ብጥበብን ተፈጥራዊ ፅባቐን ዝደመቐ ቕነ ብስራት ሓዱሽ ዓመት

መንፈሳዊ ኣቦ ጥበብ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ስራሕቱ ብዛዕባ ወቅትታት እንትገልፅ፤ ‹‹ደምፀ እገሪሁ ለዝናብ፣ ሶበ ይዘንብ ዝናብ ይትፌስሑ ነዳያን፤ … ሶበ ይዘንብ ዝናብ ይፀግቡ ርሁባን›› – ናይ ዝናብ ኮቴ ተሰምዐ፤ ዝናብ ኣብ ዝዘንበሉ እዋን ድኻታት ይሕጎሱ፤ ጥሙያት ድማ ይፀግቡ ብምባል ናይ ብዙሓት ተስፋ ዝኾነ ክረምቲ ከምዘብስሮ ኹሉ ናይ ክረምቲ ምዝዛምን ናይ ዝመፅእ ቀውዒ ምእታውን ድማ ከምዚ ክብል ገሊፅዎ ‘ዩ።

‹‹በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት ቆመ በረከት ናሁ ፀገዩ ፅጌያት›› ብእዋኑ ክረምቲ ሓሊፉ ሕጂ ናይ በረኸት ግዜ ክኸውን ‘ዩ ዕምባባታት ድማ ክዕምብቡ ‘ዮም ዝበለሉ ቅንያት ክረምቲ ተዛዚሙ ቀዊዒ ድማ ንክጅምር ሒደት ቅንያት ዝተርፍሉ እዋን ንርከብ።

እዚ ብጥበብን ተፈጥራዊ ፅባቐን ዝደመቐ ቕነ ብስራት ሓዱሽ ዓመት ዝኾነ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብረ በዓላት ኣሽንዳ፣ማርያ፣ ዓይኒ ዋሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብድምቐት ዝኽበረሉ ቅንያት ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልቲታት ኣሽንዳ፣ ማርያ ነቲ እዋን ብዝገልፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲታትን በዓላትን ዝኽበር ዝቐነየ እንትኸውን ድሕሪ ክብረ በዓል ዓይኒ ዋሪ ትማሊ ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኡን ብድሙቕ ተባዒሉ ‘ዩ።

ኣብ ዓይኒ ዋይሪ ገለ ዝተገበሩ መፅናዕቲታት ከምዝሕብርዎ፤ “ዓይኒ ዋሪ” ዝብል ስያመ ቀጥተኛ ትርጒሙ ካብ ናይ”ዋሪ” ትበሃል ዓይነት ዑፍ ዝተወሰደ እንትኾን፤ ናይ ዋሪ ዓይኒ ድማ ፃዕዳን ቀይሕን ሕብሪ ዘለዎ ‘ዩ።

ካብኣ ብምብጋስ ድማ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተውሃበ ውዳሴ ‘ዩ። ነዚ መረጋገፂ ‘ውን ጠቢቡ ሰለሞን ብመሃልይ መዝሙሩ “ ርግብየ ይቤላ በእንተ የዋሀታ ወሰናይት በእንተ ኣርምሞታ” ፤ ስለ የዋህነታ ርግበይ ይብላ ፤ ስለ ስቕትኣ(ትዕግስትኣ) ድማ ፅብቕተይ ይብላ።

ነዚ እውን ‘ዩ ኣዋልደ ፅዮን “ ኣሽዃይ ንድንግል ንወለሎ ንሰብ ‘ኳ ዝዕለሎ” እናበላ ኣብ ፀወታ ዓይኒ ዋሪ ዝደርፋ።

ስለዚ ዓይኒ ዋሪ ምልኽት ፅባቐ፣ ነፃነትን መመስገናይነት ባህሪ ኣዋልድ እንትውክል፣ ቆፅሊ ኣሸንዳ ድማ ምልክት ልምላመ ገፀ መሬትን ተፈጥሮን ይውኽል።

