ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ፀገማት ብልዝብን ሕግን ብምፍታሕ ልኣላውነት ሃገር፣ ነፃነትን ሓድነትን ህዝቢ ክረጋገፅ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፦ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ፀገማት ብልዝብን ሕግን እናተፈትሑ ልኣላውነት ሃገር፣ ነፃነትን ሓድነትን ህዝቢ ክረጋገፅ ከምዘለዎ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት ኣተሓሳሲቦም።

ፓትርያርክ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ንሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ህይወት ሰብ ዘጥፍኡ ኣፈ ሙዛት ብምልኦም ናብ መኻዚኖ ክኣትዉ ኣለዎም።

ፀገማት ብዘተ፣ ወይ ከዓ ብሕጊ እናተፈትሑ ልዕልነት ሃገር፣ ነፃነትን ሃገርን ህዝብን ንዘለቔትኡ ብሓድነት ክቕፅል ንምግባር ልዕልነት ሕጊ ምኽባር፣ ማዕርነት ምርግጋፅ፣ ሓባራዊ ተጠቃምነት ግሁድ ምግባር፣ ንዝተጎድአ ምድጋፍ፣ ንዝተጠቕዐ ምፅንዕናዕ፣ ይግባእ ዝበሉ እቶም ፓትርያርክ፤ ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ነዚ ንምግባር ቖሪፅና እንተተላዒልና ሰላምና ናብ ዝነበሮ ክምለስ ‘ዩ፤ ሃገርና ‘ውን ብበረከት ክትምላእ ‘ያ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያን ዝኾንኩም ደቅና እዚ ፃውዒትና ተቀቢልኩም ናይ ጥፍኣት መሳርሕታት ዝኾኑ ኣፈ ሙዛት ኣቅሚጥኩም ናብ መኣዲ ሰላምን ሕውነታውን ብምምፃእ ፀገማታትኩም ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ተላዚብኩም ብምፍታሕ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ንኽተቕፅሉ ብስም እግዚአብሔር ንምሕፀነኩም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም ናይ ፍቅሪ፣ ዕርቅን ይቅርታን፤ከምኡ ‘ውን ዝተፈናቀሉ ናብ መረበቶም ዝምለሱሉ፣ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፍነሉ ናይ መሳርሒ ድምፂ  ዘይስምዐሉን ዓመት ምርድዳእ ንክኾነልና እናፀለይና ኩሎም ኢትዮጵያውያን ደቅና ነዚ ቅዱስ ፃውዒት ኣዎንታዊ መላሽ ንክትህቡ ናይ ወላዲ መልእኽትና ብስም እግዚአብሔር ነሕልፍ ኢሎም።

ሓላፊ ዘፈር ፈትዋ (ብይን) ንምርምርን ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሸኽ ኢድሪስ ኣሊ ብወገኖም፤ ኣብቲ ኣረጊት ዓመት ዘሕለፍናዮም ደስ ዘይብሉ ነገራት ብምግዳፍ ፅቡቓት ነገራት ብምሓዝ ናብ ዝቕፅል ዓመት ክንሰጋገር ይግባእ ኢሎም።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ መስጊድን ቤተክርስቲያንን ዝተፈላለዩ ፀገማት ተፈጢሮም ‘ዮም ብምባል፤ ሂወት ደቂ ሰባት ብግፍዒ ሓሊፉ፣ ምፍንቃላት በፂሑ፣ ንብረታት ዓንዩ፣ ኣፀያፊ ተግባራት ተፈፂሙ ‘ዩ ዝበሉ ሸኽ ኢድሪስ ዓሊ፤ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ብፈጣሪ ዘጠይቁ ተግባራት ብዘይምፍፃም ሓባራዊነት ምጥንኻር ኣድላይ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ካብ ዘፈላልዩና ነገራት ኣብዘረዳድኡና ነገራት ትኩረት ብምግባር ሰላማ ዝተረጋገፀ ሃገር ንክህልወና ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ ዝበሉ ሸኽ ኢድሪስ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ እቲ በዓል እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ እየሱስ ብግዲኦም፤ እቲ ሓዱሽ ዓመት ፅቡቓት ታሪኻት ንትርኸሉን ንፍፅመሉን ታሪኻት ፅልኢ ብፅቡቓት ታሪኻት ንኽትክኡ ናይ ባዕልና ፃዕሪ ንገብረሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

“ፍትዋት ወገናትና፤ ነንባዕልና እንጠፋፋእን እንቀታተልን ኮይንና ኢና ዝበሉ ኣቡነ ብርሃነእየሱስ፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኩሉ ዘፈር ብምስትውዓልን ብጥበብን ነባራዊ ጥፍኣት ካብ ዝሓለፈ ናይ ስቃይ እዋን ብምምሃር ናይ ኩሎም ህዝብታት እዛ ሃገር ድምፂ ብምስማዕ ናይ ኣሕዋት ጎንፂ ብልዝብ፣ ብዕርቅን ብሰላምን ከምኡ ‘ውን ብምክእኣል መንፈስ ክንረጋጋዕ ይግብአና” ክብሉ መልእኽቶም አሕሊፎም፡፡

እዚ ሓዱሽ ዓመት ኩለና ብፀጋን ብምስጋናን፤  በትሕትናን ብተስፋን እንተተቀቢልናዮ ናብ ምምስጋን ሓፍ ከብለና ‘ውን ‘ዩ ኢሎም።

ሐዚ ኣብ ሃገርና ንዘጋጠመ ምህዋኽ ሰላምን ድሕንነትን፤ ከምኡ ‘ውን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት መፍትሒኡ ኣብ ኢድና ‘ዩ ዘሎ ዝበሉ ድማ ናይ መካነ ኢየሱስ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ቄስ ዶክተር ዮናስ ይገዙ ‘ዮም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ፕሬዝደንት፤ ልዕሊ ሰላም ኲናት፤ ካብ ይቅርታ ንቂምን በቀልን ቦታ ምሃብና ዝጎደአና ምዃኑ ምርዳእ ኣይከብድን። ነዚ መፍትሒኡ ድማ ካብዚ ጎዳኢን ናይ ፅቡቅ ስብእና ተፃራሪ ዝኾኑ ዝንባለታት ብምምላስ ብይቅርታ ተኸባቢርካ፤ ኣፋላላያት ከም ጠቃሚ እሴት ተንከባኺብካ ምንባር ‘ዩ ኢሎም።

እዚ ሓዱሽ ዓመት ምሉእ ሰዓቢ እምነት ዝተፀገሙ ብምድጋፍ፣ ዝሓዘኑ ብምፅንዕናዕ ዝሓመሙ ብምጉብናይ ብፍቅሪ እንቅበለሉ እዋን ንክኸውን ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ትምኒቶም ኣሕሊፎም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 3 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You