ ኩነታት ፀባይ ኣየርን ማለት ‘ውን ሓያል ዝናብ፣ ነጎጓድ መብረቕ፣ ደበና፣ ንፋስ፣ ቁርን ውሕጅን ዝመሳሰሉን ከምኡ ‘ውን ከቢድ ስራሕን ናብራን ‘ዩ።

ነዚ ሓሊፉ ድማ ንዓይኒ ሰሓቢ ፅባቀ ዝተላበሰ ከባቢ ዝርኣየሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ድሕሪ ብዙሕ ፃዕርን ድኻምን ንቀለብ ዓመቱ ክኾኖ ዝዘርኦ ዘራእቲ ዓምቢቡን ሸዊቱን ፈርዩን ዝርኣየሉ እዋን ምስ ምዃኑ ተስፋ ሓረስታይ ዝልምልመሉ ‘ዩ ክብሃል ይክኣል።

እዚ ሓደ ኢልና እንጅምሮ ቀዳማይ ወርሒ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት መሬት ብለምለምን ዕምበባን ተሸሊማ እንስሳታት እኹል ለምለም ሳዕሪ ግሂፆም ፅሩይ ማይ ሰትዮም ፀጊቦምን ፀቢቆምን ዝርኣይሉ ናይ ለምለምን ናይ ፍረን ኮይኑ ዝጅምረሉ ወርሒ ‘ዩ።

በዚ ሓደ ኢልካ ሓዱሽ ዓመት ብሓዱሽ መንፈስ ንምቕባል ኩሉ ሕብረተሰብ ድልው ንክኾን ዘኽእል ምችው ወቅቲ ‘ውን ‘ዩ። ሃገርና ብሕታዊት እትጥቀመሉን ዝትፍለጠሉን ኣረጊት ዓመት ኣፋኒና ሓዱሽ ዓመት ካብ ዝኽበር ሓደ ክልተ ኢልና ሳልሳይ መዓልትና ኣቑፂርና ኣለና፡፡

እዚ ብጥበብን ተፈጥራዊ ፅባቐን ዝደመቐ ሓዱሽ ዓመት ዝኾነ ኣብ ፅባሕ ምኽባር ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብረ በዓላት ከም ብዓል ኣሽንዳ ደቂ ኣንስትዮ ዝበሉን ካልኦት ኣብ ወርሒ ጳጉሜን ዝኽበሩ ከም ምሕፃብ ወይ ምጥማቅ ማይ ጳጉሜን ዝበሉ እቲ ሓዱሽ ዓመት ምምፅኡ ነቲ ዓመት ብሓዱሽ ተስፋን ደስታን ንምቅባል ከም ቅድመ ምድላዋት ኽይኖም ዝሓለፉ በዓላት ‘ውን ‘ዮም ክብሃል ይክኣል።

እዚ ሓዱሽ ዓመት እንቅበለሉ እዋን እዚ ብተፈጥሮኡ ንህዝብና ሓዱሽ ተስፋ ዘምፅአሉ እዋን ‘ውን ‘ዩ ክብሃል ይክኣል። ምኽንያቱ ድማ እቲ ብገልገለ-መስቀል (ዕምባባታት መሮር) ዝተሸፈነ ገፅ ምድሪ ዝፈጥሮ ባህታ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ኣረጊት ዓመት ኣዛዚሙ ኣእካል ንምሽዋት ዝጅምረሉ ወቕቲ ብምቕራቡ ድርብ ሓጎስ እዩ ዝፈጥር።

ስለዝኾነ ‘ውን እዩ ኣዋልድ ትግራይ ከምኡ ‘ውን ኣዋልድ ኤርትራ “ንሃንሰይ ንመስቀለይ፡ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ” ብምባል ዝመፅእ ዘሎ እዋን ናይ ታሕጓስ እዋን ከምዝኾነ ዝብስራሉን።

ከምኡ ‘ውን ደቂ ተባዕትዮ ትግራይ ዓኾኽ ዓኾኻይ ቁንጪ ውፃእ ቱዃን ውፃእ መዓር ንህቢ እቶ፣ ዓኾኽ ዓኾኻይ ቁራዕ ሓምሊ ውፅእ ገዓት ጠስሚ እቶ፣ ብምባል ካብቲ ዝሓለፎ ሕማቕን ከቢድን ኩነታት ወፂኡ ዝሐሸ ተስፋ ዝገብረሉ ሰናይ ዘመን ንክመፅእ ዝትስፈወሉን ሓዱሽ ዓመት ከምዝኾነ ይገልፁ።

ከምዝፍለጥ ሓዱሽ ዓመት ባዕሉ ሓዱሽ ክበሃል ከሎ ሓዱሽ ነገር ሒዙ ዝመፅእ ኮይኑ፤ ንሓዱሽ ነገር ዓርስኻ ድልው ገይርካ እትፅበዮን ኣብ ጒዕዞ ናብራና ብዙሕ መደባት ሰሪዕና ከም እንደገና ሓድሽ ምዕራፍ እንጅምረሉ ‘ውን ‘ዩ ፡፡ ብዘይ ፍረ ንዝሓለፍናዮ ጊዜና ዓመት ዓመት መሊስና እንፍትሸሉ ‘ውን ‘ዩ፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ዓመት በዓል ብዝመፅአ ቁፅሪ ፅቡቅ ዝፀንሐ ናይ ምትሕግጋዝ ልምዲ ኣለና ‘ዩ። ብፍላይ ሓዱሽ ዓመት በይንኻ ኣይብላዕን ተሓባቢርካ ተሓጋጊዝካ ‘ዩ ዝሕለፍ።

ስለዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዘለው ወገናትና ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ገዛ ዘፍረዮ ካብኦም ንዝገደደ ዝተመዛበለ ዝተጎድአ ክህልው ስለዝኽእል ንዕኡ ክሕግዝ ትፅቢት ዝግበረሉ ‘ውን ‘ዩ።

ከምቲ ሓምሳ ሎሚን ንሓደ ሰብ ሽኽሙ ንሓምሳ ሰብ ግና ገይፁ ዝብሃል፤ ፀገማት ንሓደ ሰብ እንተሓዲግናሉ ሽኽሚ ‘ዩ ዝኾን እንተተኸፋፊልናዮም ግና ቀለልቲ ‘ዮም ዝኾኑ።

ሃገር እንትረጋጋዕ ‘ዩ ባዓል ክኽበር ዝኽእል፣ ሰላማዊ ሃገር ንክህልወና ብእምነትን ብተግባርን ዝተኽኣለና ብምግባር ሕድሕድና ‹‹እንኳዕ ኣብፀሐካትኩም›› ብምብህሃልን ብምክብባርን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈጠሩ ፀገማት ንከይድገሙ ናይ ኹላትና ግደ ብምውፃእ እንብህጎ ሰናይ ዘበን ንክኾነልና ሓላፍነት ኣለና። ርሑስ ቅነ ሓድሽ ዓመት፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You