ዒፍ ዋሪ ውቕብቲ ፣ ፅብቕቲ ፣ መፃውቲ ቆልዑ “ብይ” ዝመስል ሰማያዊ ዕንቊ ሕብረ ቀለማት ዘለዋ ካብ ካልኦት ዓሌታት ኣዕዋፍ ዝተፈለየት ንዓይኒ ሰሓቢት ዝኾነት ፍልይቲ ዑፍ ‘ያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያን፣ መካነ ኣእምሮ፣ ኮሌጃት፣ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ካባ ሕብረ ቀለማቱ ካብ ዓይኒ ዋሪ ከምዝተወሰደን ናይ ዒፍ ዋሪ ክንቲት ሕብሩ ክዳን ማርያም ከምዝዀነን መፅናዕታት ይሕብሩ።

ዑፍ ዋሪ ኩሉ ጊዜ ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ብፍሉይን ስሕት ኢላ እትርኣይን ዓይነት ዑፍ ኾይና ዓይና ድሙቕ ‘ዩ።

ወርሒ ነሓሰ ድማ ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ብዝተፈለየ ውቑብ ኰይኑ ምርካብ ምህርቲ፣ ብዕምበባታት ዘግየፀ ውቑብ ገፀ መሬት፣ ፅባቐ ተፈጥሮን ምህርትን የርኢ። ዓይኒ ዋሪ ‘ውን ብተመሳሳሊ ድሙቕን ብሩህን ብምዃኑ ምስ ወርሒ ነሓሰ ዝምድና ከም ዘለዎ ምግንዛብ የድሊ።

ዒፍ ዋሪ ዘድልይዋ ምግብታት ብምሽታት ኣቢላ እትእልሽ ዓይነት ዑፍ ስለዝዀነት መብዛሕቲኡ ጊዜ ገና ዘይዓደሉ፣ ብሸዊቶም ዝብልዑ ከምኒ ዕፉንን ስገምን ዝበሉ መግቢታት እናመረፀት ትበልዕ ከምዝኾነት ይሕበር።

ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣሰያይማ ዓይኒ ዋሪ እዙይ ካብ በልና ዓይኒ ዋሪ መግለፂ ምልክት ነፃነት ፣ ማዕርነት ፣ሓድነት ንሕብረትን ኣዋልድ እንትኾን ካብቶም እንኲርዐሎም ዘይድህሰሱ ሓድግታትና ድማ ሓደ ‘ዩ።

ብፍላይ ዓይኒዋሪ ኣዋልድ ብባህላዊ ክዳንን መጋየፂታትን ወቂበን፣ ፀቢቀን ፣ተመላኪዐንን ፣ ንከባብአን ግርማ ኮይነን ኣብ ድሮ ብስራት መእተዊ ሓድሽ ዓመት ዘኽብርኦ ክብረ ብዓልን ባህላዊ ፀወታን ብምዃኑ ድማ ፍሉይ ከምዝገብሮ ካብ ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ኣኽሱም ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እዚ በዓል ኣዋልድ ብዘይምንም ፅዕንቶ ብነፃነት ሓቢረን ዘኽብርኦን ዝፃወትኦን ብምዃኑ ኣብ ምብቃዕን ምርግጋፅ ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣወንታዊ ተራ ይፃወት ።

ብተወሳኪ ‘ውን ስነ ቃል ህዝቢታትን ባህላዊ ኢደ ጥበብ ክዕቀብን ፣ግጉይ ኣካይዳ ደቂ ኣንስትዮን ስርዓትን ብስነ-ቃል ክውቀስ በዚ አብሉ ድማ ሕብረተሰብ ናብ ዝቅበሎ መንገዲ ክምለስን ክመዓራረይን ብምግባር ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ፣ምፍታሕ ፀገማትን ምዕባይ ዴሞክራሲን ናይ ባዕሉ ግደ ይፃወት።

