ዕድል ቱሪዝም ንምጥቃም ንጥዕና ቱሪዝም ትኹረት ክውሃብ ይግባእ ተባሂሉ

  • ንማእኸል ጥዕና ሮሃ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡-ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉዋ ብዙሓት መስሕብ ቱሪስት ብተወሳኺ ናይ ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታትን ዓለም ለኸ ትካላት መቐመጢት ምዃና ዝፈጠረላ ዕድል ቱረዝም ብኣግባብ ንምጥቃም ንጥዕና ቱሪዝም ትኹረት ከትህብ ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡ ካብ ስግኣት ቱሪስትታት እቲ ሓደ እኹል ዝኾነ ግልጋሎት ሕክምና ዘይምህላዉ እዩ፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እዋን ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ፣ብዘፈር ቱሪዝም ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰራሕና እንተኾነ’ውን ካብ ስግኣት ቱሪስትታት እቲ ሓደ እኹል ዝኾነ ግልጋሎት ሕክምና ዘይምህላዉ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልዕሊ ብር 12 ቢሊየን ወፃኢ ክህነፅ ዝተተለመ ማእኸል ጥዕና ሮሃ እምነ ኩርናዕ ኣብ ዘቐመጥሉ እዋን ከምዝገለፅዎ፣ብዘፈር ቱሪዝም ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰራሕና እንተኾነ’ውን እቲ ሓደ ስግኣት እኹል ዝኾነ ሕክምና ማእኸል ዘይምህላዩ እዩ፡፡እዚ ፀገም ስዒርካ ንምውጻእ ተወሳኺ ዘመናዊ ሆስፒታላት ምህናፅ ምስራሕ የድሊ፡፡

ከተማና ብጣዕሚ ሰፊሕ ህዝቢ እዩ ዘለዋ ፤ ፀባይ ኣየራ ዝምቸው ፣ኣብዚ ቐጠና ዝሓሸት መንገዲ ኣየር ዘለዋ ፣ ከምኡ’ውን መዘናግዒ ዝኾኑ ብዙሓት ቦታታት እናሰርሐት እያ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፣ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ተወሳኺ ሆስፒታላት ከምዘድልዩ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ሕክምና ምግባር ከምዝደልዩ ዘመልከቱ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፣ትካል ሕክምና ጥራሕ እንተይኾነስ ቱሪስት መባፅሒ ሕፅረት ድልየቶም ንምምላእ ኣይካኣልናን ኢሎም፡፡

ሆስፒታላት መንግስቲ ብርኪ ምምሕያሽ ፣ምፅራይ ፣ዓቕሞም ክብ ንክብል ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዘመልከቱ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፣ብርክት ዝበሉ ባዓል ሞያ ጥዕና ካብ ላዕለዎት ትካል ትምህርቲ እናተመረቑ እዮም፤ተወሳኺ ትካላት ምህናፅ ተዘይተኺኢሉ ዝምረቑ ዜጋታት ስራሕ ንምርካብ ክፅገሙ እዮም፡፡እዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ቐፃሊ ትኹረት ተዋሂብዎ ከምዝስራሕ ኣመልኪቶም እዮም፡፡

 ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮጀክት ናይ ምውዳእ’ምበር ናይ ምጅማር ፀገም ከምዘየለ ዝጠቐሱ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፣ፕሮጀክት ማእኸል ሕክምና ሮሃ ብትኹረት ከምዝከታታልዎ በምግላፅ ናይቲ ፕሮጀክት ሓለፍቲ’ውን ህንፀቱ ብዝተብሃለ እዋን ንምውዳእ ምስራሕ ከምዝግበኦም ኣመልኪቶም እዮም፡፡

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን፣ጥዕንኡ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ ንምህናፅ ትካላት ጥዕና ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ናውትን ካብ ምምላእ ንላዕሊ ዓለም ለኸ ብርኪ ዝሓለወ ሆስፒታላት ምህናፅን ኣብ ግልጋሎት ንክውዕሉ ምግባር ንፅባሕ ዘይባሃል ስራሕ ምዃኑ ኣመልኪተን እየን፡፡

 ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉዋ ብዙሓት መስሕብ ቱሪስት ብተወሳኺ ናይ ብዙሕ ድፕሎማትን ዓለም ለኸ ትካላት መቐመጢት ምዃና ዝፈጠረላ ዕድል ቱሪዝም ብኣግባቡ ንምጥቃም ንጥዕና ቱሪዝም ትኹረት ብምሃብ ክትንቀሳቀስ ከምዝግባእ ገሊፀን እየን፡፡

ማእኸል ሕክምና ሮሃ ኣብ ውሽጡ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝሓዘን ኮሌጅ ሕክምና ዘለዎ ብምዃኑ ብቑዓት ባዓል ሞያታት ሕክምና ብምፍራይ ንኻልኦት ትካላት ሕክምና ሓጋዚ ኾይኑ ከግልግል እዩ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፣ሃገርና ዜጋታታ ንሕክምና ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ዝተውፅኦ ሸርፊ ወፃኢ ዘቕርን በዚ ወገን ዘሎ ፅዕንቶ ንምቅላል ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ኣፍሊጠን እየን፡፡

እዚ ማእኸል ሕክምና ዓለምለኸ ብርኪ ዝሓለወ እንተኾነ’ውን ካብ ሃፍታም ክሳብ ድኻ ግልጋሎት ዝደሊ ኹሉ ክሕከም ዘኽእሎ ኣሰራርሓ ንክህልዎ ክግበር እዩ፡፡

ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ናይ ምዃን ሕልማ ንክተሳኽዕ ከም ሮሃ ዝበሉ ተወሰኽቲ ማእኸል ሕክምና ንክህልዋ ጠንኪርና ምስራሕና ክቕፅል ኢና፤ተመሳሳሊ ኢንቨስትመንት ንምስታፍ ድልየት ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ነበረታትዕ ኢና ኢለን ፡፡

ማእኸል ሕክምና ሮሃ 1ሽሕ 100 ዓራታት ዝሓዙ ሓሙሽተ ዘመናዊ ሆስፒታላት ዘካተተ ፤ኣብ ዓመት ልዕሊ 100ሽሕ ዝኾኑ ተሓከምቲ ፅሬት ዘለዎ ሕክምና ዝህብ ፤ካብቶም ዓራታት 10 ሚኢታዊ ዝኾኑ ካብ ሪፈራል ሆስፒታላት መንግስቲ ንዝመፁ ተሓከምቲ ግልጋሎት ዝህብ ከምዝኾኑ ተገሊፁ እዩ፡፡እቲ ማእኸል ሕክምና ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ውሽጢ ንምውዳእ ዝተተለመ እንትኸውን ህንፀቱ ክውዳእ ኸሎ ልዕሊ 5ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You