መጋየፂታትን መፃባበቂታትን በዓል ማርያ/ዓይኒ ዋሪ / ኣሸንዳ ካብዝኾኑ፤ ፅሩራ፣ ኩትሻ/ጉባጉብ፣ ዝውጦ፣ ሕንቆ መስቀል ፣ደብሪ መስቀል፣ ኩሕሊ፣ ዙርያ ጥልፊ ቐምሽ መቀነትን፣ ሃሪ ማዕተብ፣ ዛዕጎል/መልጎም፣ ማርዳ፣ ሽቱ/ኣሽኩቲ/ጨና ኣዳም፣ ከበሮ፣ ባዕሉ ቆፅሊ/ ሳዕሪ ኣሸንዳ ብዝኣምሰሉ ደሚቁ ዝብዓል ኮይኑ፤ ኣብዚ ኣዋልድ ብመልክዕ ፀወታ ዝተፈላለዩ ቁምነገራት ብዋዛ ዘመሓላልፋ ኮይነን፤ ካብቶም ኣብዚ ዝቀርቡ መልእኽታት ብዛዕባ ነፃነትን ቁልዕነትን፣ መወድስ፣ ተግሳፅ፣ ማዕዳ፣ እምነትን ፍኩክርን ዝኣምሰሉ ይንፀባርቃ ‘የን።

ንኣብነት ዝድረፉ ደርፍታት

ኣሻንዳ ኣሸንዳ ኣሸንዳውየ

ክፃወት እየ ኣይ ቆልዓይድየ” ብምባል ኣብ እዋን ቁልዕነት ፀወታ ኣድላይ ምዃኑ ይገልፃ።

ብተመሳሳሊ “ኣዋልደይ ሎሚ ዕበዳ ላዕላይ ሰማይዶ ኣለዎ ሜዳ

ስየይ ዶ ሓፍተይ ስየይየ

ያዓወይ ስየይየ

ስየይዶ እንድሕር ሕፀ

ያዓወይ ስየይየ

ስየይየ የለን መፋፀ

ያዓወይ ስየይየ

ስየይየ እንድሕር ሓዳር

ያዓወይ ስየይየ

ስየይየ የለን ምውድልዳል” ብምባል እዚ እዋን ብነፃነት ክፃወታሉ ዝግባእ ምዃኑ የመላኽታ።

“እምበይተዋይ ፀሓይየ

መፂአ ኣለኩ ዛ መፅብዓይየ

ፀሓይ ገፃ ብሪ መወፃ ይብላኪ ኣለዋየ

ፀሓይ ገፃ ንሳ በሊፃ ይብላኺ ኣለዋየ

እዛ ገዛ መንያ ዋንኣየ

እምበይተዋይ ምስ ወርቂ ጫምኣየ

ክፈት ክፈት በሎምየ ኣጋፋሪ

ሓላዊያ ገይሮም ፃዕዳ ነብሪ

ሃቡና እምበይየ ሃቡና እምበይ

ምሃብ ዶ ነውሪ ‘ዩ” ብምባል ዘድልየን ነገር ብፀባይ ብመወድስ እንትጥይቃ ይርኣይ።

ብሓፈሻ በዓላትና መግለፂ መንነትና፣መፍጠሪ ሓድነት፣ መግለፂ መንፈሳዊ ዕግበትና ፣ምቅርራብ ህዝቢታት ካብ ምዃን ሓሊፎም ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኦም ከይለቀቁ ብመፅናዕቲ ተደጊፎም ብአግባቡ ክለምዑን ክላለዩን ብምግባር ናብ ብርኪ ፌስቲቫል ክዓብዩን ማሕበራዊን ቁጠባዊን ረብሓ ክህልዎምን ኣብ ዓለም ክላለዪን መስሕብ ቱሪስት ክኸውንን ናብ ቁጠባዊ ረብሓና ብምልዋጥ ንክንጥቀመሉ ብግቡእ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ይሕብሩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

Recommended For You